ምጅማር ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se

ዓቢ ብስራት ኣብ ሃገረ ሽወደንን ኣብ መላእ ዓለምን ንእትርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ኣገልገልትን ምእመናንን

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሓዱ ኣምላክ፣ ኣሜን!

   ምጅማር ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se/  
ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ

 

ንሕና ኣብ ሃገረ ሽወደን እንነብር ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ኣገልገልትን ምእመናንን፣ ንጥንታዊ እምነትናን ሕጊ ቤተክርስቲያንናን ንምሕላው፣  ብቀኖናዊ መገዲ ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብናይ ስካንዲነቪያን ጳጳስ፡ ብጹዕ ኣቡነ ኣባኪር፡ ብምምእካል፣-

  1. ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዳማዊ ጸቕጢ ነጻ ኮይና፣ ናይ ዘመናት ሓዋርያዊ ሰረተ-እምነታን ሰንሰለታዊ ርክባን ዓቂባ፣ ሓዋርያዊ ተልእኾኣን ጻውዒታን ብጽፈት ከይትዓምምን ብቑዕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ከይተበርክትን ኣብ ከቢድ ናይ ፈተና እዋን ከምዘላ ብምግንዛብ፣
  2. ናይ ሓባር ባይታ ንዘይረኸቡ ኣገልገልትን ምእመናን፣ ኣገልገልቲ ጽሑፋቶም ብምእኩል ኣገባብ ዝዝርግሑሉ፣ ምእመናን’ውን ንዝረኽብዎ መንፈሳዊ ጽሑፋት ውሕስነቱን ተኣማንነቱን ኣረጋጊጾም ከንብብሉ ዝኽእሉ ናይ ሓባር ባይታ ክፍጠር ከምዝግባእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፣
  3. ህሉው ኩነታት ናይተን ኣብ ሃገረ ሽወደን ዘለዋ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብዝምልከት፣ ናይ ሓባር ማዕከን ሓበሬታ ከምዘየሎ ብምግንዛብ፣
  4. ሕቶታት ምእመናን ግቡእ፣ ምእኩልን ርትዓውን መልሲ ኣብ ክንዲ ዝረክብ፣ ንሓደ ሕቶ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝተፈላለየ መልሲ ይረክብ ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፣
  5. ሓፈሻዊ ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ቤተክርስቲያንና ብርትዓዊ ኣገባብ ንምእመናን ንምሕባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግንዛብ

ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ ኣዳሊና ከምዘለና ብሓጐስ ነበስር።

እዚ http://eotcs.se/ ዝብል ናይ ኩለን ኣብ ሃገረ ሽወደን ናይ ዝርከባ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ኤርትራ፣ ናይ ሓባር መርበብ ሓበሬታ፣-

  • ሚዛኑን ርትዑን ዝሓለወ ብቑዕ መንፈሳዊ መግቢ ብምድላው፣ መንፈሳዊ ኣፍልጦ ምእመናን ንምዕባይ
  • ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዘለዉ ምእመናንን ኣገልገልትን፣ ህልዉ ኩነታት ቤተክርስቲያን ዝፈልጡሉ ባይታ ንምፍጣር
  • ብዝተፈላለየ መገዲ ናይ ጽሑፍ ኣገልግሎት ከገልግሉ ንዝኽእሉን ንዝደልዩን፣ ምእኩል ባይታ ንምፍጣር
  • ምእመናን መንፈሳዊ ጉስነትን ኣገልግሎትን ክረኽቡ ኣብ ዝደልዩሉ፣ ኣብ ከባቢኦም ናይ ዝርከቡ ኣገልገልቲ ቁጽሪ ተለፎንን ናይ ኢመይል ኣድራሻን ብምሕባር፣ ብቐሊሉ ምስ ኣገልገልቲ ተራኺቦም መንፈሳዊ ጉስነት ከምዝረኸቡ ንምግባር
  • ምእመናን ንዝህልዎም መንፈሳዊ ሕቶታት፣ ምእኩልን ብቑዕን መልሲ ንምቕራብ

ብጸሎት ቅዱሳንን ብረድኤት እግዚኣብሄርን ንዓቢ ዕዮ ተበጊስና ምህላውና፣ ደጊምና ብሓጐስ ነበስር

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ!!

ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ http://eotcs.se/