ምስጢረ ጥምቀት

ጥምቀት ፥ ኣጥመቀ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ ምጥላቕ ኣብ ማይ ምእላኽ ማለት እዩ። ጥምቀት ናይ ስላሴ ውሉድነት ንቕበለሉን ናይ ሓጢኣት ስርየት ንረኽበሉን ምስጢር እዩ። ናይ ጥምቀት ኣድላይነት፥ጥቕሚ።

  • ብጥምቀት ንድሕን ማር 16:16 ።
  • ብጥምቀት ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ ንውለድ። መጀመርያ ብስጋ ንውልውድ። እቲ ካልኣይ ብጥምቀት ዝርከብ መንፈሳዊ ልደት እዩ። ዮሃ 3:3 ። ቲቶ 3:5 ። ኤፌ 5:26 ።
  • ብጥምቀት ናይ ሓጢኣት ስርየት ይርከብ። ግብ 2:38 ።1ይ ቆሮ 6:11 ።
  • ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ንመውት ምስኡ እውን ሓቢርና ንትንስእ። ሮሜ 6:8 ። ሮሜ 6:3-4 ።
  • ብጥምቀት ምስ ክርስቶስ ሓደ ንኸውን። ገላ 3:27 ።
  • ብጥምቀት ኣባል ቤተ ክርስትያን ንኸውን። ቆላ 2:11-13 ።

ኣመሰራርታ ጥምቀት

ናይ ምስጢረ ጥምቀት መስራቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ንምስጢረ ጥምቀት ብግብሪ ኣርኣያ ብሙዃንን ብቓል እውን ብምእዛዝን  እዩ  መስሪትልና። ማቴ 3:13-27 ። ማር 1:9-11 ። ሉቃስ 3:21-22 ። ዮሃ 1: 31-34 ።

ጥምቀት ኣይትድገምን እያ።

ጥምቀት ኣብ ፈሳሲ ማይ እንተኾነ፣ ኣብ ሩባ እንተ ኾነ፣ ኣብ ገዛ እንተኾነ፣ ብኢድ ካህን ይፈጸም፣ ብኢድ ጳጳስ፣ ኤጲስ ቆጶስ ወለሓደ ፍሉይነት የብሉን ጥምቀት ሓንቲ እያ። ኤፌ4:5 ። ጥምቀት ዘይትድገመሉ ምኽንያት፣ ሓንቲ ዝኾነትሉ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ

  • ብስጋ ካብ ስጋውያን ወለድና ሓንሳእ ጥራይ ኢና እንውለድ። ከምኡ እውን ብመንፈስ ሓንሳእ ጥራይ ኢና እንውለድ። ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዳግማይ ዘይንውለድ ብመንፈስ እውን ካለኣይ ኣይንውለድን ኢና። ዮሃ 3:6-8 ።
  • ብኦሪት ዘመን ሰብ ሓንሳእ እዩ ዝግዘር ዝነበረ። ግዝረት ከኣ ናይ ጥምቀት ምሳሌ ስለ ዝኾነ ኣይድገምን። ቆላ 2:11-13
  • ምስ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እንሞተሉን እንትንስኣሉን ምስጢር ስለ ዝኾነ። ጎይታና እውን ዝሞቶን ዝተንስኦን ሓንሳእ ስለ ዝኾነ እዩ። ቆላ 2:12 ። ሮሜ 6:3-4