ምስጢረ ቍርባን

ቁርባን ማለት ቃል ብቓሉ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንኣምላኽ ዝወሃብ ውህብቶ፥ ሞባእ፥ ዝውፈ ገንዘብ  ማለት እዩ።

ምስጢረ ቁርባን ማለት ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ እውን ኣብ ጽዋእ ኣንቢሩ ጸሎት ቁርባን ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ሕብስቲ ስጋ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እቲ ወይኒ እውን ደም  ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ይኸውን እሞ ንሕና እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ነዚ ስጋን ደምን እንቕበለሉ ዓቢ ምስጢር እዩ።

ኣመሰራርታ ቅዱስ ቁርባን

ቅዱስ ቁርባን ዝተጀመረሉ ደቂ ሰባት ኣብ ሓጢኣት ካብ ዝወደቑሉ ግዜ ጀሚሩ እዩ። ዘፍ 4:3-4 ። ነገር ግን መስዋእቲ ኦሪት ሓሊፉ ብመስዋእቲ ሓዲስ ስለ ዝተተክአ ንድሕነት ነፍሳት ዝተሰርዐ ቅዱስ ቁርባን ዝተጀመረሉ ግን ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ሓሙስ ምሽት ኣብ ቤት ኣልኣዛር ድሕሪ መግቢ በሊዖም ምውደኦም ሕብስቲ ባሪኹ ቆሪሱ እዚ ስጋይ እዩ ብልዑ ጽዋእ ኣልዒሉ ውን ኣመስገነ እዚ ምእንቲ ብዙሓትንሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ማቴ 26:26-29 ።

ናይ ቅዱስ ቁርባን ኣገልግሎትን፥ ጥቕምን

  • ብምስጢረ ቑርባን ዘለኣለማዊ ሕይወት ንረክብ። ዮሃ 6:54 ።
  • ከምቲ ጨንፈር ካብ ጉንዱ ተፈልዩ ክነብር ዘይኽእል። ንሕና ክርስትያን እውን ካብቲ ጉንዲ ህይወትና ዝኾነ እየሱስ ክርስቶስ ከም ዘይተፈለናን፥ ብህይወት  ምህላውናን፥ ንሓጢኣት ዘይምግዛእናን እነረጋግጸሉ እዩ። ዮሃ 6:54 ። ነቲ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተቖርሰ ስግኡን ዝፈሰሰ ደሙን ከኣ ንቕበል።

ብመንፈሳዊ ጥበብ እንዓብየሉ፥ ብጸጋ እንብልጽገሉን መንፈሳዊ ምግቢ ንምርካብ ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ዮሃ 6:35-55

  • ስርየት ሓጢኣትና ንኽንረክብ  ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ማቴ 26:27
  • ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና መታን ክነብር ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ዮሃ 6:35 ።
  • ምስ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዘለና ሓድነትን ምስ ቕዱሳን ዘለና ሕብረትን ንኸነረጋግጽ ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። 1ይ ቆሮ 10:17 ።

መጠቓለሊ

ቅዱስ ቁርባን መዘከርታ ወይ እውን ምሳሌ ዘይኮነስ ኣማናዊ ሓቀኛ ምእንታና ዝተቖርሰን ዝፈሰሰን ስጋን ደምን እዩ። ማቴ 26:26-29 ። ዮሃ 6:51 ። 1ይ ቆሮ 11:23-24 ። ንመዘከርታይ ግበርዎ ክብል ከሎ ግን መከራይን ሕማመይን እናዘከርኩም፥ ኣሚንኩም ተቐበልዎ ማለት እዩ።
ቅዱስ ቁርባን ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ጥራይ ተቀቢልና ስቕ ክንብል ኣይፍቀድን። ብተደጋጋሚ ኩሉ ግዜ ክንቅበሎ ይግባእ። ”ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ነቲ መንፈሳዊ እንጌራ ቅዱስ ቁርባን  ዕለታዊ ሃበና ማለት እዩ።
ማር 14:22-26 ። ዮሃ 6:47-57 ። መዝ 22:5 ። መዝ 39:6 ። ሉቃ 22:14-26 ። 1ይ ቆሮ 11:23-30 ። ኢሳ 6:6-7 ።

ምስጢረ ጥምቀት

ጥምቀት ፥ ኣጥመቀ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ ምጥላቕ ኣብ ማይ ምእላኽ ማለት እዩ። ጥምቀት ናይ ስላሴ ውሉድነት ንቕበለሉን ናይ ሓጢኣት ስርየት ንረኽበሉን ምስጢር እዩ። ናይ ጥምቀት ኣድላይነት፥ጥቕሚ።

  • ብጥምቀት ንድሕን ማር 16:16 ።
  • ብጥምቀት ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ንውለድ። መጀመርያ ብስጋ ንውልውድ። እቲ ካልኣይ ብጥምቀት ዝርከብ መንፈሳዊ ልደት እዩ። ዮሃ 3:3 ። ቲቶ 3:5 ። ኤፌ 5:26 ።
  • ብጥምቀት ናይ ሓጢኣት ስርየት ይርከብ። ግብ 2:38 ።1ይ ቆሮ 6:11 ።
  • ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ንመውት ምስኡ እውን ሓቢርና ንትንስእ። ሮሜ 6:8 ። ሮሜ 6:3-4 ።
  • ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ንኸውን። ገላ 3:27 ።
  • ብጥምቀት ኣባል ቤተ ክርስትያን ንኸውን። ቆላ 2:11-13 ።

ኣመሰራርታ ጥምቀት

ናይ ምስጢረ ጥምቀት መስራቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ንምስጢረ ጥምቀት ብግብሪ ኣርኣያ ብሙዃንን ብቓል እውን ብምእዛዝን  እዩ  መስሪትልና። ማቴ 3:13-27 ። ማር 1:9-11 ። ሉቃስ 3:21-22 ። ዮሃ 1: 31-34 ።

ጥምቀት ኣይትድገምን እያ።

ጥምቀት ኣብ ፈሳሲ ማይ እንተኾነ፣ ኣብ ሩባ እንተ ኾነ፣ ኣብ ገዛ እንተኾነ፣ ብኢድ ካህን ይፈጸም፣ ብኢድ ጳጳስ፣ ኤጲስ ቆጶስ ወለሓደ ፍሉይነት የብሉን ጥምቀት ሓንቲ እያ። ኤፌ4:5 ። ጥምቀት ዘይትድገመሉ ምኽንያት፣ ሓንቲ ዝኾነትሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ

  • ብስጋ ካብ ስጋውያን ወለድና ሓንሳእ ጥራይ ኢና እንውለድ። ከምኡ እውን ብመንፈስ ሓንሳእ ጥራይ ኢና እንውለድ። ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዳግማይ ዘይንውለድ ብመንፈስ እውን ካለኣይ ኣይንውለድን ኢና። ዮሃ 3:6-8 ።
  • ብኦሪት ዘመን ሰብ ሓንሳእ እዩ ዝግዘር ዝነበረ። ግዝረት ከኣ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ስለ ዝኾነ ኣይድገምን። ቆላ 2:11-13
  • ምስ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እንሞተሉን እንትንስኣሉን ምስጢር ስለ ዝኾነ። ጎይታና እውን ዝሞቶን ዝተንስኦን ሓንሳእ ስለ ዝኾነ እዩ። ቆላ 2:12 ። ሮሜ 6:3-4

ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን

ትንሳኤ ማለት ምትንሳእ ንላዕሊ ምዕራግ ማለት እዩ። ስለዚ ትንሳኤ ሙታን ማለት ሙታን  ብሓይሊ ኣምላኽ ካብ ምውታት ተፈሊኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ቦታኻ ምኻድ ማለት እዩ። ትንሳኤ ሙታን ማለት እተን ተፈላልየን ዝጸንሓ ነብስን ስጋን ዳግማይ ተዋሃሂደን ናብ ትንሳኤ ሕይወት/ሞት ምኻድ እዩ።

ቦኹሪ ትንሳኤ ሙታን

ጋህዲ ትንሳኤ ሙታን እቲ ብኢድ ኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝተሰቕለ፥ ምማቱ ዝተረጋገጸን ኣብ መቕብር ድሕሪ ምእታዉ እውን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ መቓብር ክፈቱለይ፥ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ካብ ሙታን ብሓይሊ ንሞት ስዒሩ ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ናይ ትንሳኤ ሙታን ቦኹርን ኣግሃድን እዩ። ብትንሳኤኡ እውን ተስፋ ትንሳኤና ዘበሰረ(ዘተስፈወ) እዩ። 1ይቆሮ15:20-24 ። ዮሃ 10:14-18 ። ዮሃ 19:1-30 ። ማቴ 27:47-53 ።

ናይ ትንሳኤ ሙታን ጥቕምን ኣድላይነትን

ካብቶም ብኣምላኽ ዝተፈጥሩ 22 ስነ ፍጥረታት ናይ ትንሳኤ በዓል ቤት ሰብ ጥራይ እዩ።ብዘይካ መላእኽቲ ኩሎም መወቲ እዮም ተፈጢሮም። ሰብ ግን ክፍጠር እንከሎ መዋቲ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ዓስቢ ሓጢኣት እውን ሞት ስለ ዝኾነ ሞት ናብ ደቂ ሰባት ኣተወ። ብድሕሪ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቕሩ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰባት መቕጻዕቲ ሞት ተቐጽዐ። ኣብ ክንዳና እውን ሞተ እሞ ንሞት ብሞቱ ሰዓሮ። ኩልና እውን ብሞቱ ትንሳኤ ረኸብና። ንወዲ ሰብ እውን ናብቲ ናይ ቀደም ባህሪኡ ማለት ናብ ዘይመዋቲ መለሶ። ስለዚ ናይ ትንሳኤ ሙታን ኣድላይነት ንሕና ናብ ናይ ቀደም ባህርና ክንምለስ ስለ ዘድልየና እዩ። ትንሳኤ ሙታን እንተዘይህሉ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ፍጥረታት ሓንሳእ ምስ ሞትና ብኡኡ ሜትና ምተረፍና። ከምቶም ምስ ምሕላፍ ዓለም ዝሓልፉ ፍጥረታት ምኾና ኔርና። ሕጂ ግን ክብርን ምስጋናን ነቲ ዳግማይ ህይወት ዝዓደለና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። ንዘልኣለም ነበርቲ ዘይመወቲ ኢና። 1ይ ተሰ 3:1 ። ዳን 12:2 ።

ናይ ሙታን ምትንሳእ ከመይ እዩ ?

  • ዝሞትካ ተንስእ ዝብል ኣዋጅ ብሓለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ክእወጅ እዩ።1ይ ተሰ 4:6 ።
  • ናይ መጀመርያ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣራዊት ዝበልዖ፥ ነፍሱ ዝተፈልየት ዝጠፍአ ዝደቐቐ ኹሉ ኣብታ ነፍሱ ዝተፈላለየትላ ቦታ ክእከብ እዩ። ያዕቆብ ዘስሩግ ቁ 9:10 ።
  • ካልኣይ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣዕጽምትን ስጋን ተወሃሂዶም ከይተንቀሳቐሱ ውዑይ ሬሳ ክኾኑ እዮም። ኣዕጽምቲ፥ ጅማውቲ ምስ ስጋን ደምን ክተሓሓዙ እዮም። ኽሳዕ ዝትንስኡ ኸኣ ብዘይ ምንቅስቓስ ፍጹም ሬሳ ክኾኑ እዮም።
  • ሳልሳይ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ደቒ ሰባት ካብ ኣካሎም ሓንቲ ከይጎደለት ወዲ ተባዕታይ  ወዲ ሰላሳ ዓመት መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጎርዞ ኮይና ጽቡቕን ሕማቕን ዝሰርሕዎ ግብሪ ሒዞም ክትንስኡ እዮም። ካብኡ ቐጺሉ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝበሎ ኣባጊዕ ብየማኑ ኣጣል ኸኣ ብጸጋሙ ከቑም እዩ። ማቴ 25:31-46

ትንሳኤ ሙታን መዓስ እዩ? ናይ ጎይታ ኣመጻጽኣኸ ከመይ እዩ?

  • ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ ግዜን ዘመንን ኣይፍለጥን እዩ። ማቴ 24:44 ። እታ ዕለት ግን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንስኣላ ዕለተ ሰንበት እያ።
  • ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ እንከሎ ብሓይልን ብግርማን ምስ ኣእላፍ መላእኽቱ እዩ ክመጽእ። ማቴ 24:31 ። ራኢ 1:7 ። ኣመጻጽኣኡ ግን ከምቲ ናይ ቅድም ወዲ ዮሴፍ ተባሂሉ ካብ ኣይሁድ መከራ ንኽቕበልን መስቀል ንኽስከምን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ልዕሊ ሕያዋንን ሙታንን ንክፈርድ እዩ።

መጠቓለሊ

  • ሕያዋን ፥ ዝበሃሉ ጻድቃን እዮም። ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ህያዋን ዘብሎም ግብሪ ስለ ዝገበሩ እዩ።
  • ሙታን ፥ ዝበሃሉ ሓጣን እዮም። ሓጥኣን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዉታት ዘብሎም ግብሪ ስለ ዝገበሩ እዩ።
  • ብትንሳኤ ሙታን ናይ ጻድቃን ዋጋ ብኸንቱ ኣይተርፍን። ሓጥኣን እውን ናይ ዝሰርሕዎ ዓስቢ ከይተቐበሉ ኣይተርፉን እዮም። ራኢ 22:12 ። ኣብ ትንሳኤ ሙታን ጻድቃንን ሓጥኣንን ብጌጋ ኣይተሓዋወሱን እዮም።
  • ብትንሳኤ ሙታን ዘለኣለማዊ ፍርዲ ንቕበል። ራኢ 17 ። ማቴ 25:31 ። ራኢ 20:12 ። ዳን 12:2።
  • ዘፍ 1:26 ።1ይ ቆሮ 15:6 ። ያዕ 2፡26 ። 1ይ ጴጥ 3:19 ። ግብ 7:59 ። ዘፍ 35:16 ። ኢዮብ 7:9 ። 2ይ ተሰ 2:4 ። ኢዮብ 14:12 ። ማቴ 10:28 ። ዮሃ 12:32 ።

ምንጪ

  • ኮክሃ ሃይማኖት
  • ነገረ ሃይማኖት
  • ሃይማኖተ ኣበው

ምስጢረ ስጋዌ

ስጋዌ ፥ ተሰገወ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ  ስጋ ኮነ ማለት እዩ። ምስጢረ ስጋዌ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ናይ ስላሴ እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር እዩ። ሰብ ኮነ ናይ ሰብ ባህርያት ስጋን ነፍስን ምስቲ ረቅቕ ባህርያት ኣምላኽ ተወሃሃደ።

ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮነ?

  • እግዚኣብሄር ንዳምን ንሄዋንን ቃል ኪዳን ብዝኣተወሎም መሰረት ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ዘፍ 2:17 ። 1ይ ተሰ 5:9 ። ገላ 4:4 ።
  • ኩሉ ኣማሊኡ ብኣራያኡን ኣምሳሉን ንዝፈጠሮ ሰብ ፍጹም ፍቕሩ ብግህዶ ንኸርኢ ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ዮሓ 3:16 ።
  • ናይ ሰብ መርገም ኣብ ርእሱ ተቐቢሉ ብደሙ (ብሞቱ) ካብ ናይ ሓጢኣት ባርነት ንደቂ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ኣምልኽ ሰብ ኮነ። ዘፍ 3:17 ። ኢሳ 45:18 ።
  • ድያብሎስ ንዳምን ንሄዋንን ኣብ ተመን ተሰዊሩ ከም ዘስሓቶም ኣብ ኣካል ሰብ ተሰዊሩ ንኸድሕኖም ኣምላኽ ሰብ ኮነ።
  • ንደቂ ሰባት ክምህሮምን ኣርኣያ ክሓድገሎምን ኢሉ 1ጴጥ2:21::

ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ንደቂ ሰባት ከድሕን ምኸኣለ ዶ?

እወ: ኣምላኽና ኩሉ ዝገብርን ዝኽልክሎ ኣካል ከም ዘየለን ሓያል ምዃኑ ኩልና ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ።  ዘፍ18፡14 ። ኢዮብ 39:4 ። ሉቃስ 1:37 ። እንተኾነ ግን ኣምላኽና ስርዓት ኣልቦ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኩሉ ሰስርዓቱ ኣለዎ። 1ይ ቆሮ 14:33-40።
ኣምላኽና ቅዱስ ብኹሉ ሰናይ ነገራት ዝተመልአ መሓርን ርህሩህን ፈቃርን . . . ወዘተ እዩ። ምስኡ እውን ቅኑዕ ፈራዲ ኣብ ፍርዱ እውን ፍትሓውን ርትዓውን እዩ። እቲ ዝተፈርደ ሰብ ካብ ኮነ እቲ ነቲ ፍርዲ ዝቕበል እውን ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ዕብ 6:17 ። ማቴ 7:7 ። ያዕ 2:5 ።
ዝበደለ ሓጢኣት ዝሰርሕ ሰብ እዩ። በቲ ሓቀኛ ፍርዲ እውን ሰብ እዩ ክመውት ዘለዎ። ነገር ግን ካብ ደቂ ሰባት ሓጢኣት ዘይተንከፎ ስለ ዘይነበረ። ኩሎም እውን ንርእሶም ድሕነት የድልዮም ስለ ዝነበረ ፍጡር ንፍጡር ከድሕኖ ኣይተኻእለን። ስለዚ እቲ ሓጢኣት ዘይትንክፎ ኣምላኽ ነቲ ዝተፈጸመ በደል ብሞቱ ዕዳ ንኽኸፍል መጸ። ሰብ ኮነ። ኢሳ 59:16 ። ሮሜ 3:23 ። ሮሜ 5:6-8 ።

ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዝተነግረ ትንቢታት

ዘፍ 3:15 ። ዘፍ 9: 27 ። ኢሳ7:14 ። ኢሳ 9:6 ። መዝ 2:7 ። ሚክ 5:2 ። ዘሁ24:16 ።

ብምስጢረ ስጋዌ እንታይ ተፈጺሙ ?

  • ብምስጢረ ስጋዌ ምስ ኣምላኽ ሓደ ኴንና። ማቴ 27:51 ። ኢሳ 7:14 ። ዮሃ 14:22 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ሰይጣን ተሳዒሩ። ቆላ 2:15 ። 1ይ ቆሮ 15:55 ። ዮሃ 14:30 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ክፍኣትን ስቓይን ተወጊዱ። ቆላ 3:9 ። ፊል 1:28-30 ። 1ይ ጴጥ 2:22-25 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ዳግማይ(ካልኣይ) ሞት ተሪፉልና::

ምስጢረ ስላሴ

ስላሴ ማለት ሰለስተ ሙዃን ወይ ከኣ ፍሉይ ሰለስትነት ማለት እዩ። ምስጢረ ስላሴ ክበሃል እንከሎ ናይ እግዚኣብሄር ሓድነቱን ኣብ ሓድነቱ ዘሎ ፍሉይ ናይ ሰለስትነቱ ምስጢርን እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓደ ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓድነቱ ፍሉይ ሰለስትነት ኣለዎ። ፍሉይ ሰለስትነት ዘብሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ። ምኽንያቱ ሰለስተ ጥራይ ኢልና ስቕ ኣይንብልን ኢና። ሰለስተ እንከለው ሓደ ሓደ እንከሎ ሰለስተ ንብል። ናይ ቂሳርያ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ባስልዮስ ከስተምህር እንከሎ  ”ኣነስ እግዚኣብሄር ኢለ እንተተዛረብኩ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣብ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ወልድ ብዛዕባ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እዩ” ኢሉ ከም ዝመስከረ፣ ንሕና እውን ስላሴ ክንብል እንከለና ሰለስተ ዝኣካሉ ሓደ ኣምላኽ ማለት ምዃኑ ክንፈልጥ የድሊ። ከምቲ ገለ የዋሃት ዝመስሎም ኣብ ሰለስተ ኣማልኽቲ ዘይኮነ ግን: ኣብ ሓደ ኣምላኽ ኢና እነኣምን ዘዳ.6: 4።

ሓድነት ኣብ ሰለስትነት፣ ሰለስትነት ኣብ ሓድነት ከመይ እዩ?

እግዚኣብሄር ሓደ እዩ ክንብል እንከሎና  ብመለኮት፣ ብህልውና፣ ብባህርይ፣ ብስልጣን፣ ብፍቓድ፣ ዓለም ብምፍጣርን ብምሕላፍን ዝኣመሰሉ እዮም።

ብምፍጣር:- ”ካብ ጥንቲ ንምድሪ  ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።” መዝ.102: 25 ”እግዚኣብሄር ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” ዘፍ.1: 1 እግዚኣብሄር ብምፍጣር ሓደ ከም ዝኾነ    ንኸመልክት ፈጠረ ይብል እምበር ፈጠሩ ኣይብልን።

ብስልጣን:- ”ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና”። ዮሓ.10: 30

ብህልውና:- ”ኣነ ኣብ ኣቦ ከም ዘለኩ ኣቦ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እመኑ።” ዮሓ. 14: 10

እግዚኣብሔር ብመለኮት፣ ብህልውና፣ ብባህሪ ሓደ ክኸውን እንከሎ ብስም፣ ብግብሪ፣ ብኣካል ሰለስተ እዩ።

ስም:- ሓደ ኣካል ካብ ካልእ ብፍሉይ ዝፍለጠሉ ክኸውን እንከሎ ናይ ቅድስት ስላሴ ናይ ስም ሰለስትነት ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ”ስለዚ ኺዱ ንኹሎም ኣህዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እና ኣጥመቕኩም፣ ዝኣዘዝኩኹም ኩሉ ኺሕልዉ እናመሃርኩም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም።’ ማቴ.28: 19

ኣካል:- ህላዌ፣ ምንባር፣ ዝግለጸሉን ቀዋሚነትን ዘርኢ ክኸውን እንከሎ ንኣቦ ፍጹም ኣካል፣ ፍጹም ገጽ፣ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንወልድ  ፍጹም ኣካል፣ ፍጹም ገጽ፣ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ንመንፈስ ቅዱስ  ፍጹም ኣካል፣ ፍጹም ገጽ፣ ፍጹም መልክዕ ኣለዎ። ማቴ.3: 16  ማቴ.17: 5 ።

ናይ ግብሪ ስም:- ናይ ግብሪ ስም ናይ ስራሕ ጠባይ ዝገልጽ ወይ ከኣ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ ናይ ቅድስቲ ስላሴ ናይ ግብሪ ስም ከኣ ኣብ ወላዲ፣ወልድ ተወላዲ፣ መንፈስ ቅዱስ ሰራጺ ተባሂሉ ይፍለጥ። ኣብ ንወልድ ስለ ዝወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዘስርጽ ወላዲ ኣስራጺ ይበሃል። ወልድ ካብ ኣብ ስለ ዝውለድ ውሉድ ይበሃል። መንፈስ ቅዱስ ካብ ኣብ ስለ ዝሰርጽ (ዝወጽእ) ሰራጺ ይበሃል።ዮሐ.15: 26 ።

ቅድስት ስላሴ ወላ እኳ ናይ ስም፣ ኣካል፣ ግብሪ ሰለስትነት ይሃልዎም ኣብ ወልድ መንፈስ ቁዱስ ግን ኣይቀዳደሙን ኣይበላለጹን። ኣብ ንወድል ስለዝወለደ፣ ንመንፈስ ቅዱስ ስለ ዘስረጸ ኣይበልጾምን ኣይቅድሞንም ውን። ወልድ ውን ካብ ኣቦ ስለ ዝተወልደ ኣይንእስን እዩ። መንፈስ ቅዱስ ውን ካብ ኣብ ስለ ዝሰረጸ ኣይንእስን እዩ። ብሕጊ ተፈጥሮ ኣቦ ካብ ወዱ ይዓቢ፣ ይቕድም እዩ። ውሉድ እውን ካብ ኣቦኡ ይንእስ እዩ። ኣብ ምስጢረ ስላሴ ግን ኣቦ ንወልድ ስለ ዝወለደ ኣይዓብዮን እዩ ወልድ ውን ካብ ኣቦ ስለ ዝተወልደ ኣይንእስን እዩ። መንፈስ ቅዱስ እውን ካብ ኣቦ ስለ ዝሰረጸ ኣይንእስን እዩ። ርቀትን ዕምቆትን ናይዚ እዩ ከኣ ሓደ ካብቲ ምስጢር ዘብሎ። ናይ ሰብ ሕልና መርሚሩ ስለ ዘይበጽሖ እዩ። ”ንሕና ሓደ ከም ዝኾንና ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኪኾኑ እቲ ዝሃብካኒ ክብሪ ሃብክዎም”። ዮሓ.17:22 መዝ. 32: 5 ዘፍ.1: 1 ዮሓ.1: 1 ።

ኣብ ቅድስት ስላሴ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ግብሪ ኣይገብርን እዩ። እቶም ግብርታት እውን ኣይፋለሱን እዮም ። ኣቦ ንወልድ ይወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ የስርጽ እምበር ኣይውለድን፣ ከም መንፈስ ቅዱስ እውን ኣይሰርጽን እዩ።ወልድ እውን ይውለድ እምበር ከም ኣቦ ኣይወልድን፣ ኣየስርጽን ፣ ከም መንፈስ ቅዱስ እውን ኣይሰርጽን እዩ። መንፈስ ቅዱስ እውን ከም ኣቦ ኣይወልድን፣ ኣየስርጽን ፣ ከም ወልድ እውን ኣይውለድን እዩ።

ነፍሲ ብኣካላ ሓንቲ ክትከውን እንከላ ሰለስተ ክውንነት ኣለዋ።ንሳቶም ከኣ ልቢ፣ ቃል፣ እስትንፋስ እዮም። ናይ ልቢ ክዉንነት ብእስትንፋስን ቃልን ጌሩ ይግለጽ። ናይ ቃል ክዉንነት ካብ ልቢ ተረኺቡ ምስ ስጋ መልሓስ ተወሃሂዱ ንባብ፣ ቃል ይህብ። ናይ እስትንፋስ ክዉንነት ካብ ልቢ መንጭዩ ኣየር ብምውጻእ፣ ብምእታው ህይወት ይኸውን።

ናይ ስም ሰለስትነት

ናይ ስም ሰለስትነት ክንብል እንከለና ብስም ሰለስተ እዮም ማለት እዩ። ንሱ ከኣ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ናይ ውልቂ ስሞም ማለት እዩ። እግዚኣብሄር ግን ኹሉ ግዜ ናይ ሰለስቲኦም ኣካላት ናይ ሓባር ስሞም እዩ። ዮሓ3:16 : 1ይ ጴጥ1:2 ። እግዚኣብሄር ወልድ እውን ንኹሉ ግዜ ሓደ ካብ ናይ ሰለስቲኦም ኣካላት ስም እዩ መንፈስ ቅዱስ ውን ከምኡ። ወልድ ሰብ ኮይኑ ናብ ዓለም ኣብ ዝመጻሉ ግዜ ግን ብዝተፈላለዩ ኣስማት ተጸዊዑ እዩ።

ንሳቶም ከኣ :-

ኢየሱስ ፥ መድሓኒት ኣድሓኒ ማለት እዩ። ማቴ 1:21 ።
ክርስቶስ፥ መሲሕ፣ ቅቡእ ማለት እዩ። ሉቃ 2: 11
ኣማኑኤል፥ እግዚኣብሄር ምሳና እዩ ማለት እዩ። ት.ኢሳ 7: 14. ማቴ 1:21-22

እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ እውን ኩሉ ግዜ ሓደ ካብ ናይ ሰለስቲኦም ኣካላት ስም እዩ። መንፈስ ቅዱስ እውን ብዝተፈላለዩ ኣስማት ይጽዋዕ እዩ።

ንሳቶም ከኣ :-

መንፈስ ፥ ዮሓ 3:5 ። 1ይ ቆሮ 12:4 ። ዘፍ 1:2 ።ኢሳ 48:16 ።
ጰራቅሊጦስ፣ መጸናንዒ ፥ ዮሓ 15:26 ። ዮሓ 14:16 ። ዮሓ 16:7 ።
ናይ ሓቂ መንፈስ ፥ ዮሓ 15:26 ።