ምስጢረ ክህነት

I. ትርጉም

“ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ።
”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ ይኽእል፦

  1. ክርስቶስ፡ ፍሉያት ሰባት ጥራይ ሃዋርያት ክኾኑ ፈለየ፡ ነዚ ክገብር ከሎ ድማ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጸሎት ሓደረ። “ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡” (ሉቃ 6:12, 13)
  2. ነቶም ዝፈለዮም ሃዋርያት፡ ንኻልኦት ዘይተዋህበ ንዕኦም ጥራይ ፍሉይ ሓለፋ ሃቦም። ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎም ኣሎ፡ “ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ, 18:18)
  3. ቅድሚ ዕርገቱ ክልእኮም ከሎ ድማ፡ ምስኦም ከምዝኸውን ቃል ኣተወሎም፡ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም” (ማቴ. 28:20)።  እዚ ቃል መብጽዓ እዚ፡ ሕጂ ኣብቶም ሰዓብቲ  ሃዋርያት’ውን ከምዝሰርሕ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ።
  4. ይሁዳ ካብ ቍጽሪ እቶም ሃዋርያት ምስ ተነከየ ድማ፡ ብሓደ ተራኺቦም፡ ኣብ ጸሎትን ምዝርራብን ግዜ ኣሕሊፎም፡ ነታ ይሁዳ ዝሓደጋ ቦታ ብኻልእ ተክእዋ፡ (ግብ 1:15-26)። ዝተፈለዩ ሰባት ብፍሉይ ንኣገልግሎት ምፍላይ ዘየድሊ እንተዝነብር፡ ንቦታ ይሁዳ ብኻልእ ክትክኡ ኢሎም ግዜን ጉልበትን ኣይመባኸኑን ኔሮም።
  5. ኩሎም ክርስቲያን ሓደ ዝዓይነቱ ደረጃ ሓላፍነት ድዩ ኔርዎም፧ ንሓደ ዓይነት አገልግሎት ከ ኩላቶም ዶ ብማዕረ የገልግሉ ኔሮም እዮም፧ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት ከም እንምልከቶ፡ ቤተክህነት፡ እቶም ምእመናን ዘይደፍርዎ፡ ናይ ባዕሎም ፍሉይ ዝኾነ ሓላፍነት ኔርዎም እዩ። ንአብነት ፊሊጶስ ኣብ ሰማርያ ወንጌል ምስ መሃረ፡ ንሱ ዲያቆን ስለዝነበረ፡ እቶም ህዝቢ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ ኢሉ ኢዱ ከንብረሎም ፍቑድ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተክርስቲያን፡ “ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም።  ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ድማ ይብለና  (ግብ 8-17)
  6. ጳጳሳትን ዲያቆናትን ብኸመይ ኣገባብ ክምረጹ ከምዝግብኦም፡ ንጳጳሳት ዝምልከት ንበይኑ፡ ንዲያቆናት ዝምልከት ድማ ንበይኑ እቲ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ (1 ጢሞ. 3; ቲቶስ. 1)
  7. መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ከመይ ጌርካ ሓደ ማዕርግ ይወሃብ ብዝምልከት ዘረድእ መምርሒ ኣለዎ። ንኣብነት ብምንባር ኣእዳው (1ጢሞ 4. 14)
  8. ኩሎም ናይ ታሪኽ ምሁራት ከረጋግጽዎ ከምዝኸኣሉ፡ ካብ ቀዳማይ ሚእቲ ዘመን ኣትሒዙ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘገልግሉ መራሕቲ ካህናትን ዲያቆናትን ነበሩ። ኣብያተ ክርስቲያን ውን መራሕተን መን ከምዝነበሩ ዝሕብር መዝገብ ዝርዝር አስማት ኣለወን።  

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

  1. እዚ ምስጢር እዚ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ምስጢር እዩ። ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያትን ሰብዓ ኣርድእትን ዝሾመ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  ቅድሚ ዕርገቱ ንደቀመዛሙርቱ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ዝለኣኾም ንሱ እዩ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴ. 28: 19, 20)
    ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ” ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ” ዝህብ ባዕሉ ክርስቶስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ፡ (ኤፌ. 4: 11)
    ንናይ ኤፌሶን መራሕቲ ቤተክርስቲያን ምኽሪ ክህብ ከሎ ድማ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ” ኢልዎም ኣሎ፡ (ግብ 20: 28)
  2. ሃዋርያት በቲ ጐይታ ዝሃቦም ስልጣን ተጠቒሞም፡ ኣብ ዘዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ካህናትን ዲያቆናትን ይሾሙ ነበሩ።    

III. እቲ ዝርአ ምልክት

ክልተ ዝረኣዩ ምልክታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ እቲ ዝግበር ጸሎትን እቲ ምንባር ኣእዳውን እዮም።
እቲ ምንባር ኣእዳው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ፡ እዚ ኣብ ምስያም ጳጳሳት (1 ጢሞ. 4: 14; 2 ጢሞ. 1: 6), ኣብ ምስያም ክህነት (1 ጢሞ. 5: 22) ከምኡ’ውን ኣብ ምስያም ዲያቆናት (ግብ 6: 6) እዚ ናይ ኢድ ምንባር ስርዓት ይዝውተር ነበረ።
ጸሎተ ሲመት፡ (ግብ 6: 6; 14:23)

IV. እቲ ዘይርአ ጸጋ

እቲ ዝተቐብአ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ከገልግለሉ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ማዕርግ ዝሕግዞ ጸጋ ይወሃቦ። “ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።” (1 ጢሞ. 4: 14) “ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።” (2 ጢሞ. 1: 6)
እዚ ውህበት እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወሃብ ውህበት እዩ። እቲ ኣገልጋሊ ኣብ ዝተዋህቦ ማዕርግ ብዝግባእ ምእንቲ ከገልግል፡ እንኮ ደጋፊኡን ሓጋዚኡን መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ።

V. ደረጃታት ቅዱስ ሲመት

መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ደረጃታት እዩ ዝጠቅስ፡ ጳጳስ፡ ካህንን ዲያቆንን

(1) ጳጳስ

እዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ሲመተ ማዕርግ እዩ። ኣብ 1ጢሞ 3: ኣብ ቲቶ 1 ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጳጳሳት ብኸመይ ክምረጹ ከምዝግባእ፡ መምርሒ ሰፊሩ ኣሎ፦
ብማ፡ዕርገ ጵጵስና ዝሽየሙ፡ እዞም ዝስዕቡ መሰል ኣለዎም፦
ካህናት ክሾሙ ይኽእሉ እዮም። ማ፡ዕርገ ጳጵስና ዝሰርዑ ኣቦታትና ሃዋርያት እዮም፡ (2 ጢሞ. 1:6)፡ ካህናት’ውን ሾሙ፡ (ግብ 14: 23) ከምኡውን ዲያቆናት ከአ ሾሙ (ግብ 6: 3,6) እቶም ብኢድ ሃዋርያት ዝተሾሙ ጳጳሳት ድማ፡ ንኻልኦት ናይ ምስያም መዝነትን ስልጣንን ተዋህቦም። ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶስ ክጽሕፈሉ ከሎ፦ “ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ” ይብሎ፡ (ቲቶ. 1:5)
ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ከሎ ድማ፡ “ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ” (1 ጢሞ. 5: 22) ብምባል ይምዕዶ።

  1. ንካህናት ምምርማርን ምግሳጽን ብዝምልከት ከኣ፦ “ብናይ ሽማግለ(ካህን)ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም” (1 ጢሞ. 5: 19, 20) ይብሎ
  2. ንሜሮን እንጥቀመሉ ሓድሽ ቅብኣ ዘይት ምብራኽ፡  
  3. ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስቲያንን ሓደሽቲ አቑሑ ቤተክርስቲያንን ምብራኽ፡   
  4. ንብምሉኦም ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍጻም መሰል ኣለዎም፡
  5. ምምሕዳር ሓፈሻዊ ጉዳያት ቤተክርስቲያን ድማ ሓላፍነቶምን መዝነቶምን ይኸውን። 

(2) ካህን:

ካህናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሶም ኣለዉ። “ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።” (ግብ14: f23)
“ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።” (1 ጢሞ. 5: 17) “ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡ’ውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ (ቲቶ. 1: 5) “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት (ካህናት) ማሕበር (ቤተክርስቲያን) ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። (ያዕ 5:14) ካህን ካብቶም ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያንሲ ነቶም ሽዱሽተ ክፍጽም ስልጣን ኣለዎ። ናይ ምምሃርን ምስባኽን መዝነት እዋን ኣለዎ።

(3) ዲያቆን:

ዲያቆናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብረሃዋርያት 6: 3-6  ከምኡ’ውን ኣብ ፊሊጲ. 1: 1, 1 ጢሞ. 3 ተጠቒሶም ኣለዉ።
ዲያቆን፡ ዝኾነ ምስጢረ ቤተክርስቲያን ክፍጽም ማዕርገ ሲመቱ አየፍቅደሉን እዩ። ጳጳስ ወይ ካህን ምስጢረ ቤተክርስቲያን አብ ዝፍጽመሉ ግዜ ግን፡ ንጳጳስ ወይ ንካህን ናይ ምሕጋዝ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትከርስቲያን ስርዓትን ጸጥታን ክሕሎ ናይ ምክትታል፡ ዝተፈላለየ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ አብ ምንባብ፡ ምምሃር፡ ምስባኽ ከምኡ’ውን እቲ ካህን ወይ እቲ ጳጳስ ብዝእዝዞ መሰረት፡ ካልእ ዕዮ ናይ ምፍጻም ስልጣን ጥራይ እዩ ዘለዎም።   
”ስርዓት ሃዋርያት” ኣብ ዝበሃል ከአ “ዲያቆን፡ ናይ ጳጳስ ዓይንን እዝንን እዩ” ይብል።  
ኣብተን ቀዳሞት ግዚያት፡ ”ዲያቆናዊት” ዝበሃል ማዕርግ ነበረ። ኣገልግሎታ ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝርከባ ደቀንስትዮ ምግልጋል እዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዝፍቀደልን ክፍሊ ቤተክርስቲያን ኮይነን ጸጥታን ሰላምን ቤተክርስቲያን ምሕላው፡ ኣብ ግዜ ተቀብዖ ሜሮን ድማ ፡እቲ ካህን ነታ እትጥመቕ፡ ኣብ ግምባራ ጥራይ ምስ ቀብኣ፡ እቲ ዝተረፈ ኣካላት ሰብነት ጓለንስተይቲ ግን፡ እታ ዲያቆናዊት እያ ብቕዱስ ቅብኢ ናይ ምቕባእ መዝነት ዝነበራ (ዲድስቅልያ 34)
“ዝኾነት ጓለንስተይቲ ብዲያቆናዊት ተሰንያ እንተዘይኮይና ናብ ጳጳስ ንብሕታ መጺኣ ዝኾነ ነገር ክትሓትት አይፍቀደላን እዩ፡” (ዲድስቅልያ 6)
“ ጳጳስ ዝኾነ መልእኽቲ ናብ ዝኾነት ጓለንስተይቲ ክልእኽ እንተደልዩ፡ ዲያቆናዊት ደአ እምበር ግቡእ ስለዘይኮነ ዲያቆን ክልእኽ ኣይግባእን እዩ፡” (ዲድስቅልያ 34) ኣብ ዘመነ ሃዋርያት፡ እዚ ደረጃ እዚ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ይመስል። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማ ክጽሕፍ ከሎ፡ “ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት *(ኣብ ካልእ ትርጉም ’ዲያቆናዊት’ እዩ ዝብሎ) ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ” (ሮሜ 16: 1)። ጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ከሎ ድማ፡ “ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር።” (1 ጢሞ. 5: 9) ገለ ሰባት ከምዝብልዎ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ነተን ኣብ ቤትከርስቲያን ዘገልግላ ዲያቆናውያት ዝምልከት እዩ። 

VI. ሲመተ ማዕርገ ክህነት

  1. ሓደ ጳጳስ ንኻልእ ናብ ማዕርገ ጳጵስና ንብሕቱ ክሾሞ ስለዘይፍቀድ፡ ጳጳስ እንተወሓደ ብኣንብሮተ ኢድ ናይ ሰለስተ ጳጳሳት እዩ ዝሽየም።
  2. ካህን ወይ ዲያቆን ብኣንብሮተ ኢድ ናይ ሓደ ጳጳስ ጥራይ ይሽየሙ
  3. ብሕጋዊ ኣገባብ ንዝተሸመ ጳጳስ፡ ካህን ወይ ዲያቆን፡ ነታ ኣቐዲሙ ዝተቐበላ ማዕርግ፡ ደጊሙ ካብ ካልእ ክቕበላ ፍጹም ኣይከእልን።   ኣብ ቈነና ሃዋርያት (68) ከምዚ ተባሂሉ’ሎ “ ዝኾነ ጳጳስ፡ ካህን ወይ ዲያቆን በታ ዘለዋ ደረጃ ማዕርግ ዳግማይ እንተተቐቢኡ፡ ንሱን እቲ ዝቐብኦን ክውገዙ ይኽእሉ እዮም”
  4. ነዞም ዝተጠቕሱ ሰልስተ ደረጃታት ሲመት *(ጳጵስና ክህነትን ዲቁናን) ዝኾነ ዝኽፍለ ገንዘብ ክህሉ ኣይግባእን። ሲሞን እቲ ጠንቋሊ ንጸጋ ኣምላኽ ገንዘብ ከፊሉ ክዕድግ ብምምናዩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብትሪ ከምዝነጸጎ ተጻሒፉ’ሎ፡“ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም።” (ግብ 8: 18-20) ብመሰረት ትምህርቲ ቤተክርስቲያን፡ ብኽፍሊት ዝመጸ ዝኾነ ማዕርግ ሕጋውነት የብሉን። ገንዘብ ተቐቢሉ ማዕርግ ዝህብ ጳጳስ ድማ ውጉዝ ይኹን።  

VII. ግዴታታት ቤተክህነት

(1) ቅድሚ ምቕባል ማዕርግ

እቶም ንመዓርገ ክህነት ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርቡ

  1. እቲ ጻውዒት እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ምኹኑ ርግጸኛታት ዝኾኑ፡ “ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ።” (ዕብ. 5: 4)
  2. ነቲ ሕብረት ጽቡቕ ኣብነት ምእንቲ ክኾንዎ፡ መንቅብ ዘይብሎም ክኾኑ ይግባእ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ን ጢሞቴዎስ ከምዚ እናበለ ጸሓፈሉ፡ “ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።” (1 ጢሞ. 4: 12) ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን ከማልእዎ ብዛዕባ ዝግባእ ረቓሒታትን ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕን ኣመልኪቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ 1 ጢሞ. ምዕራፍ 3 ን ኣብ  ቲቶስ ምዕራፍ 1 ን  ይጠቅስ እዩ።
  3. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎም 

(2) ድሕሪ ምቕባል ማዕርግ

  1. ከም በዓል ዓስቢ፡ ደሞዝ ንምርካብ ኢሎም ክሰርሑ ኣይግባእን፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡” (1 ጴጥ. 5:2) “እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።” (ዮሃ10:12)
  2. ሕያዎት ጓሶት ክኾኑ ግን ይግብኦም፡ እተን ኣባጊዕ ናቶም ምዃነን፡ ስለዚ ድማ ክምግብወንን፡ ካብ ኣራዊት ንምሕላወን ድማ ናቶም ሓላፍነት ምዃኑን ዝስምዖም ክኾኑ ይግብኦም። ሕያዋይ ጓሳ በጃ ኣባጊዑ ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾነ ኸአ ክፈልጡ ይግብኦም፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃ10:11)

ዝያዳ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነት
ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ 
ቀሺ ማርቆስ ዳውድ
ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ
ግንቦት1952