Entries by tc

ምስጢረ ቀንዴል

I. ትርጉም እዚ ምስጢር እዚ፡ ፈውሲ ስጋን ነፍስን ዜውህብ ምስጢር ኰይኑ፡ ሓደ ካህን ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሕማም ዝተጠቕዐ ብዘይቲ እናለኸየ ዝጽልዮ ቅዱስ ምስጢር እዩ።    ኣብ ሞንጎ ምስጢረ ቀንዴልን ምስጢረ ንስሓን ዘሎ ፍልልይ፡ እቲ ካልኣይ ማለት ምስጢረ ንስሓ (ሀ) ንኹሉ ክርስቲያን ዝተሰርዐ እዩ (ለ) መንፈሳዊ ሕማም ንምፍዋስ ዝተሰርዐ ድማ እዩ። እቲ ቀዳማይ ማለት ምስጢረ ቀንዴል […]

ምስጢረ ክህነት

I. ትርጉም “ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ። ”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ […]

ምስጢረ ተክሊል

I. ትርጉም ምስጢረ ተክሊሉ፡ መርዓትን መርዓውን ሓደ ናይ ምግባር ጸጋ ዘውህብን ሓድነቶም ዝባርኽን ቅዱስ ምስጢር እዩ። መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ዝኾነ ፍጹምን ቅዱስን ሓድነት ንኽህልዎ ዝቕድስ ምስጢር ድማ እዩ።    እዚ ምስጢር እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስጢር እዩ። ኪንዮ እቶም ክልተ ተጻመድቲ፡ ስድራቤት፡ መንግስትን ቤተክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ምስጢር ድማ እዩ። ስለዚ ድማ ኣቃሊልካ ዝርአን […]

ምስጢረ ንስሓ

I.ትርጉም ምእመናን ብምስጢረ ጥምቀት እኳ ዳግም ዝተወልዱ እንተኾኑ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይዕንቀፉን ወይ ሓጢኣት ኣይገብሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ወዘተ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኩሎም ሓጢኣት ጌሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝበደለ ሰብ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡- ምስጢረ ንስሓ ተኣታተወ። […]

ምስጢረ ሜሮን

I. ትርጉም ምስጢረ ሜሮን፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከምዝቕበል ዝገብር ምስጢር እዩ። እዚ መንፈስ እዚ፡ ሓደ ዝተጠመቐ ኣማኒ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት፡ ብቑዕ ኮይኑ ምእንቲ ክመላለስ ይሕግዞ። ምስጢረ ሜሮን፡ ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ምስተዋህበ ዘይድገም ምስጢር እዩ።   II. ምጅማር እዚ ምስጢር እዚ እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣብቲ እግዚአብሄር ንህዝቡ መንፈስቅዱስ ከምዝህቦ ዝሓበረሉ ቃል፡ ኣብኡ እተመስረተ […]