ምስጢረ ስጋዌ

ስጋዌ ፥ ተሰገወ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ክኸውን እንከሎ  ስጋ ኮነ ማለት እዩ። ምስጢረ ስጋዌ ሓደ ካብ ሰለስተ ኣካላት ናይ ስላሴ እግዚኣብሄር ወልድ ሰብ ናይ ምዃኑ ምስጢር እዩ። ሰብ ኮነ ናይ ሰብ ባህርያት ስጋን ነፍስን ምስቲ ረቅቕ ባህርያት ኣምላኽ ተወሃሃደ።

ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮነ?

  • እግዚኣብሄር ንዳምን ንሄዋንን ቃል ኪዳን ብዝኣተወሎም መሰረት ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ዘፍ 2:17 ። 1ይ ተሰ 5:9 ። ገላ 4:4 ።
  • ኩሉ ኣማሊኡ ብኣራያኡን ኣምሳሉን ንዝፈጠሮ ሰብ ፍጹም ፍቕሩ ብግህዶ ንኸርኢ ኣምላኽ ሰብ ኮነ። ዮሓ 3:16 ።
  • ናይ ሰብ መርገም ኣብ ርእሱ ተቐቢሉ ብደሙ (ብሞቱ) ካብ ናይ ሓጢኣት ባርነት ንደቂ ሰባት ሓራ ንምውጻእ ኣምልኽ ሰብ ኮነ። ዘፍ 3:17 ። ኢሳ 45:18 ።
  • ድያብሎስ ንዳምን ንሄዋንን ኣብ ተመን ተሰዊሩ ከም ዘስሓቶም ኣብ ኣካል ሰብ ተሰዊሩ ንኸድሕኖም ኣምላኽ ሰብ ኮነ።
  • ንደቂ ሰባት ክምህሮምን ኣርኣያ ክሓድገሎምን ኢሉ 1ጴጥ2:21::

ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ንደቂ ሰባት ከድሕን ምኸኣለ ዶ?

እወ: ኣምላኽና ኩሉ ዝገብርን ዝኽልክሎ ኣካል ከም ዘየለን ሓያል ምዃኑ ኩልና ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ።  ዘፍ18፡14 ። ኢዮብ 39:4 ። ሉቃስ 1:37 ። እንተኾነ ግን ኣምላኽና ስርዓት ኣልቦ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኩሉ ሰስርዓቱ ኣለዎ። 1ይ ቆሮ 14:33-40።
ኣምላኽና ቅዱስ ብኹሉ ሰናይ ነገራት ዝተመልአ መሓርን ርህሩህን ፈቃርን . . . ወዘተ እዩ። ምስኡ እውን ቅኑዕ ፈራዲ ኣብ ፍርዱ እውን ፍትሓውን ርትዓውን እዩ። እቲ ዝተፈርደ ሰብ ካብ ኮነ እቲ ነቲ ፍርዲ ዝቕበል እውን ሰብ ክኸውን ኣለዎ። ዕብ 6:17 ። ማቴ 7:7 ። ያዕ 2:5 ።
ዝበደለ ሓጢኣት ዝሰርሕ ሰብ እዩ። በቲ ሓቀኛ ፍርዲ እውን ሰብ እዩ ክመውት ዘለዎ። ነገር ግን ካብ ደቂ ሰባት ሓጢኣት ዘይተንከፎ ስለ ዘይነበረ። ኩሎም እውን ንርእሶም ድሕነት የድልዮም ስለ ዝነበረ ፍጡር ንፍጡር ከድሕኖ ኣይተኻእለን። ስለዚ እቲ ሓጢኣት ዘይትንክፎ ኣምላኽ ነቲ ዝተፈጸመ በደል ብሞቱ ዕዳ ንኽኸፍል መጸ። ሰብ ኮነ። ኢሳ 59:16 ። ሮሜ 3:23 ። ሮሜ 5:6-8 ።

ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃን ዝተነግረ ትንቢታት

ዘፍ 3:15 ። ዘፍ 9: 27 ። ኢሳ7:14 ። ኢሳ 9:6 ። መዝ 2:7 ። ሚክ 5:2 ። ዘሁ24:16 ።

ብምስጢረ ስጋዌ እንታይ ተፈጺሙ ?

  • ብምስጢረ ስጋዌ ምስ ኣምላኽ ሓደ ኴንና። ማቴ 27:51 ። ኢሳ 7:14 ። ዮሃ 14:22 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ሰይጣን ተሳዒሩ። ቆላ 2:15 ። 1ይ ቆሮ 15:55 ። ዮሃ 14:30 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ክፍኣትን ስቓይን ተወጊዱ። ቆላ 3:9 ። ፊል 1:28-30 ። 1ይ ጴጥ 2:22-25 ።
  • ብምስጢረ ስጋዌ ዳግማይ(ካልኣይ) ሞት ተሪፉልና::