ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ

I. ትርጉም

ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ ብዝርአ ወይ ብዝስማዕ ደጋዊ ምልክት፡ ዘይረአ ጸጋ ኣምላኽ እንቕበለሉ ብክርስቶስ ዝተሰርዐ ቅዱስ ስርዓት እዩ።  

ገለ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያን፡ እቶም ምስጢራት “ምልክታት” ጥራይ ከምዝኾኑ ጌረን እየን ዝዛረባለን። እታ ቤተክርስቲያን ከምኡ ብምግባራ፡ “ናይ ክርስቶስ ምዃናን ካብ ዓለም ዝተፈለየት ምዃናን” እተርእየሉ፡ “ናይ ሓድሽ ኪዳን ምልክት” ደጋዊ ስርዓት ከምዝኾነ ኸኣ ይብላ።  

ቤተክርስቲያንና ግን ኣብቶም ምስጢራት ግሩም ዝኾነ ውጽኢት ኣሎ ኢላ እያ እትኣምን። ዘይረአ ጸጋ ናብ ምእመናን የምጽኡ፡ ኢላ ኸአ ትኣምን።

  1. ንኣብነት፡ ጥምቀት ምድሓን የምጽእ፡ ”ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሐናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም አሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን “ (1 ጴጥ 3:20, 21)
  2. ቅዱስ ቍርባን ድማ እቲ ሓቀኛ ህይወት ናብዚ ዓለም እዚ የምጽእ። ” ኢየሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙ’ውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ፡ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”(ዮሃንስ 6:53)። ዘልኣለማዊ ህይወት ድማ የውህብ፡ “ስጋይ ዚበልዕ ደመይ’ውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነ’ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ” ዮሃንስ 6:54, 58)።

ብዛዕባ እቶም ካልኦት ምስጢራት’ውን ከምኡ ክበሃል ይከኣል።

II. ብዝሒ ቍጽሪ ምስጢራተ ቤተክርስትያን

  1. ሸውዓተ ምስጢራት ኣለው: ጥምቀት፡ ሜሮን፡ ንስሓ፡ ቅዱስ ቍርባን፡ ቀንዴል፡ ተክሊል፡ ክህነት።
  2. እቶም ቀዳሞት ኣርባዕተ ምስጢራት፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዘድልዩ እዮም። እቶም ካልኦት ሰለስተ ምስጢራት ግን ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብግዲ ዘድልዩ አይኮኑን። ይኹን እምበር ተክሊልን ክህነትን ከአ ንቤተክርስቲያን አዝዮም አድለይቲ እዮም። እቲ ቀዳማይ ንቐጻልነት ህይወት ደቂ ሰብ ከድሊ ከሎ ክህነት ድማ ምስጢራት ቤተክርስቲያን፡ ብተራ ምእመን ዘይፍጸሙ ስለዝኾኑ፡ ምስጢራት ንምፍጻም፡ ብግዲ ዘድሊ ምስጢር እዩ።  
  3. ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን፡ ካብዞም ሸውዓተስ ነቶም ክልተ ምስጢራት ጥራይ እየን ዝቕበላ፦ ጥምቀትን ቅዱስ ቍርባንን። እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ደኣ እምበር ክልተ ከምዘይኮኑ ግን እዞም ዝስዕቡ የግህዱ እዮም።
    1. ትርጉም ምስጢረ ቤተክርስቲያን፡ አብ ሸውዓቲኦም ምስጢራት ብማዕረ ክትርጐም ምኽኣሉ
    2. ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ሸውዓተ ምስጢራት ብዝምልከት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ዝርከብ ብምዃኑ
    3. እተን ነቶም ካልኦት ምስጢራት አይንቕበልን ኢና ዝብላ ኣብያተ ክርስቲያን ውን ከይተረፋ ብኣፈን እኳ እንተኸሓዳኦ፡ ብግብርስ ዝፍጽማኦ ብምዃነን  
  4. ኣብተን ቀዳሞት ዘመናት ብቐዳሞት ኣቦታት ዝተጻሕፉ መልእኽትታት ድማ፡ ብዝሒ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ እዩ ኢሎም እኳ ብንጹር እንተዘይበልዎ፡ እቶም ምስጢራት ሸውዓተ ምዃኖም ግን ይጠቕሱ እዮም። ኣብቲ ጽሑፋቶም፡ ሓደ ጸሓፊ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ካብቶም ምስጢራት ይጠቅስ፡ ሓደ ካልእ ድማ ካልእ ምስጢር ይጠቅስ ወዘተ።
  5. ኩለን ናይ አርቶዶክስን ካቶሊክን ኣብያተ ክርስቲያን፡ ዋላ’ኳ ብኻልአን እንተዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ምዕቃብ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት ግን ኣብ መላእ ምብራቕን ምዕራብን ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ይሰማማዓ እየን። ካብቶም ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስቲያን ዝተቐበላኦ ስርዓት ምዃኑ ድማ ይሕብራ።
  6. ቤተክርስቲያን ብዘይካ እዚ’ውን ካልእ ምኽንያት ከኣ ትህብ እያ፦ እቶም ሸውዓተ ምስጢራት፡ ነቶም እታ ጥበብ ቤታ እትሃንጸሎም ሸውዓተ ኣዕኑድ እዮም ዝመስሉ ሓደው ዝውክሉ። (ምሳሌ፡ 9:1)
  7. ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ድማ፡ እዚ ሸውዓተ ዝብል፡ ናይ ፍጻመ ቍጽሪ እዚ ምጥቃሱ፡ ሰናይ እዩ።

III. አፈጻጽማ ምስጢራት

ናይ መንፈስ ቅዱስ በረኸት ምእንቲ ክህልዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ምስጢር ዘሰንዮ ጸሎት ኣሎ።

 IV. ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ናይ ምፍጻም መሰል ዘለዎ መን እዩ፧ 

  1. ጳጳስ፡ ዝኾነ ምስጢር ቤተክርስቲያን ክፍጽም ይኽእል እዩ። ማዕርገ ጵጵስና ንምሃብ ግን እንተወሓደ ሰለስተ ጳጳሳት ክህልዉ ኣለዎም። ካህን ማዕርገ ክህነት ክህብ ኣይክእልን እዩ፡ ነቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ምስጢራት ክህብ ግን ይኽእል። ዲያቆን፡ ኣብ አፈጻጽማ እቶም ምስጢራት፡ ንካህን ወይ ንጳጳስ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት እዩ ዘለዎ።  
  2. ገለ ወንጌላውያን ኣብያተክርስቲያን፡ ምስጢራትን ኩሎም ማዕርጋት ቤተክርስቲያንን ብምእመናን’ውን ክፍጸም ይኽእል’ዩ ዝብላ ኣለዋ። ክርስቶስ ኣብታ ቤተክርስቲያኑ ምፍልላይ ኣይገብርን እዩ እሞ፡ ንሕና ኸአ ከምኡ፡ ቤተክህነት፡ ምእመን፡ ኢልና ክንፈላሊ ኣይንኽእልን ኢና ድማ ይብላ። ነዚ መልሲ ንምሃብ፡ ነቲ ብዛዕባ ምስጢረ ክህነት ተጻሒፉ ዘሎ ተመልከት።
  3. ካልኦት ድማ፡ ህይወት እቲ ኣገልጋሊ ዘይብቑዕ እንተኾይኑስ፡ እቶም ምስጢራት ተቐባልነት ክህልዎም አይክእልን’ዩ ይብሉ።
    1. ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ ደአ እምበር ኣብ ናይ ዝኾነ ሰብ ጻዕሪ ከምዘይምርኰስ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝዛረብ። “እምብኣርሲ እቲ ዜብቊል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዚተክል ወይስ እቲ ዜስቲ ዚዓብሱ የብሎምን “ (1 ቈረ 3:7)
    2. ጐይታና፡ ባዕሉ እኳ እንተዘየጥመቐ፡ እቲ ናይ ምጥማቕ መዝነት ድማ ነቶም ደቀመዛሙርቱ ዝተሓድገ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ከም እነንብቦ ግን፡ እቲ ዘጥመቐ፡ ጐይታ ከምዝነበረ እዩ ተጻሒፉ ዘሎ፡ (ዮሃንስ 1:33; 4:1, 2)
      ብተመሳሳሊ ንሕና ኸአ፡ እግዚአብሄር ደአሉ ኣብቲ ኣገልጋሊ ብምዃን፡ ነቲ ኣገልጋሊ ብምጥቃም ነቶም ምስጢራት ዝፍጽሞም እምበር፡ እቲ ኣገልጋሊ አይኮነን ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። “ኣባኻትኩም ዝዓዪ እግዚአብሄር እዩ” (ፊሊጲ 2:13)
      “ንሕና እምበአር ከም መዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ንምዕደኩም ኣሎና…” (2 ቈረ 6:1) “እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዚበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን።” (1 ቈረ. 15:10)
      “ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ።… ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።” (2 ቈረ. 5:20)
    3. ቆራሕ፡ ዳታንን አቢራምን፡ ኣንጻር ኣምላኽን ሙሴን ተላዒሎም፡ ዕጣን ምስ ዓጠኑ፡ ብኸቢድ እዮም ተቐጺዖም። እግዚአብሄር ግን “ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኺልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ናብ ቅድሚ እግዚብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን። (ዘሁልቍ 16:37, 38)
    4. በቲ እኩይ ኣብነቶም ከይተለኸፍና፡ ንምህሮ እቶም ንባዕሎም ሓጥኣን ዝኾኑ ፈሪሳውያን ከይተረፈ ክንቅበል ድማ ጐይታ ኣዚዙና እዩ (ማቴ፡ 23:1-3)
    5. ዮሃንስ ክሪስቶም ድማ በለ: “እቶም መራሕቲ ጽዩቓት፡ እቶም ምእመናን ግን ጻድቃን ኮይኖም ክርከቡ ዝከኣል እዩ። እቲ ጸጋ ግን አብ ህይወት እቶም ቤተክህነት ኣይኮነን ዝምርኰስ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ፡ ዝኾነ ሰብ ንህይወት እቲ ካህን መርሚሩ ንሕጋውነትን ተቐባልነትን እቶም ምስጢራት ምእንቲ ከይጠራጠር ብምባል እየ። ዝኾነ ነገር በቶም ዝፍጸሙ ምስጢራት ኣቢሉ ጸጋ ዘውህበና፡ እቲ ምስጢር ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ስለ ዝምርኰስ ጥራይ እዩ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ድማ በለ፦ “ካህን ካብ ኣምላኽ ብዝቕበሎ ጸጋ ኣቢሉ፡ እቲ ግቡእ  ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝፍጽም እምበር፡ ነቲ (ናይ ጥምቀት) ማይ አይቅድሶን እዩ።” ወሲኹ’ውን በለ:- እንተ ኣጠመቕና፡ እንተ ኣነሳሕናን፡ ነቲ ኩሉ ክፍጽሞ ዘለዎ ግን ክርስቶስ እዩ” ከምዚ ድማ ተባህለ፦ እቶም ምስጢራት በቲ ክዘርእ ዘወፈረ ዘርኢ ሓረስታይ እዮም ዝምሰሉ። እቲ ዘርኢ እምበአር፡ ዋላ ብሓጥእ ሓረስታይ ይዘራእ፡ ካብ ገዛእ ርእሱ እተላዕለ፡ ጽቡቕ እዩ ዝፈሪ። ከምኡ ኸአ እቶም ምስጢራት ብኢድ መን ተፈጺሞም ብዘይገድስ፡ ኣብቲ ፍረ ዝስዕብ ለውጢ የለን። እቲ ውጽኢት፡ ኣብቶም ኣገልገልቲ ዝምርኰስ እንተዝነብር ግን ምድሓንና’ውን ኣብ ምሕረት ድሌት እቶም አገልገልቲ እዩ ምወደቐ ኔሩ።”