ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሳንዲቪከን

አድራሻ ቦስጣ:

C/O Hagos Ghebresilase Kidane,
Västerled 82A
811 50 Sandviken

ቴሌ: 076 5956754

ኢሜይል: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

ዌብሳይት: www.kyrktorget.se/ortodoxakyrkan.sandviken

አድራሻ ቤተክርስቲያን:

killingvägen 12 Sandiviken

ካርታ:

{flike}

ተልእኾና

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ስካንዲናቪያ፡ ብድሌት እቶም  ቊጽሮም እናወሰኸ ዝመጽአ ኣብ ስካንዲናቪያ ዝነብሩ ኤርትራውያን  ብውሑድ ዕቑሚ ጀሚራ ኣገልግሎታ ካብ ዝሓለፈ ውሑዳት ዓመታት ከተስፍሕፍሕ ጸኒሓ።

ተልእኾ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ስካንዲናቪያ፡ ንኣመንቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቶም ክዓብዩን ብሰላም ክነብሩን ብመንገዲ ወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምምራሕን እዩ።  

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፡ ሓዋርያት ቤተ-ክርስቲያን እያ፥ ሃብታም ዝኾነ ሰማያዊ ኣምልኾን ናይ ስርዓተ-ጸሎት ህይወትን መንፈሳዊ ዜማታትን ስርዓታትን ከኣ ኣለዋ። ስለዚ ነዚ ህይወት ዝኾነ  ኣገልግሎት ንኹሎም ኣመንትን ብዛዕባ ኦርቶዶክሳውነት ክፈልጡ ንዝደልዩ  ሓደስትን  ግቡእና ከነበርክት  ሓዋርያዊ ሓላፍነት ከምዘለና ንኣምን።

ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ቤተ-ክርስቲያን መጻኢ ስለዝኾኑ፥ ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶምን ትምህርቶምን ማሕበራዊ ህይወቶምን ዕውታት ክኾኑ ውጽኢታዊ ጒስነት ንምሃብ ካብቲ ቀንዲ ዕላማና እዩ።

ማእከል ናይ ተልእኾና ክርስቶስን መንግስቱን እዩ፥ ነታ መንግስቱ ብመንገዲ ኦርቶዶክሳዊ ህይወት ከነስፍሕ ከኣ ብእኡን ምስኡን ኣብኡን ኴንና ንዓዪ።

ብፌስቡክ