ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ  ተካይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ብቐዳም ዕለት 25/02/2023 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስላሤ ያቭለ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ኩለን ኣብያተክርስቲያንን ማሕበራትን ተወኪሎም ዝመጹ ልዕሊ ሰብዓ ዝኣኽሉ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ተሳቲፎም ውዒሎም።

ኣብቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመት ናይ ስራሕ ዘመንን ናይ መጻኢ መደባትን ዝድህስስ ሓፈሻዊ መብርሂ ቀሪቡ። ቀጺሉ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ዘጋጥሙ ጸገማትን ፈተናታትን መንቀሊም ካበይ ከምዝብገስን ብኸመይ ክንከላኸሎም ከም እንኽእልን ኣብ ዝብል ሰፊሕ ተንተና ዘለዎ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀሪቡ።

ኣብ መወዳእታ ተጋባእቲ ነቲ ዝሓለፈ ብምግምጋምን ሰፊሕ ዘተ ብምክያድን  ንመጻኢ ክኽይዱና ዝኽእሉ ውሳኔታት ብምሕላፍ ጉባኤኦም  ብሰላም ዛዚሞም። ተሳተፍቲ ጉባኤ ቤ/ን ቅድስቲ ስላሤ ያቭለ ንዝገበሩሎም ኣቀባብላን እንግዶትን ምስጋና ኣቕሪቦም።