ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን

ትንሳኤ ማለት ምትንሳእ ንላዕሊ ምዕራግ ማለት እዩ። ስለዚ ትንሳኤ ሙታን ማለት ሙታን  ብሓይሊ ኣምላኽ ካብ ምውታት ተፈሊኻ ናብ ናይ ዘለኣለም ቦታኻ ምኻድ ማለት እዩ። ትንሳኤ ሙታን ማለት እተን ተፈላልየን ዝጸንሓ ነብስን ስጋን ዳግማይ ተዋሃሂደን ናብ ትንሳኤ ሕይወት/ሞት ምኻድ እዩ።

ቦኹሪ ትንሳኤ ሙታን

ጋህዲ ትንሳኤ ሙታን እቲ ብኢድ ኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝተሰቕለ፥ ምማቱ ዝተረጋገጸን ኣብ መቕብር ድሕሪ ምእታዉ እውን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ መቓብር ክፈቱለይ፥ መግነዝ ፍትሑለይ ከይበለ ካብ ሙታን ብሓይሊ ንሞት ስዒሩ ዝተንስአ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ናይ ትንሳኤ ሙታን ቦኹርን ኣግሃድን እዩ። ብትንሳኤኡ እውን ተስፋ ትንሳኤና ዘበሰረ(ዘተስፈወ) እዩ። 1ይቆሮ15:20-24 ። ዮሃ 10:14-18 ። ዮሃ 19:1-30 ። ማቴ 27:47-53 ።

ናይ ትንሳኤ ሙታን ጥቕምን ኣድላይነትን

ካብቶም ብኣምላኽ ዝተፈጥሩ 22 ስነ ፍጥረታት ናይ ትንሳኤ በዓል ቤት ሰብ ጥራይ እዩ።ብዘይካ መላእኽቲ ኩሎም መወቲ እዮም ተፈጢሮም። ሰብ ግን ክፍጠር እንከሎ መዋቲ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ሓጢኣት ምስ ፈጸመ ዓስቢ ሓጢኣት እውን ሞት ስለ ዝኾነ ሞት ናብ ደቂ ሰባት ኣተወ። ብድሕሪ እዚ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቕሩ ኣብ ክንዲ ደቂ ሰባት መቕጻዕቲ ሞት ተቐጽዐ። ኣብ ክንዳና እውን ሞተ እሞ ንሞት ብሞቱ ሰዓሮ። ኩልና እውን ብሞቱ ትንሳኤ ረኸብና። ንወዲ ሰብ እውን ናብቲ ናይ ቀደም ባህሪኡ ማለት ናብ ዘይመዋቲ መለሶ። ስለዚ ናይ ትንሳኤ ሙታን ኣድላይነት ንሕና ናብ ናይ ቀደም ባህርና ክንምለስ ስለ ዘድልየና እዩ። ትንሳኤ ሙታን እንተዘይህሉ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ፍጥረታት ሓንሳእ ምስ ሞትና ብኡኡ ሜትና ምተረፍና። ከምቶም ምስ ምሕላፍ ዓለም ዝሓልፉ ፍጥረታት ምኾና ኔርና። ሕጂ ግን ክብርን ምስጋናን ነቲ ዳግማይ ህይወት ዝዓደለና ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይኹን። ንዘልኣለም ነበርቲ ዘይመወቲ ኢና። 1ይ ተሰ 3:1 ። ዳን 12:2 ።

ናይ ሙታን ምትንሳእ ከመይ እዩ ?

  • ዝሞትካ ተንስእ ዝብል ኣዋጅ ብሓለቓ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤል ክእወጅ እዩ።1ይ ተሰ 4:6 ።
  • ናይ መጀመርያ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣራዊት ዝበልዖ፥ ነፍሱ ዝተፈልየት ዝጠፍአ ዝደቐቐ ኹሉ ኣብታ ነፍሱ ዝተፈላለየትላ ቦታ ክእከብ እዩ። ያዕቆብ ዘስሩግ ቁ 9:10 ።
  • ካልኣይ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ኣዕጽምትን ስጋን ተወሃሂዶም ከይተንቀሳቐሱ ውዑይ ሬሳ ክኾኑ እዮም። ኣዕጽምቲ፥ ጅማውቲ ምስ ስጋን ደምን ክተሓሓዙ እዮም። ኽሳዕ ዝትንስኡ ኸኣ ብዘይ ምንቅስቓስ ፍጹም ሬሳ ክኾኑ እዮም።
  • ሳልሳይ ነጋሪት ምስ ተሃርመ ደቒ ሰባት ካብ ኣካሎም ሓንቲ ከይጎደለት ወዲ ተባዕታይ  ወዲ ሰላሳ ዓመት መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጎርዞ ኮይና ጽቡቕን ሕማቕን ዝሰርሕዎ ግብሪ ሒዞም ክትንስኡ እዮም። ካብኡ ቐጺሉ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝበሎ ኣባጊዕ ብየማኑ ኣጣል ኸኣ ብጸጋሙ ከቑም እዩ። ማቴ 25:31-46

ትንሳኤ ሙታን መዓስ እዩ? ናይ ጎይታ ኣመጻጽኣኸ ከመይ እዩ?

  • ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸሉ ግዜን ዘመንን ኣይፍለጥን እዩ። ማቴ 24:44 ። እታ ዕለት ግን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንስኣላ ዕለተ ሰንበት እያ።
  • ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክመጽእ እንከሎ ብሓይልን ብግርማን ምስ ኣእላፍ መላእኽቱ እዩ ክመጽእ። ማቴ 24:31 ። ራኢ 1:7 ። ኣመጻጽኣኡ ግን ከምቲ ናይ ቅድም ወዲ ዮሴፍ ተባሂሉ ካብ ኣይሁድ መከራ ንኽቕበልን መስቀል ንኽስከምን ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኣብ ልዕሊ ሕያዋንን ሙታንን ንክፈርድ እዩ።

መጠቓለሊ

  • ሕያዋን ፥ ዝበሃሉ ጻድቃን እዮም። ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ህያዋን ዘብሎም ግብሪ ስለ ዝገበሩ እዩ።
  • ሙታን ፥ ዝበሃሉ ሓጣን እዮም። ሓጥኣን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምዉታት ዘብሎም ግብሪ ስለ ዝገበሩ እዩ።
  • ብትንሳኤ ሙታን ናይ ጻድቃን ዋጋ ብኸንቱ ኣይተርፍን። ሓጥኣን እውን ናይ ዝሰርሕዎ ዓስቢ ከይተቐበሉ ኣይተርፉን እዮም። ራኢ 22:12 ። ኣብ ትንሳኤ ሙታን ጻድቃንን ሓጥኣንን ብጌጋ ኣይተሓዋወሱን እዮም።
  • ብትንሳኤ ሙታን ዘለኣለማዊ ፍርዲ ንቕበል። ራኢ 17 ። ማቴ 25:31 ። ራኢ 20:12 ። ዳን 12:2።
  • ዘፍ 1:26 ።1ይ ቆሮ 15:6 ። ያዕ 2፡26 ። 1ይ ጴጥ 3:19 ። ግብ 7:59 ። ዘፍ 35:16 ። ኢዮብ 7:9 ። 2ይ ተሰ 2:4 ። ኢዮብ 14:12 ። ማቴ 10:28 ። ዮሃ 12:32 ።

ምንጪ

  • ኮክሃ ሃይማኖት
  • ነገረ ሃይማኖት
  • ሃይማኖተ ኣበው