ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ

samuelዕላማ᎓

ቅድሚ ምድቃስና ናይ ግድን ክንጽልን ንኣምላኽ ክንስምዖን ከምዝግበኣናን ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ ጎይታይ ባሪያኻ ይሰምዓካ ኣሎ’ሞ ተዛረብ” 1ይ ሳሙኤል 03᎓09

መወከሲ᎓

1ይ ሳሙኤል 3᎓1-10

መእተዊ᎓

ቅድሚ ኣብ ዓራት ክትድቅሱ ምኻድኩም እንታይ እንታይ ትገብሩ? ስንኹም ተሓጺብኩም ፒጃማ ትኽደኑ ዶ? መጽሓፍ ተንብቡ ዶ? እንታይ ዓይነት መጽሓፍ ተንብቡ? ናይ ጽንጽዋይ መጽሓፍ ድዩ ወላስ መጽሓፍ ቅዱስ? ትጽልዩ ዶ? እንታይ ዓይነት ጸሎት ከ ትጽልዩ? እንበኣር ሎሚ ማዓልቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ትምህርትና ብዛዕባ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነብርን ቅድሚ ምድቃሱ ኩሉ ግዜ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ዝጽልይን ዝነበረ ንእሽተይ ወዲ ኽኸውን እዩ። እዚ ንእሽተይ ወዲ ሽሙ ድማ ሳሙኤል ይባሃል። ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕባ ሃና ኣደ ሳሙኤል ተማሂርና ኔርና።

ትምህርቲ᎓

ሳሙኤል ብጣዕሚ ደስ ዝብል ንእሽተይ ወዲ እዩ። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ይጽልን ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ ኩሉ ነገር ይገብርን ነበረ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ካህን ኤሊ ይነብር ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ ምሸት ደቂሱ ኮሎ ዝኾነ ድምጺ ብሽሙ ክጽውዖ ኮሎ ሰምዐ እሞ ካህን ኤሊ ዝጸውዖ መሲልዎ ናብቲ ካህን ኸደ።  ኤሊ ድማ ኣነ ኣይጸዋዕኹኻን ኪድ ተመሊስካ ደቅስ በሎ። ሳሙኤል ድማ ናብ ዓራቱ ተመሊሱ ብምኻድ ክድቅስ ፈተነ። እስኪ ገምቱ እንደገና እንታይ ኮይኑ? ከም እንደገና ሓደ ድምጺ ክጽውዖ ሰምዐ። እንደገና ተመሊሱ ናብ ኤሊ ኸደ። ኤሊ ሕጅውን ኣይጸዋዕኹኻን ኪድ ደቅስ በሎ። ሳሙኤል ከም እንደገና ክድቅስ ፈተነ። እንተ ኾነ ሕጂ እውን ንሳልሳይ ግዜ ሓደ ድምጺ ሽሙ ጸውዖ። ተመሊሱ  ናብ ኤሊ ኸደ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ኤሊ ከምዚ በሎ፦ እዚ ኣምላኽ እዩ ዝጽዋዓካ ዘሎ እሞ ከምዚ በል በሎ፦ “ኦ ጎይታይ ተዛረብ ባሪያኻ ድማ ይሰምዓካ ኣሎ” በሎ ኢሉ ማዓዶ። ሽዑ ሳሙኤል ከምባሓድሽ እቲ ድምጺ ሽሙ ምስ ጸዎዖ ከምቲ ካህን ኤሊ በል ዝበሎ “ኦ ጎይታይ ባርያኻ ይሰምዓካ ኣሎ እሞ ተዛረብ” በለ።  ሽዑ ኣምላኽ ንሳሙኤል ንካህን ኤሊ ዝንገር ኣገዳሲ ዝኾነ መልእኽቲ ነገሮ። 

መደምደምታ᎓

ጸሎት ምጽላይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ቅድሚ ክንድቅስ ምኻድና። ጸሎት ኣምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክስምዓናን ኣምላኽ ነቲ ለይትና ክባርኾን ይገብር። ንኣምላኽ ኩልና ክንእዘዞን ክንሰምዖን ይግበኣና ከምቲ ሳሙኤል ዝገበሮ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንንሕድሕድኩም ተፋቕሩ ኢሉ ኣዚዙና ኣሎ ስለዚ ትእዛዙ ክነኽብርን ክንፋቐርን ኣሎና።

{flike}