ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ ግብረሰናይ ማሕበር

ተልእኾና (Our Mission)

እዚ ብሕያዋይ ሳምራዊ ተሰይሙ ዘሎ ናይ ተራድኦ (ግብረሰናይ) ማሕበር ኣብ እዋን ሽግር ህጹጽ ረዲኤት ንምሃብን ኣብ ማሕበራዊ ለውጢ ከኣ ናይ ዕብየት መደባት (Development Programmes) ንምትግባርን ኣብ 2016 ኣብ ዝተገብረ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሃገረስብከት ስካንዲናቭያን ፊንላንድን ዝቖመ ኦርቶዶክሳዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበር እዩ።

ራእይና (Our Vision)

ራእይ ናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር- ኣብ ሽግርን መከራን ዝርከቡ ውልቀሰባትን ስድራ-ቤታትን ብምሕጋዝ ካብ ጭንቀትን ሕማምን ተላቒቖም ንቡር ህይወት ከምዝመርሑን ካብኡ ሓሊፎም ካኣ ንማሕበረሰቦም ኣፍረይቲ ዜጋ ከምዝኾኑን ንምግባር ዝተመስረተ ተቕዋም እዩ። እዚ ሓገዝ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ብፍላይ ግን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ ጽጉማትን ሓገዝ ዘድልዮምን ኤርትራውያን ንምድጋፍ ዝዓለመ እዩ። ከምዝፍለጥ ብኽቱር ስእነት ኣብ ፈቐዶ ካምፕታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ካልኦት ቦታታትን ክዳንን ጫማን ዘይብሎም ብዓቢኡ ካኣ ብሰንኪ ዝተፈላለየ ሕማማት መፈወሲ ስኢኖም ስኣን ዝድግፎም ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝስእኑ ዘለዉን ወገናትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ስለዚ ዓቕምና ብምብርካት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ንሞት ዝተቓረባ ነብሳት ካብ ኣፍ ሞት ምትራፍ ካኣ ሓደ ካብቲ ራእይ ናይዚ ማሕበር እዩ።

መሪሕና (our principle)

ካባና ትሕት ንዝበሉ ምሕጋዝን ምድጋፍን ክርስቲያናዊ ግዴታና ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ኣለና ኢልና እንምክሓሉ ሃብትና ውን ካብ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ክንቋደሶ ዝተዋህበና ጸጋ ምኻኑ ኢና እንኣምን። እዚ ማሕበራዊ ፍትሒ (Social Justice) እዚ መጀርመታ ካብ ጐይታና፡ ድሕሩ ካብ ሓዋርያት ካብኡ ብምቕጻል ድማ ካብ ሓዋርያውያን-አበውን (Apostolic Fathers) ከምኡ ውን ካብ ኣቦታት ቤተ-ክርስቲያን (Church Fathers) ብግብሪ ዝተመሃርናዮ ግብራዊ-ትምህርቲ መለኰት (Practical Theology) እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ እናበለ እዩ ዝምህረና፣

“ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።” (. ማቴዎስ 25:35-40)

ቀጺሉ “ኢየሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሀብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነብሮ፡ ዘረባኡ ምስ ስምዔ፡ እናጐሀየ ኸደ” (ወ. ማቴዎስ 19:21-22)።

ሐዋርያት፦

  • ናብራ እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስቲያን

“እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን።” (ግብ. ሐዋ. 432)

  • እቲ እሙን ኣብነት

“ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዚግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም።”(ግብ. ሐዋ. 2035)

  • እቲ ህያው እምነት

“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ (ሃይማኖት) እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።” (ያዕቆብ 1፡27)።

“ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧” (ያዕቆብ 214-15)

  • ምውጻእ ገንዘብ፡

“ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ኬዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ።” (ሮሜ 15: 25-26)

“ብዛዕባእቲነቶምቅዱሳንኪኸውንዚዋጻእገንዘብግና፡ከምቲንማሕበራትገላትያዝሰራዕክዎ፡ንስኻትኩምውንከምኡግበሩ።” (1ይቆሮንቶስ16:1)

ኣቦታት ቤተክርስቲያ (Church Fathers)

ክርስትና ኣብተን ናይ መጀምርታ 500 ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ ለውጢ (Social transformation) ዝተጻወቶ ግደ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ምጥፋእ ባርነት፡ ማዕርነት፡ ድኻታት ምእላይ . . . ወዘተ ብኣብነት ክጥቀሱ ይከኣል።

ንድኻታት ምሃብን ምርዳኣን

“ኣብ መሶብካ ዘሎ እንጌራ ናይቲ ጥሙይ እዩ፣ እቲ ኣብ ከብሕኻ (ኣርማድዮኻ) ተንጠንጢሉ ዘሎ ካቦት ናይቲ ዕሩቕ እዩ፣ እቲ ተቐሚጡ ዝኣርግ ዘሎ ጫማ ናይቲ ጫማ ዘይብሉ እዩ፣ ኣብ ባንክኻ ተቐሚጡ ዘሎ ገንዘብ`ውን ናይቲ ድኻ እዩ። ብዘይምሕጋዝካ ጥራይ ነቲ ሐገዝ ዘድልዮ ኵሉ ትብድል ኣለኻ።” (ቅ. ባስልዮስ ዘቂሳርያ)

“ነቶም ድኻታት ካብ ትሕዝቶና ዘይምምቓል ንዕኦም ምስራቕን ካብ ህይወት ምንጻልን እዩ። እቲ ዘለና ትሕዝቶ ናትና ዘይኮነስ ናታቶም ውን እዩ።” (ቅ. ዮሓንስ ኣፈወርቅ)