ፓልቶክ ጀሚርና ኣሎና

ስለ ግዳያት ላምፓዱዛ ጸሎተ-ፍትሓት ተኻይዱ

ኩላተን እተን ኣብ ሃገር ሽወደን ዝርከባ ቀኖናዊ ስርዓት ተኸቲለን ዝኽዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ስለ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ትማሊ ሰንበት 05-10-2014 ቀዳማይ ዓመቶም ምኽንያት ብምግባር ጸሎተ ፍትሓት ኣካይደን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማለት ዕለት 3 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ሓደጋ ባሕሪ ንዓለም ዘደንጸወን ውርደት ኤርትራውያን ካኣ ብጋህዲ ዘንጸባረቐን ፍጻሜ ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ አዩ። ህልቂት ንእስነቶም ዘይመነዉ መንእሰያትን ኣፎም ዘየጽረዩ ነኣሽቱ  ህጻናትን ብፍላይ ካኣ እታ እናሞተት ዝወለደት  ኣደን ንኹሉ ሰብ ዘስደመመን ሓቀኛ ምስልና ዘርእየን ኩነት እዩ። እምበእርከስ በዚ ኣጋጣሚ ምርኩስ ብምግባር ጓይላን ዕንደራን ገዲፍና ኣምላኽ ንመከራና መወዳእታ ክገብረሉ ኣብ ጸሎትን ምህልላን ክንጽመድ መንፈሳዊ መልእኽትና ከነመሓላልፍ ንፈቱ።

ስብሓት ሎቱ።

ሓበሬታ

ሓደ ኣካል እንተተሳቐየ ኩሉ እቲ ኣካላት ምስኡ ይሳቐ!!! (1ቆሮ 12: 27)

ብስም ኣብን ወልድን መፈስቅዱስን  ሓደ ኣምላኽ ኣሜን

ናብ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣብ ርሑቅን ቀረባን እትርከቡ፥ ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ኣብ ዘዘሎኹሞ ንዓኹም ይኹን።

ቀጺልና ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተበገሱ  ኤርትራውያ ዝሓዘት መርከብ ብምጥሓላ ልዕሊ 155 ዝበጽሑ ብዙሓት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክብርቲ ህይወቶም ከምዝሰኣኑን  ካልኦት ካብኣቶም ዝበዝሑ ተሳፈርቲ ዝሓዘት መርከብ እውን ደሃይ ከምዘይብላን ኩልና ንሰምዖ ዘለና ሓቂ እዩ። ብሰንኪ'ዚ ጸሓይ ሰረቐ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ክንደይ ስድራቤታት ይዝኽትማን  ብዙሓት ወለዲ ኣላዪ ዘይብሎም ብሓዘን ተኾርምዮም ይተርፉ ከምዘለዉን ንኹልና ብሩህ እዩ። ስለዚ ኣምላኽ ንመከራና ገደብ ክገብረሉ: ነቶም ዝሞቱ  ዕረፍቲ ነብሲ ክህቦም ንቤተሰቦም ድማ መጸናንዒ መንፈስ ምእንቲ ክሰደሎም ኩልና ሓቢርና ንኣምላኽ ክንልምኖ መንፈሳውን ሞራላውን ግዴታ ኣሎና::

በዚ መሰረት ኣብ ኩለን ኣብ ሽወደን ዝርከባ  ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ስለ እቶም ዝሞቱ ጸሎተ ፍትሓት: ከምኡ  ካኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ኣብ ዒራቅ ኣብ ልዕሊ ብእምነት ኣሕዋትናን ኣብታ ኣብ ኣምላኽ ዘላትና ተስፋ መኻፍልትናን  ዝኾኑ ክርስቲያን ዘጋጥም ዘሎ መከራን ሞትን ኣምላኽ ካብቲ ወሪድዎም ዘሎ ጸበባ ከናግፎምን ክረድኦምን ንዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለት 17/08/2014  ጸሎት ክካየድ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ነተሓሳስብ። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምድዋል ተወከሱ።

ብደሓን ምጹ

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

11 ነሓሰ 2014።

{flike}

መንፈሳዊ ጉባኤ

 

ኣብ ስቶክሆልም ኩነታት ክርስቲያን ኣብ ዒራቕ ዝርኢ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

stockholm-rallyበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ።

ትማሊ ሰንበት ዕለት 09/08/2014 ካብ 6000 ክሳብ 10000 ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተኻይዱ። እቲ ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን  ሶርያን ዝተፈላለያ ስቪካውያን ማሕበራትን ዝተኻየደ መጠነ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብIsis ዝተባህሉ እስላማውያን  ኣብ ኢራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ክርስቲያን ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለትን ስደትን ዝቐንዐ እዩ ኔሩ። እቶም ሰልፈኛታት እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ  ዘይንቡር ተርእዮ ብህጹጽ ደው ክብል ማህበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ሽወደናውያንን ሕብረት ኤውሮጳን ካኣ ብፍላይ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ተማሕጺኖም።

ዝተፍላለያ ማዕከናት ዜና ሽወደን ከምዝሓበራኦ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዙሓት ናይ ሽወደን መራሕቲ ፓርትታትን  ናይ ሕብረት ኤውሮጳ  ምኒስተርን ተረኺቦም ኔሮም።
ከም ዝፍለጥ Isis ዝተባህለ እስላማዊ ጥርኑፍ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ኢራቓውያንን ሶርያውያንን ክርስቲያን  ክልተ ምርጫ ማለት ወይ ናብ ምስልምና ቀይሩ ወይ ቀረጽ እንዳከፈልኩም ንበሩ ብምባል ከዘዋጠርዎምን  ህጻናት ዝርከብዎም  ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከምዝቐተሉን ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን ክዛረባሉ ጸኒሓ ኣለዋ።

ካብዚ ብምብጋስ ኩለን ኣብያተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ነቲ ሓደገኛ ኩነት ብትሪ እናኾነና ከም መግለጺ ደገፍ እቶም ውጹዓት እመንቲ ክርስትና ንሰንበት ዕለት 11 ነሓሴ 2006 ብግእዝ ወይ ድማ 17 augusti 2014 ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ከካይዳ እየን።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር::

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን።

{flike}

መተሓሳሰቢ

ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።

ብፌስቡክ