ብዛዕባ ሃገረ ስብከት

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሃገረስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን   ስርዓትን እምነትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብምኽታል ነቶም ኣብ ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ዝነብሩ ምእመናን ዘገልግል ሃገረስብከት እዩ።

ኣብ ሽወደን ዝነበሩ ካህናት ኣቦታት ካብ 2012 ኣትሒዞም ነቶም ድሮ ተጠርኒፎም ዝነበሩ ምእመናን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ኮይኖም ኣገልግሎት ክህቡ ጸኒሖም እዮም። እቲ ኣገልግሎት እናሰፍሐን እናዓበየን ስለ ዝኸደ ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ  ምስ ናይ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ቅዱስ ሲኖዶስን ምስ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴወድሮስን ርክባትን ዝርርብን ክግበር ጸኒሑ እዩ። ዘድሊ ሰነዳት ድሕሪ ምጽፋፍ ብፈቓድ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፓትርያርክን ብሰናይ ፈቓድ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪርን  ነቶም ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ፊንላንድን ዝነብሩን ቀኖናዊ መንገዲ ዝኽተሉን ኤርትራውያን ምእመናን ንምጉሳይ ብ24 ጥቅምቲ 2015 ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ብወግዒ ተመስሪቱ።

ሃገረስብከትና ሕጋውን ቀኖናውን ስለ ዝኾነ ብኹለን ኣሕዋት ኣብያተክርስቲያን ይኹን በተን ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ዝርከባ ናይ ክርስቲያን ማሕበራት ዝበሃላ (Christian Council of Sweden) ቅቡልን ፍሉጥን እዩ። እዚ ማለት ካኣ ኣባላት ናይታ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ሓዋርያውያን ኣብያተ-ክርስቲያን ብምዃና ጥራይ ዘይኮነስ ንቀኖናዊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ  ስለ እንቕበል`ውን እዩ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዘለዋ ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስቲያን እያ። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ሃብታም ዝኾነ ሰማያዊ ኣምልኾን ስርዓተ-ጸሎትን መንፈሳዊ ዜማታትን ስርዓታትን ዘለዋ ሃዋርያዊት ቤተክርስቲያን እያ።

ሓጺር ታሪኽ ብዛዕባ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ታሪኽ ክርስትና  ካብቲ ዘመነ ሃዋርያት ዝበሃል ግዜ እዩ ዝጅምር። ኣቦና ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብቲ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሃዋርያት መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ምንባሮም ጠቒሱ ኣሎ። ብተወሳኺ ከም እኒ ቅዱስ ማቴዎስን ቅዱስ በርተለሜዎስን ኣብዚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ዘሎ ከባቢታት ወንጌል ከምዝሰበኹ ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ  ሳቅራጦስ ዝተባህለ ጸሓፊ ታሪኽ ይኹን ትውፊት ቤተክርስቲያን ሃገርና  ሰኒድዎ ይርከብ። ከምኡ እውን ኣብ መጀመርያ ክፍለ-ዘመን ኣብ ወደብ ኣዱሊስን ዓሰብን ዝሰፈሩ ናይ የመንን ናይ ሶርያን ክርስቲያን ንነበርቲ ናይቲ ከባቢ  ናብ ክርስትና የእትውዎም  ነበሩ።

እቲ ነዚ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበሃል ዘሎ ከባቢ ዝሐቖፈ ብንግስነት ኣኽሱም ዝፍለጥ ዝነበረ መንግስቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ቀደም ዘመን ፍሉጣትን ሓያላትን ዝበሃሉ ዝነበሩ መንግስታት  ሮማን ፋርስን  ቀጺሉ ፍሉጥ ዝነበረ ንግስነት እዩ። ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ዘመን ንጉስ ኤዛና ( 320-356 ቅ ክ) ካብ ንግስነት ኣርማንያን ጆርጅያን ቀጺሉ ንክርስትና ከም ብሄራዊ ሃይማኖት ዝተቐበለ ቀዳማይ ንግስነት እዩ። ቅድሚ ኩሎም ንግስነታት ኣብቲ ናይ ሳንቲም ገንዘብ ንመስቀል ከም ኣርማ ክጥቀም ዝጀመረ’ውን እዚ ናይ ኣኽሱም ንግስነት እዩ።   ኣብ ጢሮስ ዝተወልደን ሶርያዊ መበቆል ዘለዎን  ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ከም ቀዳማይ ጳጳስ ናይ ኣኽሱም ኮይኑ ከገልግል ብኢድ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ኣብ እስክንድርያ ተሸይሙ ዝመጸ ኣብ ዘመን ንጉስ ኤዛና እዩ። ቅዱስ ፍሬሚናጦስ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተዘዋወረ ብርሃን ወንጌል ብሰላም  ስለ ዝሰበኸ ኣባ ሰላማ (ኣቦ-ሰላም)  ከምኡ’ውን  ከሳቴ ብርሃን (ገላጺ-ብርሃን) ተባሂሉ ብዓቢ ክብሪ ይጽዋዕ እዩ።

መስርሕ ርእሰ ውሳኔ ( መስርሕ ምቋም መንበረ ፓትሪያርክ)

ኣብ ገማግም-ባሕሪ ናይዛ ሕጂ ኤርትራ ተባሂላ ትጽዋዕ ዘላ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ  ክርስቲያናት፡ በቲ ኣብ 7ይ ክ. ዘመን ዝተላዕለ ናይ ምስልምና ወራራት ክሽገሩ ጀመሩ። እቲ ከባቢ ኣብ 16 ክ.ዘመን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ቱርኪ ክሳብ ዝወድቕ ድማ ዘይምሉእ ነጻነት ሒዙ ቀጸለ። ኤርትራ ካብ 1890 ክሳብ 1941 ዓ.ም. ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጥልያን ኣተወት። ቀጺላ ካኣ ኣብ መግዛእቲ እንግሊዝ ወደቐት። ብድሕሪ እዚ ኣብ 1952 ዓ.ም. ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቖረነት። ኣብ 1962 ዓ.ም. ድማ እቲ ፈደረሽን ወዲቑ ከም ሓንቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣውራጃ ተቈጽረት። ብድሕሪ እዚ ኩሉ፣ እቲ  ንስለ ናጽነት ዝተገብረ ነዊሕ ውግእ ተወዲኡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ብምእዋጅ ናጽነት ኣብቅዐ።

ኣብ ሓምለ 1993 ናይ ኤርትራ ጳጳሳት፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ክትፍለን ርእሳ-ዝኸኣለት ቤተ-ክርስቲያን ክትከውንን ናብ ስድራ እተን ነናይ ባዕለን ርእሰ-ምሕደራ ዘለወን ካልኦት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስቲያናት ክትጽንበርን  ናብ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ሕቶ ኣቕረቡ። ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቅዱስ ሲኖዶስ ብወገኑ ነዚ ሕቶ ተቐቢሉ ብ28 መስከረም 1993 ዓ፣ም ንናይ ኤርትራ ቤተክርስቲያን መጻኢ ጳጳሳት ዝኾኑ  ክሳብ ዓሰርተ ዝኣኽሉ መነኮሳት ኣብ ናይ ግብጺ ገዳማት ክስልጥኑ ኣፍቀደ።­­­   

ብ19 ሰነ 1994 ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ሓሙሽተ ሓደስቲ ጳጳሳት ኣብ ካይሮ ግብጺ ቀብኡ። መስርሕ ምምስራት ርእሰ-ምሕደራ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ምስ ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያን ብምርድዳእ እዩ ተፈጺሙ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም 1993 ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያ ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ፊሊጶስን ሓቢሮም ክሰርሑ ብምርድዳእ፡ ናይ ክልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት ምፍላይ ተሰማምዑ። ኣብ የካቲት 1994 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ስምምዕ ፈረሙ። እቲ ዝተፈረመ ውዕል ናይ ከልቲአን ኣብያተ-ክርስቲያናት ማለት ናይ ኢትዮጵያ ቤተ-ክርስቲያንን ናይ ኤርትራ ቤተ-ክርስቲያንን ርእሰ-ምሕደራ ደጊሙ ዘርትዕን ከምኡ ውን ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘለዋ ኦርየንታል ኣብያተ-ክርስቲያናት ቀዳማይ ክብሪ ዘረጋግጽን እዩ። ድሕሪ ጽዑቕ ጸሎትን ኣብ መንጐ መራሕቲ ቤተ-ክርስቲያናት ዝተገብረ ምዝርራብን ኣብ ሚያዝያ 1998 ናይ ኣስመራ ጳጳስ ዝነበሩ   ኣቡነ ፍሊጶስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ናይ መጀመርያ ፓትርያርክ ኮይኖም ተመርጹ። ኣብ 8 ግንቦት 1998 ከኣ ኣብ ካይሮ ብናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ፓትርያርክ ማለት ብፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ተቐብኡ። ኣቡነ ፍሊጶስ ብባህርያዊ ሞት ኣብ ኣስመራ ኤርትራ ኣብ መበል 101 ዓመቶም ዓረፉ። ደሕሪ ሞት እዞም ቀዳማይ ፓትርያርክ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ 4 ታሕሳስ 2002 ኣቡነ ያዕቆብ ዝተባህሉ  ካልኣይ ፓትርያርክ ቀብአት። ኣቡነ ያዕቆብ`ውን ድሕሪ ዓመት ዓረፉ።   

ቅዱስነቶም ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን  3ይ ፓትርይራክ፡ 

pope-antioniosድሕሪ ሞት ኣቡነ ያዕቆብ ካልኣይ ፓትርያርክ፣ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምሉእ ድምጺ ቅዱስ ሲኖዶስ፤ ሳልሳይ ፓትርያርክ ናይ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ከገልግሉ ኣብ 2003 ተመርጹ። ከም ፓትርያርክ ምቕባኦምን ናብ መንበር ምድያቦምን ከኣ ብ23 ሚያዝያ 2004 ብናይ ኤርትራን ናይ ግብጽን ሜጥሮጶሊሳትን ጳጳሳትን ተሓጊዞም ብኢድ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ኣብ ኣስመራ ተፈጸመ። 

ብዛዕባ ምትእትታው መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ስክፍታታት ክዓቢ ጀመረ፡ ኣቡነ እንጦንዮስ`ውን ነዚ ምትእትታው ኣበርቲዖም ተቓወምዎ። ብፍላይ ከኣ ብወገን እቲ ኣብ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ናይ መንግስቲ ወኪል ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣቶ ዮፍታሔ ድሜጥሮስ ዝመጽእ ዝነበረ መምርሒታት ፈጺሞም ኣይተቐበልዎን።

ኣብ ጥሪ 2005 ናይ ፓትርያርክ ናይ በዓል ልደት መልእኽቲ ብመንገዲ ቴለቪዥን ኣይተቓልሐን። ናይ ኤርትራ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ 6-7 ነሓሴ 2005 ጉባኤ ገበሩ። ዕላማኡ ከኣ ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ዘለዎም  ኩሉ ናይ ምሕደራ ስልጣን ንምእላይ ነበረ። ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ጥራይ ቤተ-ክርስቲያን ከገልግሉ እምበር ኣብ ጉዳይ ምሕደራ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ግደ ከይህልዎም  ተኸልከሉ።  

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጀምርታ ንፓትርያርክ ከም ዝኣለዮም ኣይኣመነሉን።  ብኣንጻሩ ገለ ገለ ስርዓት ቤተክርስቲያን ይፍጽሙ ከም ዘለዉ እዩ ገሊጹ። እንተኾነ ግን ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ መንበሪኦም ኣብ ኣስመራ ከም ናይ ገዛ እሱር እንከለዉ፡ ገለ ልኡኻት ካብ ስልጣኖም ንምውራዶምን ንምትክኦምን ደገፍ ፖፕ ሽኖዳ ፫ይ ንክረኽቡ ብ25 ሓምሌ ናብ ግብጺ ተጓዕዙ። ይኹን እምበር ኣቡነ ሽኖዳ ነዚ ዘይስርዕታውን ዘይመንፈሳውን ኣካይዳ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ስለዘይተቐበልዎ ድማ ንኣመንቲ “ኣቡነ እንጦንዮስ ብብዙሕ መከራ ይሓልፉ ኣለዉ።ኣምላኽ ከድሕኖም ተስፋ ንገብር።” ብምባል ንኹሎም ምእመናን ስለ  ኣቡነ እንጦንዮስ ክጽልዩ ተማሕጸንዎም።

ኣብ 13 ጥሪ 2006 ናይ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስጢራዊ ጉባኤ ኣብ ኣስመራ ተኻየደ። ብወግዒ ከኣ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ካብ ስልጣኖም ኣለይዎም። ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብ ንኸይገብሩ ካኣ ኣብ ጽኑዕ ማሕዩር ኣተዉ። ኣብ 20 ጥሪ 2007 ክልተ ካህናት ብሰለስተ ናይ መንግስቲ ናይ ጸጥታ ኣባላት ተሰኒዮም ናብ ናይ ፓትርያርክ እንጦንዮስ መንበሪ ገዛ ብምእታው ብሓይሊ ልብሲ-ተክህኖኦም  ካብ ዝባኖም ቀንጢጦም ወሰድዎ።    
ብ27 ግንቦት 2007 ሕግን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን ብምግሃስ ንኣቡነ ዲዮስቆሮስ  ኣብ መንበር ኣደይቦም ብዘይ ሕጊ ፓትርያርክ ኢሎም ሰየምዎም። ሽዑ መዓልቲ ንጉሆ ከኣ ንብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሓይሊ ካብ መንበሪኦም ኣልዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ወሰድዎም። ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕማም ሽኮርያ ኣለዎ ብዛዕባ ጥዕናኦም ከኣ ሓፈሻዊ ስክፍታ ኣሎ።

ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስደት

ብሰንኪ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ኣዝዮም ብዙሓት ምእመናን ናብ ስደት ብፍላይ ካኣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ከምርሑ ጀመሩ። እዞም ናብ ስደት ዝመጹ መብዛሕታኦም መንእሰያት ስለ ዝኾኑ ካኣ ማሕበራውን ስነኣእምራውን ሓገዛት ብዓቢኡ ካኣ መንፈሳዊ ዝኾነ ደገፋት ዘድልዮም እዮም። ይኹን እምበር ዘይሕጋዊ ምውራድ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ንሓድነትን ተልኦኾን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስደት ውን ከቢድ ጽልዋ ኣሕደረላ። በዚ ዝተላዕለ እታ ቤተክርስቲያን ክትመቓቐልን እቶም ምእመናን ካኣ ጓሳ ከምዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ክብሉን ክፈላለዩን ጀመሩ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ስደትን ብዓለማውያንን ፍርሓት ኣምላኽ ብዘይብሎም ውልቀሰባትን ከም እትመሓደር ተገብረ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃብትን ንብረትን ቤተክርስቲያን ክዝመትን ክዓኑን ቤተክርስቲያን ኤርትራ ካኣ ርእሲ ዘይብላ ካብ ዓለም ተነጺላ  መጋበርያ ካልእ ዓለማዊ ዋኒናት ክትከውን ጀመረት።  

ንሕና እዞም ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እንርከብ ምእመናን ከኣ እቲ ቅኑዕ ኢልና ዝኣመነሉ፡ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ቀኖናን ሕግን ዘኽብር ጉዕዞ መረጽና። እዚ ካኣ ኣቡነ እንጦንዮስ ሕጋዊ ፓትርያርክ ምዃኖምን ምውራዶምን ብካልእ ምትካኦምን ከኣ ኣንጻር ሕግን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን ምዃኑን እዩ ። በዚ ቀኖናዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስቲያን ናይ ስካንዲናቪያን ጳጳስ ኣቡነ ኣባኪር ኴንና ኣገልግሎትና ንፍጽም ኣለና። ብቡራኬን ጸሎትን ብጹእ ኣቦና ኣቡነ ኣባኪር ሃገረስብከትና ዝተፈላለየ መንፈሳውን ንዋታውን መሳለጥያታት ብምድላው ነቲ ጓሳን ጠርናፍን ዝሰኣነ ህዝቢ ንምግልጋል ዓቢ ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ይርከብ።