Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ን ንዘይሕጋዊ ምእሳር ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ኣመልኪቱ ርክባት ኣካይዱ፡፡

1

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ተዘራሪቦም 

ኣቦ መንበር ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ቤተክርስቲያን ኣመልኪቶም ምስ ርእሰሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝርርብ ኣካይዶም። 
እዚ መንፈሳዊ ርክብ : ብዕለት 23-07-2018 ኮይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርእሰ ከተማ ኢትዮጲያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያሪክ፣ ከም ዝተኻየደ እቲ ድሒሩ ዝመጸና ጸብጻብ የብርህ። ኣብቲ ዝተገብረ ዝርርብ ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ካኣ ኣብ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ 3ይ ፓትርያርክ ዘሃገረኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣባታዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡን ቅዱስ ፓትርያርክ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስ ልዑል ጻዕሪ ክገብሩን ተላብዮም። 
ቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፣ ብወገኖም ጉዳይ ቅዱስ እንጠንዮስ ኣቦና ኣዝዩ ከም ዘጉሃዮምን ከም ዘሕዘኖምን ብምግላጽ ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ይጽንሓለይ ክበሃል ዘይግብኦ ጉዳይ ሙዃኑ ብምስማር ፡ ብወገኖም ዝከኣሎም ዘበለ ኩሉ ከም ዝገብሩ ፡ ብምግላጽ ኩሉ ግዜ ውን ኣብ ጸሎት ከም ዝዝክርዎም ገሊጾም ። ብተወሳኺ ውን ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ሃገርስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ዝገብሮ ዘሎ ኣገልግሎትን ጻዕርን ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታትን ብምንኣድ ካብዚ ንላዕሊ ኣበርቲዑ ንኽሰርሕ ካኣ ተላብዮም። 

ብምቅጻል ኣቦና ሊቀካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ምስ ኣመሓደርትን መምህራንን ናይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቅድስት ስላሴ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ስነመለኮት ዩኒቨርስቲን፣ ምስ ምክትል ኣመሓዳሪ ሳዋስወብርሃን ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ኣብነት ቤት ትምህርትን ብምርኻብ ኣብ ስርዓተትምህርቲ ዘተኮረ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
እዚ ድማ ምስ እዚ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ቅዱስ እግናጥዮስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ናይ መጻኢ ካህናትን ዲያቆናትን ኣብ ምፍራይ 
ከመይ ጌርካ ሓቢርካ ክስራሕ ይከኣልን ኣብ ዝብል ብዙሕ ተመያይጦም፡፡ እዚ ርክብ እዚ ንዕቤት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ክሳብ ዝኾነ ፡ ኣብ መጻኢ ስፍሕ ብዝበለ መንገዲ ርክባት ቀጻሊ ከም ዝኸውን ተሰማሚዖም ። 

ሃገረስብከት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን ኣብ ሃገረ ሽወደን ምስ ዝርከብ መንፈሳዊ ኮለጅ ቅዱስ እግናጢዮስ ብምትሕብባር ኩሉ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ማለት ካብ ግብረ ዲቁና ክሳብ ኣቋቋምን ካልእን ኣብዚ ኣብ ሽወደን ንኽወሃብ መደባቱ ኣጻፊፉ ከምዝወድአን ድሮ ውን ተመሃሮ ጀሚሮም ከምዘለዉን ይፍለጥ ።

ከም ዝፍለጥ ልኡኻት ናይዚ ሃገረስብከት ብጉዳይ ቤተክርስቲያን ኣብ ዝሓለፈ ጊዜ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎድሮስን ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ብጹኣን ጳጳሳትን ከምኡ ውን ምስ ናይ ሶርያ ቤተክርስቲያን ብጹኣን ጳጳሳት ርክብ ከም ዝተኻየደ ይዝከር ፡፡ እዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ እዚ ድማ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኣሕዋት ኣብያተክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ርክብ እዩ።

እግዚኣብሔር ንህዝብና ቅሳነት፣ ንቤተክርስቲያና ካኣ ሰላም ይሃብ፡፡

+ ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ +

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን

06/12/ 2018 ሽወደን

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/1.jpg 960 720 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2018-12-07 10:01:332018-12-07 10:01:33ሃገረ ስብከት ስካንደንቪያን ንዕቤት ቤተ ክርስቲያንን ን ንዘይሕጋዊ ምእሳር ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስን ኣመልኪቱ ርክባት ኣካይዱ፡፡
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል Link to: ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል Link to: ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት’ዶ ፡ ንዕንወት? Link to: ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት’ዶ ፡ ንዕንወት? ዋዕላ ኣይሁድ ንዕብየት’ዶ ፡ ንዕንወት?
Scroll to top Scroll to top Scroll to top