Entries by Father Afeworki

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።

ኣብቲ ትማሊ ብቐዳም ዕለት 25/02/2023 ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስቲ ስላሤ ያቭለ ዝተኻየደ ጉባኤ ካብ ኩለን ኣብያተክርስቲያንን ማሕበራትን ተወኪሎም ዝመጹ ልዕሊ ሰብዓ ዝኣኽሉ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ተሳቲፎም ውዒሎም።

ኣብ ህልው ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ከምዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ጎረቤትናን ሓውናን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምኽባር ሕጊ ብዝብል ጉልባብ ቅሉዕ መንነታዊ ጽንተት ካብ ዝጅመር ድሮ ሰለስተ ወርሒ ኣቕጺሩ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ካኣ ብቃላት ክግለጽ ዘይከኣል ከቢድ ሰብኣዊ ህልቂትን ንዋታዊ ዕንወትንኣኸቲሉን ገና ውን ይቕጽል ኣሎን። ስለ ዝኾነ ካኣ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራትስካንዲናቪያን ፊንላንድን   ነዚ ሰብኣውነት ዝጎደሉ ኣረሜናዊ ጭፍጨፋ ህዝቢ ትግራይ ብትሪ እናኾነንና፣ ናብቶም ብዓጸቦ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ረድኤት ብህጹጽ ክበጽሕ፣ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ኢሉ ዘተንዝርርብን ክጅመር፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ጠቕሊሉ ክወጽእ፣ ምቕታል ሲቪላውያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ደው ንክብል ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝግብኦም ጻዕርታት ክገብሩ ጻውዒትና ነቕርብ።