እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ናብ መርበብ ሓበሬታና ስለ ዝበጻሕኩም  መንፈሳዊ ሓጎስ ይስምዓና።

ኣብዚ መርበብ እዚ  ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ስርዓተ ኣምልኾን እምነትን ከምኡ ካኣ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብሓፈሻ ድማ ኣብ  ሃገራት ስካንድንቪያ ከመይ ከምዝመስል ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ከም መንፈሳውያን መጠን ኩሉ እንገብሮ ጻዕሪ ንኣባላት ቤተክርስትያንን ካልኦት ብእምነቶም ንዝግደሱን ብዝሓሸን ብዝጸፈፈን መንገዲ መልእኽቲ ወንጌል  ከምዝበጽሖም ምግባር እዩ። ብተወሳኺ እዚ መርበብ ’ዚ ብቐረባ ቃል ኣምላኽ ክረኽቡ ንዘይከኣሉ ኣመንቲ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምርካብ ክሕግዞም ዓቢ ተስፋ ኣሎና። ስለ’ዚ መንፈሳዊ ኣፍልጦኹም ንምዕባይን ብዛዕባ ቤተክርስቲያና እትደልይዎ ሓበሬታ ንምርካብን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀሙ ብትሕትና ንሓትት። ምናልባት ሕቶታት እንተለኩም’ውን ከይተሰከፍኩም ጸሓፉልና ኣብ ሰዓቱ ክንምልሰልኩም ኢና።

ኣምላኽ ይባርኽኩም።

መተሓሳሰቢ

ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።

ብፌስቡክ