ምስጢረ ቀንዴል

I. ትርጉም

  1. እዚ ምስጢር እዚ፡ ፈውሲ ስጋን ነፍስን ዜውህብ ምስጢር ኰይኑ፡ ሓደ ካህን ኣብ ልዕሊ ሓደ ብሕማም ዝተጠቕዐ ብዘይቲ እናለኸየ ዝጽልዮ ቅዱስ ምስጢር እዩ።   
  2. ኣብ ሞንጎ ምስጢረ ቀንዴልን ምስጢረ ንስሓን ዘሎ ፍልልይ፡ እቲ ካልኣይ ማለት ምስጢረ ንስሓ (ሀ) ንኹሉ ክርስቲያን ዝተሰርዐ እዩ (ለ) መንፈሳዊ ሕማም ንምፍዋስ ዝተሰርዐ ድማ እዩ። እቲ ቀዳማይ ማለት ምስጢረ ቀንዴል ግን (ሀ) ንዝሓመሙ ጥራይ እዩ ዝወሃብ (ለ) ስጋውን መንፈሳውን ፈውሲ ንምርካብ ድማ እዩ ዝፍጸም።
  3. ገለ ሰባት፡ ነቲ ሃዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ጠቒስዎ ዘሎ ምስጢረ ቀንዴል፡ ንፈውሲ ዝኸውን ተራ ኣገባብ እዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ኣለዉ።  ንሕና ድማ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ብኸምዚ ዝስዕብ ጌርና ንምክቶ፦
    1. ተራ አገባብ ኣፈዋውሳ እንተዝነብር ኔሩ፡ ቅዱስ ሃዋርያ ያዕቆብ፡ ”ዝኾነ ሰብ ዘይቲ ወሲዱ ይለኸ” ብምባል ምጸሓፈ ኔሩ፡ ቅዱስ ያዕቆብ ግን “ካህናት መጺኦም ብስም እግዚአብሄር ዘይቲ ይልከይዎ” ዝብል እዩ ጽሒፉ ዘሎ።
    2. እቲ ናይ ፈውሲ ሓይሊ ኸአ፡ አብቲ ዘይቲ ዘይኮነስ ኣብቲ ጸሎት ከም ዝኾነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። “ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ፡” እዩ ዝብል እቲ ጽሑፍ።
    3. ብድሕሪ እዚ ድማ እዚ ሓሳብ እዚ ተወሲኹ ንረኽቦ “ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ። “እዚ ሕድገት እዚ ብዘይቲ ጥራይ ክርከብ ኣይክእልን እዩ።
  4. ካልኦት ድማ፡ እዚ ንሃዋርያት ጥራይ ዝተዋህበ ናይ ምፍዋስ አገልግሎት እዩ ይብሉ። ነዚ ንምምላስ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ፡ እዚ ውህበት እዚ ብመገዲ ካህናት አቢሉ ክመሓደር ዘለዎ ምስጥር ምዃኑ ደአ እምበር፡ ንሃዋርያት ጥራይ ዝተሓዝአ እዩ ብምባል አይጸሓፈን፡ ኢልካ ብቐሊሉ ኣሕጽር ኣቢልካ ምምላሹ ይከኣል።   
  5. ቤተክርስቲያን ሮማ ነዚ ምስጢር እዚ “ዝለዓለ ወይ ናይ መወዳእታ ምስጢር” ኢላ ትጽውዖ። ከምዚ መበሊአ ኸአ ናብ ሞት ንዝቐረቡ ሕሙማት ጥራይ ዝወሃብ ምስጢር ማለታ እዩ። እዚ ግን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌጋ እዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ጽሑፍ ዝብሎ ዘሎ፡ እዚ ምስጢር እዚ ንሕሙማት ካብ ሕማሞም ምእንቲ ክፍወሱ ዝግበረሎም ምስጢር ምዃኑ እዩ።

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

ነዚ ምስጢር እዚ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ጀሚርዎ።

  1. ብዛዕባ ሃዋርያት ከምዚ ተባሂሉ ኣሎ፡ “ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም።” (ማር 6: 13) ጐይታ ባዕሉ ለኢኽዎም ስለዝነበረ ድማ እቲ ምልካይ ዘይቲ ንሱ ኣዚዝዎም ከምዝገበርዎ ዘዛርብ ኣይኮነን።  
  2. ቅዱስ ያዕቆብ ድማ ኣብ መልእኽቱ (5: 14, 15) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት ማሕበር (መራሕቲ ቤተክርስቲያን፡ ካህናት) ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።”
    ሃዋርያት፡ ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልዎ እምበር፡ ናይ ባዕሎም ወንጌል ከምዘይሰበኹ ፍሉጥን ርዱእን ክኸውን ይግባእ። “እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ አፍልጠኩም አሎኹ።” (ገላ. 1:11, 12) ሰለዚ እዚ ቅዱስ ያዕቆብ ዝጽሕፎ ዘሎ ድማ ካብ ጐይታ ዝተቐበሎ ደአ እምበር ናይ ባዕሉ ክኸውን ኣይከልን።.
  3. ብተወሳኺ ድማ እቶም ሃዋርያት ንሶም ዘእተውዎ ምስጢር ከምዝኾነ አይተዛረቡን እኳ ደአ፡ “መገብቲ ምስጢር ኣምላኽ” ምዃኖም እዮም ዝመስከሩ። (1 ቈረ. 4:1) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብንጹርን ብሩህን ኣገባብ እቲ ነዚ ምስጢር እዚ ዝመስረተ ክርስቶስ እዩ ዝብል አይተጻሕፈን። እዚ ክኾነሉ ዝኸኣለ ምኽንያት ድማ፡ ክርስቶስ ጐይታና፡ ኣብ መጽሓፍ ዘይተጻሕፈ ካልእ ብዙሕ ነገራት’ውን ስለዝገበረ እዩ (ዮሃ 21: 25)
  4. ኣቦታት ድማ፡ እዚ ምስጢር እዚ ካብ ቀዳማይ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዙ ከም ምስጢር ቤተክርስቲያን ኮይኑ ከገለግል ዝጸንሐ ምዃኑ መስከሩ።
  5. እቶም ቀዳሞት ክርስቲያን፡ ብሕማም ኣብ ዝጥቅዕሉ ግዜ ካህናት ይጽውዑ ምንባሮምን ድሕሪ ንስሓ ድማ በቲ ዘይቲ ይለኽይዎም ከምዝነበሩን፡ ናይ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዝኾኑ ከኢላታት ታሪኽ’ውን የረጋግጹ እዮም።

III. እቲ ዝርአ ምልክት

ኣብዚ ምስጢር እዚ ክልተ ኣፍኣዊ (ደጋዊ፡ ግዳማዊ) ምልክታት ኣለዉ፦ ዘይትን ጸሎትን

  1. እቲ ዝሓመመ ዝቕብኣሉ ዘይቲ፡ እቲ ዘይቲ ኣብ ናይ ፈውሲ መዓላ ምእንቲ ክውዕል፡ አቐዲምካ ነቲ ዕላማ እቲ ብጸሎት ክትቅድሶ ይግባእ።  
  2. እቲ ናብ እግዚአብሄር ዝዓርግ ምእንቲ ሕሙማት ዝግበር ጸሎት። ነዚ ምስጢር እዚ እንጥቀመሎም ብቤተክርስቲያን ዝተዳለዉ፡ ብቝጽሪ ሸውዓተ ዝኾኑ ጸሎታት ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ገለ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ’ውን ይንበብ እዩ።

IV. እቲ ዘይርአ ጸጋ

እቲ በዚ ምስጢር እዚ ዝወሃብ ዘይርአ ጸጋ፡ ፈውሲ ስጋን ነፍስን እዩ።

V. ነዚ ምስጢር እዚ ክፍጽም ስልጣን ዘለዎ መን እዩ?

እዚ ምስጢር እዚ ንካህናት ዝተዋህበ ምስጢር እኳ እንተኾነ፡ ጳጳሳት እንተደለዮም’ውን ነዚ ምስጢር ክፍጽምዎ ይኽእሉ እዮም። ካህናት ብቐረባ ምስቲ ህዝቢ ርክብ ዘለዎም ከም ምዃኖም መጠን ግን እዚ ምስጢር እዚ ንካህናት እዩ እተዋህበ።

ምስጢረ ክህነት

I. ትርጉም

“ምስጢረ ክህነት” ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ቤተክርስቲያን ንኽፍጸሙ ምእንቲ፡ ነቲ ምስጢር እቲ ናይ ምፍጻም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ማዕርግ ዘውህብ ምስጢር እዩ።
”ክርስቶስ ኣብ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ኸአ ኩሎም እቶም ኣባላ ማዕረ እዮም’ሞ፡ ”ኣገልገልቲ” ኢልካ ሰባት ምፍላይ ኣድላይነት የብሉን” ዝብሉ ገለ ፕሮተስታንታውያን ኣለው። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ግጉይ ምዃኑ መብርሂ ክወሃቦ ይኽእል፦

  1. ክርስቶስ፡ ፍሉያት ሰባት ጥራይ ሃዋርያት ክኾኑ ፈለየ፡ ነዚ ክገብር ከሎ ድማ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጸሎት ሓደረ። “ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ። ምድሪ ምስ ወግሔ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሐረየ፡” (ሉቃ 6:12, 13)
  2. ነቶም ዝፈለዮም ሃዋርያት፡ ንኻልኦት ዘይተዋህበ ንዕኦም ጥራይ ፍሉይ ሓለፋ ሃቦም። ንኣብነት ከምዚ ዝስዕብ ኢልዎም ኣሎ፡ “ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ, 18:18)
  3. ቅድሚ ዕርገቱ ክልእኮም ከሎ ድማ፡ ምስኦም ከምዝኸውን ቃል ኣተወሎም፡ “ክሳዕ መወዳእታ ዓለም” (ማቴ. 28:20)።  እዚ ቃል መብጽዓ እዚ፡ ሕጂ ኣብቶም ሰዓብቲ  ሃዋርያት’ውን ከምዝሰርሕ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ።
  4. ይሁዳ ካብ ቍጽሪ እቶም ሃዋርያት ምስ ተነከየ ድማ፡ ብሓደ ተራኺቦም፡ ኣብ ጸሎትን ምዝርራብን ግዜ ኣሕሊፎም፡ ነታ ይሁዳ ዝሓደጋ ቦታ ብኻልእ ተክእዋ፡ (ግብ 1:15-26)። ዝተፈለዩ ሰባት ብፍሉይ ንኣገልግሎት ምፍላይ ዘየድሊ እንተዝነብር፡ ንቦታ ይሁዳ ብኻልእ ክትክኡ ኢሎም ግዜን ጉልበትን ኣይመባኸኑን ኔሮም።
  5. ኩሎም ክርስቲያን ሓደ ዝዓይነቱ ደረጃ ሓላፍነት ድዩ ኔርዎም፧ ንሓደ ዓይነት አገልግሎት ከ ኩላቶም ዶ ብማዕረ የገልግሉ ኔሮም እዮም፧ ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ግብረ ሃዋርያት ከም እንምልከቶ፡ ቤተክህነት፡ እቶም ምእመናን ዘይደፍርዎ፡ ናይ ባዕሎም ፍሉይ ዝኾነ ሓላፍነት ኔርዎም እዩ። ንአብነት ፊሊጶስ ኣብ ሰማርያ ወንጌል ምስ መሃረ፡ ንሱ ዲያቆን ስለዝነበረ፡ እቶም ህዝቢ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ ኢሉ ኢዱ ከንብረሎም ፍቑድ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እታ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረት ቤተክርስቲያን፡ “ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም።  ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ድማ ይብለና  (ግብ 8-17)
  6. ጳጳሳትን ዲያቆናትን ብኸመይ ኣገባብ ክምረጹ ከምዝግብኦም፡ ንጳጳሳት ዝምልከት ንበይኑ፡ ንዲያቆናት ዝምልከት ድማ ንበይኑ እቲ ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ንረኽቦ (1 ጢሞ. 3; ቲቶስ. 1)
  7. መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፡ ከመይ ጌርካ ሓደ ማዕርግ ይወሃብ ብዝምልከት ዘረድእ መምርሒ ኣለዎ። ንኣብነት ብምንባር ኣእዳው (1ጢሞ 4. 14)
  8. ኩሎም ናይ ታሪኽ ምሁራት ከረጋግጽዎ ከምዝኸኣሉ፡ ካብ ቀዳማይ ሚእቲ ዘመን ኣትሒዙ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ዘገልግሉ መራሕቲ ካህናትን ዲያቆናትን ነበሩ። ኣብያተ ክርስቲያን ውን መራሕተን መን ከምዝነበሩ ዝሕብር መዝገብ ዝርዝር አስማት ኣለወን።  

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

  1. እዚ ምስጢር እዚ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ምስጢር እዩ። ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያትን ሰብዓ ኣርድእትን ዝሾመ ባዕሉ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።  ቅድሚ ዕርገቱ ንደቀመዛሙርቱ ናብ መላእ ዓለም ክኸዱ ዝለኣኾም ንሱ እዩ፡ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” (ማቴ. 28: 19, 20)
    ቅዱስ ጳውሎስ ድማ፡ ” ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ” ዝህብ ባዕሉ ክርስቶስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ፡ (ኤፌ. 4: 11)
    ንናይ ኤፌሶን መራሕቲ ቤተክርስቲያን ምኽሪ ክህብ ከሎ ድማ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ” ኢልዎም ኣሎ፡ (ግብ 20: 28)
  2. ሃዋርያት በቲ ጐይታ ዝሃቦም ስልጣን ተጠቒሞም፡ ኣብ ዘዝመስረትወን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ካህናትን ዲያቆናትን ይሾሙ ነበሩ።    

III. እቲ ዝርአ ምልክት

ክልተ ዝረኣዩ ምልክታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ እቲ ዝግበር ጸሎትን እቲ ምንባር ኣእዳውን እዮም።
እቲ ምንባር ኣእዳው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ፡ እዚ ኣብ ምስያም ጳጳሳት (1 ጢሞ. 4: 14; 2 ጢሞ. 1: 6), ኣብ ምስያም ክህነት (1 ጢሞ. 5: 22) ከምኡ’ውን ኣብ ምስያም ዲያቆናት (ግብ 6: 6) እዚ ናይ ኢድ ምንባር ስርዓት ይዝውተር ነበረ።
ጸሎተ ሲመት፡ (ግብ 6: 6; 14:23)

IV. እቲ ዘይርአ ጸጋ

እቲ ዝተቐብአ ኣገልጋሊ፡ ነቲ ከገልግለሉ ተባሂሉ ዝተዋህቦ ማዕርግ ዝሕግዞ ጸጋ ይወሃቦ። “ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግሌታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ።” (1 ጢሞ. 4: 14) “ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።” (2 ጢሞ. 1: 6)
እዚ ውህበት እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወሃብ ውህበት እዩ። እቲ ኣገልጋሊ ኣብ ዝተዋህቦ ማዕርግ ብዝግባእ ምእንቲ ከገልግል፡ እንኮ ደጋፊኡን ሓጋዚኡን መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ።

V. ደረጃታት ቅዱስ ሲመት

መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ደረጃታት እዩ ዝጠቅስ፡ ጳጳስ፡ ካህንን ዲያቆንን

(1) ጳጳስ

እዚ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ሲመተ ማዕርግ እዩ። ኣብ 1ጢሞ 3: ኣብ ቲቶ 1 ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ ቦታታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጳጳሳት ብኸመይ ክምረጹ ከምዝግባእ፡ መምርሒ ሰፊሩ ኣሎ፦
ብማ፡ዕርገ ጵጵስና ዝሽየሙ፡ እዞም ዝስዕቡ መሰል ኣለዎም፦
ካህናት ክሾሙ ይኽእሉ እዮም። ማ፡ዕርገ ጳጵስና ዝሰርዑ ኣቦታትና ሃዋርያት እዮም፡ (2 ጢሞ. 1:6)፡ ካህናት’ውን ሾሙ፡ (ግብ 14: 23) ከምኡውን ዲያቆናት ከአ ሾሙ (ግብ 6: 3,6) እቶም ብኢድ ሃዋርያት ዝተሾሙ ጳጳሳት ድማ፡ ንኻልኦት ናይ ምስያም መዝነትን ስልጣንን ተዋህቦም። ቅዱስ ጳውሎስ ንቲቶስ ክጽሕፈሉ ከሎ፦ “ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ” ይብሎ፡ (ቲቶ. 1:5)
ንጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ከሎ ድማ፡ “ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሐሉ” (1 ጢሞ. 5: 22) ብምባል ይምዕዶ።

  1. ንካህናት ምምርማርን ምግሳጽን ብዝምልከት ከኣ፦ “ብናይ ሽማግለ(ካህን)ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም” (1 ጢሞ. 5: 19, 20) ይብሎ
  2. ንሜሮን እንጥቀመሉ ሓድሽ ቅብኣ ዘይት ምብራኽ፡  
  3. ሓድሽ ህንጻ ቤተክርስቲያንን ሓደሽቲ አቑሑ ቤተክርስቲያንን ምብራኽ፡   
  4. ንብምሉኦም ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍጻም መሰል ኣለዎም፡
  5. ምምሕዳር ሓፈሻዊ ጉዳያት ቤተክርስቲያን ድማ ሓላፍነቶምን መዝነቶምን ይኸውን። 

(2) ካህን:

ካህናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጠቒሶም ኣለዉ። “ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሐረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።” (ግብ14: f23)
“ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽማግሌታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዚጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ።” (1 ጢሞ. 5: 17) “ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡ’ውን ሽማግሌታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሐደግኩኻ፡ (ቲቶ. 1: 5) “ኣብ ማእከልኩምከ ዝሐመመዶ አሎ፧ ንሽማግሌታት (ካህናት) ማሕበር (ቤተክርስቲያን) ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ። (ያዕ 5:14) ካህን ካብቶም ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያንሲ ነቶም ሽዱሽተ ክፍጽም ስልጣን ኣለዎ። ናይ ምምሃርን ምስባኽን መዝነት እዋን ኣለዎ።

(3) ዲያቆን:

ዲያቆናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብረሃዋርያት 6: 3-6  ከምኡ’ውን ኣብ ፊሊጲ. 1: 1, 1 ጢሞ. 3 ተጠቒሶም ኣለዉ።
ዲያቆን፡ ዝኾነ ምስጢረ ቤተክርስቲያን ክፍጽም ማዕርገ ሲመቱ አየፍቅደሉን እዩ። ጳጳስ ወይ ካህን ምስጢረ ቤተክርስቲያን አብ ዝፍጽመሉ ግዜ ግን፡ ንጳጳስ ወይ ንካህን ናይ ምሕጋዝ፡ ኣብ ውሽጢ ቤትከርስቲያን ስርዓትን ጸጥታን ክሕሎ ናይ ምክትታል፡ ዝተፈላለየ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ አብ ምንባብ፡ ምምሃር፡ ምስባኽ ከምኡ’ውን እቲ ካህን ወይ እቲ ጳጳስ ብዝእዝዞ መሰረት፡ ካልእ ዕዮ ናይ ምፍጻም ስልጣን ጥራይ እዩ ዘለዎም።   
”ስርዓት ሃዋርያት” ኣብ ዝበሃል ከአ “ዲያቆን፡ ናይ ጳጳስ ዓይንን እዝንን እዩ” ይብል።  
ኣብተን ቀዳሞት ግዚያት፡ ”ዲያቆናዊት” ዝበሃል ማዕርግ ነበረ። ኣገልግሎታ ድማ ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝርከባ ደቀንስትዮ ምግልጋል እዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዝፍቀደልን ክፍሊ ቤተክርስቲያን ኮይነን ጸጥታን ሰላምን ቤተክርስቲያን ምሕላው፡ ኣብ ግዜ ተቀብዖ ሜሮን ድማ ፡እቲ ካህን ነታ እትጥመቕ፡ ኣብ ግምባራ ጥራይ ምስ ቀብኣ፡ እቲ ዝተረፈ ኣካላት ሰብነት ጓለንስተይቲ ግን፡ እታ ዲያቆናዊት እያ ብቕዱስ ቅብኢ ናይ ምቕባእ መዝነት ዝነበራ (ዲድስቅልያ 34)
“ዝኾነት ጓለንስተይቲ ብዲያቆናዊት ተሰንያ እንተዘይኮይና ናብ ጳጳስ ንብሕታ መጺኣ ዝኾነ ነገር ክትሓትት አይፍቀደላን እዩ፡” (ዲድስቅልያ 6)
“ ጳጳስ ዝኾነ መልእኽቲ ናብ ዝኾነት ጓለንስተይቲ ክልእኽ እንተደልዩ፡ ዲያቆናዊት ደአ እምበር ግቡእ ስለዘይኮነ ዲያቆን ክልእኽ ኣይግባእን እዩ፡” (ዲድስቅልያ 34) ኣብ ዘመነ ሃዋርያት፡ እዚ ደረጃ እዚ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ይመስል። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሮማ ክጽሕፍ ከሎ፡ “ንፌቤን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት *(ኣብ ካልእ ትርጉም ’ዲያቆናዊት’ እዩ ዝብሎ) ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ ኤማዕቊበኩም ኣሎኹ” (ሮሜ 16: 1)። ጢሞቴዎስ ክጽሕፈሉ ከሎ ድማ፡ “ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሐጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር።” (1 ጢሞ. 5: 9) ገለ ሰባት ከምዝብልዎ፡ እዚ ጽሑፍ እዚ ነተን ኣብ ቤትከርስቲያን ዘገልግላ ዲያቆናውያት ዝምልከት እዩ። 

VI. ሲመተ ማዕርገ ክህነት

  1. ሓደ ጳጳስ ንኻልእ ናብ ማዕርገ ጳጵስና ንብሕቱ ክሾሞ ስለዘይፍቀድ፡ ጳጳስ እንተወሓደ ብኣንብሮተ ኢድ ናይ ሰለስተ ጳጳሳት እዩ ዝሽየም።
  2. ካህን ወይ ዲያቆን ብኣንብሮተ ኢድ ናይ ሓደ ጳጳስ ጥራይ ይሽየሙ
  3. ብሕጋዊ ኣገባብ ንዝተሸመ ጳጳስ፡ ካህን ወይ ዲያቆን፡ ነታ ኣቐዲሙ ዝተቐበላ ማዕርግ፡ ደጊሙ ካብ ካልእ ክቕበላ ፍጹም ኣይከእልን።   ኣብ ቈነና ሃዋርያት (68) ከምዚ ተባሂሉ’ሎ “ ዝኾነ ጳጳስ፡ ካህን ወይ ዲያቆን በታ ዘለዋ ደረጃ ማዕርግ ዳግማይ እንተተቐቢኡ፡ ንሱን እቲ ዝቐብኦን ክውገዙ ይኽእሉ እዮም”
  4. ነዞም ዝተጠቕሱ ሰልስተ ደረጃታት ሲመት *(ጳጵስና ክህነትን ዲቁናን) ዝኾነ ዝኽፍለ ገንዘብ ክህሉ ኣይግባእን። ሲሞን እቲ ጠንቋሊ ንጸጋ ኣምላኽ ገንዘብ ከፊሉ ክዕድግ ብምምናዩ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ብትሪ ከምዝነጸጎ ተጻሒፉ’ሎ፡“ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሀቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም።” (ግብ 8: 18-20) ብመሰረት ትምህርቲ ቤተክርስቲያን፡ ብኽፍሊት ዝመጸ ዝኾነ ማዕርግ ሕጋውነት የብሉን። ገንዘብ ተቐቢሉ ማዕርግ ዝህብ ጳጳስ ድማ ውጉዝ ይኹን።  

VII. ግዴታታት ቤተክህነት

(1) ቅድሚ ምቕባል ማዕርግ

እቶም ንመዓርገ ክህነት ሕጹያት ኮይኖም ዝቐርቡ

  1. እቲ ጻውዒት እቲ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቦም ምኹኑ ርግጸኛታት ዝኾኑ፡ “ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዔ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ።” (ዕብ. 5: 4)
  2. ነቲ ሕብረት ጽቡቕ ኣብነት ምእንቲ ክኾንዎ፡ መንቅብ ዘይብሎም ክኾኑ ይግባእ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ን ጢሞቴዎስ ከምዚ እናበለ ጸሓፈሉ፡ “ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።” (1 ጢሞ. 4: 12) ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን ከማልእዎ ብዛዕባ ዝግባእ ረቓሒታትን ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕን ኣመልኪቱ፡ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ኣብ 1 ጢሞ. ምዕራፍ 3 ን ኣብ  ቲቶስ ምዕራፍ 1 ን  ይጠቅስ እዩ።
  3. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ትምህርቲ ቤተክርስቲያንን ጽቡቕ ኣፍልጦ ዘለዎም 

(2) ድሕሪ ምቕባል ማዕርግ

  1. ከም በዓል ዓስቢ፡ ደሞዝ ንምርካብ ኢሎም ክሰርሑ ኣይግባእን፡ “ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ኸንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡” (1 ጴጥ. 5:2) “እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነስ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኺመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሐዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን።” (ዮሃ10:12)
  2. ሕያዎት ጓሶት ክኾኑ ግን ይግብኦም፡ እተን ኣባጊዕ ናቶም ምዃነን፡ ስለዚ ድማ ክምግብወንን፡ ካብ ኣራዊት ንምሕላወን ድማ ናቶም ሓላፍነት ምዃኑን ዝስምዖም ክኾኑ ይግብኦም። ሕያዋይ ጓሳ በጃ ኣባጊዑ ዘድሊ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልው ከምዝኾነ ኸአ ክፈልጡ ይግብኦም፡ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።” (ዮሃ10:11)

ዝያዳ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነት
ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ 
ቀሺ ማርቆስ ዳውድ
ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ
ግንቦት1952

ምስጢረ ተክሊል

I. ትርጉም

ምስጢረ ተክሊሉ፡ መርዓትን መርዓውን ሓደ ናይ ምግባር ጸጋ ዘውህብን ሓድነቶም ዝባርኽን ቅዱስ ምስጢር እዩ። መውስቦ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስን ቤተክርስቲያንን ዝኾነ ፍጹምን ቅዱስን ሓድነት ንኽህልዎ ዝቕድስ ምስጢር ድማ እዩ።   

እዚ ምስጢር እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምስጢር እዩ። ኪንዮ እቶም ክልተ ተጻመድቲ፡ ስድራቤት፡ መንግስትን ቤተክርስቲያንን ዝሳተፍዎ ምስጢር ድማ እዩ። ስለዚ ድማ ኣቃሊልካ ዝርአን ከይሓሰብካን ከየለለኻን ብታህዋኽ ዝእቶ ምስጢር ድማ አይኮነን።

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

  1. ምስጢረ ተክሊል፡ እግዚአብሄር ባዕሉ፡ ኣብ ዘፍጥረት ዝጀመሮ ምስጢር ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን። “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ስማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም” (ዘፍ1: 27, 28)
    መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሄዋን ብዝምልከት ክነግረና ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ” ይብለና . (ዘፍ. 2: 22)
  2. ሓድሽ ኪዳን ክርስቶስ ነዚ ምስጢር እዚ ኣጽንዖ
    1. ኣብ መርዓ ቃና ዘገሊላ ብምርካብ (ዮሃ 2)
    2. ብስብከቱ፡ ነቶም ናብኡ መጺኦም ዝሓተትዎ ፈሪሳውያን ክምልሰሎም እንከሎ፡ ንሶም ክፍትንዎ ኢሎም ከምዚ ብምባል ሓተትዎ፡ “ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም። ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴ. 19: 4-6)
    3. ገለ አቦታት ቤተክርስቲያን፡ ነዚ ምስጢር እዚ፡ ክርስቶስ ኣብተን ንደቀመዛሙርቱ ዝተራእየለንን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝነገረሎምን ኣርብዓ መዓልትታት እዩ መስሪትዎ ዝብል ርእይቶ ዝነበሮም ነበሩ፡ (ግብ 1: 3)

III. ዕላማታት መውስቦ

መውስቦ ሰለስተ ዕላማታት ኣለዎ

  1. ምዕቃብን ምብዛሕን ዘርኢ ወዲ ሰብ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።” (ዘፍ. 1: 27,28) ብዝሒ ዕቤት ህዝቢ ማለት ድማ ብዝሒ ዕቤት ቤተክርስቲያን ማለት እዩ።
  2. ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ምትሕግጋዝ ንኽህሉ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። (ዘፍ. 2: 18)
  3. ድሕሪ ምእታው ሓጢኣት ናብ ዓለምን ውድቀት ሰብን ግን ካልእ ዕላማ ድማ ተጋህደ፡ ንሱ ኸአ፡ ንወዲ ሰብ ካብ ዝሙት ንምክልኻል  ድማ መውስቦ ተሰርዐ።

“ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ፡” (1 ቈረ. 7:1-9)

IV. እቲ ደጋዊ ምልክት

ኣብዚ ምስጢር እዚ ሰለስተ (ኣፍኣዊ) ደጋዊ ምልክታት ኣለው፡

  1. መርዓውን መርዓትን ኣብ ቅድሚ ቤተክርስቲያን ቀሪቦም ብፍታዎም ይምርዓዉ ከምዘለዉን ቃልኪዳኖም አኽቢሮም ድማ ብሓባር ክነብሩ ምዃኖምን ዝህብዎ ምስክርነት፡  
  2. እግዚአብሄር ነቲ መውስቦ ንኽባርኾ ብምእማን፡ ካህንን ህዝብን ብሓባር ዘብጽሕዎ፡ ጸሎት ስርዓተ ተክሊል፡
  3. እቲ መርዓትን መርዓውን ዝቕብእዎ ዘይቲ ቅብኣት፡  

V. እቲ ዘይርአ ጸጋ

ናይዚ ምስጢር እዚ ኣገልግሎት፦

  1. መውስቦ ንምቕዳስን፡ መንፈሳዊ ንምግባሩን፡  “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን.” (ዕብ. 13: 4) “ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።” (1 ተሰ. 4: 3,4)
  2. ሰብ፡ኣይን ሰበይትን፡ ከም ዝምድና ክርስቶስን ቤተክርስቲያኑ ኪዳኖም ኣጽኒዖም ምእንቲ ክነብሩ ንምትብባዕ “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴ. 19: 6)
  3. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓድሕዶም እሙናት ኮይኖም ምእንቲ ክነብሩ

 

VI. ሓላፍነት ሰብኣይን ሰበይትን

 

  1. ቅድሚ መርዓ
    1. ኣብዚ ምስጢር እዚ ይኹን ኣብ ካልኦት ምስጢራት፡ ጸጋ ክርስቶስ ክርስቲያን ንዘይኮኑ ክወሃብ ስለዘይግባእ፡  እቶም ዝምርዓዉ፡ ክልቲኦም ክርስቲያን ክኾኑ ይግባእ።  
    2. ክልቲኦም ኣባላት ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ክኾኑ ይግባእ። ሓዲኦም ኣባል እንተዘይጸኒሑ፡ ቅድም ኣባል ቤተክርስቲያን ክኸውን ይግብኦ።
    3. መውስቦ ዘኸልክል ስጋዊ ይኹን ካልእ መንፈሳዊ ዝኾነ ርክባት ክጸንሖም ኣይግባእን።  
    4. ናይ ክልቲኦም ስምረት ዘለዎ፡ ማለት፡ ክልቲኦም ብወለንታን ብፍቓድን ክምርዓዉ ይግባእ። ናይ ወለዲ ድሌት ጥራይ እኹል ኣይኮነን። እቲ ካህን ነቶም ተጻመድቲ ብውልቅን ብቕሉዕ ኣገባብን ንሳ ንዕኡ ንሱ ድማ ንዓኣ ክምርዓዋ ድሌት ከምዘለዎም ክሓቶም ይግባእ።  
  2. ኣብ መርዓ:- ተክሊል ሓደ ካብ ምስጢራት ቤተክርስቲያን ስለዝኾነ፡ እቲ ስርዓተ መውስቦ ኣብ ቤተክርስቲያን ክፍጸም ይግባእ። ነፍሲ ወከፍ መውስቦ ኣብ ቤተክርስቲያን ክፍጸም ከምዝግባእ፡ ካብ ቤተክርስቲያን ወጻ፡ኢ ዝፍጸም መውስቦ ድማ ግቡእ ከምዘይኮነ ንመእመናን ናይ ምምሃር ሓላፍነትን መዝነትን ናይ ቤተክህነት እዩ።  
  3. ድሕሪ መርዓ:-
    1. ሰብኣይ ሓንቲ ጥራይ ሰበይቲ ክትህልዎ ይግባእ። ሰበይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ክህልዋ ይግባእ። “መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴ. 19:4, 5)
    2. ሓዲኦም እንተሞይቱ ግን፡ እቲ ሓደ ክምርዖ ይኽእል እዩ፡ “ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ።” (1 ቆረ. 7:39)
    3. ብዝሙት እንተዘይኮይኑ ክፈላለዩ ኣይክእሉን፡ “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ፡ ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ. 19: 6,9)
      ስለዚ እምበአር ሰብኣይ ብዝሙት እንተዘይኮይኑ፡ ብኻልእ ምኽንያት ንሰበይቱ ክሓድግ ኣይተፈቕደሉን።

VII. ነዚ ምስጢር እዚ ክፍጽም ስልጣን ዘለዎ መን እዩ?

እዚ መሰል እዚ መዓርገ ክህነት ንዘለዎ ሰብ ጥራይ ተዋህበ። ጳጳሳት ከአ ምስጢረ ተክሊል ክፍጽሙ (ቃል ኪዳን ከእስሩ) ይኽእሉ እዮም።

ቀሺ ማርቆስ ዳውድ፡ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ
ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ ኣዲስ ኣበባ
ግንቦት1952

ምስጢረ ንስሓ

I.ትርጉም

ምእመናን ብምስጢረ ጥምቀት እኳ ዳግም ዝተወልዱ እንተኾኑ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይዕንቀፉን ወይ ሓጢኣት ኣይገብሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ወዘተ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኩሎም ሓጢኣት ጌሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝበደለ ሰብ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡- ምስጢረ ንስሓ ተኣታተወ። ክርስቶስ ጐይታና ንደቀመዛሙርቱ፡ ነቶም ብስሙ ኣሚኖም ሓጢኣቶም ዝንስሑ ዘበሉ ሕድገት ክህቡ፡ ብዝሃቦም ስልጣን መሰረት ድማ እቲ ተነሳሒ፡ ብጸሎት እቲ ዘነስሕ ካህን: ሕድገት ሓጢኣት ይረክብ ምስ ኣምላኹ ድማ ዕርቂ ይገብር። እዚ ድማ ብፍላይ ቀቅድሚ ምቕባል ቅዱስ ቍርባን፡ ሰብ ርእሱ ክምርምርን ክንሳሕን ኣድላዪ ስለዝኾነ፡ ምስጢረ ንስሓ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኽበ። “ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘየለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን።” (1 ቈረ. 11: 28, 29)

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

እዚ ምስጢር እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ግዜ ብዝተዛረቦ ቃል ተስፋ ተመስረተ።

  1. ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ ምስ መስከረ፡ ጐይታና ድማ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ” በሎ (ማቴ. 16:19) ።
  2. ንደቀመዛሙርቱ ድማ ከምዚ ኢሉ ቃል ተስፋ ሃቦም፡ “ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ18:18)
  3. ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንደቀመዛሙርቱ ተገሊጹ ከምዚ እናበለ ለኣኾም፡ “ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። (ዮሃ 20: 21-23)

III. እቲ ደጋዊ *(ኣፍኣዊ) ምልክት

ኣብዚ ምስጢር እዚ ክልተ ዝስምዑ፡ ደጋዊ ምልክታት ኣለው። ቀዳማይ፡ እቲ ተነሳሒ ነቲ ዘነስሖ ካህን ሓጢኣቱ ክናዘዝ ከሎ እዩ። ካልኣይ ድማ እቲ ካህን ነቲ ተነሳሒ ዘስምዖ ቃለ ምዕዳንን ዝህቦ ቀኖናን እዩ።

  1. እቲ ተነሳሒ ነቲ ዘነስሖ ካህን ሓጢኣቱ ክናዘዝ ከሎ እዩ። እዚ ምንዛዝ እዚ፡
    1. በቲ ዝተገብረ ሓጢኣት ብምሕዛንን “እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን” (ግብ 3:19) ብዝብል መሪሕ ኣገባብ ክትግበር ይግባእ።
    2. ናብቲ ሓጢኣት ንዘይምምላስ ምውሳን፡ እቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ቤት ኣቦኡ ምስ ተመልሰ፡ ብኡ ንብኡ እዩ ምሕረት ረኺቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ወዲ ተመሊሱ ናብቲ ጠፊኡሉ ዝነበረ ዓዲ ከምዘይምለስ፡ እቲ ኣቦ ርግጸኛ ስለዝነበረ እዩ።
    3. ሕድገት ሓጢኣትን ምሕረትን ካብ እግዚኣብሄር ዘርክብ እምነት ክህሉ የድሊ። ዝኾነ ምሕረትን ሕድገት ሓጢኣትን ደልዩ ኣብ ምድሪ ዝንሳሕ ዘበለ ሰብ፡ ብመጠን እቲ ባዕሉ ዝኣመኖ እምነት፡ ወይ ከአ ብውሑዱ ብእምነት ናይቶም ሒዞሞ ዝመጹ ሰባት “ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” ዝብል ርድኢት ንኽሓድሮ፡ እዚ ምስጢር እዚ ተሰርዐ።
    4. ሓጢኣትካ ንካህን ምንዛዝ፡ ዘድልየሉ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ እዩ፡ 
      – ብእኡ ኣቢልካ፡ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረክብ
      – እቲ ተነሳሒ፡ ፈተነታት ክሰዕረሉ ዘኽእል ምኽርን መንፈሳዊ ብርታዐን ምእንቲ ክረክብ፡
  2. ንተነሳሒ ብካህን ዝዝረብ ቃለ ምዕዳን። ምስጢረ ንስሓ ማለት ፈውሲ መንፈሳዊ ሕማም ማለት እዩ።ካህን ድማ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ዘገልግል ሓኪም ማለት እዩ።

 
ስለዚ እምበኣን ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ከከም ጉዳዩ ብጥንቃቐ ክምርምር ይግብኦ። “ማህተመ ንስሓ” ማለት እቲ ተነሳሒ ነቲ ካህን ዝነግሮ ጉዳያት ብኸቢድ ምስጢር ክተሓዝ ከምዝግብኦ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ፡ ሕድገት ዘይግበረሉ ዝለዓለ ምዕቃብ ዘድልዮ ልዑል ምስጢር እዩ። እዚ ድማ ብባህርያዊ፡ ሰማያውን መንፈሳውን ሕጊ ቅቡል ኮይኑ ብኹሉ ክሕሎን ክዕቀብን ዘድልዮ ምስጢር ድማ እዩ። እቲ ተነሳሒ ምስ ሞተ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ምስጢር ክዕቀብ ይግብኦ። ከምዚ ክኸውን ዝድለየሉ ምኽንያት ድማ ግሉጽን ርዱእን እዩ። 

IV. እቲ ዘይርአ ጸጋ

እቶም በዚ ምስጢር እዚ ኣቢሎም ዝግሃዱ ዘይረኣዩ ጸጋታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ሕድገት ሓጢኣት
  2. ዕርቂ ምስ ኣምላኽ

V. ሕድገት ዝረክብ ሓጢኣት

  1. ዝኾነ ዓይነት ሓጢኣት፡ ዕብየቱ ብዘየገድስ፡ ብንስሓ ኣቢሉ ሕድገት ክረክብ ከምዝኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡ እዚ ድማ እቲ ተነሳሒ ናብ እግዚአብሄር ክምለስ ሓሊኑ ብንስሓ እንተተመልሰ ማለት እዩ። “ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ 1: 18)
  2. እግዚአብሄር ንኹሉ ክምሕርን ክቕበልን ድልው ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ይምህረና፡ “ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።” (ዮሃ6: 37) “እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።” (1 ጢሞ 2:4) እቲ ክልተ ዓበይቲ ሓጢ፡ኣት ዝፈጸመ ዳዊት ካብ እግዚአብሄር ምሕረት ረኺቡ እዩ። እቲ ብዘሕፍር ኣገባብ ን ጐይታና ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ዝኸሓዶ ጴጥሮስ፡ ምሕረት ረኺቡ እዩ። እታ ክትምንዝር ኢድ በኢድ ዝተታሕዘት ሰበይቲ ምሕረት ረኺባ እያ (ዮሃ 8:11) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ መስቀል ዝሰቕልዎ ዝነበሩ ከይተረፈ ምሕረት ክረኽቡ ጸለየ።
  3. ኣብ ማቴ. 12:31 ከምዚ ዝብል ንረክብ “ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።” እዚ ማለት እቶም ንናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮን ዝነጽጉን ዝቃወሙን ምሕረት ኣምላክ ከይቅበሉ ድማ ዝኣብዩን ምሕረት ኣይረኽቡን እዮም ማለት እዩ።

VI. ቅዱስ ቅጽዓት

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ካህን፡ ቃል ተግሳጽ ክህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፡ እቲ ካህን ነቲ ተነሳሒ፡ ንገለ መዓልትታት ክጸውም፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብጸሎት ክተግህ፡ ካብ ገንዘቡ ንድኻታት ክህብ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ቅዱስ ቍርባን ክኽልከል፡ ወይ ካልእ ስርዓት ከትሕዝ ይኽእል እዩ ዝበሎ መቕጻዕቲ ክውስነሉ ይኽእል።

  1. እዚ ስልጣን እዚ ክርስቶስ ባዕሉ ንደቀመዛሙርቱ ዝሃቦም ስልጣን እዩ። ክፈትሑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክኣስሩ’ውን እዩ ስልጣን ሂብዎም (ማቴ. 16:19); ሓጢኣት ክሓድጉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከይሓድጉውን እዩ ስልጣን ሂብዎም (ዮሃ20:23)
  2. ሃዋርያትውን ባዕሎም ተጠቂሞሙሉ እዮም፡ “እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። (1 ቈረ. 5:5) ነዞም ዝስዕቡ እውን ተመልከት2 ቈረ. 2: 6,7 ከምኡ’ውን 1 ጢሞ 5:20።
  3. እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ዘድልየሉ ምኽንያት ድማ፦
    1. እቲ ሓጢኣተኛ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምዃኑ ምእንቲ ክርዳእ
    2. በቲ ቅኑዕ ዝኾነ ንስሓ ተነሲሑ ምሕረት ምእንቲ ክረክብ፡ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ሓጢኣት ዝገበረ እሞ ዝተቐጽዐ ሰብ ተነሲሑ እዩ። እታ ቤተክርስቲያን ክትቅበሎ ከምዝግባእ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጸሓፈ፡ “ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ካብቶም ብዙሓት ዝረኽቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።” (2ቈረ. 2: 6,7)
    3. ካልኦት ተመሳሳሊ ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ክቝጠቡ ሓደው ምእንቲ ክፈርሁ ”ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።” (1. ጢሞ. 5:20)
  4. ከምቲ ሓደ ሓኪም ነቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሃኒት ብጥንቃቐ ዝዕድሎም፡ ከምኡ ድማ እቲ ነዚ ምስጢር እዚ ክፍጽም ስልጣን ዝተዋህቦ አገልጋሊ፡ ኣዝዩ ጥንቁቕ ክኸውን ይግብኦ እዩ። ቅልል ንዝበለ ሕማም ከም ከቢድ ሕማም ወሲድካ ከቢድ መድሃኒት ኣይትእዝዘሉን ኢኻ። 
    “ከምቲ ንሕሙም ብጥንቃቐ ዝሕዝ ሕያዋይ ሓኪም ኩን። ነቲ ሓሚሙ ዘሎ፡ ገለ መድሃኒት ኣዚዝካ ኸተድሕኖ ጸዓር። ከቢድ መድሃኒት ዘይኮነስ ፍኹስ ዝበለ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ጌርካ ኸአ ፈውሶ። ነቲ በጺሕዎ ዘሎ ማህሰይትን ጉድኣትን አሊኻ፡ ብዘጸናንዕ ቃል ኣበርትዓዮ። እቲ ማህሰይቲ ከቢድ እንተኾይኑ፡ መዓገሲ ስቓይ ድዩ ካልእ ነቲ መስርሕ ዝሕግዘካ መድሃኒት ተጠቐም። ብተሃዋስያን ዝተበከለ እንተኾይኑ፡ ጸረ ተሃዋያንን መድሃኒትን ጌርካ፡ እዚ ማለት መግናሕቲ ኣብ ዘድሊ መግናሕቲ፡ ምጽንናዕን ምብርታዕን ኣብ ዘድሊ ግዜ ድማ ከምኡ ከከም ኩነታቱ ኣለሊኻ እቲ ዝግባእ ግበር። እቲ ኩነታት እናጸንከረን ለውጢ ዘየምጽእን እናኾነ እንተኸይዱ ድማ፡ ነቲ ዝንሳሕ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣዘኻኺርካ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ከምዝጸውም ክትእዝዞ ትኽእል። ዝኾነ መድሃኒት ክትረኽበሉ እንተዘይክኢልካ ግን ነቶም ክኢላታት ሓካይምን ሰብ ተሞኩሮን ኣካፍሎም። ፈጺሙ ዘይፍወስ እንተኾይኑ፡ ማለት ነቲ ዝለመዶ ሓጢኣት ክሓድግ ድሌት ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ንኻልኦት ምእንቲ ከይልክም ንበይኑ ክፍለ ከምዘለዎ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተቐላጢፍካ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ከምዘይግባእ ግን ከኣ ኣስተብህል።
    “ፍትሒ ዝጐደሎ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ካልእ እንተሕሊፍካ፡ እቲ ፍርዲ እቲ ናባኻ ተገልቢጡ ከምዝመጽእ ኣይትዘንግዕ። “ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዓይነታት ሓጢኣት ሓደ ዓይነት ውሳነ ኣይተሕልፍ። ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ንዕኡ ዝመጣጠን ምኽርን ውሳነን ኢኻ ክትወስድ ዝግባእ። ብጸሎት ጥራይ ከተፋንዎም ዝግባእ ክህልው ይኽእሉ እዮም። ንገሊኦም ጾም ክጾሙ ከምዘለዎም ክትገብር ትኽእል። ንገሊኦም ከአ ከከምቲ ክብደት ሓጢኣት ብምርኣይ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ከይጽምበሩ ክትክልክሎምውን ትኽእል ኢኻ”(ዲድስቅልያ ምዕ.8)
  5. ቤተክርስቲያን ሮማ ግን እዞም መቕጻዕትታት እዚኦም ፍትሒ ኣምላኽ ንምቕላል ይሕግዙ እዮም ትብል እያ። እዚ ግን ብመሰረቱ ጌጋ እዩ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብጀካ እቲ ንድሕነትና ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ፍትሒ ኣምላኽ ከቃልል ዝኽእል ካልእ ምንም ነገር ስለዘየልቦ እዩ፡ (ሮሜ3:25; ቆሎሴ, 1:20; 1 ጴጥ 2:24 ወዘተ. )

VII. ነዚ ምስጢር እዚ ንምፍጻም ስልጣን ዘለዎ መን እዩ፧

እዚ ስልጣን እዚ፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረአናዮ ቅድም ንሃዋርያት እዩ ዝተዋህበ። ድሕሪኦም ድማ ነቶም ዝሰዓብዎም ጳጳሳት ተዋህበ፡ ድሕሪኦም ድማ ምስቶም ምስ ህዝቢ ቀጥታ ርክብ ዘለዎም ካህናት ተዋህበ።

ቀሺ ማርቆስ ዳውድ፡ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ
 ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ ኣዲስ ኣበባ ግንቦት 1952

ምስጢረ ሜሮን

I. ትርጉም

ምስጢረ ሜሮን፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ከምዝቕበል ዝገብር ምስጢር እዩ። እዚ መንፈስ እዚ፡ ሓደ ዝተጠመቐ ኣማኒ፡ ነቲ ብጥምቀት ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት፡ ብቑዕ ኮይኑ ምእንቲ ክመላለስ ይሕግዞ። ምስጢረ ሜሮን፡ ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ምስተዋህበ ዘይድገም ምስጢር እዩ።  

II. ምጅማር እዚ ምስጢር እዚ

እዚ ምስጢር እዚ፡ ኣብቲ እግዚአብሄር ንህዝቡ መንፈስቅዱስ ከምዝህቦ ዝሓበረሉ ቃል፡ ኣብኡ እተመስረተ እዩ። (ወንጌል ዮሃንስ፡ ምዕራፋት፡ 7,14,15,16,ወዘተ)።

III.ካብ መዓስ ኣትሒዙ ክወሃብ ይከኣል

ሰብ፡ ብጥምቀት ኣቢሉ ሓድሽ ህይወት ስለዝረክብ፡ እዚ ምስጢር እዚ፡ ንዝተጠመቐ ዘበለ፡ ድሕሪ ጥምቀት ብቐጥታ ክወሃብ ይከኣል እዩ። ገለ ኣብያተ ክርስቲያን ግን እቲ ህጻን ክሳዕ ዝዓቢ ክጸንሕ ኣለዎ፡ ዝብላ ኣለዋ። መልሲ ንምሃብ፡ ነዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል።

  1. መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሎዕሊ ጐይታና ድሕሪ ጥምቀት፡ ሽዑ ንሽዑ እዩ ኣብ ልዕሊኡ ወሪዱ፡ (ማቴ. 3:16)
  2. ሃዋርያት ድማ ነዚ ምስጢር እዚ ብምንባር ኣእዳው ደድሕሪ ጥምቀት ሽዑ ንሽዑ ይጥቀሙሉ ነበሩ፡ (ግብ 8: 14-17; 19:5,6)
  3. ህጻናት ንጸጋ ጥምቀት ብቝዓት ካብ ኮኑ፡ ንምስጢረ ሜሮን ብቝዓት ዘይኮኑሉ ምኽንያት የለን።
  4. መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝብሎ፡ ኣብ ማህጸን ኣዲኦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡ ህጻናትውን ኣለዉ። ንኣብነት፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ (ሉቃ 1: 15)

ኣብተን ቀዳሞት ናይ ቤተክርስቲያን ግዜ፡ እዚ ምስጢር እዚ ብምንባር ኣእዳው ይፍጸም ነበረ። “ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበሉ፡ ጸለዩሎም። ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” (ግብ8:17)። “እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ተጠምቁ። ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን።” (ግብ 19: 5,6)

እዚ ምንባር ኣእዳው እዚ ድሒሩ ብ ቅዱስ ዘይቲ ቅብኣት (ሜሮን) ተተክአ። “ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ አሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።” (1 ዮሃ 2:20, 27)

“ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሐተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።” (2 ቈረ. 1: 21,22)

ድሕሪ ጸሎት፡ ገለ ክፋል ሰብነት ብቕዱስ ቅብኢ ይቕባእ። እቲ ንቕብኢ ተባሂሉ ዝዳሎ ዘይቲ፡ ምስቲ ንቐብሩ ተባሂሉ ዝተዳለወ ቅዱይ ቅብኢ (ሉቃ 23:56; 24:1) ብእኡ ይምሰል እዩ። ቅዱስ ማርቆስ ካብቲ ቅዱይ ዘይቲ ቅብኢ እቲ፡ ንግብጺ ሒዝዎ መጺኡ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ድማ ሓድሽ ዝተዳለወ ዘይቲ፡ ምስኡ እናተሓወሰ ይዕደል ኣሎ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ እቲ ቅዱይ ቅብኢ፡ ካብ አውሊዕን ካብ ገለ ቀመማትን እዩ ዝዳሎ ዘሎ። እቲ ዘይቲ ምስ ተዳለወ፡ ብጸሎት ፓትርያርክን ሊቃነ ጳጳሳትን ድማ ቅዱስ ዘይቲ ቅብኣት ክኸውን ይባረኽ።  

V. እቲ ዘይርአ ጸጋ

ሰብ ነቲ ብጥምቀት ኣቢሉ ዝረኸቦ ሓድሽ ህይወት፡ ነቲ ህይወት እቲ ዘጽንዓሉን፡ በቲ ህይወት እቲ ንኽዓቢ ሓይሊ ዝህቦን መንፈስ ቅዱስ፡ በዚ ምስጢር እዚ ኣቢሉ እዩ ዝቕበል። እዚ መንፈስ እዚ ይምህሮን ናብ ኩሉ ሓቂ ይመርሖን፡ (1 ዮሃ 2, 20,21)።
 
እቶም ሸውዓተ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበታት፡-ጥበብ፡ ኣእምሮ፡ ምኽሪ፡ሓይሊ፡ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃት እግዚአብሄርን፡ (ኢሳ 11:2) በዚ ምስጢር እዚ ኣቢሎም ኣብቲ ዝቕባእ ሰብ ይሓድሩ።

VI. ክቐብእ ስልጣን ዘለዎ መን እዩ፧

እዚ ስልጣን እዚ ብቐዳምነት ንሃዋርያት ዝተሓዝአ ነበረ። ካብኦም ድማ ናብ ጳጳሳትን ናብቶም ተካእቶምን ሓለፈ፡ ምስ ብዝሒ ኣመንትን ናይ ምጉዕዓዝ ጸገማትን ግን ጳጳሳት ነቲ ዘይቲ ባሪኾም ብኢድ ካህናት ከምዝዕደል ገበሩ።

VII. ምቕባእ ነጋውስ

ክርስቲያን ዝኾኑ ነገስታት፡ ክርስቲያን ኣብ ዝኾና ሃገራት ብመሪሕነትን ጥበብን እግዚአብሄር ካብ መንፈስቅዱስ ፍሉይ ዝኾነ በረኸት ምእንቲ ክረኽቡ፡ ብቅዱስ ቅብኢ ይቕብኡ እዮም። እዚ ኸአ ኣብ ብሉይ ኪዳን ውን እቶም ነገስታት በኢድ ነብያት ክቕብኡ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ልማድ እዩ።
 
ዳዊት ከም ንጉስ እስራኤል ክቕባእ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዝተቐበለ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ። “ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ።” (1 ሳሙ፡ 16: 13) ንጉስ ክቐብእ ስልጣን ዘለዎ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነብር ላዕለዋይ ሓላፊ ቤተክርስቲያን እዩ።  

ንዝያዳ ሓበሬታ
http://www.copticchurch.net/topics/thecopticchurch/sacraments/2_confirmation.html

ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ

I. ትርጉም

ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ ብዝርአ ወይ ብዝስማዕ ደጋዊ ምልክት፡ ዘይረአ ጸጋ ኣምላኽ እንቕበለሉ ብክርስቶስ ዝተሰርዐ ቅዱስ ስርዓት እዩ።  

ገለ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ እቶም ምስጢራት “ምልክታት” ጥራይ ከምዝኾኑ ጌረን እየን ዝዛረባለን። እታ ቤተክርስቲያን ከምኡ ብምግባራ፡ “ናይ ክርስቶስ ምዃናን ካብ ዓለም ዝተፈለየት ምዃናን” እተርእየሉ፡ “ናይ ሓድሽ ኪዳን ምልክት” ደጋዊ ስርዓት ከምዝኾነ ኸኣ ይብላ።  

ቤተክርስቲያንና ግን ኣብቶም ምስጢራት ግሩም ዝኾነ ውጽኢት ኣሎ ኢላ እያ እትኣምን። ዘይረአ ጸጋ ናብ ምእመናን የምጽኡ፡ ኢላ ኸአ ትኣምን።

  1. ንኣብነት፡ ጥምቀት ምድሓን የምጽእ፡ ”ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን “ (1 ጴጥ 3:20, 21)
  2. ቅዱስ ቍርባን ድማ እቲ ሓቀኛ ህይወት ናብዚ ዓለም እዚ የምጽእ። ” ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”(ዮሃንስ 6:53)። ዘልኣለማዊ ህይወት ድማ የውህብ፡ “ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ዮሃንስ 6:54, 58)።

ብዛዕባ እቶም ካልኦት ምስጢራት’ውን ከምኡ ክበሃል ይከኣል።

II. ብዝሒ ቍጽሪ ምስጢራተ ቤተክርስትያን

  1. ሸውዓተ ምስጢራት ኣለው: ጥምቀት፡ ሜሮን፡ ንስሓ፡ ቅዱስ ቍርባን፡ ቀንዴል፡ ተክሊል፡ ክህነት።
  2. እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ምስጢራት፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዘድልዩ እዮም። እቶም ካልኦት ሰለስተ ምስጢራት ግን ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብግዲ ዘድልዩ አይኮኑን። ይኹን እምበር ተክሊልን ክህነትን ከአ ንቤተክርስቲያን አዝዮም አድለይቲ እዮም። እቲ ቀዳማይ ንቐጻልነት ህይወት ደቂ ሰብ ከድሊ ከሎ ክህነት ድማ ምስጢራት ቤተክርስቲያን፡ ብተራ ምእመን ዘይፍጸሙ ስለዝኾኑ፡ ምስጢራት ንምፍጻም፡ ብግዲ ዘድሊ ምስጢር እዩ።  
  3. ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ካብዞም ሸውዓተስ ነቶም ክልተ ምስጢራት ጥራይ እየን ዝቕበላ፦ ጥምቀትን ቅዱስ ቍርባንን። እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ደኣ እምበር ክልተ ከምዘይኮኑ ግን እዞም ዝስዕቡ የግህዱ እዮም።
    1. ትርጉም ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ አብ ሸውዓቲኦም ምስጢራት ብማዕረ ክትርጐም ምኽኣሉ
    2. ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ሸውዓተ ምስጢራት ብዝምልከት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዝርከብ ብምዃኑ
    3. እተን ነቶም ካልኦት ምስጢራት አይንቕበልን ኢና ዝብላ ኣብያተ ክርስቲያን ውን ከይተረፋ ብኣፈን እኳ እንተኸሓዳኦ፡ ብግብርስ ዝፍጽማኦ ብምዃነን  
  4. ኣብተን ቀዳሞት ዘመናት ብቐዳሞት ኣቦታት ዝተጻሕፉ መልእኽትታት ድማ፡ ብዝሒ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ እዩ ኢሎም እኳ ብንጹር እንተዘይበልዎ፡ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ምዃኖም ግን ይጠቕሱ እዮም። ኣብቲ ጽሑፋቶም፡ ሓደ ጸሓፊ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ካብቶም ምስጢራት ይጠቅስ፡ ሓደ ካልእ ድማ ካልእ ምስጢር ይጠቅስ ወዘተ።
  5. ኩለን ናይ አርቶዶክስን ካቶሊክን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ዋላ’ኳ ብኻልአን እንተዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ምዕቃብ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት ግን ኣብ መላእ ምብራቕን ምዕራብን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ይሰማማዓ እየን። ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝተቐበላኦ ስርዓት ምዃኑ ድማ ይሕብራ።
  6. ቤተክርስቲያን ብዘይካ እዚ’ውን ካልእ ምኽንያት ከኣ ትህብ እያ፦ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት፡ ነቶም እታ ጥበብ ቤታ እትሃንጸሎም ሸውዓተ ኣዕኑድ እዮም ዝመስሉ ሓደው ዝውክሉ። (ምሳሌ፡ 9:1)
  7. ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ድማ፡ እዚ ሸውዓተ ዝብል፡ ናይ ፍጻመ ቍጽሪ እዚ ምጥቃሱ፡ ሰናይ እዩ።

III. አፈጻጽማ ምስጢራት

ናይ መንፈስ ቅዱስ በረኸት ምእንቲ ክህልዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምስጢር ዘሰንዮ ጸሎት ኣሎ።

 IV. ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍጻም መሰል ዘለዎ መን እዩ፧ 

  1. ጳጳስ፡ ዝኾነ ምስጢር ቤተክርስቲያን ክፍጽም ይኽእል እዩ። ማዕርገ ጵጵስና ንምሃብ ግን እንተወሓደ ሰለስተ ጳጳሳት ክህልዉ ኣለዎም። ካህን ማዕርገ ክህነት ክህብ ኣይክእልን እዩ፡ ነቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ምስጢራት ክህብ ግን ይኽእል። ዲያቆን፡ ኣብ አፈጻጽማ እቶም ምስጢራት፡ ንካህን ወይ ንጳጳስ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ።  
  2. ገለ ወንጌላውያን ኣብያተክርስቲያን፡ ምስጢራትን ኩሎም ማዕርጋት ቤተክርስቲያንን ብምእመናን’ውን ክፍጸም ይኽእል’ዩ ዝብላ ኣለዋ። ክርስቶስ ኣብታ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ እሞ፡ ንሕና ኸአ ከምኡ፡ ቤተክህነት፡ ምእመን፡ ኢልና ክንፈላሊ ኣይንኽእልን ኢና ድማ ይብላ። ነዚ መልሲ ንምሃብ፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነት ተጻሒፉ ዘሎ ተመልከት።
  3. ካልኦት ድማ፡ ህይወት እቲ ኣገልጋሊ ዘይብቑዕ እንተኾይኑስ፡ እቶም ምስጢራት ተቐባልነት ክህልዎም አይክእልን’ዩ ይብሉ።
    1. ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ደአ እምበር ኣብ ናይ ዝኾነ ሰብ ጻዕሪ ከምዘይምርኰስ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዛረብ። “እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን “ (1 ቈረ 3:7)
    2. ጐይታና፡ ባዕሉ እኳ እንተዘየጥመቐ፡ እቲ ናይ ምጥማቕ መዝነት ድማ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ዝተሓድገ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከም እነንብቦ ግን፡ እቲ ዘጥመቐ፡ ጐይታ ከምዝነበረ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ፡ (ዮሃንስ 1:33; 4:1, 2)
      ብተመሳሳሊ ንሕና ኸአ፡ እግዚአብሄር ደአሉ ኣብቲ ኣገልጋሊ ብምዃን፡ ነቲ ኣገልጋሊ ብምጥቃም ነቶም ምስጢራት ዝፍጽሞም እምበር፡ እቲ ኣገልጋሊ አይኮነን ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። “ኣባኻትኩም ዝዓዪ እግዚአብሄር እዩ” (ፊሊጲ 2:13)
      “ንሕና እምበአር ከም መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ንምዕደኩም ኣሎና…” (2 ቈረ 6:1) “እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” (1 ቈረ. 15:10)
      “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ።… ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።” (2 ቈረ. 5:20)
    3. ቆራሕ፡ ዳታንን አቢራምን፡ ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተላዒሎም፡ ዕጣን ምስ ዓጠኑ፡ ብኸቢድ እዮም ተቐጺዖም። እግዚአብሄር ግን “ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ናብ ቅድሚ እግዚብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን። (ዘሁልቍ 16:37, 38)
    4. በቲ እኩይ ኣብነቶም ከይተለኸፍና፡ ንምህሮ እቶም ንባዕሎም ሓጥኣን ዝኾኑ ፈሪሳውያን ከይተረፈ ክንቅበል ድማ ጐይታ ኣዚዙና እዩ (ማቴ፡ 23:1-3)
    5. ዮሃንስ ክሪስቶም ድማ በለ: “እቶም መራሕቲ ጽዩቓት፡ እቶም ምእመናን ግን ጻድቃን ኮይኖም ክርከቡ ዝከኣል እዩ። እቲ ጸጋ ግን አብ ህይወት እቶም ቤተክህነት ኣይኮነን ዝምርኰስ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ፡ ዝኾነ ሰብ ንህይወት እቲ ካህን መርሚሩ ንሕጋውነትን ተቐባልነትን እቶም ምስጢራት ምእንቲ ከይጠራጠር ብምባል እየ። ዝኾነ ነገር በቶም ዝፍጸሙ ምስጢራት ኣቢሉ ጸጋ ዘውህበና፡ እቲ ምስጢር ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝምርኰስ ጥራይ እዩ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ በለ፦ “ካህን ካብ ኣምላኽ ብዝቕበሎ ጸጋ ኣቢሉ፡ እቲ ግቡእ  ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝፍጽም እምበር፡ ነቲ (ናይ ጥምቀት) ማይ አይቅድሶን እዩ።” ወሲኹ’ውን በለ:- እንተ ኣጠመቕና፡ እንተ ኣነሳሕናን፡ ነቲ ኩሉ ክፍጽሞ ዘለዎ ግን ክርስቶስ እዩ” ከምዚ ድማ ተባህለ፦ እቶም ምስጢራት በቲ ክዘርእ ዘወፈረ ዘርኢ ሓረስታይ እዮም ዝምሰሉ። እቲ ዘርኢ እምበአር፡ ዋላ ብሓጥእ ሓረስታይ ይዘራእ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ እተላዕለ፡ ጽቡቕ እዩ ዝፈሪ። ከምኡ ኸአ እቶም ምስጢራት ብኢድ መን ተፈጺሞም ብዘይገድስ፡ ኣብቲ ፍረ ዝስዕብ ለውጢ የለን። እቲ ውጽኢት፡ ኣብቶም ኣገልገልቲ ዝምርኰስ እንተዝነብር ግን ምድሓንና’ውን ኣብ ምሕረት ድሌት እቶም አገልገልቲ እዩ ምወደቐ ኔሩ።”

ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ

I. ትርጉም

ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ ብዝርአ ወይ ብዝስማዕ ደጋዊ ምልክት፡ ዘይረአ ጸጋ ኣምላኽ እንቕበለሉ ብክርስቶስ ዝተሰርዐ ቅዱስ ስርዓት እዩ።  

ገለ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ እቶም ምስጢራት “ምልክታት” ጥራይ ከምዝኾኑ ጌረን እየን ዝዛረባለን። እታ ቤተክርስቲያን ከምኡ ብምግባራ፡ “ናይ ክርስቶስ ምዃናን ካብ ዓለም ዝተፈለየት ምዃናን” እተርእየሉ፡ “ናይ ሓድሽ ኪዳን ምልክት” ደጋዊ ስርዓት ከምዝኾነ ኸኣ ይብላ።  

ቤተክርስቲያንና ግን ኣብቶም ምስጢራት ግሩም ዝኾነ ውጽኢት ኣሎ ኢላ እያ እትኣምን። ዘይረአ ጸጋ ናብ ምእመናን የምጽኡ፡ ኢላ ኸአ ትኣምን።

  1. ንኣብነት፡ ጥምቀት ምድሓን የምጽእ፡ ”ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን “ (1 ጴጥ 3:20, 21)
  2. ቅዱስ ቍርባን ድማ እቲ ሓቀኛ ህይወት ናብዚ ዓለም እዚ የምጽእ። ” ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”(ዮሃንስ 6:53)። ዘልኣለማዊ ህይወት ድማ የውህብ፡ “ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ዮሃንስ 6:54, 58)።

ብዛዕባ እቶም ካልኦት ምስጢራት’ውን ከምኡ ክበሃል ይከኣል።

II. ብዝሒ ቍጽሪ ምስጢራተ ቤተክርስትያን

  1. ሸውዓተ ምስጢራት ኣለው: ጥምቀት፡ ሜሮን፡ ንስሓ፡ ቅዱስ ቍርባን፡ ቀንዴል፡ ተክሊል፡ ክህነት።
  2. እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ምስጢራት፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዘድልዩ እዮም። እቶም ካልኦት ሰለስተ ምስጢራት ግን ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብግዲ ዘድልዩ አይኮኑን። ይኹን እምበር ተክሊልን ክህነትን ከአ ንቤተክርስቲያን አዝዮም አድለይቲ እዮም። እቲ ቀዳማይ ንቐጻልነት ህይወት ደቂ ሰብ ከድሊ ከሎ ክህነት ድማ ምስጢራት ቤተክርስቲያን፡ ብተራ ምእመን ዘይፍጸሙ ስለዝኾኑ፡ ምስጢራት ንምፍጻም፡ ብግዲ ዘድሊ ምስጢር እዩ።  
  3. ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ካብዞም ሸውዓተስ ነቶም ክልተ ምስጢራት ጥራይ እየን ዝቕበላ፦ ጥምቀትን ቅዱስ ቍርባንን። እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ደኣ እምበር ክልተ ከምዘይኮኑ ግን እዞም ዝስዕቡ የግህዱ እዮም።
    1. ትርጉም ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ አብ ሸውዓቲኦም ምስጢራት ብማዕረ ክትርጐም ምኽኣሉ
    2. ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ሸውዓተ ምስጢራት ብዝምልከት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዝርከብ ብምዃኑ
    3. እተን ነቶም ካልኦት ምስጢራት አይንቕበልን ኢና ዝብላ ኣብያተ ክርስቲያን ውን ከይተረፋ ብኣፈን እኳ እንተኸሓዳኦ፡ ብግብርስ ዝፍጽማኦ ብምዃነን  
  4. ኣብተን ቀዳሞት ዘመናት ብቐዳሞት ኣቦታት ዝተጻሕፉ መልእኽትታት ድማ፡ ብዝሒ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ እዩ ኢሎም እኳ ብንጹር እንተዘይበልዎ፡ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ምዃኖም ግን ይጠቕሱ እዮም። ኣብቲ ጽሑፋቶም፡ ሓደ ጸሓፊ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ካብቶም ምስጢራት ይጠቅስ፡ ሓደ ካልእ ድማ ካልእ ምስጢር ይጠቅስ ወዘተ።
  5. ኩለን ናይ አርቶዶክስን ካቶሊክን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ዋላ’ኳ ብኻልአን እንተዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ምዕቃብ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት ግን ኣብ መላእ ምብራቕን ምዕራብን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ይሰማማዓ እየን። ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝተቐበላኦ ስርዓት ምዃኑ ድማ ይሕብራ።
  6. ቤተክርስቲያን ብዘይካ እዚ’ውን ካልእ ምኽንያት ከኣ ትህብ እያ፦ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት፡ ነቶም እታ ጥበብ ቤታ እትሃንጸሎም ሸውዓተ ኣዕኑድ እዮም ዝመስሉ ሓደው ዝውክሉ። (ምሳሌ፡ 9:1)
  7. ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ድማ፡ እዚ ሸውዓተ ዝብል፡ ናይ ፍጻመ ቍጽሪ እዚ ምጥቃሱ፡ ሰናይ እዩ።

III. አፈጻጽማ ምስጢራት

ናይ መንፈስ ቅዱስ በረኸት ምእንቲ ክህልዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምስጢር ዘሰንዮ ጸሎት ኣሎ።

 IV. ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍጻም መሰል ዘለዎ መን እዩ፧ 

  1. ጳጳስ፡ ዝኾነ ምስጢር ቤተክርስቲያን ክፍጽም ይኽእል እዩ። ማዕርገ ጵጵስና ንምሃብ ግን እንተወሓደ ሰለስተ ጳጳሳት ክህልዉ ኣለዎም። ካህን ማዕርገ ክህነት ክህብ ኣይክእልን እዩ፡ ነቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ምስጢራት ክህብ ግን ይኽእል። ዲያቆን፡ ኣብ አፈጻጽማ እቶም ምስጢራት፡ ንካህን ወይ ንጳጳስ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ።  
  2. ገለ ወንጌላውያን ኣብያተክርስቲያን፡ ምስጢራትን ኩሎም ማዕርጋት ቤተክርስቲያንን ብምእመናን’ውን ክፍጸም ይኽእል’ዩ ዝብላ ኣለዋ። ክርስቶስ ኣብታ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ እሞ፡ ንሕና ኸአ ከምኡ፡ ቤተክህነት፡ ምእመን፡ ኢልና ክንፈላሊ ኣይንኽእልን ኢና ድማ ይብላ። ነዚ መልሲ ንምሃብ፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነት ተጻሒፉ ዘሎ ተመልከት።
  3. ካልኦት ድማ፡ ህይወት እቲ ኣገልጋሊ ዘይብቑዕ እንተኾይኑስ፡ እቶም ምስጢራት ተቐባልነት ክህልዎም አይክእልን’ዩ ይብሉ።
    1. ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ደአ እምበር ኣብ ናይ ዝኾነ ሰብ ጻዕሪ ከምዘይምርኰስ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዛረብ። “እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን “ (1 ቈረ 3:7)
    2. ጐይታና፡ ባዕሉ እኳ እንተዘየጥመቐ፡ እቲ ናይ ምጥማቕ መዝነት ድማ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ዝተሓድገ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከም እነንብቦ ግን፡ እቲ ዘጥመቐ፡ ጐይታ ከምዝነበረ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ፡ (ዮሃንስ 1:33; 4:1, 2)
      ብተመሳሳሊ ንሕና ኸአ፡ እግዚአብሄር ደአሉ ኣብቲ ኣገልጋሊ ብምዃን፡ ነቲ ኣገልጋሊ ብምጥቃም ነቶም ምስጢራት ዝፍጽሞም እምበር፡ እቲ ኣገልጋሊ አይኮነን ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። “ኣባኻትኩም ዝዓዪ እግዚአብሄር እዩ” (ፊሊጲ 2:13)
      “ንሕና እምበአር ከም መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ንምዕደኩም ኣሎና…” (2 ቈረ 6:1) “እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” (1 ቈረ. 15:10)
      “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ።… ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።” (2 ቈረ. 5:20)
    3. ቆራሕ፡ ዳታንን አቢራምን፡ ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተላዒሎም፡ ዕጣን ምስ ዓጠኑ፡ ብኸቢድ እዮም ተቐጺዖም። እግዚአብሄር ግን “ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ናብ ቅድሚ እግዚብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን። (ዘሁልቍ 16:37, 38)
    4. በቲ እኩይ ኣብነቶም ከይተለኸፍና፡ ንምህሮ እቶም ንባዕሎም ሓጥኣን ዝኾኑ ፈሪሳውያን ከይተረፈ ክንቅበል ድማ ጐይታ ኣዚዙና እዩ (ማቴ፡ 23:1-3)
    5. ዮሃንስ ክሪስቶም ድማ በለ: “እቶም መራሕቲ ጽዩቓት፡ እቶም ምእመናን ግን ጻድቃን ኮይኖም ክርከቡ ዝከኣል እዩ። እቲ ጸጋ ግን አብ ህይወት እቶም ቤተክህነት ኣይኮነን ዝምርኰስ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ፡ ዝኾነ ሰብ ንህይወት እቲ ካህን መርሚሩ ንሕጋውነትን ተቐባልነትን እቶም ምስጢራት ምእንቲ ከይጠራጠር ብምባል እየ። ዝኾነ ነገር በቶም ዝፍጸሙ ምስጢራት ኣቢሉ ጸጋ ዘውህበና፡ እቲ ምስጢር ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝምርኰስ ጥራይ እዩ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ በለ፦ “ካህን ካብ ኣምላኽ ብዝቕበሎ ጸጋ ኣቢሉ፡ እቲ ግቡእ  ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝፍጽም እምበር፡ ነቲ (ናይ ጥምቀት) ማይ አይቅድሶን እዩ።” ወሲኹ’ውን በለ:- እንተ ኣጠመቕና፡ እንተ ኣነሳሕናን፡ ነቲ ኩሉ ክፍጽሞ ዘለዎ ግን ክርስቶስ እዩ” ከምዚ ድማ ተባህለ፦ እቶም ምስጢራት በቲ ክዘርእ ዘወፈረ ዘርኢ ሓረስታይ እዮም ዝምሰሉ። እቲ ዘርኢ እምበአር፡ ዋላ ብሓጥእ ሓረስታይ ይዘራእ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ እተላዕለ፡ ጽቡቕ እዩ ዝፈሪ። ከምኡ ኸአ እቶም ምስጢራት ብኢድ መን ተፈጺሞም ብዘይገድስ፡ ኣብቲ ፍረ ዝስዕብ ለውጢ የለን። እቲ ውጽኢት፡ ኣብቶም ኣገልገልቲ ዝምርኰስ እንተዝነብር ግን ምድሓንና’ውን ኣብ ምሕረት ድሌት እቶም አገልገልቲ እዩ ምወደቐ ኔሩ።”

ምስጢረ ቁርባን

I. ትርጉምን ኣስማትን

  1. እዚ ናይ ቤተክርስቲያን እቲ ዝለዓለ ኣገልግሎት፡ እዩ፡ እቲ መዛዘሚ ክርስቲያናዊ ኣምልኾ፡ መእመናን ምስ ጐይታኦም ዝራኸቡሉ ምስጢር እዩ። እታ ቤተክርስቲያን ንዘመናት ከም ማእከል ስርዓተ ኣምላኾኣ ጌራቶ ዝጸንሐት ድማ እዩ።
  2. በዚ ቅዱስ ምስጢር ኣቢልና፡ ነቲ ቅዱስ ስጋ ጐይታ ብመልክዕ ሕብስቲ ንበልዕ፡ ነቲ ክቡር ደም ጐይታ ድማ ብወይኒ ኣቢልና ንሰቲ።
  3. ኣሰያይማኡ: –
    1. ቅዱስ ቍርባን
    2. መኣዲ ጐይታ
    3. ስጋን ደምን ክርስቶስ
    4. ሕብስተቍርባን

II. ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ዓይነት

  1. መስዋእተ መልከጼዴቅ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ንመጀመርታን ንመወዳእታን ግዜ መስዋእቲ ሕብስትን ወይንን ምንባሩ ዝተጠቕሰሉ እዩ። “መልከጼዴቅ፡ ንጉስ ሳሌም ድማ፡ ንሱ ኸኣ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ እንጌራን ወይንን ኣምጽኤ” (ዘፍ 14:18) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዛዕባ ጐይታና ከምዚ ተባህለ፡ “ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለአለም ካህን ኣምላኽ ኢኻ” (እብ 5:6, 10; 7:17)
  2. ደቂ እስራኤል፡ በታ ካብ ግብጺ ዝወጹላ ለይትን ዓመት መጸ ድማ ዝስውእዎ ዝነበሩ፡ መስዋእተ ፋሲካን። “ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ“(1 ቈረ፡ 5:7) “ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንኢየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።” (ዮሃ1:29)
  3. እቲ “ማና” ደቂ እስራኤል ንኣርብዓ ዓመት ዝተመገብዎ “ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም፡ “(ዮሃ6:32)

“እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ዮሃ6:58)

III. እቲ ምስጢር ዝተሰርዓሉ

ጐይታና ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣዝዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ ምጅማሩ ዘሐጉስ እዩ። እቶም ወንጌላውያን ከምዝነገሩና፡ በዓል ፋሲካ ምስ ቀረበ ነቲ ምስጢር ከምዝሰርዐ እዩ። እዚ በዓል እዚ፡ ናይ ኣይሁድ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል በዓል እዩ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ምስለ መስዋእቲ ዝገብረሉ ዝነበረ ድማ እዩ። ልክዕ ቀቅድሚ ሞቱ ዝተሰርዐ ምስጢር እዩ። ቀቅድሚ እታ፡ በታ ህይወቱ በጃ ኹላ ዓለም ዝወፈየላ ለይቲ ድማ እዩ። “ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ”  (1 ቈረ፡ 11:23-25)

IV. እቲ ዝርአ ምልክት

ኣብዚ ምስጢር እዚ ክልተ ዝረኣዩ ምልክታት ኣለው፦ (1) እቲ ሕብስትን ወይንን (2) ኣገልግሎት ቅዳሴ፡ ብፍላይ፤ኳ እቶም መንፈስ ቅዱስ ኣብ ለእሊ ወይንን ሕብስትን ወሪዱ ናብ ስጋን ደምን ክርስትስ ዝልውጠሉ ጸሎታት። 

  1. እቲ ሕብስቲ ካብ ጽሩይ ስርናይ ዝተዳለወን ዝበዅዐን ክኸውን ይግባእ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ መስዋእቲ ኣብ ዝተሰርዓሉ እቶም ኣይሁድ ዝበልዕዎ ዝነበሩ ዝበዅዐ ሕብስቲ ስለዝነበረ እዩ። ብዘለዉ እስራኤል ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይታ ወርሒ ነቲ እንጌራ ፋሲካ ክበልዕዎ፡ እቲ ሕጊ ይእዝዝ ነበረ። “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሐልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ኪመሲ ኸሎ ይሕረዶ። ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒ፡ ቅጫ ኽትበልዑ ኢኹም። ወሰንተኛ እንተ ዀነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዔ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረከብ” (ዘጸ12:6, 18:19).እቲ ምስጢር ግን በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ኣብ መበል 13 መዓልቲ ናይታ ወርሒ እዩ ተሰሪዑ፦
    1. ብግሉጽ ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ “ኢየሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ፡” (ዮሃ13:1)
    2. ኣይሁድ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ የሱስ ምስ ኣላዓሉ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ፡ ፋሲካ ከብ፡ዕሉ ይዳለዉ ምንባሮም እዩ ተነጊሩ ዘሎ፦ “ሽዑ ንኢየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን።” (ዮሃ18:28.) “ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዔ፡ ንኢየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዚብልዎ፡ ብእብራይስጢ ገበታ ዚብሀል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም” (ዮሃ19: 13, 14)።
    3. ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ እውን ፋሲካ ከብ፡ዕሉ ይዳለዉ ነበሩ። “ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሐድር፡ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ኬውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ።” (ዮሃ19:31)
    4. እቲ ዝነበረ ገዛኢ ብበዓል እሱር ክፈትሓሎም ልማድ ነበሮም። ባርባን ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ዓርቢ ተፈትሐ። እቶም እሱራት ምስ ስድራ፡ኦም መንቲ ከሕልፍዎ ተባሂሉ፡ ቀቅድሚ እቲ በዓል እዮም ዝፍትሑ ዝነበሩ።
    5. ብዛዕባ ይሁዳ አስቈሮታዊ ድማ ከምዚ ተጻሕፈ፡ “ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ ኢየሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ኢየሱስ፥ ንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብ፡ ዝበሎ መሊልዎም ነበረ” (ዮሃ፡13: 27-29)።እዚ ዘርእየና ነገር እንተሎ፡ ሰብ አቐዲሙ ድኣ ይዓዳድግ እምበር፡ ኣብታ መዓልቲ በዓል ወይ ድሕሪኡ ስለዘይገዝእ፡ ኣብ መዓልቲ ሓሙስ ገና እቲ በዓል ከምዘይተጀመረ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ግን እቲ ሕብስቲ ዘይበኽዐ ክኸውን ኣለዎ ኢላ እያ እትምህር። እዚ መበሊኣ ምኽንያት ድማ፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኪዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኽፍስግ፡ ይብል አሎ መምህር፡ በልዎ።  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኢየሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። “(ማቴ፡ 26: 17-19)ኣብቶም ዝሓለፉ ጥቕስታት ከምዝተነጸረ፡ እቲ በዓል ኣብ ቀዳም እዩ ኔሩ። ተጻራሪ ዝመስል ሓሳብ፡ እቲ ገንሸል ዓርቢ ምሸት (መበል 14 መዓልቲ) ክሕረድ ስለዝነበሮ እዩ። እታ መበል 14 መዓልቲ ፋሲካ ትበሃል ነበረት። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ናይ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝቕጽል ዘይበዀዐ ቅጫ ናይ ምብላዕ ስርዓት ይጅምር። አይሁድ ምቝጻር መዓልቲ ብድሮ እዮም ዝጅምሩ። እቶም ኣይሁድ መዓልቲ ምሸት ከም እትጅምር ጌሮም እዮም ዝሓስቡ። በዚ መሰረት እምበአር ዓርቢ ሓሙስ ምሸት እያ ትጅምር። ቅዱሳን ማቴዎስን ማርቆስን በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ጐይታ ነቲ ቅዱስ ምስጢር ሰርዐ ኢሎም ክጽሕፉ ከለው እምበአር፡ ሓሙስ ምሸት ማለቶም ነበረ። በዓል ፋሲካ፡ በተን ሸውዓተ መዓልትታት ቅጫ ስለዝሰዓብ፡ እዚ ድማ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ቅጫ ብዝብል ስም ይዝውተር ስለዝነበረ እዩ (ሉቃ 22:7)
    6. ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ተንተንቲ ድማ እዚ ምስጢር እዚ ኣብ መበል 13 መዓልቲ ናይታ ወርሒ፡ ማለት ቅድሚ እቲ ፋሲካ፡ ወይ ከአ ቅድሚ እታ መዓልቲ ቅጫ እዩ ዝተሰርዐ እዮም ዝብሉ።
      1. ዮሃንስ ክሪክሶስቶም ከምዝብሎ፡ “እቲ ወንጌላዊ፡ “በታ ገንሸል ፋሲካ ዝሕረደላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ቅጫ’  ክብል ከሎ፡እታ መዓልቲ ድሮ መጺኣ ማለቱ አይኮነን፡ ድሮ ኣትያ ቀሪባ ማለቱ እዩ ዝነበረ። ንመጀመርታ ናይታ ዕለት ድማ እዩ ዘርኢ፡ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብድሮ ስለዝጅምር ማለት እዩ።”
      2. ማቴዎስ 26:17 ክትርጐም ከሎ፡ “በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ኢየሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ“ ኣብታ ቅድስቲ ሰሙን ኣብ መዓልቲ ሓሙስ ኢና በጺሕና ዘለና፡ ወርሒ ኒሳን መበል 13መዓልቲ። እቲ በዓል እብ ጸሓይ ዕራብ ናይታ መበል 14 መዓልቲ ኣብታ መዓልቲ ምድላው እንብላ እዩ ክጅምር። እዚ ዝተባህለትሉ መዓልቲ ድማ እቲ ገንሸል ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ድሕሪ ቀትሪ ይሕረድ ስለዝነበረ እዩ።  ንግሆ መበል 15 መዓልቲ ድማ ይብላዕ ነበረ። እቲ ምድላዋት ኣብ መበል 13 መዓልቲ ይጅምር። ስለዚ ድማ እዩ እዛ መዓልቲ እዚ፡ኣ ቀዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ ተባሂላ እትስመ።”
      3. አዳም ክላርከ ድማ፡ ኣብቲ ትንተናኡ: ከምዚ ይብል፡ “ፋሲካ ከይሓለፈ መዓልቲ ቅጫ ስለዘይጅምር፡ እታ መበል 15 መዓልቲ ናይታ ወርሒ፡ እዚኣ እታ መጀመርያ መዓልቲ ኔራ ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። አይሁድ ነቲ ዘይበዅዐ ቅጫ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ክበልዑ ምስ ጀመሩ ግን፡ (ዘጸ 12:18)፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መጀመርያ መዓልቲ ዘይበዅዐ ቅጫ ተባሂላ ትስመ ነበረት። እቶም ወንጌላውያን እምበአር በዚ መንፈስ እዚ እዮም፡ ነታ መዓልቲ ከምኡ ኢሎም ዝሰምይዋ ዘለዉ፡ ማርቆስ14: 12; ሉቃ 22: 7 ተመልከት።
    7. ኣብ ልዕሊ እዚ ኹሉ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ከም ዝብል ምጥቃስ ኣድላዪ እዩ፡” ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ“(ማቴ. 26: 26); (ማርቆስ14: 22; ሉቃ22: 19: 1 ቈረ. 11: 23; ወዘተ፡ ወዘተ)    
      1. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፍጹም ዘይበዅዐ ቅጫ ወሲዱ ኣይተባህለን፡ (2) እቲ ወይኒ ድማ ኣዝዩ ንጹህ
      2. ፍረ ወይኒ “ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም አሎኹ።”
      3. ምስ ማይ ዝተሓወሰ፡ ምኽንያቱ ጎይታውን ዝስተ ጌሩ ስለዝሃቦም (ስርዓት ሃዋርያት 8: 22) ብተወሳኺ ድማ ነቲ ካብ ጐድኒ ጐይታ ዝፈሰሰ ማይን ደምን ስለዝውክል ድማ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ክዳሎ ይግባእ፡ (ዮሃንስ19: 32)

V. እቲ ዘይርአ ጸጋ

  1. ተማቐልቲ ስጋሁ ወደሙ ንኸውን።
  2. እቲ ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽንዓቢ ዝሕግዘናመንፈሳዊ መግቢ ንረክብ። “ኢየሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ” (ዮሃ6: 35, 55)።
  3. ሕድገት ሓጢኣት ንረክብ “ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። “(ማቴ: 26: 27, 28)
  4. ኣብ ክርስቶስ ንነብር፡ ክርስቶስ ድማ ኣባና ይነብር፡ “እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ።” (ዮሃ6: 56)
  5. ምስ ክርስቶስ፡ ምስቶም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ምእመናን፡ ከም፡ኡውን ምስ ኣብ መላ፡እ ዓለም ዘለ ዘለዉ ክርስቲያን ቅዱስ ሕብረት ንረክብ። ምስቶ ኣብ ዙርያ ዙፋን ኣምላኽ እተቐመጡ ቅዱሳን፡ ምስ መላእኽትን ሊቃነ መላእኽትን ምስ ኩሎም ሰራዊት ሰማይን ሕብረት ይህልወና። ቅዱስ ቍርባን ዝብለና ነገር ፡ ምስ ኩሎም ኣሕዋትና ሓቢርና ምስ እግዚአብሄር ከም እንሓብር እዩ።እዚ ከም ናይ ሓባር መኣዲ ስድራ እግዚአብሄር ኣቦና እምበር፡ ከም ውልቂ ኣምልኾ ጥራይ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይኮነን።  “ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። “(1 ቈረ፡ 10: 17)
  6. ኣብዚ ዓለም እዚ እቲ ሓቀኛ ህይወት ተዋሂቡና’ሎ። ጨንፈር እብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተዘይጸንዐ ክፈሪ እይክእልን። “ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህወት ኪነብር እዩ። (ዮሃ 6: 53, 57)
  7. ዘልኣለማዊ ህይወት ተዋሂቡና’ሎ “ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ዮሃ 6: 54, 58)

VI. ምልዋጥ እቲ ወይንን ሕብስትን

ድሕሪ ጸሎት፡ እቲ ሕብስትን እይንን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ስጋን ደምን ክርስቶም ይልወጥ ኢልና ኢና ንኣምን።በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኣብቲ መቕደስ፡ ሕብስቲ ወይ ወይኒ ጥራይ አይኮንናን እንርኢ።  ብመልክዕ ሕብስትን ወይንን ኣቢልና ግን ንስጋን ደምን ክርስቶስ ንርእዮ።
አቦታት ቤተክርስቲያን ኣብዚ መዳይ እዚ ከምዚ ዝስዕብ በሉ:

“ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምስጢር እዚ ኣሎ ኢልና ንኣምን። ከምቲ ኣብ ካልኦት ምስጢራት ዘጋጥም፡ ብጸጋኡ  ወይ ብኻልእ መልክዕ ዘይኮነስ፡ ኣብዚ ምስጢር እዚ ግን በቲ ሓቀኛ ህላወኡ ኣብኡ ይህሉን ይርከብን ኢልና ንኣምን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ሕብስቲ ናብቲ ኣብ ቤትልሄም ካብ ድንግል ማርያም ዝተወልደ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቀ፡ም፡እንታና ዝሓመመን ዝሞተን ዝተቐብረን ካብ ምውታን ድማ ዝተንስ፡እን ስጋ ክርስቶስ ይልወጥ ኢልና ነአምን። ብተመሳሳሊ ኣገባብ ድማ እቲ ወይኒ ናብቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ይልወጥ”

እቲ ህላወ ጐይታ፡ ነቲ ሕብስትን ወይንን ናብቲ ዝተቐደሰ ስጋኡን ናብ ክቡር ደሙን ብምልዋጥ እዩ ዝፍጸም። ገለ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን ግን ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ንምዝካር ጥራይ ኢና ንወስዶ ይብላ እየን። ነዚ መልሲ ንምሃብ ነዞም ዝስዕቡ ክንውከስ ንኽእል:-

(1) ናብ መጽሓፍ ቅዱስ

ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ብዝምልከት ኣብ መጽሓፍ ዘሎ ኩሉ ሓሳባት ነዚ ሰረተ እምነትና እዩ ዝድግፍ።  

1. እቶም ጐይታና ብዛዕባ ስጋኡን ደሙን ዝዛረቦም ዝነበረ ኣይሁድ፡ ንዘረባ ጐይታ ቃል ንቓሉ እዩ ወሲዶሞ፡ “እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ።” (ዮሃ 6: 51) ንሓድሕዶም ከአ “እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧” (ጥቕሲ 52) ብምባል ተዘራረቡ። ንዘረባኡ ብጌጋ እንተዘይርድእዎ፡ ጐይታ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ኣብሪሁ ምነገሮም። በአንጻር እዚ ግን፡ ነቲ ዘረባ ደጊሙ ብምትራር ከምዚ ኢሉ መሃሮም። “ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ” (ጥቕስታት 53-55)

2. እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ነቲ ዘረባ ቃል ንቓሉ ወሲዶም ንተኸሎ ምብላዕ ስጋን ምስታይ ደምን ጐይታ ብዘይምርድኦም ከምዚ እናበሉ ከጕረምሩሙ ጀመሩ፡ “እዝስ ንምእማኑ ጭንቂ ዘረባ እዩ፡ መንከ ክሰምዖ ይኽእል” በሉ።

ኢየሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ (ጥቕስታት 61, 62)

ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” (ማቴ 26: 26-28)

እቲ እዋን እቲ ምስኦም ዝኾነሉ ናይ መወዳእታ ግዜ ስለዝነበረ፡ ጐይታ ብምስላ ሓደው ብምሳሌ ምዝራብ ኣየድለዮን። ስለዚ ድማ ልቡ ከፊቱ ብንጹርን ብቐሊል ቃላትን ጌሩ ነገሮም። “እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ አሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን” በልዎ (ዮሃ16: 29)።   

4. ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ይብል: “እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧” (1 ቈረ10: 16)

አስዒቡ ድማ ከምቲ ጐይታና ነቲ ምስጢር ክሰርዕ ከሎ ዝበሎ ጌሩ ይደግሞ፦ “ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና ኢየሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።  ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ” (1 ቈረ፡11: 23-27)

እዞም ቃላት እዚኦም፡ ቅዱስ ቍርባን ክንወስድ ከለና፡ ስጋን ደምን ክርስቶስ ከምእንቕበል ብንጹር ዘርእዩና ቃላት እዮም።

(2) ናብ ውሳኔ ቀዳማይ ሲኖዶስ

  1. ጉባኤ ኒቅያ ዘቕረቦ ጸብጻብ: “አብቲ ቅዱስ ሰደቓ ዝተቐረበ፡ ሕብስትን ጽዋእን ከም ተራ ሕብስትን ወይንን ጥራይ ጌርና ክንወስዶ አይግባእን፡ ኣእምሮና ልዕሊ ስምዒትና ኣልዕል ኣቢልና፡ እቲ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ኣብዚ ሓዲሩ ከምዘሎን፡ ብካህናት ዝጥባሕ፡ ኣማናዊ ስጋን ኣማናዊ ደም ጐይታን ምዃኑን ከኣ ብእምነት ከንርዳእ ይግባእ።”
  2. ኣብ ኤፌሶን ዝተጋብአ ሳልሳይ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ፡ ነቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መልኽቲ ቅዱስ ቄርሎስ ዘኣለክሳንድርያ አጽዲቕዎ። “እቲ እንኮ ወዲ እግዚአብሄር ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብስጋ ከምዝሞተ ነኣምን፡ ትንሳኤኡን ናብ ሰማይ ምዕራጉን ንነግር፡ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ድማ ነቲ ዘይደማዊ መስዋእቲ ንስውእ። እቲ ዝተቐደሰ ስጋ መድሓኒናን፡ በቲ ዝኸበረ ደሙን ድማ ንቕደስ።”
  3. እቲ ሻብዓይ ጉባኤ ድማ “ እቲ ንመዘከርታ ስቅያትን ሞትን ጐይታ ዝስዋእ ዘይደማዊ መስዋእቲ፡ እቲ ቅዱስ ትስብእት ኸአ ብዋላ ሓደ ካብቶም ቅዱሳት ሃዋርያት ወይ ካብቶም ቀዳሞት አቦታት፡ ቅርጺ ክርስቶሳዊ ኣካል ዝበሎ የለን። ወይ’ውን ሓደ ከምኡ ዝዓይነቱ ኢሎም ክምህሩውን ኣይተኣዘዙን።  ንሳቶምሲ፡ ‘ስጋ ወዲ ሰብ እንተዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተዘይሰተኹም፡ ህይወት የብልኩምን” ክብሎም ከሎ ጥራይ እዮም ሰሚዖም።

“ከም ስጋይ ዓይነት አይበሎም። ጐይታ ይኹን ሃዋርያት’ውን ይኹኑ፡ ቅድሚ ጸሎት ምግባሮም ደአ ሕብስትን ወይንን ይብሉ እምበር፡ ድሕሪ ጸሎትሲ፡ ኣማናዊ ስጋ፡ ኣማናዊ ደም ኢሎም ደአ ተዛረቡ እምበር፡ ከም ቅርጺ ስጋ ወይ ደም ክርስቶስ ኣይበሉን። ሕብስትን ወይንን ኢሎም ዝጠቕሱ ግን ቅድሚ ጸሎት ጥራይ እዩ።

(3)ጽሑፋት እቶም ቀዳሞት አቦታት

ክለመንት፡ ዲዮናስዮስን ቄርሎስን ዘኣለክሳንድርያ፡ መቃርዮስን ቄርሎስን ዘኢየሩሳሌም፡ ዮሃንስ ክሪሶስቶም፡ ጎርጎርዮስ፡ ባዝል፡ ካልኦት ብዙሓትን እቲ ሕብስትን ወይንን ድሕሪ ጸሎት ብመንፈስ ቅዱስ ናብ ኣማናዊ ስጋን ኣማናዊ ደም ክርስቶስ ይልወጡ ኢሎም።

ዮስቲንን ኢራኔዎስን  እቲ ሕብስትን ወይንን ናብ ስጋን ደምን ይልወጥ ኢሎም። ክለመንት ዘኣለክሳንድርያ፡ ኦሬገንን ኣትናቴዎስን እቲ መንፈሳዊ ለውጢ ናይ ሕብስትን ስጋን በቲ ቃል ከምዝኸውን ጽሒፎም። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ጥንታዊ ናይ ግብጺ ቅዳሴ መግለጺ ረኸበ። እቲ ቃል ኣብ ሕብስቲ መጺኡ ስጋ ንኽኸውን ምስ ተዘርበ፡ እቲ ሕብስቲ ኣካል ናይቲ ስጋ ዝኾነ ቃል ይኸውን።  

(4)ፕሮተስታንት ባዕሎም ዝጸሓፍዎም ጽሑፋት

  1. ካልቪን ሓደ ካብቶም ህቡባት መራሕቶም ከምዚ በለ፡ “ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ዝኾነ እንተሓተተኒ፡ ንኽገልጾ ይኹን ንኽርድኦ ምስጢር እዩ ኢለ ንኽእመነሉ ኣይሓፍርን እየ። ዝያዳ ብሩህ ንምግባሩ፡ ካብ ክርድ፡ኦ ንላ፡ዕሊ ብግብሪ ክሙኰሮ ይበልጸኒ። ኣብዚ እምበኣር ብዘይምድንጋር፡ እቲ ሃዲአ ክውከሎ ዝኽእል ናይ እግዚአብሄር ሓቂ እየ ዝቕበል፡ ንሱ ስጋኡ ምግቢ ነፍሲ፡ ደሙ ኸአ መስተ ነፍሲ ከምዝኾነኒ ተዛሪቡ እዩ። ነፍሰይ እምበር ብኸምዚ ምእንቲ ክትህነጽ ንዕኡ እውፍያ ኣለኹ”
  2. ማርቲን ሉተር፡ እቲ ዓቢ ናይ ፕሮተስታንት መራሒ ድማ በለ “ክርስቶስ ባዕሉ፡ “እዚ ስጋይ እዩ” ኢሉ እዩ እሞ፡ ካብ ክርስቶስ ንላዕሊ ኴንና፡ ንሕና ካልእ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና በለ።”
  3. እታ ናይ 1560 ስኮቲሽ ፕርስፒተርያን ቤተክርስቲያን ድማ፦ “ስለዚ ድማ ንኣምን ብዘይምውልዋል ከአ ንእመነቶም ኣምነቲ ኣብ መኣዲ ጐይታ ንስጋ ክርስቶስ ይበልዑ፡ ደም ክርስቶስ’ውን ይሰትዩ። ንሱ ኣብኦም ንሶም ከአ ኣብኡ ይነብሩ።በዚ ኸምዚ ካብ ስጋኡ ስጋ ካብ ዓጽሙ ድማ ዓጽሚ ረኺቦም ኣካሉ ይኹኑ።” (ቅዱስ ቍርባን፡ ብ David Cairns ን ካልኦትን ገጽ፡75)

VII. ቅዱስ ቍርባን ከም መስዋእቲ

  1. እዚ ምስጢር እዚ ንድሕነትና ዝቐረበ መስዋእቲ ምዃኑ በዞም ዝስዕቡ ጌርና ከነረጋግጽ ንኽእል፦  
    1. ነቲ ምስጢር ክሰርዕ ከሎ ጐይታና፡ ከምዚ በለ፡ “እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም።” (ሉቃ 22: 19, 20)
    2. ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ንሕና እንስውኦን ኣህዛብ ዝስውእዎን፡ ኣመልኪቱ ከወዳድር ከሎ፡ (1 ቈረ.10: 18-21) ኣብ ቤት ጸሎት ምእመናን እቲ ቅዱስ ቍርባን ከም መስዋእቲ ከምዝዓርግ፡ መርትዖ ኰይኑ ክቐርብ ይኽእል’ዩ።
    3. ኣብ እብራውያን 13:10 ነቲ ናይ ክርስቲያን ቤት ጸሎት እዩ ዘመልክት
    4. እዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን መስዋእቲ እዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ተነጊሩ ዝነበረ እዩ:

      “ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፣ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑ፣ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። (Mall. 1: 11) እቲ ነቢዪ፡ ኣብዚ ናይ ወንጌል ግዜ ክቐርብ ዘለዎ፡ ብዛዕባ ሓድሽ መስዋእቲ ይዛረብ ከምዘሎ ንጹር እዩ። ነዚ ትንቢት እዚ ክትርጉምዎ ከለዎ መምህራን ቤተክርስቲያን ከምዚ ይብሉ፦
      “እቶም ኣቦታትን ናይ ማእከላይ ዘመን ጸሓፍትን፡ ብዙሓት ዘመናውያን ተንተንትን፡ ኣብዚ ትንቢት እዚ ንቕዱስ ቍርባን ከምዝርእይዎ ይዛረቡ። ነቲ ኣብቶም ንስም ክርስቶስ ዘኽብሩ ኣብ መላአ ዓለም ብዝርከቡ ኣመንቲ ዝቐርብ፡ ናይ ክርስቶስ መስዋእቲ ዘዘኻኽረና ንጹህ መስዋእቲ እዩ።”     

    5. ጉባኤ ኒቅያ፡ ንቕዱስ ቍርባን ዘይደማዊ መስዋእቲ ብምባል ሰየሞ። “ጐይታ ይኹን፡ ሃዋርያት ይኹኑ፡ ኣቦታትውን ይኹኑ፡ ነቲ ዘይደማዊ ቅዱስ ቍርባን፡ ኣማናዊ ስጋን ደምን ጐይታ እምበር፡ ምልክት ኢሎም ሰምዮሞ ኣይፈልጡን።
    6. ኣብ ዲያዳከ ምዕራፍ. 14 ወይ ትምህርቲ እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት፡ እቲ ኣምልኾ ብተኣምኖ ሓጢኣት ክጅምር ከምዘለዎ እዩ ተባሂሉ ዘሎ። “መስዋእትኻ ንጹህ ምእንቲ ክኸውን”። እዚ መስዋእቲ እዚ፡ ምስቲ ኣብ ሚልክያስ፡ “ንጹህ መስዋእቲ” ተባሂሉ ዘሎ፡ 1: 11 እዩ ተነጻጺሩ ዘሎ፡ (ቀዳማይ ታሪኽ ቅዳሴ ብ J.H. Srawley ገጽ 21)
    7. ኩሎም ኣቦታት ቤተክርስቲያን መስዋ፡እቲ ኢሎም ሰመይዎ። ኢራንዮስ ነአብነት፡ ኣብታ “Adversus Haereses” እትብል፡ ኣብ አስታት 180 ዓ.ም. ዘጸሓፋ፡ ንቕዱስ ቍርባን ብዝምልከት ብዙሕ ጠቒሱ’ሎ። እቶም እተፈላለዩ ኣርእስትታት፡ “ቍርባን”, “ሞባእ ቤተክርስቲያን”፡ “ሓድሽ ሞባእ ናይ ሓድሽ ኪዳን”፡ “እቲ ንጹህ መስዋእቲ” (ሚል 1:11 ብምንጽጻር) (“ቀዳማይ ታሪኽ ቅዳሴ” ብ J. H. Srawley ገጽ፡ 35, 36)
    8. ኣብ ኣንግሊካን ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ክለዓል ከሎ ሓደ ካብ ኣባላታ ከምዚ ዝስዕብ በለ፦

      – እቲ መስዋእቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምቕዳስ ናይቶም ነገራት (ሕብስትን ወይንን) ኣቢሉ ህልው ይኸውን። እዚ ኸኣ ብምል፡ኣትን በአጠቓላልን ውህበት ጸጋ ኣምላክ ንደቂ ሰብ እዩ። (“ቅዱስ ቍርባን” ብDavid Cairn ን ካልኦትን ገጽ፡ 64).

    9. ኣብ “ማንዋል ኦፍ ዎርሺፕ” እተባህለ መወከሲ “ሕብረት ፕርስፒተርያን ቤተክርስቲያን ሰሜን ኣሜሪካ” ኣብ ገጽ 81 ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኣሎ።

      “ኣብ ቤት ጸሎት ደው ኢልና ከለና፡ እቲ ኣገልጋሊ ንጸሊ ክብል ከሎ፡ ህድኣት እዩ ዝኸውን”።  ቤት ጸሎት እንተሎ መስዋእቲ ክህሉ ኣለዎ።

  2. እዚ መስዋእቲ እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ መስቀል ዝተሰውአ መስዋእቲ እዩ። ዮሃንስ ክሪሶስቶም: “እቲ ሊቀ ዝዓበየ ካህንና ዘንጽሃና መስዋእቲ ኣቕረበ። ካብኡ ኣትሒዝና ድማ ንሕና ነቲ መስዋእቲ እቲ ንስውኦ ኣለና።”ኣብ ሞንጎ እዚ መስዋእትን ኣብ እቲ ኣብ መስቀል ዝቐረበ መስዋእትን ዘሎ ፍልልይ እዞም ዝስዕቡ እዮም:
    1. ጐይታና ኣብቲ መስቀል ዝርአ መስዋእቲ እዩ ኣቕሪቡ፡ ኣብ ቅዱስ ቍርባን ግን እቲ ኣብ ሕብስትን ወይንን ዝኸውን ለውጢ ብዓይንና አይርአን።
    2. ኣብ መስቀል ደሙ ብምፍሳስ ደማዊ መስዋእቲ ጌሩ ርእሱ አቕረበ። ኣብ ቅዱስ ቍርባን ግና ዘይደማዊ መስዋእቲ ነቕርብ። ምኽንያቱ ድማ “እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡” ከምዝብል ማለት እዩ (ሮሜ፡ 6:9)
    3. እቲ መስቀል ዝተፈጸመ መስዋእቲ ሓንሳእን ኣብ ሓደ ቦታን፡ ንመላእ ዓለምን ዝሽፍን ነበረ። እዚ ዘይደማዊ መስዋእቲ ቅዱስ ቍርባን ግን በብግዚኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቦታን ግዜን ነቶም በምነት ዝቕበልዎ ጥራይ ድማ ይስዋእ።

VIII. ነዚ ምስጢር ንምፍጻም መሰል ዘለዎ መን እዩ?

ጐይታ ነዚ መሰል እዚ ነሃዋርያት እዩ ከምዚ እናበለ ሂብዎም፡ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡”
(ሉቃስ 22: 19) ሃዋርያት ከአ ንተኸተልቶም ንጳጳሳት ኣረከብዎም።

ክርስትና ቀልጢፉ ስለዘስፋሕፍሐ ግን፡ እቶም ጳጳሳት ናብ ኩለን ከተማታትን ዓድታትን ክኸዱ ኣይከኣሉን። በዚ ምኽንያት እቲ መሰል ንካህናት ሃብዎም። ዲያቆናት ግን ንካህናትን ጳጳሳትን ክሕግዙ ጥራይ እዮም ዝኽእሉ። መእመናን ግን ብጽኑዕ ፍጹም ክልኩላት እዮም።    

IX. ኣብ ቅዱስ ቍርባን ክሳተፍ መሰል ዘለዎ መን እዩ?

  1. ዝተጠመቑ ዘበሉ ኩሎም ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎም
  2. ኣብተን ዝሓለፋ ቀዳሞት ዘመናት ዝነበሩ ኣመንቲ ንቕዱስ ቍርባን ሰሙናዊ ናይ ምቕባል ልማድ ነበሮም። ቃላት ጐይታ ብምዝካር፡ “ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነ’ውን ኣብኡ” (ዮሃ 6:53, 56) በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ንቕዱስ ቍርባን በብግዚኡ ክቕበሎ ኣገዳሲ እዩ። ሰሙን ሰሙን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ኣብ ዓመት ግን ክቕበል ይግባእ።
  3. ቅድሚ ምቕባል ግን እቲ ኣማኒ ገዛእ ርእሱ አቐዲሙ ከዳሉ ይግባእ። “ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን” (1 ቈረ. 11: 28, 29)
  4. ህጻናት ከኣ ክጥመቑ ካብ ተፈቕደሎም ካብዚ ናይ መንፈስ መግቢ ዝኾነ ከይሕረሙ ምእንቲ ኸአ ካብ ቅዱስ ቍርባን’ውን ክሳተፉ ድማ ክፍቀደሎም ኣለዎ።
  5. ስጋን ደምን ግድን ክንቅበል ኣለና። ሮማዊት ቤተክርስቲያን ግን ስጋ ጥራይ ትህብ እያ። ከም ምላሽ ድማ ነዚ ዝስዕብ ነቕርብ
    1. ጐይታ ነቶም ደቀመዛሙርቱ እቲ ቅዱስ ቍርባን ክህቦ ከሎ፡ ክልቴኡ እቲ ስጋን እቲ ደምን እዩ ሂብዎም። ብፍላይ ነታ ጽዋዕ ኣል፡ዒሉ ክህቦም ከሎ ድማ፡ ኵላትና ካበኡ ክንሰቲ እዩ ኣዚዙ “ካብዚ ዅልኹም ስተዩ” (ማቴ 26:27)
    2. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ክዝረብ ከሎ፡ ክልቴኦም ስጋን ደምን ብሓባር እዮም ዝጥቀሱ።
    3. ኩሎም ኣቦታት ቤተክርስቲያን፡ ካብ ቀዳማይ ሚእቲ ዓመት ኣትሒዙ ክልቲኡ ስጋን ደምን ይዕደል ምንባሩ ይሕብሩ።
  6. እቲ ስጋ ተመቒሉ ነቶም ኣምነቲ ምስ ተዓደለ፡፡ነፍሲ ወከፍ እቲ ምቃል፡ ዋላ እታ ዝነኣሰት ክፋል፡ ፍጽምና ዘለዋ ስጋ ክርስቶስ እያ ኢልና ንኣምን፡ ኣብቲ ወይኒ’ውን ከምኡ።  

ንሕናውን ሓንሳእ እቲ ወይንን ሕብስትን ምስ ተለወጠ፡ ምሉእ ምሉእ ክሳዕ ዝውዳእ ስጋን ደምን ይኸውን ኢልና ኢና እነአምን። ገለ ወንጌላውያን ግን ድሕሪ እቲ ቍርባን ዝተረፈ እንተሎ ከም ኩሉ ካልእ ዘየድሊ ኮይኑ ከለ ይኽእል’ዩ ይብሉ።

ቀሺ ማርቆስ ዳውድ፡ ኦርዶክሳዊ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ፡ 1952። 

ምስጢረ ጥምቀት

I. ትርጉም

ምስጢረ ጥምቀት፡ ናብ ዳግማይ ልደትን ናብ ኣባልነት እታ ቤተክርስቲያንን ዘእቱ ምስጢር እዩ። እቲ ዝጥመቕ ሰብ፡ ስለስተ ግዜ አብ ማይ ከምዝኣቱ እናተገብረ፡ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይጥመቕ። ምስጢረ ጥምቀት፡ ካብ ኩሎም ካልእ ምስጢራት፡ እቲ ቀዳማይ ዝዀነ ምስጢር እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ሰብ ናብ መንግስተ እግዚአብሄርን ናብ ቅድስት ቤተክርስቲያንን ዝኣትወሉ ቀዳማይ ምስጢር ስለዝኾነ እዩ። እዚ ኸአ ከምቲ ጐይታና፡ “ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ሰብ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን” ብዝበሎ መሰረት ማለት እዩ፡(ዮሃ 3: 5)።

በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር፡ ሰብ፡ ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ምስጢር፡ ነዚ ምስጢር እዚ ምውሳድ ናይ ግዲ ይኾኖ። 

II. ኣብ ብሉይ ኪዳን

  1. መርከብ ኖህ፡ “ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን።” (1 ጴጥ. 3: 20, 21)
  2. ግዝረት፡ “ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም።” (ቈሎሴ.2:11,12)
  3. ምስጋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ”ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። ” (1 ቈረ10:1,2)

III. ጥምቀት ዘ ዮሃንስ መጥምቅ

እታ ዮሃንስ ዘጥምቓ ዝነበረት ጥምቀት፡ ካብ ሰማይ እኳ እንተነበረት፡ ገና ግን “ ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ፡“ (ሉቃ 3:3) ዳግማይ ክትውለድ ናይ ምግባር ብቕዓት ድማ ኣይነበሮን። ኣይሁድ ንክርስቶስ ምእንቲ ክቕበልዎ ከዳልዎም ተባሂሉ ዝተገብረ እዩ። ነቲ ሰዒቡ ዝመጽእ ናይ ክርስቲያናዊ ጥምቀት ድማ መረድኢ ኣብነት ነበረ።

IV. ቅድሚ ስቕለትን ሞትን ብሃዋርያት ዝግበር ዝነበረ ጥምቀት

ጐይታና ኣብዚ ምድሪ እዚ ኣብ ዝተመላለሰሉ እዋን፡ እቶም ደቀመዛሙርቱ የጥምቑ ምንባሮም ኣብ ወንጌል ተጻሒፉ ኣሎ፡ (ዮሃ 4:2)። እንተኾነ፡ እዚ ጥምቀት እዚ’ውን ኣይሁድ ንክርስቶስ ክቕበልዎ ከምዝግባእ እናዘኻኸረ፡ ንመዳለዊ ዝግበር ዝነበረ እዩ። ዮሃንስ ክሪሶስቶም ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ጥምቀት እቲ ልከዕ ከምቲ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ጥምቀት እዩ ዝነበረ ኢሉ ኣሎ።

V. ምጅማር እዚ ምስጢር እዚ

ነዚ ምስጢር እዚ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ድሕሪ ትንሳኤኡ ከምዚ ብምባል እዩ ባዕሉ ሰሪዕዎ፡ “ኢየሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”(ማቴ 28: 18, 19)

VI. እቲ ዝርአ ምልክት

እቲ ዝጥመቕ ሰብ፡ ሰለስተ ሳዕ ከምዝጥሕል ስለዝግበር በቲ ሓደ ወገን፡ እቲ በቲ ኣገልጋሊ “ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ አጥመቐካ ኣለኹ” ዝብል ኣዋጅ ድማ በቲ ሓደ ወገን፡ እዚኦም እቶ ዝረ፡ኣዩ ምልክታት እዮም።

(1) ማይ እንጥቀመሉ ምኽንያት፦

  1. ክርስቶስ ኣብ ማይ ስለዝተጠመቐ (ማቴ. 3: 13-16)
  2. ኢየሱስ መለሰ፡ ”ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።” (ዮሃ 3:5)
  3. ሃዋርያት እውን ማይ እዮም ተጠቂሞም፡ ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ዝነበሩ ኣቦታት’ውን ከምኡ፡ ማይ እዮም ተጠቂሞም፡ “እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ኪዛረቡን ንኣምላኽ ኬመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ኪኽልክሎም ዚኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።” (ግብ 10:46,47) “ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን።” (ግብ 8:38)
  4. ቤተክርስቲያን ካብ ዝተመስረተትላ ግዜ ኣትሒዙ ዝነበረ እዩ።
  5. ማይ ንርስሓት ሰብነት ከምዘጽሪ፡ ጥምቀት ከኣ ንርስሓት ነፍሲ የጽሪ።

(2) ብማይ እነጠምቐሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ:

  1. ክርስቶስ ብማይ ተጠሚቑ፡ “ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ።”(ማቴ.3:16)
  2. እታ ኣብ ዘመነ ሃዋርያት ዝነበረት ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን’ውን ከማኡ ብማይ እያ ተጥምቕ ዝነበረት፡ “ነታ ሰረገላ ደው ኬብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን።” (ግብ8:38) እቲ ስሉብ፡ ኣብታ ሰረገላኡ ገለ ሒደት ማይ ኔርዎ ክኸውን ከምዝኸል ኣየጠራጥርን እዩ። ጥምቀት፡ ማይ ብምግጫብ ጥራይ ዝከኣል እንተዝነብር፡ ፊሊጶስ ድማ በተን ሒደት ማይ ግጭብ ኣቢሉ ከጥምቖ ምኸኣለ ነይሩ።
  3. ጥምቀት ዝብል ቃል ካብቲ ብግሪኽ ኣብ ማይ ምእላኽ፡ ወይ ኣጥሒልካ ምውጻእ፡ ካብ ዝብል ዝመጸ ኣበሃህላ እዩ።
  4. ጥምቀት፡ ምስ ክርስቶስ ምምዋትን ምቕባርን እዩ ዘመልክት።ምቕባር ማለት ድማ ኣብ ጉድጓድ ኣእቲኻ ምድፋን ማለት እዩ። “ወይስ ብክርስቶስ ኢየሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና።” (ሮሜ.6: 3,4).

ስለዚ ከምቲ ካልኦት ዝገብርዎ፡ ማይ ብምንጻግ ጥራይ ምጥማቕ ግቡእ አይኮነን።  

VII. እቲ ዘይርአ ጸጋ

  1. ዳግማይ ልደት፡ “ኢየሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከአሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድ ይከአሎ’ዶ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን። ” (ዮሃ 3:3-5) በዚ መሰረት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጥምቀት፡ ሓድሽ ልደት ብምባል ሰመዮ። “ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።” (ቲቶስ 3:5)
  2. ሕድገት ሓጢኣት ”ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።“(ግብ 2: 38)
  3. ንጽህናንን ቅድስናን፡ “እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። “ ( 1 ጴጥ. 3: 21) ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።” (ኤፌ. 5:25,26)
  4. ድሕነት፡ “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ። ” (ማር 16; 16) “ እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን።” (1 ጴጥ3:21)
  5. ውልድነት፡ “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።” ገላ. 3:26,27

VIII. ሓንቲ ጥምቀት

ብትምህርቲ ቤተክርስቲያንና መሰረት፡ እቶም ብሕጋዊ ኣገባብ ዝተጥመቑ ካልኣይ ግዜ ክጥመቑ ኣይግባ፡እን እዩ። ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዘስምረሉ ሓሳብ ድማ እዚ እዩ፡ “ሓደ ጐይታ፡ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት” (ኤፌ. 4:5)

ጥምቀት ክድገም ዘይግብኣሉ ምኽንያታት:

  1. ጥምቀት ማለት ዳግም ምውላድ፡ ወይ ሓድሽ ፍጥረት ምዃን ማለት እዩ። ሰብ ብስጋ ሓንሳእ ጥራይ እምበር ደጋጊሙ ክውለድ ከምዘይከኣል፡ በቲ መንፈሳዊ ልደት ድማ ከም፡ኡ ሓንሳእ እምበር ደጋጊሙ ክውለድ ዝከኣሎ ኣይኮነን።
  2. ጥምቀት ማለት ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስ ምስታፍ ማለት እዩ፡ (ሮሜ 6:4; ቆሎሴ. 2: 12) ክርስቶስ ድማ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዝሞተን ዝተንስአን። ሓደ እምነቱ ክሒዱ ዝጸንሐ ክርስቲያን ናብ እምነቱ እንተተመልሰ፡ ከምብሓድሽ ምጥማቕ ኣይከኣልን እዩ። ንስሓን ቅዱስ ቍርባንን ጥራይ እዩ ዘድልዮ።

IX. ጥምቀተ ህጻናት

ገለ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ጥምቀት ንዓበይቲ ጥራይ ክወሃብ ይግባእ ዝብላ ኣለዋ። ቤተክርስቲያንና ግን በዞም ዝስ፡ዕቡ ምኽንያታት፡ ህጻናትውን ክጥመቑ ይግብ፡ኦም እዩ ኢላ ትኣምን፦

  1. ቈልዑ’ውን ወረስቲ ኣዳማዊ ሓጢኣት (ጥንተ ኣብሶ) ስለዝኾኑ፡ ብጥምቀት ኣቢሎም ካብ ሓጢኣት ምንጻህ ክረኽቡ ይግባእ።
  2. ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ህጻናት ተኻፈልቲ እቲ ናይ እግዚአብሄር ኪዳን ንኽኾኑ፡ ክግዘሩ ነይርዎም። ጥምቀት ድማ ተምሳል ግዝረት ስለዝኾነ፡ ህጻናት ድማ ሕጂ ኣባል ቤተክርስቲያን ምእንቲ ክኾኑ ክጥመቑ ይግብኦም። ግዝረት ምልክት እምነት ምንባሩ ከይረሳዕና፡ (ሮሜ 4:11) ኣብ ህጻናት ይፍጸም ምንባሩ፡ ድማ ነስተብህል። እዚ ናይ ግዝረት ምልክት እዚ ተኻፈቲ ኪዳን ኣምላኽ ምዃኖም ይምስክረሎም ነበረ።
  3. ህጻናት ገለ ካብቶም ዓበይቲ ጸጋታት ክቕበሉ እግዚአብሄር አይከልከሎምን፡ ንኣብነት ኤርምያስ ገና ኣብ ማህጸን ከሎ እዩ ተቐዲሱ፡(ኤር. 1:5)፡ ዮሃንስ መጥምቕ ከአ ኣብ ከርሲ ወላዲቱ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ተመልአ(ሉቃ 1:15)
  4. ኣብ ዘመነ ሃዋርያት መላእ ስድራ ቤት ይጥመቑ ነበሩ፡ ኣብዘን ዝጥመቓ ዘለዋ ስድራቤታት ድማ ናይ ግድን ህጻናት ኔሮም ክኾኑ ኣለዎም። ስድራ ቤት ቆርነሌዎስ፡ (ግብ 10: 48), ሊድያ (ግብ 16,14,15) እቲ ሓላው እሱራት (ግብ16:33), እስጢፋኖስ(1 ቈረ. 1: 16) ወዘተ።
  5. ኣብ ናይ ኣቦታት ታሪኽን ጽሑፋትን ከምእንረኽቦ፡ ካብቲ ቀዳማይ ሚእቲ ዓመት ናይታ ቤተክርስቲያን ኣትሒዙ ዝነበረ ልማድ እዩ ዝነበረ። ኦሪገን ኣብ ጽሑፉ፡ “ጥምቀተ ህጻናት፡ ኣቦታት ሃዋርያት ነታ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን ዝሓደጉላ ልማድ እዩ። ህጻናት ካብ ኣዳማዊ ውርሻ ሓጢኣት ተሓጺቦም ክነጽሁ የድልዮም ስለዝኾነ” “ጥምቀተ ህጻናት ሃዋርያዊ ትውፊት እዩ” ኣብቲ ናይ ሃዋርያት ትውፊት ከምዚ ዝብል ነንብብ፡ “ህጻናት ቅድም የጥምቑ፡ ክምልሱ ዝኽእሉ እንተኾይኖም፡ ባዕሎም ይመልሱ። ክምልሱ ዘይክእሉ እንተኾይኖም ግን ወለዲ ወይ ሓደ ካብ ቤተሰብ ኣብ ክንድኦም ወኪሉ ይመልስ።”
  6. እታ ኣብ ምድሪ ዘላ ቤተክርስቲያን ክርስቶስ፡ በቶም ንእምነተ ክርስትና ዝተቐበሉን ንሕጊ እግዚአብሄር ዝሕልዉን ስድራቤታት ምስ ህጻናት ደቆም ሓዊስካ ዝቖመት እያ።

X. ናይ ደም ጥምቀት

ንክርስቶስ ክብሉ ቅድሚ ጥምቀት ደሞም ዘፍሰሱ ሰማእታት፡ በዚ ዝስ፡ዕብ ቃል ጐይታ ቅቡላት ይኾኑ፡ “ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። “ (ማቴ 10: 32) መሊሱ ድማ: “ሽዑ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።” (ማቴ. 16:25)

XI. ከጠምቕ ስልጣን ዘለዎ መን እዩ፧

እዚ ስልጣን እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ንሃዋርያት ዝሃቦም ስልጣን እዩ። “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።” (ማቴ. 28:19). እዚ ስልጣን እዚ ብ ጳጳሳት ኣቢሉ ናብ ካህናት ተመሓላለፈ።

XII. ናይ ዝተጠመቐ ሰብ ግዴታ

(1) ቅድሚ ምጥማቕ፡ እቲ ዝጥመቕ ብወግዒ ከምዚ ኢሉ ከውጅ ይግብኦ።

  1. ንስሓኡ “ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።” (ግብ 2:38) ኣብቲ ንስሓኡ፡ ንሰይጣንን እቲ እኩይ ስርሑን ከምዝሓደጎም፡ ”ሰይጣን እኽሕደካ ኣለኹ” ክብል ይግብኦ። 
  2. ኣብ ኢየሲስ ክርስቶስ ዘለዎ እምነት ከውጅ ይግብኦ “ዝኣመነን እተጠምቀን ኪድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ኪዅነን እዩ።” (ማር 16: 16). ኣብዚ ተኣምኖ እዚ ጸሎተ ሃይማኖት ዓው ኢሉ ክብሎ ኣለዎ።

(2) ኣብ ጉዳይ ህጻናት ግን ብርግጽ ንሳቶም ንስሓ ይኹን መእዋጅ እምነት ክገብሩ ስለዘይክእሉ፡ ወለዶም ወይ ኣቦ ወይ ኣደ ክርስትናኦም *(ኣባልገኦም) ኣብ ክንዳ፡ኦም ኮይኖም ነቲ እምነት ከእውጁሎም ይኽእሉ። ብትምህርቲ ጐይታ ንኸዕብይዎም ድማ ክመባጽዑ ይግባእ።

ቀሺ ማርቆስ ዳውድ፡ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ
 ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ ኣዲስ ኣበባ ግንቦት 1952