ብዛዕባ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን

ብዛዕባና

ንሕና ኣብ ሸወደን እንነብር ኣመንትን ተኸተልትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢና። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት እያ። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ሃዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን እያ፥ ሃብታም ዝኾነ ሰማያዊ ኣምልኾን ናይ ስርዓተ-ጸሎት ህይወትን መንፈሳዊ ዜማታትን ስርዓታትን ከኣ ኣለዋ። እዚ ሕብረትና (ጉባኤና) ቀኖናዊ እዩ፥ እዚ ማለት ካኣ ኣባላት ናይታ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ሓዋርያውያን ኣብያተ-ክርስቲያናት ብምዃና ጥራይ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ንቀኖናዊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ ስለ እንቕበል`ውን እዩ።

ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን: ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ተባሂላ ትጽዋዕ። ተዋሕዶ ዝብል ቃል ነቲ ሓደ ዝተወሃሃደ ባህርይ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ቃል እዩ።

ታሪኽ ክርስትና ኣብ ኤርትራ ካብ ዘመነ-ሐዋርያት እዩ ዝጅምር። ኣብ ጥንቲ ግዜ፡ ናይ የመንን ናይ ሶርያን ክርስቲያናት ኣብ ወደብ ኣዱሊስን ዓሰብን ኣብ መጀመርያ ክፍለ-ዘመን ሰፈሩ፡ ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ ከኣ ናብ ክርስትና ይልውጥዎም  ነበሩ። ኣብ ዝቐጸሉ ክፍለ-ዘመናት፡ ኣብ ብዘሎ ከባሳታት ወንጌል ተሰብከ፡ ኣብያተ-ክርስቲያናት ከኣ ተሓንጹ። ኣብ ዘመን ንጉስ ኢዛና (320-356 ክ.ዘመን) ድማ ክርስትና ሃገራዊ-እምነት ናይ መንግስቲ-ኣክሱም (መንግስቲ-ኣክሱም ጥንታዊ ንግስነት ኮይኑ፡ ክፋል ናይዚ ሕጂ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ዘጠቓልል ዝነበረ እዩ) ተባሂሉ ተኣወጀ።

ኣብ ዘመን ንጉስ ኢዛና እዩ ከኣ እቲ ኣብ ጢሮስ እተወልደ ሶርያዊ ፡ ቅዱስ ፍሬምናጦስ፡ ናይ መጀመርያ ጳጳስ ናይ ኣክሱም ተባሂሉ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ናይ እስክንድርያ ተቐብአ። ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣባ-ሰላማ (ኣቦ-ሰላም) ከምኡ`ውን ከሣቴ-ብርሃን (ገላጺ-ብርሃን) ተባሂሉ ብዓቢ ክብሪ ይጽዋዕ።

ዓቢይ ነጥበ-መቐይሮ

ናይዛ ሕጂ ኤርትራ ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ገማግም-ባሕሪ ክርስቲያናት፡ በቲ ኣብ 7ይ ክ.ዘመን ዝተላዕለ ናይ ምስልማና ወራራት ክሽገሩ ጀመሩ። እቲ ከባቢ ኣብ 16 ክ.ዘመን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቱርኪ ክሳብ ዝወድቕ ድማ ዘይ-ምሉእ ነጻነት ሒዙ ቀጸለ። ኤርትራ ብብርጣንያ ክትሓዝ ከላ፡ ካብ 1890 ክሳብ 1942 ዓ.ም. ናይ ጥልያን ግዝኣት ነበረት። ኣብ 1952 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቖረነት፡ ኣብ 1962 ዓ.ም. ድማ እቲ ፈደረሽን ወዲቑ ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ተቐየረት። አቲ ነዊሕ ውግእ ናይ ርእሰ-ምሕዳራ ከኣ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ብምእዋጅ ናጽነት ኣብቅዐ።

ኣብ ሓምለ 1993 ናይ ኤርትራ ጳጳሳት፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ክትፍለን ርእሳ-ዝኸኣለት ቤተ-ክርስቲያን ክትከውንን ናብ ስድራ እተን ነናይ ባዕለን ርእሰ-ምሕደራ ዘለወን ካልኦት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስቲያናት ክትጽንበር  ናብ ፖፐ ሽኖዳ ፫ይ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ሕቶ ኣቕረቡ። ኣብ 28 መስከረም 1993፡ ናይ ግብጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ነዚ ሕቶ ተቐቢሉ፡ ክሳብ ዓሰርተ ዝኾኑ ናይ ኤርትራ ቤተ-ክርስቲያን ናይ መጻኢ ጳጳሳት ኣብ ናይ ግብጺ ገዳማት ከሰልጥን ኣፍቀደ።

ኣብ 19 ሰነ 1994: ፖፐ ሽኖዳ ፫ይ ሓሙሽተ ሓድስቲ ጳጳሳት ኣብ ካይሮ ግብጺ ቀብኡ። መስርሕ ምምስራት ርእሰ-ምሕደራ ናይ ኤርትራ ቤተ-ክርስቲያን ምስ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ብምርድዳእ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም 1993: ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያ ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስን ናይ ኤርትራ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ፊሊጶስን ሓቢሮም ክሰርሑ ብምርድዳእ፡ ናይ ክልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት ምፍላይ ኣፍቀዱ። ኣብ የካቲት 1994: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ስምምዕ ተፈራረሙ፥ ናይ ከልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያንን ናይ ኤርትራ ቤተ-ክርስቲያንን፡ ርእሰ-ምሕደራ ደጊሙ ዘርትዕን፥ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኦርየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ቀዳማይ ክብሪ ዘረጋግጽን እዩ።

ድሕሪ ጽዑቕ ጸሎትን ኣብ መንጐ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያናት ዝተገብረ ምዝርራብን፡ ኣብ ሚያዝያ 1998፡ ኣቡነ ፍሊጶስ፡ ናይ ኣስመራ ጳጳስ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ኮይኖም ተመርጹ። ኣብ 8 ግንቦት 1998 ከኣ ኣብ ካይሮ ብናይ ግብጺ ፓትርያርክ ብፖፐ ሽኖዳ ፫ይ ተቐብኡ። ኣቡነ ፍሊጶስ ብባህርያዊ ሞት ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ኣብ መበል 101 ዓመቶም ዓረፉ። ደሕሪ ሞት እዞም ቀዳማይ ፓትርያርክ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ 4 ታሕሳስ 2002 ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ ቀብኣት። ኣቡነ ያዕቆብ`ውን ድሕሪ ዓመት ዓረፉ።

ቅዱስነቶም ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን  3ይ ፓትርይራክ

pope-antioniosድሕሪ ሞት ኣቡነ ያዕቆብ፡ ካልኣይ ፓትርያርክ፡ ኣብ 2003፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ብኹሉ ድምጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ሳልሳይ ፓትርያርክ ናይ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ተመርጹ። ከም ፓትርያርክ ምቕባኦምን ናብ መንበር ምዕራጎምን ከኣ ብ23 ሚያዝያ 2004 ብናይ ኤርትራን ናይ ግብጺን ሜጥሮጶሊጣሳትን ጳጳሳትን ተሓጊዞም ብኢድ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ኣብ ኣስመራ ተፈጸመ።

ብዛዕባ ምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ስክፍታታት ክዓቢ ጀመረ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ`ውን ነዚ ምትእትታው ኣበርቲዖም ተቓወምዎ፡ ብፍላይ ከኣ ብወገን እቲ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ናይ መንግስቲ ወኪል ዝኾነ ኣቶ ዮፍታሔ ድሜጥሮስ ዝመጽእ ዝነበረ መምርሒታት ኣይተቐበልዎን። ኣብ ጥሪ 2005፡ ናይ ፓትርያርክ ናይ ልደት መልእኽቲ ብመንገዲ ቴለቪዥን ኣይተቓልሐን። ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ 6-7 ነሓሴ 2005 ጉባኤ ገበሩ፡ ዕላማኡ ከኣ ንኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዘለዎም  ኲሉ ናይ ምሕደራ ስልጣን ንምእላይ ነበረ። ኣብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስቲያን ከገልግሉ ተፈቒዱሉም፡ ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ግደ ከይህልዎም ግን ተኸልከሉ።

ኣብ መጀምርታ ንፓትርያርክ ከም ዝኣለዮም ኣይኣመነሉን፡ እንታይ ደኣ ገለ ስርዓት ይፍጽሙ ከም ዘለዉ እዩ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ኣብ መንበሪኦም ኣብ ኣስመራ ከም ናይ ገዛ እሱር ከለዉ፡ ገለ ልኡኻት ካብ ስልጣኖም ንምውራዶምን ንምትክኦምን ደገፍ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ክረኽቡ ኣብ 25 ሓምሌ ናብ ግብጺ ተጓዕዙ። ኣቡነ ሽኖዳ ነዚ ከም ቀኖናዊ ፍጻሜ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን፡ ንኣመንቲ ደማ “ኣቡነ እንጦንዮስ ብብዙሕ መከራ ይሓልፉ ኣለዉ።ኣምላኽ ከድሕኖም ተስፋ ንገብር።” ብምባል ኣብ ክንዲ ኣቡነ እንጦንዮስ ክጽልዩ ተማሕጸንዎም።
ኣብ 13 ጥሪ 2006፡ ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጢራዊ ጉባኤ ኣብ ኣስመራ ተኻየደ፡ ብወግዒ ከኣ ንፓትርያርክ ካብ ስልጣኖም ኣለይዎም። ምስ ዝኾነ ርክብ ከይህልዎም ኣብ ጽኑዕ ማሕዩር ኣተዉ። ኣብ 20 ጥሪ 2007፡ ክልተ ካህናት ብሰለስተ ናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ኣባላት ተሰኒዮም ናብ ናይ ፓትርያርክ መንበሪ ገዛ ኣተዉ፡ ልብሲ-ተክህኖኦም ከኣ ወሰድሎም። 

ኣብ 27 ግንቦት 2007፡ ሕግን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን ብምግሃስ፡ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ኣብ መንበር ኣዳየቦም። ኣብ’ቲ ንግሆ ሽዑ መዓልቲ ከኣ ንኣቡነ እንጦንዮስ ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ኣልዮም ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ወሰድዎም። ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕማም ሽኮርያ ኣለዎም፡ ብዛዕባ ጥዕናኦም ከኣ ሓፈሻዊ ስክፍታ ኣሎ።

ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስደት

ምስ ምውራድ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተተሓሓዘ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብዓለማውያንን ፍርሓት ኣምላኽ ዘይብሎም ውልቀሰባትን ከም እትመሓደር ተገብረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃብትን ንብረትን ቤተክርስትያን ክዝመትን ክዓኑን ቤተክርስቲያን ርእሲ ዘይብላ ካብ ዓለም ተነጺላ  መጋበርያ ካሊእ ዓለማዊ ዋኒናት ክትከውን ጀመረት። በዚ ዝተላዕለ ኣብ ስደት ዝርከበ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስቲያናት ጓሳ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ክብላን ክፈላለያን ጀመራ።  ንሕና ከኣ እቲ ቅኑዕ ኢልና ዝኣመነሉ፡ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቀኖናን ሕግን ዘኽብር ጒዕዞ መረጽና፥ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕጋዊ ፓትርያርክ ምዃኖምን ምውራዶምን ብካልእ ምትካኦምን ከኣ ኣንጻር ሕግን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን ምዃኑን እዩ። በዚ ቀኖናዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ስካንዲናቪያን ጳጳስ፡ ኣቡነ ኣባኪር፡ ኴንና ኣገልግሎትና ንፍጽም ኣለና።

{flike}

ተልእኾና

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሸወደን፡ ብድሌት እቶም  ቊጽሮም እናወሰኸ ዝመጽአ ኣብ ሸወደን ዝነብሩ ኤርትራውያን  ብውሑድ ዕቑሚ ጀሚራ ኣገልግሎታ ካብ ዝሓለፈ ውሑዳት ዓመታት ከተስፍሕፍሕ ጸኒሓ።

ተልእኾ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሸወደን፡ ንኣመንቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቶም ክዓብዩን ብሰላም ክነብሩን ብመንገዲ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምምራሕን እዩ።  

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ሓዋርያት ቤተ-ክርስቲያን እያ፥ ሃብታም ዝኾነ ሰማያዊ ኣምልኾን ናይ ስርዓተ-ጸሎት ህይወትን መንፈሳዊ ዜማታትን ስርዓታትን ከኣ ኣለዋ። ስለዚ ነዚ ህይወት ዝኾነ  ኣገልግሎት ንኹሎም ኣመንትን ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውነት ክፈልጡ ንዝደልዩ  ሓደስትን  ግቡእና ከነበርክት  ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከምዘለና ንኣምን።

ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ቤተ-ክርስቲያን መጻኢ ስለዝኾኑ፥ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶምን ትምህርቶምን ማሕበራዊ ህይወቶምን ዕውታት ክኾኑ ውጽኢታዊ ጒስነት ንምሃብ ካብቲ ቀንዲ ዕላማና እዩ።

ማእከል ናይ ተልእኾና ክርስቶስን መንግስቱን እዩ፥ ነታ መንግስቱ ብመንገዲ ኦርቶዶክሳዊ ህይወት ከነስፍሕ ከኣ ብእኡን ምስኡን ኣብኡን ኴንና ንዓዪ።

ብፌስቡክ