ሰሙነ ሕማማት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ናብቶም ኣብ መላእ ዓለም ተበቲንኩም ዘለኹም ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ። ኣቐዲምና ዕዙዝ ዝኾነ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም፣ ቀጺልና ብሰንኪ እዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮሮና ህዝቢ ኣብ ቤተክርስቲያን ተኣኪቡ ክጽልን ክሰግድን ኣጸጋሚ ኮይኑ ስለዝሎ ምእመናን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ምእንቲ ክከታተሉን ክሰግዱን ኩሉ እቲ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝካየድ ናይ ጸሎትን ስግደትን መደብ ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ክሳብ ትንሳኤ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መስመር ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ። እቶም ዝከኣልኩም ምሳና ሓቢርኩም ክትጽልዩን ክትሰግዱን ብኣኽብሪት ንዕድም።

መደብ ዝጅምረሉ፣

ካብ ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ ሰዓት 10፣00 ቅ፣ቀ (Berlin Time)

ዓርቢ ስቕለት 09፣00 ቅ፣ቀ

ትንሳኤ 20፣00 ድ፣ቀ

ዝመሓላለፈሉ መስመር፣

https://m.facebook.com/Eritrean-Orthodox-Tewahedo-Church-Diocese-of-Scandinavia-Finland-753528281337406/

እግዚኣብሔር ነዚ ሰሙነ ሕማማት ብሰላም የፈጽመና ፈውሲ ምሕረቱ ካኣ ይልኣኸልና።

ንብጹእ ወቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ውን ብህይወትን ምሉእ ጥዕናን ይሓልወልና።