Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ብኹሉ ነገር ኣመስገንቲ ንኹን

ኣብ ናይ ምስጋና ህይወት ዝነብር ሰብ ዝተገብረሉ ነገርን ንዝተፈጸመሉ ኩሉ  ጽቡቕ ተግባርን ዘይርስዕ ነዚ ኹሉ ድማ ብምስጋና ዝገልጽ መስተውዓልን በሊሕን ሰብ እዩ። ንእግዚኣብሔርን ንሰባትን ዘቕርቦ ምስጋና ኣብ ናይ ልቡ ጽላት ተጻሒፉ ዝተቐመጠ ስለዝኾነ ምስጋና ካብ ኣፉ ጠፉኡ ኣይፈልጥን እዩ።

pope-shinodaኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ዘንጽሆም ዓሰርተ ለምጻማት ንሓደ ካበኣቶም ባሪኽዎ እዩ። ካብኣቶም ሓደ ከም ዝተፈወሰ ምስ ረኣየ “ ብዓቢይ ድምጺ ንእግዚኣብሔር እንዳመስገነ ተመልሰ እንዳመስገኖ ድማ ኣብ እግሩ ወዲቑ ብግንባሩ ተደፈአ። ኢየሱስ ድማ መሊሱ እቶም ዝነጽሁ ዓሰርተ’ዶ ይኮኑን᎓ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፥ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ ዝተመልሰ’ዶ የልቦን?” በሎም(ሉቃ፣ 17-18)። ስለዚ ንዝተገብረልካ ነገር ምስጋና ከተቕርብ ኮለኻ ንእግዚኣብሔር እንዳኽበርካ ንዓኻ ዘሃበካ ፍቕሩን ትሕትንኡን እንዳገለጽካ ምኳንካ ተረዳእ። እግዚኣብሔር ብዝኾነ ሰብ መኽንያት ጌሩ ሓደ ጽቡቕ ነገር ምስ ገበረልካ ድሕሪ ንእግዚኣብሔር ምምስጋንካ ብተወሳኺ ነቲ ጽቡቕ ነገር ንኽትቕበል ምኽንያት ዝኾነካ ሰብ’ውን ምስጋና ሃቦ።

ብዙሓት ሰባት ንጉሆን ምሸትን: ኣብ ዓበይቲ በዓላትን:, ኣብ ህይወቶም ብዘጋጥሞም ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ነገራትን ጥራይ ንእግዚኣብሔር የመስግንዎ። እንተኾነ ግን ምስጋና ናቱ ዝኾኑ ባህሪያት ኣለዉዎ። እቲ ቀንድን ቀዳማይን ባህርያት ድማ <ኩሉ ግዜ ስለ ኹሉ ኣመስግኑ> /ኤፌ.5፣20/ ዝብል ናይ ሃዋሪያ ቃል መሰረት ዝገበረ እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣመስግኑ፥ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ከነቕርብ ኮለና ኣብ ፍሉይ ግዜን እዋናትን ዘይኮነስ << ኩሉ ግዜ>> ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ ግዜ ዝብል ቃል ንምሉእ ናይ ህይወት ዘመን የጠቓልል ምኻኑ ንምርድኡ ኣሸጋሪ ኣይመስለንን። ምሉእ ዘመን ህይወትና ከነመስግን ከምዝግብኣና ዘረድእ ተወሳኺ  ትምህርቲ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝተጻሕፈት ቀዳመይቲ መልእኽቲ እውን ተገሊጹ ኣሎ << ኩሉ ግዜ ደስ ይበልኩም ከየቋረጽኩም ጸልዩ ብኹሉ ኣመስገንቲ ኩኑ >> (1ይ ተሰሎ 5፣ 16-18)።  

ብመሰረት’ዚ ትምህርቲ’ዚ ናይ ምስጋና ጸሎት ካብ ኩሉ ዓይነታት ጸሎት እቲ ዝበለጸን ንኹሉ ጸሎታት ዝመርሕን ከምዝኾነ የረድኣካ። ናይ ለይትን ናይ ንግሆን ጸሎታት ይኹኑ ኩሎም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎትን ስርዓትን  ብናይ ምስጋና ጸሎት እዮም ዝጅምሩ። ንእግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ማለት ንግሆ: ቀትር: ምሸት ነመስግኖ ኢና።

  • ኣብ ናይ መጀመርታ ሰዓት ጸሎት <<ኦ… ዘለኣለማዊ ንጉስ ለይትና ብሰላም ኣሕሊፍካ ረፍድና ባሪኽካ ስለ ዝሃብካና ነመስግነካ ኣሎና>> ንብሎ። ንለይቲ ብሰላም ሓሊዩ ብህይወት ኣጽኒሑ ነቲ ሓዲሽ መዓልቲ ስለ ዘረከበና’ውን ነመስግኖ።
  • ኣብ መበል ሳልሳይ ሰዓት ጸሎትና << ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብዛ ኣብ ልዕሊ ደቂ መዛሙርትኻን  ክቡራት ሃዋሪያትካን ልሳናት ሓዊ ብዝመስል ቅዱስ መንፈስካ ዘፍሰሰካላ  ቅድስቲ ሰዓት ንጸሎት ስለ ዘለዓዓልካና ነመስግነካ>> ንብል።
  • ኣብ መበል ሻድሻይ ሰዓት << ኣቦ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኦ.. ኣቦ ሓያል ንጉስና ነመስግነካ፣ እታ ሓደ ወድኻ መከራ ዝተቐበለላ ሰዓት፣ ናይ ጸሎትን ናይ ዕረፍቲን ሰዓት ስለዝገበርካልና  ነመስግነካ>> እንብሎ።

ንእግዚኣብሔር ብሰላም ንዝሓለፈት ንነፍሲ ወከፍ ሰዓት ነመስግኖ። እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎት ኣብ መጀመርታ ኮነ ኣብ ዝተወሰኑ ግዜያት ከየቋረጽካ  ዝወሃብ ምስጋና እዩ።

ኩሉ ግዜ ኣመስገንቲ ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና።
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።

ምንጪ፦ ኣቡነ ሽኖዳ Life of Thanksgviving ካብ ዝብል መጽሓፎም

{flike}

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/content/pope-shinoda.jpg 284 300 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2013-03-05 09:49:202013-03-05 09:49:20ብኹሉ ነገር ኣመስገንቲ ንኹን
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያን ፊንላንድን Link to: ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ስካንዲናቭያን ፊንላንድን ሃገረ ስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን...
Scroll to top Scroll to top Scroll to top