መግቢ ካብ ሰማይ ማይ ድማ ካብ ከውሒ (እምኒ)

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ዘድሊየና ዘበለ ድማ ይቕርበልና

 

መዘኻከሪ ጥቕሲ

“ኣምላኽ ናተይ ረዳኢየይ ኢዩ ኣይፈርሕን እየ” ዕብ. 13:6

 

ዘዳ.16:1-18, ምሳ. 20:1-13

 

ኣቐድም ኣቢሎም ዝተማህርዎ ትምህርቲ ኣርእዮም። ነቶም ቆሉዑት ከምዚ ኢልካ ሕተቶም፦ ዝኾነ ነገር ምስ እንደሊ ንመን ክንሓቶ ይግበኣና? መን እዩ ኩሉ ዘድልየና ዘበለ ነገር ዘማልኣልና ወይ ድማ ዝህበና?

 

ትምህርቲ

 

ቅድሚ ነዊሕ ግዜ ንኣምላኽ ዝፈትዉ ሕዝቢ ኣብ ግብጺ ዝተብሃለ ዓዲ ይነብሩ ነበሩ። እቲ ንጉስ ናይቲ ዓዲ ከቢድን ኣሸጋርን ስራሕ የስርሖም ነበረ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ሕዝቢ ከምዚ በሎም፦ ሓድሽ መሬት ክህበኩም እየ ኣቡኡ ድማ ጽቡቕ ክትነብሩ ኢኹም። ናብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ድማ ንኽኸዱ ሙሴ ይመርሖም ነበረ። እቶም ሕዝቢ ድማ ናብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ንኽበጽሑ ቡዙሕ , ቡዙሕ ምዕልትታትን ኣዋርሕን 40 ዓመትን ወሰደሎም። ቁሩብ መዓልቲ ምስ ተጎዓዙ ድማ እቲ ሒዞሞ ዝነበሩ መግብታት ኩሉ ተወደአ። ሽዑኡ እንታይ ክንበልዕ ኢና ኢሎም ክጭነቑ ጀሚሮም።ን ሙሴ ድማ መግቢ ወዲኢና እንታይ ክንበልዕ ኢና በልዎ። ኣምላኽ ግን ንሳቶም ክጠሚዩ ኣይገደፎምን። ኣምላኽ ንሙሴ መግቢ ካብ ሰማይ ከም ዘውርደሎም ነገሮ።

 

ንጽባሒቱ ንግሆ ምስ ተንስኡ እንታይ ርእዮም ትፈልጡ? ደቀቕቲ ጻዓዲት ነገር ካብ ሰማይ ይወርዱ ኔሮም። ሽዑ ሻሓኒ ኣምጺኦም ብዙሕ ኣከቡ። ከም ባኒ ጌሮም ሰሪሖም በልዕዎ። ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዓይነት መግቢ ወላ ሓደ ሰብ ሪኢዩ ኣይፈልጥን እዩ። ብጣዕሚ ተሓጉሶምን ተደኒቖምን ድማ። ነዚ ካብ ሰማይ ዝወረደ መግቢ ድማ “ማና” ኢሎም ሽም ኣውጽኡሉ። ማና ልክዕ ከም ናይ መዓር ጥዑም ዝኾነ መቐረት ኣለዎ። ካብሽዑ መዓልቲ ኣትሒዙ ኣምላኽ ነቶም ሕዝቢ ኣብ መንገዶም ነዚ መግቢ ካብ ሰማይ ይህቦም ነበረ። ማይ ምስ ጸምኡ ድማ ንሙሴ ነገርዎ። ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ማይ ክህቦም ጸሎት ጸለየ። ኣምላኽ ድማ ካብ እምኒ (ከውሒ) ማይ ኣፍሊቑ ወይ ድማ ኣውጺኡ ማይ ሃቦም። ንሳቶም ድማ ስጋብ ዝጸግቡ ሰተዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዝህቦም ዓዲ ስጋብ ዝበጽሑ ኣምላኽ ዘድሊዮም ዘበለ ኩሉ ነገር ይህቦም ነበረ። ምኽንያቱ ኣብ በረኻ እዮም ዝጎዓዙ ዝነበሩ። ኣብ በረኻ ወላሓደ ነገር ክገዝኡ ኣይክእሉን ኢዮም ኔሮም። ኣምላኽ ይሕግዞም ኔሩ ንሱ ንሳቶም ክፈርሑ ስለዘይደሊ ኩሉ ግዜ ምሰኣቶ እዩ ኔሩ።

 

መደምደምታ

 

ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይሕግዘናን ኩሉ ዘድሊየና ዘበለ ይገብረልናን እዩ። ፈጺምና ክንፈርሕን ክንጭነቕን ኣይግበኣናን እዩ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ኣቦና ከምዝኾነ ስለንፈልጥ። ንሱ ነዓና የፍቅረና: ይረድኣና: ይሕልወናን ኩሉ ዘድሊየና ዘበለ ይህበናን እዩ። ስለዚ ግዴታ ነቲ ኩሉ ዝገበረልና ነገር ተመስገን ምባል ክንርስዕ የብልናን።