መልእኽቲ ሃገረስብከት ብምኽንያት በዓል ልደት 2021 ዓ ም

“ሎሚ መድኃኒ ክርስቶስ ጎይታ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ እሞ ኣይትፍርሁ” ሉቃ 2፡10።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፣ አሜን!
ንኩልኹም ህዝቢ ክርስቲያን ብፍላይ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሃገረስብከት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያን ፊንላንድን እትርከቡ ምእመናትን ምእመናንን፣ ናብዚ ክቡር ዝኾነ በዓል ልደት ጎይታና እንቋዕ ብሰላም ኣብጽሓኩምን ኣብጽሓናን ንብል። ንኩልኹም ኣቦታት ካህናትን፡ ኣሕዋት ዲያቆናትን፡ መዘምራንን ንዅሎም ሕዝቢ ማለት፡ ዓበይትን፡ ሕፃናትን ብሓፈሻ ኩላትኩም ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን ስድራቤታት እንቋዕ ኣብጽሓኩም ንብል። ከምኡ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ በዓል ልደት ጎይታና ዓመት መጸ ኣብ ቅነ ሓዲሽ ዓመት ፈረንጂ እዩ ዝኽበር እሞ፣ በዚ ኣጋጣሚ ናብ ጎርጎርዮሳዊ ሓዲሽ ዓመት 2021 ዓ ም እውን እንቋዕ ኣብጽሓኩም ክንብል ንፈቱ።