ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ቦልነስ ትማሊ ቀዳም 24 ለካቲት 2019 ብድምቀት ተጸምቢሉ

ኣብ ሃገረ ስዊዲን ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት 2019፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንት፡ ካህናትን ዲያቆናትን ከምኡውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ። እቲ ጽምብል ካብ ዓርቢ ምሸት ብምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርቲ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት፣መዛሙር፣ ዝክረዜማ ካሊእ ስፍሕ ዝበሉ መሰጥቲ መደባት ማዕሪጉ አምስዩ። ቀጺሉ መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ኪዳነምሕረት ቦልነስ: ብመዘምራን ቅድስት ሥላሴ ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ብዚመጹ መዘምራን ቀሪቡ። ካብ ከባቢ ሰዓት 3:00 ናይ ለይቲ ዝተጀመረ ማህሌት ዘሌሊት ብሊቃውትን ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ከባቢ ሰዓት 6:00 ጸሎተ ቅዳሴ ተጀሚሩ። ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ልቢ ምእመናን ዘረስርስ ጣዕመ ዜማ ብመዘምራን ናይቲ ሰበኻ ቀሪቡ። ስዒቡ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ብሊቀ ካህናት ቀሺ ኣፈወርቂ ተስፋ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን ምስ ተገብረ ኣገልጋሊ ናይቲ ደብሪ ቀሺ ሃብተማርያም ቃል ምስጋና ኣስሚዖም። ከም መዛዘሚ ወፈያን ምስ ተገብረ ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ቦልነስን ከባቢኣን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም።ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ብኹሉ መዳያቱ ፍሉይን ብሉጽን እዩ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ገጽ ኩሎም ዕዱማት ይኹኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፍሉይ ናይ ፍስሃ መንፈስ ይንበብ ኔሩ። ብረኸት ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማሪያም ምስ ኩላትና ይኹን። ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን 24-02-2019 ሽወደን