ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት'ዶ ፡ ንዕንወት?

እቲ ሊቀ ኻህናትን እቶም መራሕቲ ኣይሁድን ዚገብርዎ ሓርቢትዎም ነበረ። ነቲ ምስ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ እተተሓሓዘ ምልዕዓል ብኸመይ ኪጭፍልቕዎ ይኽእሉ? ንየሱስ ከም ዚቕተል ብምግባር ኣሳልጦ እኳ እንተ ረኸቡ: ደቀ መዛሙርቱ ግን ንየሩሳሌም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ብዚገልጽ ወረ መልእዋ። ብኸመይ ስቕ ምባሎም ይከኣል? ምክንያቱ፡ "ሓዋርያቲሁ ከበበ፡እግረ ኣርዳኢሁ ሓፀበ፡ ኮኖሙ ኣበ ወእመ" ማለት፡ ነቲ ከም ኣቦን ኣደን ኮይኑ ዝናበዮም ጎይቶምን መምህሮምን ካብ ምስክሩ ከመይ ጌሮም ዓዲ ክውዕሉ? እስከ ንስኻ'ከ ንርእስኻ ኣብዚ የእቲኻ ሕተታ። እንታይ ኮን ምገበርካ? ። እቲ ሊቀ ኻህናትን ደገፍቱን ነዚ ንምውሳን: “እቶም ዋዕላ” ማለት እቲ ላዕለዋይ መጋባእያ ህዝቢ ኣይሁድ “ጸውዑ።”ግብ ሃዋ 5:21
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ እስራኤል: ሮማዊ ኣመሓዳሪ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ዝለዓለ ስልጣን ነበሮ። " በዘመነ ጴንጠናዊ ጲላጦስ" ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ሃይማኖትና እንጥቀመሉ ጸሎት። 

እታ “ዋዕላ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ብሓፈሻ ንኣኼባ ወይ ንጉባኤ ዚጥቀሙላ ዝነበሩ ቓል እያ። ብመሰረት ትውፊት ኣይሁድ: ነቲ ሃያማኖታዊ ኣካል ፍርዲ: ወይ መጋባእያ እያ እተመልክት።

እቲ ዋዕላ 71 ኣባላት: ማለት እቲ ሊቀ ኻህናትን 70 ኣውራታትን እታ ሃገርን ነበርዎ። ብግዜ ሮማውያን በቶም ልዑላን ካህናት (ብቐንዱ ሰዱቃውያን): ካህናት ዘይኰኑ ኣሪስቶክራት: ከምኡውን በቶም ምሁራት ክፍሊ እቶም ፈሪሳውያን ዝዀኑ ጸሓፍቲ ዝቘመ እዩ ነይሩ። እቶም ልዑላን ካህናት: በቶም ካህናት ዘይኰኑ ምርኡያት እናተደገፉ ነቲ መጋባእያ ይዕብልልዎ ነበሩ። እቶም ሰዱቃውያን ዓቃባውያን ኪዀኑ ኸለዉ: እቶም ፈሪሳውያን ከኣ ለውጥታት ዜምጽኡን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ህዝቢ ዓብዪ ጽልዋ ዝነበሮምን ሰባት እዮም ነይሮም። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዝበሎ: እቶም ሰዱቃውያን ነቲ እቶም ፈሪሳውያን ዜቕርብዎ ዝነበሩ ጠለብ ከይፈተዉ እዮም ዚቕበልዎ ነይሮም። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ንርእሱ ኺመጻረየላ ኸሎ: ነዚ ንሕንሕን ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ እምነትን ተጠቒሙሉ እዩ።ግብሪ ሃዋርያት 23:6-9 ምንባብ ይከኣል። 

እቲ ዋዕላ ብዘይካ ኣብ ሰናብትን በዓላትን: ካብቲ ንግሆ ዚቐርብ መስዋእቲ ኽሳዕ እቲ ምሸት ዚቐርብ መስዋእቲ ኣብ ዘሎ እዋን ውሳነ ንምግባር ይቕመጥ ነበረ። ጕዳይ ኪተሓዝ ዚከኣል ኣብ ግዜ መዓልቲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ናይ ሞት ፍርዲ ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምስማዕ ንጽብሒቱ ብይን ይንገር ብምንባሩ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ድሮ ሰንበት ወይ ድሮ በዓል ኣይተሓዝን ነበረ። እቶም ተሳተፍቲ ንጹህ ደም ከየፍስሱ ሓያል ማዕዳ ይወሃቦም ነበረ። ስለዚ: እቲ ድሮ በዓል ኣብ ቤት ቀያፋ ብለይቲ እተገብረ ንጕዳይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዚምልከት መርመራን ብይንን ሕጋዊ ኣይነበረን። እቲ ዝገደደ ኸኣ: እቶም ደያኑ ባዕሎም ናይ ሓሶት መሰኻኽር ደለዩ: ንጲላጦስ እውን ንየሱስ ንኪቕተል ኣሕሊፉ ንኺህቦ ኣእመንዎ። ማቴ26:57-59፣ ዮሃ 11:47-53፣ 19:

እቶም ናይ ሞት ፍርዲ ኼፍርድ ዚኽእል ጕዳይ ዝሓዙ ደያኑ: ነቲ ጕዳይ ብህድኣት ብምሓዝ ነቲ ኽሱስ ኬድሕንዎ ይጽዕሩ ኸም ዝነበሩ ታልሙድ ይገልጽ እዩ። ኰይኑ ግን: እስጢፋኖስ እውን ከምቲ ቕድሚኡ ንየሱስ ዘጋጠሞ: ከምዚ ዓይነት መርመራ ኣይተገብረሉን። ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ መከላኸሊ ነጥቡ ምስ ኣቕረበ: ጭፍራ ሰባት ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።

እንከ ናብ'ቲ ኣብ ዓድናን ቤተ ክርስቲያናን ዝግበር ዘሎ ንመለስ ? 
"ዋዕላ ጳጳሳትና ንዕብየት'ዶ ንዕንወት"?። ዑደት ጳጳሳትና ናብ ኤውሮጳ ንዕቤት'ዶ ንዕንወት? ፡ጉባኤ ጳጳሳትና ንዕቤት'ዶ ንዕንወት? ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኤውሮጳን ከባቢኣን እናተባህለ፡ነገር ግን በኣስን ጸለመን ዝሓዘለ ጉዕዞ። ግን ክሳብ መዓስ? ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ብጉዳይ ቤተ ክርስቲያን እትሓሙ፡ ዝዓበኹም ዝነኣስኩም ምእመናን ክርስቲያን፡ ኣስተውዕሉ! እዚ ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን እትርእይዎ ዘለኹም፡ ንብጹእ ወቅዱስ 3ይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኤርትራ፡ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ንምጽላምን ሽሞም ንምጥፋእን ዝዓለመ ጉዕዞ ጳጳሳትና ዓገብ ክንብሎ ይግባእ። ከም ኒቆዲሞስ፥ "ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይኣፍለጦንዶ ይፈርዶ ኢዩ? (ዮሃ 7፡51) ክንብል ውን ኣሎና። 
ጸላኢ ክርዳድ ክዘርእ እንከሎ ንሕና ድማ ስርናይ ክንዘርእ ትጽቢት ይግበረልና፡ ከም ኣቦታትና "ሓዋርያት"። ጸላኢ ካብቲ ንጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንምጥፋእ ዝተጠቕመሉ ሜላ ንላዕሊ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። ንሱ ሕማቕ ወረ ክዘርእ ህርግዲም እንተበለ፡ ንሕና ግና ሰናይ ወረ ክንዘርእ ትጽቢት ይግበረልና።
ንሱ ካብ ቀደሙ" ከሳሲ" ኣሕዋትናን ኣቦታትናን ኢዩ። ካብ ክሲ ዓዲ ኣይውዕልን ኢዩ። ንስም ኣቦና ንምጥፋእን ምድዋንን ላዕልን ታሕትን እንተበለ ክንጎርሓሉ ኣሎና።
ኣምላኽ ምስትውዓል ይሃበና!።
+ ወይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ+

ብፌስቡክ