ቃለመጠይቅ ምስ ሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ 1ይ ክፋል
መተሓሳሰቢ
ዝኸበርኩም ምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ክትረኽብዎ እትደልዩ ኣገልግሎት ማለት ቅዳሴ: ክርስትና: ጸሎተፍትሓት: ቃልኪዳን: መንፈሳዊ ምኽርን ማዕዳን ወዘተ ንምርካብ ናብ ቀረባኹም ዘሎ ቤተክርስቲያን ብምኻድ ወይ ተሌፎን ብምድዋል ተወከሱ።
ሓገዝኩም አይፈለየና
ነታ ብብዙሕ መከራን ጸበባን ትሓልፍ ዘላ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ንምድሓን ጀሚርናዮ ዘለና ቅዱስ ዕላማ ዕዉት ንምግባር እጃምኩም ከተበርክቱ ብስም እግዚኣብሔር ንምሕጸን።
ገንዘባዊ ሓገዝ ክትገብሩ ምስ እትደልዩ ነዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ሕሳብ ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Swedish bank No: Bankgiro: 374-2806
International bank No:
SE078 0000 8420 292 4816 6036
Swift code: SWEDSESS
ኣብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ
/in ዜናን ሓበሬታን /by Father Afeworkiከምዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትናን ሓውናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምኽባር ሕጊ ብዝብል ጉልባብ ቅሉዕ መንነታዊ ጽንተት ካብ ዝጅመር ድሮ ሰለስተ ወርሒ ኣቕጺሩ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ካኣ ብቃላት ክግለጽ ዘይከኣል ከቢድ ሰብኣዊ ህልቂትን ንዋታዊ ዕንወትንኣኸቲሉን ገና ውን ይቕጽል ኣሎን። ስለ ዝኾነ ካኣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራትስካንዲናቪያን ፊንላንድን ነዚ ሰብኣውነት ዝጎደሉ ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ ህዝቢ ትግራይ ብትሪ እናኾነንና፣ ናብቶም ብዓጸቦ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ረድኤት ብህጹጽ ክበጽሕ፣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ኢሉ ዘተንዝርርብን ክጅመር፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ምቕታል ሲቪላውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ደው ንክብል ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝግብኦም ጻዕርታት ክገብሩ ጻውዒትና ነቕርብ።
መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2021 ዓ ም
/in ዜናን ሓበሬታን /by tcበስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!
ንኩልኹም ህዝቢ ክርስቲያን ብፍላይ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን፣ ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ንብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። ከምኡ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ልደት ጎይታና ዓመት መጸ ኣብ ቅነ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ እዩ ዝኽበር እሞ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናብ ጎርጎርዮሳዊ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ ም እውን እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።
ሰሙነ ሕማማት
/in ዜናን ሓበሬታን /by tcብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ህዝቢ ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቡ ክጽልን ክሰግድን ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝሎ ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ምእንቲ ክከታተሉን ክሰግዱን ኩሉ እቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ስግደትን መደብ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ። እቶም ዝከኣልኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩን ክትሰግዱን ብኣኽብሪት ንዕድም።
ንኮረና ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ
/in ዜናን ሓበሬታን /by tcዝኸበርኹም ህዝበ እግዚኣብሔር፡
ኣብ ዘዘለኹሞ ብደሓነ ሰላም ክትህልዉን ካብዚ ናይ ጾምን ሱባኤን ወቕቲ ካኣ መንፈሳዊ ዕቤትን በረኸትን ትረኽቡ ክትህልዉንጸሎትናን ትምኒትናን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና በዚ ተኸሲቱ ዘሎ CORONAVIRUS (COVID-19) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ ኣላ። ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ውን ሰብ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ንሕና ውን ከም ክርስቲያን ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት እጃምና ከነበርክትን ምትሕብባርና ከነርእን ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት ካብ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ሓበሬታ ብምውሳድን ምስ ካህናት ጉባኤ ብምግባርን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተግባራውያን ዝኾኑ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ ኣሎ።
መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2020 ዓ ም
/in ዜናን ሓበሬታን /by tc“ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ እሞ ኣይትፍርሁ” ሉቃ 2፡10።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!
ንኩልኹም ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትግልገሉ ብፍላይ ካኣ ኣብ ሽወደንን ኖርወይን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን እብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም እብል።