ብኹሉ ነገር ኣመስገንቲ ንኹን

ኣብ ናይ ምስጋና ህይወት ዝነብር ሰብ ዝተገብረሉ ነገርን ንዝተፈጸመሉ ኩሉ  ጽቡቕ ተግባርን ዘይርስዕ ነዚ ኹሉ ድማ ብምስጋና ዝገልጽ መስተውዓልን በሊሕን ሰብ እዩ። ንእግዚኣብሔርን ንሰባትን ዘቕርቦ ምስጋና ኣብ ናይ ልቡ ጽላት ተጻሒፉ ዝተቐመጠ ስለዝኾነ ምስጋና ካብ ኣፉ ጠፉኡ ኣይፈልጥን እዩ።

pope-shinodaኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ዘንጽሆም ዓሰርተ ለምጻማት ንሓደ ካበኣቶም ባሪኽዎ እዩ። ካብኣቶም ሓደ ከም ዝተፈወሰ ምስ ረኣየ “ ብዓቢይ ድምጺ ንእግዚኣብሔር እንዳመስገነ ተመልሰ እንዳመስገኖ ድማ ኣብ እግሩ ወዲቑ ብግንባሩ ተደፈአ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ እቶም ዝነጽሁ ዓሰርተ’ዶ ይኮኑን᎓ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፥ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰ’ዶ የልቦን?” በሎም(ሉቃ፣ 17-18)። ስለዚ ንዝተገብረልካ ነገር ምስጋና ከተቕርብ ኮለኻ ንእግዚኣብሔር እንዳኽበርካ ንዓኻ ዘሃበካ ፍቕሩን ትሕትንኡን እንዳገለጽካ ምኳንካ ተረዳእ። እግዚኣብሔር ብዝኾነ ሰብ መኽንያት ጌሩ ሓደ ጽቡቕ ነገር ምስ ገበረልካ ድሕሪ ንእግዚኣብሔር ምምስጋንካ ብተወሳኺ ነቲ ጽቡቕ ነገር ንኽትቕበል ምኽንያት ዝኾነካ ሰብ’ውን ምስጋና ሃቦ።

ብዙሓት ሰባት ንጉሆን ምሸትን: ኣብ ዓበይቲ በዓላትን:, ኣብ ህይወቶም ብዘጋጥሞም ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ነገራትን ጥራይ ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ። እንተኾነ ግን ምስጋና ናቱ ዝኾኑ ባህሪያት ኣለዉዎ። እቲ ቀንድን ቀዳማይን ባህርያት ድማ <ኩሉ ግዜ ስለ ኹሉ ኣመስግኑ> /ኤፌ.5፣20/ ዝብል ናይ ሃዋሪያ ቃል መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣመስግኑ፥ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ከነቕርብ ኮለና ኣብ ፍሉይ ግዜን እዋናትን ዘይኮነስ << ኩሉ ግዜ>> ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ግዜ ዝብል ቃል ንምሉእ ናይ ህይወት ዘመን የጠቓልል ምኻኑ ንምርድኡ ኣሸጋሪ ኣይመስለንን። ምሉእ ዘመን ህይወትና ከነመስግን ከምዝግብኣና ዘረድእ ተወሳኺ  ትምህርቲ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝተጻሕፈት ቀዳመይቲ መልእኽቲ እውን ተገሊጹ ኣሎ << ኩሉ ግዜ ደስ ይበልኩም ከየቋረጽኩም ጸልዩ ብኹሉ ኣመስገንቲ ኩኑ >> (1ይ ተሰሎ 5፣ 16-18)።  

ብመሰረት’ዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ ምስጋና ጸሎት ካብ ኩሉ ዓይነታት ጸሎት እቲ ዝበለጸን ንኹሉ ጸሎታት ዝመርሕን ከምዝኾነ የረድኣካ። ናይ ለይትን ናይ ንግሆን ጸሎታት ይኹኑ ኩሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትን ስርዓትን  ብናይ ምስጋና ጸሎት እዮም ዝጅምሩ። ንእግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ማለት ንግሆ: ቀትር: ምሸት ነመስግኖ ኢና።

  • ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓት ጸሎት <<ኦ… ዘለኣለማዊ ንጉስ ለይትና ብሰላም ኣሕሊፍካ ረፍድና ባሪኽካ ስለ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣሎና>> ንብሎ። ንለይቲ ብሰላም ሓሊዩ ብህይወት ኣጽኒሑ ነቲ ሓዲሽ መዓልቲ ስለ ዘረከበና’ውን ነመስግኖ።
  • ኣብ መበል ሳልሳይ ሰዓት ጸሎትና << ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብዛ ኣብ ልዕሊ ደቂ መዛሙርትኻን  ክቡራት ሃዋሪያትካን ልሳናት ሓዊ ብዝመስል ቅዱስ መንፈስካ ዘፍሰሰካላ  ቅድስቲ ሰዓት ንጸሎት ስለ ዘለዓዓልካና ነመስግነካ>> ንብል።
  • ኣብ መበል ሻድሻይ ሰዓት << ኣቦ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኦ.. ኣቦ ሓያል ንጉስና ነመስግነካ፣ እታ ሓደ ወድኻ መከራ ዝተቐበለላ ሰዓት፣ ናይ ጸሎትን ናይ ዕረፍቲን ሰዓት ስለዝገበርካልና  ነመስግነካ>> እንብሎ።

ንእግዚኣብሔር ብሰላም ንዝሓለፈት ንነፍሲ ወከፍ ሰዓት ነመስግኖ። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ኣብ መጀመርታ ኮነ ኣብ ዝተወሰኑ ግዜያት ከየቋረጽካ  ዝወሃብ ምስጋና እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣመስገንቲ ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።

ምንጪ፦ ኣቡነ ሽኖዳ Life of Thanksgviving ካብ ዝብል መጽሓፎም

{flike}