ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ን ንዘይሕጋዊ ምእሳር ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ኣመልኪቱ ርክባት ኣካይዱ፡፡

1

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተዘራሪቦም 

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተክርስቲያን ኣመልኪቶም ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝርርብ ኣካይዶም። 
እዚ መንፈሳዊ ርክብ : ብዕለት 23-07-2018 ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጲያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ፣ ከም ዝተኻየደ እቲ ድሒሩ ዝመጸና ጸብጻብ የብርህ። ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ካኣ ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ 3ይ ፓትርያርክ ዘሃገረኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣባታዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስ ልዑል ጻዕሪ ክገብሩን ተላብዮም። 
ቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ብወገኖም ጉዳይ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣቦና ኣዝዩ ከም ዘጉሃዮምን ከም ዘሕዘኖምን ብምግላጽ ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ይጽንሓለይ ክበሃል ዘይግብኦ ጉዳይ ሙዃኑ ብምስማር ፡ ብወገኖም ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብሩ ፡ ብምግላጽ ኩሉ ግዜ ውን ኣብ ጸሎት ከም ዝዝክርዎም ገሊጾም ። ብተወሳኺ ውን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሃገርስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ዝገብሮ ዘሎ ኣገልግሎትን ጻዕርን ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታትን ብምንኣድ ካብዚ ንላዕሊ ኣበርቲዑ ንኽሰርሕ ካኣ ተላብዮም። 

ብምቅጻል ኣቦና ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ምስ ኣመሓደርትን መምህራንን ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቅድስት ስላሴ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ስነመለኮት ዩኒቨርስቲን፣ ምስ ምክትል ኣመሓዳሪ ሳዋስወብርሃን ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣብነት ቤት ትምህርትን ብምርኻብ ኣብ ስርዓተትምህርቲ ዘተኮረ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
እዚ ድማ ምስ እዚ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ቅዱስ እግናጥዮስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ መጻኢ ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ምፍራይ 
ከመይ ጌርካ ሓቢርካ ክስራሕ ይከኣልን ኣብ ዝብል ብዙሕ ተመያይጦም፡፡ እዚ ርክብ እዚ ንዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ ፡ ኣብ መጻኢ ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ ርክባት ቀጻሊ ከም ዝኸውን ተሰማሚዖም ። 

ሃገረስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ኣብ ሃገረ ሽወደን ምስ ዝርከብ መንፈሳዊ ኮለጅ ቅዱስ እግናጢዮስ ብምትሕብባር ኩሉ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ማለት ካብ ግብረ ዲቁና ክሳብ ኣቋቋምን ካልእን ኣብዚ ኣብ ሽወደን ንኽወሃብ መደባቱ ኣጻፊፉ ከምዝወድአን ድሮ ውን ተመሃሮ ጀሚሮም ከምዘለዉን ይፍለጥ ።

ከም ዝፍለጥ ልኡኻት ናይዚ ሃገረስብከት ብጉዳይ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጹኣን ጳጳሳትን ከምኡ ውን ምስ ናይ ሶርያ ቤተክርስቲያን ብጹኣን ጳጳሳት ርክብ ከም ዝተኻየደ ይዝከር ፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኣሕዋት ኣብያተክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ርክብ እዩ።

እግዚኣብሔር ንህዝብና ቅሳነት፣ ንቤተክርስቲያና ካኣ ሰላም ይሃብ፡፡

+ ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ +

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

06/12/ 2018 ሽወደን