ምስጢረ ቍርባን

ቁርባን ማለት ቃል ብቓሉ መንፈሳዊ ህያብ፥ ንኣምላኽ ዝወሃብ ውህብቶ፥ ሞባእ፥ ዝውፈ ገንዘብ  ማለት እዩ።

ምስጢረ ቁርባን ማለት ካህን ነቲ ሕብስቲ ኣብ ጻሕሊ ነቲ ወይኒ እውን ኣብ ጽዋእ ኣንቢሩ ጸሎት ቁርባን ኣብ ዝገብረሉ ግዜ እቲ ሕብስቲ ስጋ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ እቲ ወይኒ እውን ደም  ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ይኸውን እሞ ንሕና እውን ዘለኣለማዊ ህይወት ንምርካብ ነዚ ስጋን ደምን እንቕበለሉ ዓቢ ምስጢር እዩ።

ኣመሰራርታ ቅዱስ ቁርባን

ቅዱስ ቁርባን ዝተጀመረሉ ደቂ ሰባት ኣብ ሓጢኣት ካብ ዝወደቑሉ ግዜ ጀሚሩ እዩ። ዘፍ 4:3-4 ። ነገር ግን መስዋእቲ ኦሪት ሓሊፉ ብመስዋእቲ ሓዲስ ስለ ዝተተክአ ንድሕነት ነፍሳት ዝተሰርዐ ቅዱስ ቁርባን ዝተጀመረሉ ግን ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ሓሙስ ምሽት ኣብ ቤት ኣልኣዛር ድሕሪ መግቢ በሊዖም ምውደኦም ሕብስቲ ባሪኹ ቆሪሱ እዚ ስጋይ እዩ ብልዑ ጽዋእ ኣልዒሉ ውን ኣመስገነ እዚ ምእንቲ ብዙሓትንሕድገት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ማቴ 26:26-29 ።

ናይ ቅዱስ ቁርባን ኣገልግሎትን፥ ጥቕምን

  • ብምስጢረ ቑርባን ዘለኣለማዊ ሕይወት ንረክብ። ዮሃ 6:54 ።
  • ከምቲ ጨንፈር ካብ ጉንዱ ተፈልዩ ክነብር ዘይኽእል። ንሕና ክርስትያን እውን ካብቲ ጉንዲ ህይወትና ዝኾነ እየሱስ ክርስቶስ ከም ዘይተፈለናን፥ ብህይወት  ምህላውናን፥ ንሓጢኣት ዘይምግዛእናን እነረጋግጸሉ እዩ። ዮሃ 6:54 ። ነቲ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ዝተቖርሰ ስግኡን ዝፈሰሰ ደሙን ከኣ ንቕበል።

ብመንፈሳዊ ጥበብ እንዓብየሉ፥ ብጸጋ እንብልጽገሉን መንፈሳዊ ምግቢ ንምርካብ ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ዮሃ 6:35-55

  • ስርየት ሓጢኣትና ንኽንረክብ  ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ማቴ 26:27
  • ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና መታን ክነብር ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። ዮሃ 6:35 ።
  • ምስ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ዘለና ሓድነትን ምስ ቕዱሳን ዘለና ሕብረትን ንኸነረጋግጽ ቅዱስ ቁርባን ንቕበል። 1ይ ቆሮ 10:17 ።

መጠቓለሊ

ቅዱስ ቁርባን መዘከርታ ወይ እውን ምሳሌ ዘይኮነስ ኣማናዊ ሓቀኛ ምእንታና ዝተቖርሰን ዝፈሰሰን ስጋን ደምን እዩ። ማቴ 26:26-29 ። ዮሃ 6:51 ። 1ይ ቆሮ 11:23-24 ። ንመዘከርታይ ግበርዎ ክብል ከሎ ግን መከራይን ሕማመይን እናዘከርኩም፥ ኣሚንኩም ተቐበልዎ ማለት እዩ።
ቅዱስ ቁርባን ከም ምስጢረ ጥምቀት ሓንሳእ ጥራይ ተቀቢልና ስቕ ክንብል ኣይፍቀድን። ብተደጋጋሚ ኩሉ ግዜ ክንቅበሎ ይግባእ። ”ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ነቲ መንፈሳዊ እንጌራ ቅዱስ ቁርባን  ዕለታዊ ሃበና ማለት እዩ።
ማር 14:22-26 ። ዮሃ 6:47-57 ። መዝ 22:5 ። መዝ 39:6 ። ሉቃ 22:14-26 ። 1ይ ቆሮ 11:23-30 ። ኢሳ 6:6-7 ።