ኣብ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ርክብ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ተካይዱ

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ፊንላንድን ምስ ኮሚቴ’ቲ ሃገረ ስብከት፣ ሎሚ ዕለት 19-01- 2019 ኣብ ሽወደን ከተማ ያቭለ ርክብ ኣካይዱ፡፡

እቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት መእተዊ ጸሎት ብሊቀ ካህናት እቲ ሃገረ ስብከት ቀሺ ኣፈወርቂ ድሕሪ መሃብ፣ ቀጺሉ ሓጺር ሌላ ምስቶም ኣብ ስራሕ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ዝጸንሑ ኣባላትን ሓደሽቲ ኣባላትን ጌሩ፡፡ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ሓፂር መብርሂ ዛዕባ ስራሕ ኮሚቴ ሃገረ ስብከት ድሕሪ ምሃብ ድማ፣ ነቶም ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ ኣባላት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ስብከት ስካንድንቪያን ምስክር ወረቐት ( CERTIFIKAT) ዓዲሉ።

እቲ መንፈሳዊ ዋዕላ ጸብጻብ ስራሕ ዓመተ 2018 ድሕሪ ምቕራብ፣ ውጥን ስራሕ 2019ን ባጀትን ድማ ኣጽዲቑ፡፡ ብድሕርዚ ‘ቤት ትምህርቲ ሰንበታትና ኣብ ከመይ ድረጃ ኣሎዋ እንታይ’ከ ክንገብር ኣሎና’ ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ድሕሪ ምግባር ምጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት ረቂሑ፡፡ እዞም ነዚ ስራሕ መዚ ወሲዶም ዘለዉ ኣባላት ድማ ክሳብ’ቲ ተገዲብሎም ዘሎ ግዜ ጸብጻቦም ከም ዘቕርቡ እቲ ኮሚቴ ውሳኔ ኣሕሊፉ፡፡

እዚ መንፈሳዊ ጉባኤ ከምቲ ብጸሎት ሊቀ ካህናት ሃገራት ስካንደንቪያን ፊንላንድን ቀሺ ኣፈወርቂ ዝተኸፍተ፣ ከሙኡ ድማ ብጸሎትን ብራኬን ብሰላም ተዛዚሙ፡፡
ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን።
(2019-01-19)