እንቛዕ ናብ ዘመነ ሉቃስ ኣብጸሓና!

ናይ ዘመን አቆጻጽራ ባሕረ ሓሳብ

ባሕረ ሐሳብ ካብ ክልተ ናይ ግእዝ ቃላት ዝተረከበ ኾይኑ ባሕር ዘመን  ሓሳብ  ካኣ ቁጽሪ ማለት አዩ:: ባሕረ ሓሳብ ዝደረሰ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝተባህለ  ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ ማለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ መበል 12 ፓትርያርክ  ኮይኑ ዝተሾመ ካብ 180 ክሳብ 222 ዓ ም ን42 ዓመት ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ኣቦ እዩ።

ቅዱስ ድሜጥሮስ በዓላትን ኣጽዋማትን ካብ ጥንተ መዓልቶም ከይወጹ ከይናወጹ ይምነ ነበረ።እዚ ድማ

  • ጾመ ነነዌ፣ጾመ አርብዓ፣ጾመ ሐዋርያት ካብ ሰኑይ
  • በዓለ ርክበ ካህናት ።ጾመ ድኅነት ካብ ረቡዕ
  • ባዓለ ዕርገት ካብ ሓሙስ
  • በዓለ ደብረ ዘይት፣ሆሳዕና።ትንሳኤ፣ጰራቅሊጦስ ካብ ሰንበት ከይወጹ  ኣብ ዕለቶም ክውዕሉ ዝብል ቅዱስ ሓሳብ ነበሮ።

መልአኽ እግዚአብሔር ካኣ ነገር ብትምኒት ኣይከውንን እዩ ‘ሞ ብከምዚ ዝስዕብ ሱባዔ ኣቲኻ ርኸቦ በሎ።

  • ካብ ለይቲ 23 ሱባዔ ኣቲኻ አበቅቴ።
  • ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣቲኻ መጥቅዕ ይኹንካ በሎ።
  • 23 ሱባዔ ማለት
    1 ሱባዔ=7 መዓልታት
    23.7
    161 መዓልታት
    ኣዋጅ፣ዝኾነ ቁጽሪ ብ 30 ብ 30ይመቀል
    161/ 30=5 ተረፍ 11
    11 ጥንተ አበቅቴ ይበሃል።
  • ሸውዓተ ሱባዔ ማለት፣
    1 ሱባዔ፡ 7 መዓልታት
    7.7=49
    ብ 30 ምስ እንመቕሎ 49/30=1 ተረፍ19
    19 ጥንተ መጥቅዕ ይበሃል።መጥቅዕን አበቅቴን ተደሚሮም ካብ 30 አይበዝሑን ካብ 30 አይውሕዱን እዮም።

እዞም አጽዋማትን በዓላትን ብኸመይ ተረኺቦም?

ብክልቲኦም ብርሃናት ፀሓይን ወርሕን አቆጻጽራ አዩ ማለት ብጸሓይ ዓመት 365 መዓልታትን 15 ኬክሮስን 6 ሰዓትን ብወርሒ ድማ ዓመት 354 መዓልታትን 22 ኬክሮስን እዩ። ኣብ መንጎኦም ናይ 11 መዓልታት ፍልልይ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓዓመቱ ዘሎ ናይ 11 መዓልቲ ፍልልይ ንበዓላት መርከቢ ዝሕግዝ ብምኻኑ አበቅቴ ይበሃል።አበቅቴ ዝብል ቃል አፓክቴ ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተረከበ ኮይኑ ተርፍ ዓመት ማለት እዩ።አበቅቴ ኣብ 19 ዓመቱ ዝመላለስ ዐውዲ አለዎ።እዚ ድማ ዐውደ አበቅቴ ይበሃል።ምስ አበቅቴ ዝምድና ዘለዎ መጥቅዕ እዩ።ናይ ወርሒ ዓመት ኣብ ነሓሴ ወይ ኣብ ጳጉሜን ይጅምር እሞ ኣብ መስከርም ወይ ኣብ ጥቅምቲ መበል 30 መዓልታ እተኽብረላ መዓልቲ መጥቅዕ ይበሃል።መጥቅዕ ደውል ማለት ክኸውን እንከሎ ናይ አይሁድ ሓድሽ ዓመት የመልክት

እዋጅ

  • መጥቅዕ ካብ መስከረም 15 ክሳብ ጥቅምቲ 13 ኣብ ዘለዉ ኣብ መንጎ 29 መዓልታት ይውዕል።
  • መጥቅዕ ካብ መስከረም 15 ክሳብ መስከርም 30 ክውዕል አንከሎ ነነዌ ኣብ ጥሪ ይውዕል።
  • ካብ 2 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ጥቅምቲ ክውዕል እንከሎ ድማ ነነዌ ኣብ የካቲት ይውዕል።

ናይ ባሕረ ሓሳብ መበገሲ ዓመተ ዓለም መቁጸሪኡ ዓውደ ኣበቅቴ ስለዝኾነ ። መጀመርታ ናይ 2007ዓም ን ዓመተ ዓለም ንረክብ።

  • ዓመተ ምሕረት +ዓመተ ኩነኔ= ዓመተ ዓለም
  • 5500+2007= 7507 ይኸውን። እዚ ዓመተ ዓለም እዩ ዝበሃል። ዓመተ ዓለም ንጥንተ ኣበቅቴ መቒልና ተርፍ ንሕዝ
  • 7505 /19=395 ተርፍ 2 ይኸውን

እዚ ማለት ዓለም ካብ ዝፍጠር ክሳብ 2007 ዓ.ም 395 ዐውደ አበቅቴ መሊኡስ ን396 ዓውድ መበል 2 ዓመት በጺሑ ማለት እዩ።2007 ተጀሚሩ እምበር ስለዘይተወድኣ ካብ መበል ክልተ ዓመት ሓደ ኣጉዲልና ሐደ ንረክብ። (2 -1=1) 1 ወንበር እዚ ድማ ወንበር ንብሎ። ኣብ ዝሐለፈ ሐደ ዓመት ክንደይ አበቅቴታት( ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሕን ዘሎ ናይ 11መዓልቲ ፍልልይ365-354=11 )ከም ዝሓለፉ የርእየና።

በዚ መሰረት ናይ 2007 አበቅቴ ንምርካብ 11.1= 11 ይኸውን። ስለዚ ናይ 2007 አበቅቴ 11 ረኺብና ማለት እዩ።

አበቅቴ ብሓጺር መንገዲ ምርካብ

አበቅቴ ብሓጺር መንገዲ ንምርካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት አበቅቴ ምስ እንፈልጦ ንዝቅጽል ዓመት አበቅቴ ንኽንፈልጦ ይቐለልና ማለትና እዩ ።

  • ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሒን ዘሎ ፍልልይ ዓሰርተ ሐደ አዩ ኢልና ኣለና።እዚ ዓሰርተ ሓደ ኣብ ዓዓመቱ ኣብቲ አበቅቴ ምስ እንድምሮ ናይ´ቲ ዘበን አበቅቴ ንረክብ ማለት እዩ።ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ መጀመርታ ዓመተ ዓለም አበቅቴ 11 ኔሩ ማለት እዩ ካልአይ ዓመት 22፣ኣብ ሳልሳይ ዓመት 33 /ን30 ምስ እንመቕሎ/ 3 ይተርፈብ ራብዓይ ዓመት /3+11=14 አብ ሓሙሻይ ዓመት/14+11=25 እዩ ስለዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት አበቅቴ እንተፈሊጥናዮ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ሎሚ ዓመት እንተፈሊጥናዮ ናይ ዚመጽእ ዓመት 11 ብምውሳኽ ንረኽቦ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ዓመተ 2006 አብቅቴ ኣልቦ ስለዝነበረ ናይ ሎሚ ዓመት ኣበቅቴ 11 ይኸውን ማለት እዩ።

ዘመነ ብሉይን ዘመነ ሓዲስን ብጠቅላላ ዓመተ ዓለም ይበሃል።ንሱ ድማ 5500 ዓመተ ፍዳ ተደመሮ 2007ዓመተ ምህረት 7507 ዓመተ ዓለም ይኸውን። ስለዚ አዕዋዳት ዝበሃሉ ነዚ ዓመተ ዓለም ንሰፍረሉ ወይ ንልካዐሉ ድማ እዮም።
ንሳቶም ድማ 7 እዮም፣

  1. ዓውደ ዕለት ፣ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ዘለዉ መዓልታት ክኾኑ እንከለዉ ኣብ ሰሰሙን ተመላሊሶም ወይ አንዳዘሩ ዝመጹ እዮም። እዞም ሰሙናት እንዳተመላለሱ ወርሓት ይፈጥሩ።
  2. ዓውደ ወርሒ፣ሓደ ወርሒ ዝበሃል ብፀሓይ ሙሉእ 2 ሰላሳ መዓልታት ክኸውኝ እንከሎ ብወርሒ ድማ 29 መዓልታት ሓደ ግዜ ካኣ 30 መዓልታት ይኸውን። እዚ ብ30 መዓልታት እንዳተመላለሰ ወርሒ ይፈጥር።
  3. ዓውደ ዓመት ፣ብፀሓይ 365 መዓልታት 15 ኬክሮስ/ 12. 30=360 +5 ጳጉሜን ክኸውን እንከሎ ብወርሒ354 +22 ኬክሮስ 6 ወርሒ 29 መዓልታት +6 ወርሒ 30 መዓልታት ይኸውን/ 6.29=174,6.30=180ተደሚሩ354 መዓልታት ይኸውን።
  4. ዓውደ አበቅቴ /ንዑስ ቀመር/፣አብ 19 ዓመታት ዘይሩ ዚመጽእ ኣዩ።አብዚ ግዜ እዚ ፀሐይን ወርሕን ዝራኸባሉ ግዜ እዩ። ፀሓይን ወርሕን ክልቲአን ረቡዕ መዓልቲ ብሓደ ኆኅት (መስኮት) ውሽጢ ዝተፈጥሩ ስለዝኾኑ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሮም ዑደት ይገብሩ።አብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ኣብ ዓዓመቱ ፀሓይ ሙሉእ 365 መዓልታት ክትዘውር እንከላ ወርሒ ግን 354 መዓልታት ጥራይ ትዘውር ኣብ ሞንግኣን ዘሎ ፍልልይ 11 መዓልቲ ክኸውን እንከሎ እዚ ጥንተ አበቅቴ ይበሃል።ክልቲኦም ን18 ዓመታት ተፈላልዮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 19 ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ዝተፈጥራሉ ኆኅት መስኮት ይራኸባ።እዚ ድማ ዓውደ አበቅቴ ይበሃል።
  5. ዓውደ ፀሓይ ፣ኣብ 28 ዓመት እንዳተመላለሰ ዚመጺእ እዩ። ምኽንያቱ ፀሐይ ዚተፈጠረትሉ ረቡዕ መዓልቲ እዩ። ኣብ 28 ዓመት መዓልቱን ወንጌላውን ይራኸቡ።መዓልቱ ፀሓይ ዝተፈጠረትሉ መዓልቲ ረቡዕ፣ወንጌላዊ ድማ ናይ መጀመርታ ቅዱስ ማቴዎስ ዝራኸብሉ እዩ።ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያና ረቡዕ ማቴዎስ ይብልዎ።
  6. ዓውደ ማኅተም ማእከላዊ ቀመር 76 ዓመት እዩ። ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ አበቅቴን ወንጌላውን ይራኸቡ።ማኅተም ማለት መፈጸምታ መደምደምታ ወይ መጨረሻ ማለት እዩ።ንምንታይ ማሕተም ተባህለ ንዚብል ናይ ኣበቅቴን ናይ ወንጌላውን በጨረሻ ዝረኸቡሉ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ ናይ አበቅቴን መጨረሻ 18 ን ናይ ወንጌላዊ ዮውሓንስ መፈጸምታ ይራኸቡ። ጥንቱሰ ለቀመር ዕለት ሰሉስ ወወንጌላዊ ማቴዎስ ወፍጻሜሁ ዕለተ ሰሉስ ወወንጌላዊ ዮሓንስ ናይ ቀመር ወይ ቁጽሪ መጀመርታ ሰሉስ ናይ ወንጌላዊ መጀመርታ ማቴዎስ ክኸውን እንከሎ ናይ ቀመር መጨረሻ ሰኑይ ናይ ወንጌላዊ ፍጻሜ ዮሃንስ እዩ ከም ዚብል።አበቅቴ 18 ዝኸውን ኣኣብ 19 ዓመት ክኸውን እንከሎ 18 ምስ ኮነ ኣብ ዓመቱ ኣልቦ እዩ ዝኸውን። ወንጌላዊ ዮሃንስ ዝኾነሉ ዓመት ዝረኸበሉ ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እዩ።ስለዚ እዩ ዓውደ ማሕተም 76 ዝኾነ።
  7. ዓውደ ዐቢይ ቀመር ዐቢይ ቀመር፣532 ዓመት እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰለስተ ነገራት ብሓደ ይራኸቡ ንሳቶም ድማ፣መዓልቲን አበቅቴን ወንጌላዊን እዮም።መዓልቱ ሰኑይ አበቅቴን ወንጌላውን ካኣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ 18 ኣበቅቴን ወንጌላዊ ዮውሃንስ እዩ።

እዞም ሸውዓተ አዕዋዳት ዝተባህሉሉ ሓደ ግዜ ተፈጺሞም ወይ ተራእዮም ዝተርፉ ዘይኮኑስ ብኻልእ ግዜ ተመላሊሶም ዚመጽኡ ስለ ዝኾኑ እዮም።

ናይ ሓደ ዓውደ ኣበቅቴ ጉዕዞ

ዓ ምዓመተ አበቅቴ አበቅቴ መጥቅዕልደተ አበቅቴ
2006 1ይ  ኣልቦ(0) መስከረም 30 መባቻ(0)
2007 2ይ 11 መስከረም 19 ነሓሰ 25
2008 3ይ 22 ጥቅምቲ 8 ነሕሰ 14
2009 4ይ 3(33) መስከረም 27 ጳጉሜን 3
2010 5ይ 14(44) መስከረም 16 ነሓሰ 22
2011 6ይ 25(55) ጥቅምቲ 5 ነሓሰ 11
2012 7ይ 6(66) መስከረም 2 ነሓሰ 30
2013 8ይ 17(77) ጥቅምቲ 13 ነሓሰ 19
2014 9ይ 28(88) ጥቅምቲ 2 ነሓሰ 8
1015 10ይ 9(99) መስከረም 21 ነሓሰ 27
2016 11ይ 20(110) ጥቅምቲ 10 ነሓሰ 16
2017 12ይ 1(121) መስከረም 29 ጳጉሜን 5
2018 13ይ 12(132) መስከርም 18 ነሓሰ 24
2019 14ይ 23(143) ጥቅምቲ 7 ነሓሰ 13
2020 15ይ 4(154) መስከርም 26 ጳጉሜን 2
2021 16ይ 15(165) መስከረም 15 ነሓሰ 21
2022 17ይ 26(176) ጥቅምቲ 4 ነሓሰ 10
2023 18ይ 7(187) መስከረም 23 ነሓሰ 29
2024 19ይ 18(198) ጥቅምቲ 12 ነሓሰ 18

አበቅቴ ተረፍ ዘመን እዩ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ ?

ኣቀዲምና ከምዝገለጽናዮ አበቅቴ ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሕን ናይ ጉዕዞ ፍልልይ ዝተረኸበ እዩ።አበቅቴ ተረፈ ዘመን እዩ ክንብል ከለና ወርሒ ጉዕዞኣ ፈጺማ ካብ ደው ዝበለትሉ መዓልቲ ጀሚሩ ፀሐይ ጉዕዞኣ ክሳብ እትፍጽም/ ጳጉሜን ሐሙሽተ/ ዘሎ መዓልትታት ተረፈ ዘመን ወይ አበቅቴ ይበሃል።እዚኦም መዓልታት ንዝቕጽል ዓመት አበቅቴ ይኾኑ። ንኣብነት ወርሒ ናይ 2003 ዓም ጉዕዘኣ ዝፈጸመትሉ 28 2003 ዓ.ም እዩ ስለዚ ካብ ነሐሰ ዕስራን ትሽዓተን መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ጳጉሜን ዕለት ሓሙሽተ ዘለዉ መዓልታት ሸውዓተ እዮም። እዚ ሸውዓተ ተረፈ ዘመን ክኸውን እንከሎ ንዝቅጽል ዓመት ማለት 2004 ዓም አበቅቴ ይኸውን ማለት እዩ።

ካብዚ ቀጺልና  ዘመነ ሰላምን ራህዋን ኮይኑ ዝተባእሱ ዝዕረቕሉ ዝተኣስሩ ዝፍትሕሉ ዝጠመዩ ዝጸግብሉ ፍትሒን ሓቅን ዝነግሰሉ ዘመን ክኾነልና እናተመነና ናይ 2007 ዓም ግእዝ  ወይ 2014-2015 ፈረንጂ  ኣጽዋማትን በዓላትን ነስዕበልኩም:
በዓላትን አጽዋማትን

በዓላት ወይ አጽዋማትብ ግእዝብጎርጎርዮስዝውድኣሉ ዕለት
ባሕቲ መስከርም መስከረም ፩  መስከረም 11
ጾመ ነብያት ሕዳር ፩፭  ሕዳር 24 ታሕሳስ ፳፱ (ጥሪ 07)
ጾመ ነነዌ ጥሪ ፳፭  ለካቲት 2 ጥሪ፪፯ ( የካቲት 04)
ዓቢይ ጾም ለካቲት ፱  ለካቲት 16 ሚያዝያ ፬ (ሚያዝያ12)
ደብረ ዘይት  መጋቢት ፮  መጋቢት 15
ሆሳዕና መጋቢት፳፯  ሚያዝያ 5
ስቕለት  ሚያዝያ ፪  ሚያዝያ 10
ትንሳኤ ሚያዝያ ፬  ሚያዝያ12
ርክበ ካህናት ሚያዝያ፪፰  ግንቦት 6
ዕርገት ግንቦት፩፫  ግንቦት 21
በዓለ መንፈስ ቅዱስ ግንቦት ፪፫  ግንቦት 31
ጾመ ሓዋርያት ግንቦት፪፬  ሰነ 1 ሓምለ፭ (ሓምለ12 )
ጾመ ድሕነት ግንቦት ፪፮  ሰነ 3
ጾመ ፍልሰታ ነሓሰ፩  ነሓሰ 7 ነሓሰ ፩፮ (ነሓሰ 22 )

ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

{flike}

ክፉእ ወረ (2ይ ክፋል)

2.  ኣብ ግፍዕን ማእሰርትን ዘብጽሕ ኩፉእ ወረ

ወረኛ ሰብ ዘይተገብረ ተጌሩ ንዝተገብረ ወሳሲኹ ብምውራይ፣ክዕቀብ ዝግበኦ ምስጢር ብምብታን፣ሓቂ ምስ ሓሶት ብምትሕውዋስ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ግፍዕን ማእሰርትን የውርድ።ሰባት ብጽቡቕ ስራሕ ከቢሮም ብጽቡቕ ጠባዮም ተፈታውነት ረኺቦም ክርኢ ዓይኑ ስለ ዘይክእለሉ ኣጣቒሱ የጻልእ፣የእስር፣ካብ ስራሕ የባርር፣ክሳብ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ክፉእ ወሬ ይነዝሕ።ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ ስራሕ ትካላት ገኒኑ ዝርኣ ዘይክርስቲያናዊ ስነ ምግብር እዩ።ጽባሕ ተመዚኖም ዝፈኹሱ ዘይእሙናት መንሽሮ ሕብረተሰብን ሕማም ሃገርን ኮይኖም ከምዝርከቡ ዘንጊዖም ንጊዜኡ ብሰንኮም ሰብ ካብ ስራሕ ስለ ዝተባረረ፣ስለ ዝተኣሰረ፣ስለ ዝተጸልኣ ባህ ይብሎም።እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ ዘይቅላዕ ክዱን ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን ማቴ 10: 26 ዝብል ቃል ወንጌል ኣብ ልቦም ቦታ ስለ ዘይህብዎ ብግዜኦም ዝቕልዑ ምዃኖም ይዝንግዑ፣ ጊዜ’ኳ እንተወሰዱ ናብ ርእሶም ከምዝግልበጦም ነቢዩ ዳዊት ተዛሪብሎም አዩ “ጉድጓድ ዀዒቱስ ኣዕመቛ ናብታ ዝዀዓታ ጉድጓድ’ውን ወደቐ ”። መዝ (7፣15-16)

ሓቀኛ ክርስቲያን ግና ናይ ብጻዩ ሽግር ሽግሩ ናይ ብጻዩ ሓዘን ሓዘኑ ስለ ዝኾነ ክፉእ ወሬ ኣመላሊሱ ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ኣየውርድን እዩ።ንእሱራት ከም መተኣሰርቶም ኴንኩም፣ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩም’ውን ኣብቲ ስጋ ከም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም ዝብል ቃል መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ ስለ ዝፈልጥ ምስቶም እሱራት ኮይኑ መከራ ይጸግቡ ምስቶም ዝሓዝኑ ይሓዝን ምስቶም ዝሕጐሱ ከኣ ይሕጐስ። ካብዚ ሐሊፉ’ውን  ሽግሮም ንምፍኳስ ዝከኣሎ ይግብር (ዕብ 13፣3 10፣34 ሮሜ 12፣15 )ንሰባት ኣብ ሓዘን ኣውዲቑ ንከምስል ኣይሓዝንን እቶም ከምዚ ዝበለ ክፉእ ባህርይ ዘለዎም ግና ከም ወዮ ቅዱስ ዳዊት ከም ግብሮም ከም ክፍኣት ስራሖም ሃቦም ዝበሎ ዋጋ ኢዶም ዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ካብ እግዚኣብሔር ክቕበሉ እዮም (መዝ 28: 4)

3. ፍቕሪ ዘጥፍእ ክፉእ ወረ 

ፍቕሪ ካብ እግዚአሔር ንደቂ ሰባት እትውሃብ ጸጋ እያ።ብጀካ እዛ ፍቅሪ እዚኣ ሕብረተ ሰብ ሓቢሩ ክነብር ኮነ ክሰርሕ ኣይክእልን።ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ላዕሊ ውጻእ ታሕቲ ውረድ፣ለፈዕካ ርእስኻ ኣዋሪድካ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ብፍቕሪ ክኸውን ከምዝግባእ ቅዱስ ጳውሎስ "ንቕሑ ኣብ እምነትኩም  ጽንዑ በርትዑ ሰብኡት ኩኑ ኩሉ እትገብርዎ ብፍቕሪ ይኹን" እንዳበለ ኣረዲኡና እዩ።(1ይ ቆሮ16፣13፣15)እዚ ስለ ዝኾነ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ፍቕሪ ካብ ሰባት ኣብ እትጠፍእሉ ንዝጠፍአ ፍቕሪ ንምምላስ ዝጽዕርን ንዝተጻልኡ ዘሰማምዕን እዩ።ጐይታና ኣብ ወንጌል "ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክብሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም"።ዝበለ ወዲ ኣምላኽ ዝብሃል ጽልኢ አርሒቑ ሰላም ዝተክል ምኻኑ ንምርዳእ እዩ።(ማቴ 5፣9 )ብኣንጻሩ ፍቕሪ ዘይፈቱ ሰይጣን እዩ።

እቶም ናይ ግብሪ ደቁ ዝኾኑ ከኣ ግብሩ ይፍጽሙ።ኣቦና ኣብርሃም መፍቀሪ ሰባት ብምንባሩ ዝቀንአ ሰይጣን ምስ ሰባት ንኽፈላልዮን ንከረሓሕቖን ዝወሰዶ ስጉምቲ ክፉእ ወረ ናብ ህዝቢ ምብታን እዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ርእሱ ባዕሉ ፈጊኡ ኣብ መንገዲ ሓሊፉ ነቶም ናብ ኣብርሃም ዝመጽኡ ህዝቢ ኣብርሃም ተጸሊሉ ሰባት ጸሊኡ እዩ ኣነ እኳ ከምቀደሙ መሲሉኒ ከይደዮስ እንሆ ፈጊኡ ሰዲዱኒ እንዳበለ ብምውራይ ሰባት ካብ ቤት ኣብርሃም ከምዝርሕቁ ገበረ። ኩላቶም እቶም እከለ ከምዚ ይብለካ ነይሩ: ትብለኪ ኔራ: ከምዚ እንድዩ ጠባዩ ወዘተ እንዳበሉ ንሰባት ዘጻልኡ ናይ ግብሪ ደቁ ይብሃሉ።ኣብ መንጎ ቅዱስ ጳውሎስን ሰብ ገላትያን ዝነበረ ፍቕሪ ክጠፍእን ክሳዕ ንትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ነጺጎም ናብ ትምህርቲ መናፍቓን ክኣትውን ዝገበሮም ናይ መናፍቓን  ክፉእ ወረ እዩ ነይሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ኣስተምሂሩ ወንጌል ናብዘይበጽሐን ሃገራት ምስ ከደ መናፍቓን ኣትዮም ጳውሎስ ድኣ መዓስ ሓዋርያ ኮይኑ፣ትምህርቱ ካብ ጐይታኡ ኣይኮነን ምእንቲ ንሰባት ከሐጉስ እዩ ዝሰብኽ ዘሎ፣ድሐር ከኣ ንባዕሉ ተገዚሩ ክነሱ ንዓኻትኩም ዓያሹ ረኺብኩም ኣይትገዘሩ ይብለኩም ኣሎ ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ሓዋርያት ምስ ኣይሁድ ሓቢሮም ብፍቕሪ ኣብ ኢየሩሳሌም እንዳነበሩ ንዓኻትኩም ግና ምስ ኣይሁድ ኣይትሕበሩ ይብለኩም ኣሎ እንዳበሉ ስሙ ኣጸሊሞም  ብህዝቢ ከምዝጽላእ  ገበርዎ።

በዚ ክፉእ ወረ ቅድሚ ምቕያሮም ከመይ ጌሮም የኽብርዎን የፍቅርዎን ከምዝነበሩ ባዕሉ ቅዱስ ጳውሎስ ክምስክርሎም ከሎ ከም መልአኽ  አምላኽ ከም ክርስቶስ ኢየሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ ዝከኣል እንተዝኸውንስ ኣዒንትኹም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ።ይብል ገላ 4፣14-16 ብክፉእ ወረ ክምዝጸልእዎ ክገልጽ ከሎ ድማ ቅጽል ኣቢሉ “እሞ’ኸ ሓቂ ስለዝነገርኩኹም’ዶ ጸላኢ ኮይነኩም እየ ይብል”። መመላለስቲ ክፉእ ወሬ ኣርኣእያ ሰባት እንዳቐየሩ ፍቑራት ዘጻልኡ: ቅሩባት ዘረሓሕቑ ብምዃኖም እግዚአብሔር ኣዝዩ እዩ ዝጽየፎም። ጠቢብ ሰሎሞን ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ አሎ “እግዚአብሔር ዝጸልአን ፦አረ እምብዛ ዝፍንፍነን ሾብዓተ ነገራት ኣለዋ፦ ትዕቢተኛ ዓይኒ: ሓሳዊት መልሓስ: ንጹህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው: እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ: እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፍ ኣእጋር: ሓሶት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር: ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ ሰብ እየን።( ምሳ 6: 16-19)                          

ንክፉእ ወረ ዘተባብዑ

ሀ.  ተቐባሊ ክፉእ ወሬ

ንመመላለሲ ወረ ጽባሕ እውን ንዓይ እዩ ኢልካ ገጽ ከሊእካ እንተዘይመኺርካዮ፣እንተዘይገሲጽካዮ፣እንተዘይነጺግካዮ ናብቲ ዝተገልጸ ዘይክርስቲያናዊ ምግባራት ከምዝድርብየካ ዘየጠራጥር እዩ።ሰማዒ "ህ" "ሓቅኻ" "ወስኽ ድኣ" ዝብል እንተኾይኑ መመላለሲ ወረ ኢድ እግዚአብሔር ክሳዕ እትረኽቦ ኣመሉ ክሓድግ ኣይክእልን እዩ። ርግጽ’ዩ መብዛሕትኡ ጊዜ ክፉእ ወረ ብሓቂ ዝተገነዘ ሓሶት ስለ ዝኾነ ንሰማዒ ሓቂ ክመስሎ ይኽእል እዩ።እንተኾነ ግና ናይ ሰላም  መልእኽቲ ዘይብሉ ወሬ ክምዘን ስለ ዝግባእ ስለምንታይ ይዛረብ ኣሎ ዕላማኡ እንታይ እዩ፧ ክምከር ስለ ዝደለዮ ድዩ ወይስ ስሙ ንምጥፋእ ኣብኡ ዘለኒ ኣርኣእያ ቀይረ ክጸልኦ ስለ ዝደለየኒ  እዩ ኢልካ ንሕሊናኻ ክትሓትት ይግባእ።

ጠባይ ናይ መመላለስቲ ወረ ብዝግባእ ከተጽንዕ ይግብኣካ። ጠቢብ ሰሎሞን መወዳእታ ዕላማ ናይ መመላለስቲ ወረ እንታይ ምኻኑ ክገልጽ ከሎ ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፣ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም ይብል (ምሳ16: 28) በዚ መሰረት ናብ ጽልእን ቈየቛን ዘብጽሕ ወሬ ኣትሪርካ ክትቃወሞ ይግባእ። ዝሓለፉ ኣበው ኣረኣእያኻ ቀይሩ ናብ ጽልኢ ንዘብጽሓካ ወሬ ከመይ ገይሮም ናብ ሰላም ይቕይርዎ ምንባሮም እዛ ቀጺላ ዘላ ታሪኽ ንመልከታ።

ኣብ ሓደ ገዳም ኣባ መቃርስ ኣበምኔት ኣብ ዝነበርሉ ሓደ መነኮስ ሰበይቲ ስለ ዝለመደ ካብቶም መነኮሳት ብተደጋጋሚ ጸብጻብ ይበጽሖም ነበረ፣ ኣባ መቃርስ ግን ወደይ ከምዚ ኣይገብርን እዩ ንስኻትኩም ግና ናይ ሐሶት ወረ ብምምልላስ ኣብ ብጻይኩም ኣይትበድሉ  እንዳበሉ መኺሮም ይሰድዎም  ድሕሪ ጊዜ እቲ መነኮስ ካብኡ ኣይሕለፉ ኢሉ ነታ ሰበይቲ ናብ ገዳም ከም እትመጽእ ገበረ ናብ ገዝኡ ክትኣቱ ዝርአዩ መነኮሳት ናብ ኣባ መቃርስ ብምኻድ ገዳምና ከይተርክሰልና ነዛ ሰበይቲ ኣውጽኡልና እንዳበሉ ኣጫነቕሎም፣ኣባ መቃርስ ድማ ብሓቂ እዚ ዝብልዎ ዘለዉ ሓቂ እንተኾይኑስ ዝሙት ይፍቀድ እዩ ከይብሉኒ ኢሎም ናብቲ ገዛ ተተሓሒዞም ኣምርሑ፣ልክዕ ኣብ ጥቓ እቲ ገዛ ምስ በጽሑ ኣባ መቃርስ ነታ ሰበይቲ ብመንፈስ ስለዝረአይዋ ምስቶም መነኮሳት ዓው ኢሎም ክቛየቑ ጀመሩ፣ እዚ ከኣ እቲ መነኮስ ድምጾም ሰሚዑ መታን ክሓብኣ እዩ፣ከምቲ ሓሳቦም እውን ይመጽእዎ ከምዘለው ፈሊጡ ዓቢ ሞሰብ ዓበጣ፣መነኮሳት ኣተው ኣባ መቃርስ ኣብታ ሞሰብ ከም ዝሓበኣ ብመንፈስ ስለ ዝራይዎ ኣብአ ኮፍ ኢሎም በሉ ፈትሹ ኣበይ ኣላ እታ ሰበይቲ ኢሎም ኣዋጠርሎም መነኮሳት ተጋጊና ኢና እንዳበሉ ብዝገበርዎ እንዳሓፈሩ ካብቲ ገዛ ወጹ።ብድሕሪዚ ኣባ መቃርስ ነታ ሰበይቲ መኺሮም ገሲጾም ናብ ቤታ ሰደድዋ ነቲ መነኮስ ድማ መኺሮም ቀኖና ሂቦሞ ወጹ። 

ኣእማን ደድሕሬኦም እንዳሰዓቡ መቃርስ ንኣምላኹ መሰሎ እንዳበሉ ኣመስገንዎም ንኣምላኹ መሰለ ዝበልዎም ምኽንያት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝጠፍአ ኣዳም ምስ እግዚአብሔርን ምስ መላእኽትን ከምዝዓረቖ ኣባ መቃርስ  ድማ ነቲ ዝጠፍኣ መነኮስ ምስቶም ኣሕዋቱ መነኮሳትን ምስ እግዚአብሔርን ስለ ዝዓርቕዎ እዮም፣ነዞም ከምዚአቶም ዝአመሰሉ እዩ ኸኣ ጐይታና ገበርቲ ሰላም ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ ብጹኣን እዮም  ዝበለ ። (ማቴ 5: 9 ) ስለዚ ተቐባሊ ወረ ዋላ እውን እቲ ወረ ሓቂ እንተኾነ ነቲ በዳሊ ቀስ ኢሉ መኺሩ ናብ ሰላም ዝቕይር ክኸውን ይግባእ። 

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር !!!

{flike}

ብፌስቡክ