ምስጢረ ንስሓ

I.ትርጉም

ምእመናን ብምስጢረ ጥምቀት እኳ ዳግም ዝተወልዱ እንተኾኑ፡ ብምስጢረ ሜሮን ድማ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ እኳ እንተኾኑ፡ ኣይዕንቀፉን ወይ ሓጢኣት ኣይገብሩን ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብርሃም፡ ይስሃቅ፡ ያዕቆብ፡ ሙሴ፡ ዳዊት፡ ወዘተ ኣብ ብሉይ ኪዳን፡ ጴጥሮስ፡ ዮሃንስ፡ ወዘተ ድማ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ኩሎም ሓጢኣት ጌሮም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዝበደለ ሰብ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፡- ምስጢረ ንስሓ ተኣታተወ። ክርስቶስ ጐይታና ንደቀመዛሙርቱ፡ ነቶም ብስሙ ኣሚኖም ሓጢኣቶም ዝንስሑ ዘበሉ ሕድገት ክህቡ፡ ብዝሃቦም ስልጣን መሰረት ድማ እቲ ተነሳሒ፡ ብጸሎት እቲ ዘነስሕ ካህን: ሕድገት ሓጢኣት ይረክብ ምስ ኣምላኹ ድማ ዕርቂ ይገብር። እዚ ድማ ብፍላይ ቀቅድሚ ምቕባል ቅዱስ ቍርባን፡ ሰብ ርእሱ ክምርምርን ክንሳሕን ኣድላዪ ስለዝኾነ፡ ምስጢረ ንስሓ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኽበ። “ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። እቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘየለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን።” (1 ቈረ. 11: 28, 29)

II. እቲ ምስጢር ዝተጀመረሉ

እዚ ምስጢር እዚ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ግዜ ብዝተዛረቦ ቃል ተስፋ ተመስረተ።

  1. ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ ኢሉ ምስ መስከረ፡ ጐይታና ድማ “መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ” በሎ (ማቴ. 16:19) ።
  2. ንደቀመዛሙርቱ ድማ ከምዚ ኢሉ ቃል ተስፋ ሃቦም፡ “ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴ18:18)
  3. ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ንደቀመዛሙርቱ ተገሊጹ ከምዚ እናበለ ለኣኾም፡ “ሽዑ ኢየሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም አሎኹ፡ በሎም። እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም። (ዮሃ 20: 21-23)

III. እቲ ደጋዊ *(ኣፍኣዊ) ምልክት

ኣብዚ ምስጢር እዚ ክልተ ዝስምዑ፡ ደጋዊ ምልክታት ኣለው። ቀዳማይ፡ እቲ ተነሳሒ ነቲ ዘነስሖ ካህን ሓጢኣቱ ክናዘዝ ከሎ እዩ። ካልኣይ ድማ እቲ ካህን ነቲ ተነሳሒ ዘስምዖ ቃለ ምዕዳንን ዝህቦ ቀኖናን እዩ።

  1. እቲ ተነሳሒ ነቲ ዘነስሖ ካህን ሓጢኣቱ ክናዘዝ ከሎ እዩ። እዚ ምንዛዝ እዚ፡
    1. በቲ ዝተገብረ ሓጢኣት ብምሕዛንን “እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጻልኩም፡ ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሐርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ኺሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን” (ግብ 3:19) ብዝብል መሪሕ ኣገባብ ክትግበር ይግባእ።
    2. ናብቲ ሓጢኣት ንዘይምምላስ ምውሳን፡ እቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ቤት ኣቦኡ ምስ ተመልሰ፡ ብኡ ንብኡ እዩ ምሕረት ረኺቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ወዲ ተመሊሱ ናብቲ ጠፊኡሉ ዝነበረ ዓዲ ከምዘይምለስ፡ እቲ ኣቦ ርግጸኛ ስለዝነበረ እዩ።
    3. ሕድገት ሓጢኣትን ምሕረትን ካብ እግዚኣብሄር ዘርክብ እምነት ክህሉ የድሊ። ዝኾነ ምሕረትን ሕድገት ሓጢኣትን ደልዩ ኣብ ምድሪ ዝንሳሕ ዘበለ ሰብ፡ ብመጠን እቲ ባዕሉ ዝኣመኖ እምነት፡ ወይ ከአ ብውሑዱ ብእምነት ናይቶም ሒዞሞ ዝመጹ ሰባት “ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” ዝብል ርድኢት ንኽሓድሮ፡ እዚ ምስጢር እዚ ተሰርዐ።
    4. ሓጢኣትካ ንካህን ምንዛዝ፡ ዘድልየሉ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ እዩ፡ 
      – ብእኡ ኣቢልካ፡ ሕድገት ሓጢኣት ምእንቲ ክትረክብ
      – እቲ ተነሳሒ፡ ፈተነታት ክሰዕረሉ ዘኽእል ምኽርን መንፈሳዊ ብርታዐን ምእንቲ ክረክብ፡
  2. ንተነሳሒ ብካህን ዝዝረብ ቃለ ምዕዳን። ምስጢረ ንስሓ ማለት ፈውሲ መንፈሳዊ ሕማም ማለት እዩ።ካህን ድማ ነቲ ሕማም ንምፍዋስ ዘገልግል ሓኪም ማለት እዩ።

 
ስለዚ እምበኣን ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ከከም ጉዳዩ ብጥንቃቐ ክምርምር ይግብኦ። “ማህተመ ንስሓ” ማለት እቲ ተነሳሒ ነቲ ካህን ዝነግሮ ጉዳያት ብኸቢድ ምስጢር ክተሓዝ ከምዝግብኦ ክዝንጋዕ ዘይብሉ እዩ። እዚ ምስጢር እዚ፡ ሕድገት ዘይግበረሉ ዝለዓለ ምዕቃብ ዘድልዮ ልዑል ምስጢር እዩ። እዚ ድማ ብባህርያዊ፡ ሰማያውን መንፈሳውን ሕጊ ቅቡል ኮይኑ ብኹሉ ክሕሎን ክዕቀብን ዘድልዮ ምስጢር ድማ እዩ። እቲ ተነሳሒ ምስ ሞተ’ውን እንተኾነ፡ እቲ ምስጢር ክዕቀብ ይግብኦ። ከምዚ ክኸውን ዝድለየሉ ምኽንያት ድማ ግሉጽን ርዱእን እዩ። 

IV. እቲ ዘይርአ ጸጋ

እቶም በዚ ምስጢር እዚ ኣቢሎም ዝግሃዱ ዘይረኣዩ ጸጋታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ሕድገት ሓጢኣት
  2. ዕርቂ ምስ ኣምላኽ

V. ሕድገት ዝረክብ ሓጢኣት

  1. ዝኾነ ዓይነት ሓጢኣት፡ ዕብየቱ ብዘየገድስ፡ ብንስሓ ኣቢሉ ሕድገት ክረክብ ከምዝኽእል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና፡ እዚ ድማ እቲ ተነሳሒ ናብ እግዚአብሄር ክምለስ ሓሊኑ ብንስሓ እንተተመልሰ ማለት እዩ። “ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቔሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳ 1: 18)
  2. እግዚአብሄር ንኹሉ ክምሕርን ክቕበልን ድልው ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ይምህረና፡ “ኣቦይ ዚህበኒ ዘበለ ናባይ ኪመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ።” (ዮሃ6: 37) “እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።” (1 ጢሞ 2:4) እቲ ክልተ ዓበይቲ ሓጢ፡ኣት ዝፈጸመ ዳዊት ካብ እግዚአብሄር ምሕረት ረኺቡ እዩ። እቲ ብዘሕፍር ኣገባብ ን ጐይታና ኢየሱስ ሰለስተ ግዜ ዝኸሓዶ ጴጥሮስ፡ ምሕረት ረኺቡ እዩ። እታ ክትምንዝር ኢድ በኢድ ዝተታሕዘት ሰበይቲ ምሕረት ረኺባ እያ (ዮሃ 8:11) ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ መስቀል ዝሰቕልዎ ዝነበሩ ከይተረፈ ምሕረት ክረኽቡ ጸለየ።
  3. ኣብ ማቴ. 12:31 ከምዚ ዝብል ንረክብ “ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን።” እዚ ማለት እቶም ንናይ መንፈስ ቅዱስ ዕዮን ዝነጽጉን ዝቃወሙን ምሕረት ኣምላክ ከይቅበሉ ድማ ዝኣብዩን ምሕረት ኣይረኽቡን እዮም ማለት እዩ።

VI. ቅዱስ ቅጽዓት

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት እቲ ካህን፡ ቃል ተግሳጽ ክህብ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነት፡ እቲ ካህን ነቲ ተነሳሒ፡ ንገለ መዓልትታት ክጸውም፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብጸሎት ክተግህ፡ ካብ ገንዘቡ ንድኻታት ክህብ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ቅዱስ ቍርባን ክኽልከል፡ ወይ ካልእ ስርዓት ከትሕዝ ይኽእል እዩ ዝበሎ መቕጻዕቲ ክውስነሉ ይኽእል።

  1. እዚ ስልጣን እዚ ክርስቶስ ባዕሉ ንደቀመዛሙርቱ ዝሃቦም ስልጣን እዩ። ክፈትሑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክኣስሩ’ውን እዩ ስልጣን ሂብዎም (ማቴ. 16:19); ሓጢኣት ክሓድጉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ከይሓድጉውን እዩ ስልጣን ሂብዎም (ዮሃ20:23)
  2. ሃዋርያትውን ባዕሎም ተጠቂሞሙሉ እዮም፡ “እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። (1 ቈረ. 5:5) ነዞም ዝስዕቡ እውን ተመልከት2 ቈረ. 2: 6,7 ከምኡ’ውን 1 ጢሞ 5:20።
  3. እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ዘድልየሉ ምኽንያት ድማ፦
    1. እቲ ሓጢኣተኛ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምዃኑ ምእንቲ ክርዳእ
    2. በቲ ቅኑዕ ዝኾነ ንስሓ ተነሲሑ ምሕረት ምእንቲ ክረክብ፡ እቲ ኣብ ቈረንቶስ ሓጢኣት ዝገበረ እሞ ዝተቐጽዐ ሰብ ተነሲሑ እዩ። እታ ቤተክርስቲያን ክትቅበሎ ከምዝግባእ ድማ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ጸሓፈ፡ “ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ካብቶም ብዙሓት ዝረኽቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።” (2ቈረ. 2: 6,7)
    3. ካልኦት ተመሳሳሊ ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ክቝጠቡ ሓደው ምእንቲ ክፈርሁ ”ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኺፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም።” (1. ጢሞ. 5:20)
  4. ከምቲ ሓደ ሓኪም ነቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሃኒት ብጥንቃቐ ዝዕድሎም፡ ከምኡ ድማ እቲ ነዚ ምስጢር እዚ ክፍጽም ስልጣን ዝተዋህቦ አገልጋሊ፡ ኣዝዩ ጥንቁቕ ክኸውን ይግብኦ እዩ። ቅልል ንዝበለ ሕማም ከም ከቢድ ሕማም ወሲድካ ከቢድ መድሃኒት ኣይትእዝዘሉን ኢኻ። 
    “ከምቲ ንሕሙም ብጥንቃቐ ዝሕዝ ሕያዋይ ሓኪም ኩን። ነቲ ሓሚሙ ዘሎ፡ ገለ መድሃኒት ኣዚዝካ ኸተድሕኖ ጸዓር። ከቢድ መድሃኒት ዘይኮነስ ፍኹስ ዝበለ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ጌርካ ኸአ ፈውሶ። ነቲ በጺሕዎ ዘሎ ማህሰይትን ጉድኣትን አሊኻ፡ ብዘጸናንዕ ቃል ኣበርትዓዮ። እቲ ማህሰይቲ ከቢድ እንተኾይኑ፡ መዓገሲ ስቓይ ድዩ ካልእ ነቲ መስርሕ ዝሕግዘካ መድሃኒት ተጠቐም። ብተሃዋስያን ዝተበከለ እንተኾይኑ፡ ጸረ ተሃዋያንን መድሃኒትን ጌርካ፡ እዚ ማለት መግናሕቲ ኣብ ዘድሊ መግናሕቲ፡ ምጽንናዕን ምብርታዕን ኣብ ዘድሊ ግዜ ድማ ከምኡ ከከም ኩነታቱ ኣለሊኻ እቲ ዝግባእ ግበር። እቲ ኩነታት እናጸንከረን ለውጢ ዘየምጽእን እናኾነ እንተኸይዱ ድማ፡ ነቲ ዝንሳሕ ዘሎ ሰብ ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ኣዘኻኺርካ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ከምዝጸውም ክትእዝዞ ትኽእል። ዝኾነ መድሃኒት ክትረኽበሉ እንተዘይክኢልካ ግን ነቶም ክኢላታት ሓካይምን ሰብ ተሞኩሮን ኣካፍሎም። ፈጺሙ ዘይፍወስ እንተኾይኑ፡ ማለት ነቲ ዝለመዶ ሓጢኣት ክሓድግ ድሌት ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ ንኻልኦት ምእንቲ ከይልክም ንበይኑ ክፍለ ከምዘለዎ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ተቐላጢፍካ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ከምዘይግባእ ግን ከኣ ኣስተብህል።
    “ፍትሒ ዝጐደሎ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ካልእ እንተሕሊፍካ፡ እቲ ፍርዲ እቲ ናባኻ ተገልቢጡ ከምዝመጽእ ኣይትዘንግዕ። “ኣብ ልዕሊ ኩሎም ዓይነታት ሓጢኣት ሓደ ዓይነት ውሳነ ኣይተሕልፍ። ንነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ንዕኡ ዝመጣጠን ምኽርን ውሳነን ኢኻ ክትወስድ ዝግባእ። ብጸሎት ጥራይ ከተፋንዎም ዝግባእ ክህልው ይኽእሉ እዮም። ንገሊኦም ጾም ክጾሙ ከምዘለዎም ክትገብር ትኽእል። ንገሊኦም ከአ ከከምቲ ክብደት ሓጢኣት ብምርኣይ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ኣብ ሕብረት ቤተክርስቲያን ከይጽምበሩ ክትክልክሎምውን ትኽእል ኢኻ”(ዲድስቅልያ ምዕ.8)
  5. ቤተክርስቲያን ሮማ ግን እዞም መቕጻዕትታት እዚኦም ፍትሒ ኣምላኽ ንምቕላል ይሕግዙ እዮም ትብል እያ። እዚ ግን ብመሰረቱ ጌጋ እዩ፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብጀካ እቲ ንድሕነትና ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ እንተዘይኮይኑ ፍትሒ ኣምላኽ ከቃልል ዝኽእል ካልእ ምንም ነገር ስለዘየልቦ እዩ፡ (ሮሜ3:25; ቆሎሴ, 1:20; 1 ጴጥ 2:24 ወዘተ. )

VII. ነዚ ምስጢር እዚ ንምፍጻም ስልጣን ዘለዎ መን እዩ፧

እዚ ስልጣን እዚ፡ ከምቲ ልዕል ኢልና ዝረአናዮ ቅድም ንሃዋርያት እዩ ዝተዋህበ። ድሕሪኦም ድማ ነቶም ዝሰዓብዎም ጳጳሳት ተዋህበ፡ ድሕሪኦም ድማ ምስቶም ምስ ህዝቢ ቀጥታ ርክብ ዘለዎም ካህናት ተዋህበ።

ቀሺ ማርቆስ ዳውድ፡ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ዘኦርቶዶክስ
 ቤት ማሕተም ትንሳኤ ዘጉባኤ ኣዲስ ኣበባ ግንቦት 1952