• እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም

    መንፈሳዊ ኣፍልጦኹም ንምዕባይን ብዛዕባ ቤተክርስቲያና ሓበሬታ ንምርካብን ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክትጥቀሙ ንዕድም

  • ኣቦታት ዘቖምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተፍርስ (ምሳሌ 22፤28)

  • ዕላማና ንሰብ ዘይኮነስ ነቲ ልቢ ዚምርምር ኣምላኽ ምሕጓስ እዩ። 1ይ ተሰ. 2:4

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ሃገረ ስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ብቐዳም ዕለት 25/02/2023 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስላሤ ያቭለ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ኩለን ኣብያተክርስቲያንን ማሕበራትን ተወኪሎም ዝመጹ ልዕሊ ሰብዓ ዝኣኽሉ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ተሳቲፎም ውዒሎም።

ኣብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ከምዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትናን ሓውናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምኽባር ሕጊ ብዝብል ጉልባብ ቅሉዕ መንነታዊ ጽንተት ካብ ዝጅመር ድሮ ሰለስተ ወርሒ ኣቕጺሩ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ካኣ ብቃላት ክግለጽ ዘይከኣል ከቢድ ሰብኣዊ ህልቂትን ንዋታዊ ዕንወትንኣኸቲሉን ገና ውን ይቕጽል ኣሎን። ስለ ዝኾነ ካኣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራትስካንዲናቪያን ፊንላንድን   ነዚ ሰብኣውነት ዝጎደሉ ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ ህዝቢ ትግራይ ብትሪ እናኾነንና፣ ናብቶም ብዓጸቦ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ረድኤት ብህጹጽ ክበጽሕ፣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ኢሉ ዘተንዝርርብን ክጅመር፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ምቕታል ሲቪላውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ደው ንክብል ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝግብኦም ጻዕርታት ክገብሩ ጻውዒትና ነቕርብ።

መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2021 ዓ ም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!

ንኩልኹም ህዝቢ ክርስቲያን ብፍላይ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን፣ ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ንብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። ከምኡ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ልደት ጎይታና ዓመት መጸ ኣብ ቅነ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ እዩ ዝኽበር እሞ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናብ ጎርጎርዮሳዊ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ ም እውን እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።

ሰሙነ ሕማማት

ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ህዝቢ ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቡ ክጽልን ክሰግድን ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝሎ ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ምእንቲ ክከታተሉን ክሰግዱን ኩሉ እቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ስግደትን መደብ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ። እቶም ዝከኣልኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩን ክትሰግዱን ብኣኽብሪት ንዕድም።

ንኮረና ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ዝኸበርኹም ህዝበ እግዚኣብሔር፡

ኣብ ዘዘለኹሞ ብደሓነ ሰላም ክትህልዉን ካብዚ ናይ ጾምን ሱባኤን ወቕቲ ካኣ መንፈሳዊ ዕቤትን በረኸትን ትረኽቡ ክትህልዉንጸሎትናን ትምኒትናን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና በዚ ተኸሲቱ ዘሎ CORONAVIRUS (COVID-19) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ ኣላ። ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ውን ሰብ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ንሕና ውን ከም ክርስቲያን ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት እጃምና ከነበርክትን ምትሕብባርና ከነርእን ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት ካብ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ሓበሬታ ብምውሳድን ምስ ካህናት ጉባኤ ብምግባርን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተግባራውያን ዝኾኑ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ ኣሎ።

ቃለመጠይቅ ምስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ 1ይ ክፋል

መተሓሳሰቢ

ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።

ሓገዝኩም አይፈለየና

ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።

Swedish bank No: Bankgiro:  374-2806

International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036

Swift code: SWEDSESS

123 614 48 85

ብፌስቡክ

ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያን ፊንላንድን

  • ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት

    Syntésvägen 4, 854 67 Sundsvall, Sweden

  • ኣድራሻ ቦስጣ

    Eritreanska Ortodoxa Tewahedo Kyrkan I Skandinavien (koptiska patriarkatet)
    Syntesvägen 4
    854 67 Sundsvall
    Sweden

  • ቁጽሪ ሕሳብ ሃገረ ስብከት (Diocese)

    Swish: 123 614 48 85

  • ቁጽሪ ሕሳብ ግብረ ሰናይ (Charity)

    ERITREANSKAORTODOXA KYRKAN EOTKS KP
    IBAN: SE348000 0842 0296 4863 6646
    BIC: SWEDSESS
    BANK GIRO: 677 4830
    Swish: 123 614 67 65

ተወከሱና