Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ናይ ሃና ጸሎት

hannahዕላማ᎓

እግዚኣብሔር ጸሎት ከምዝሰምዕ ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

ኦ ጎይታይ ጸሎተይ ስማዕ  (መዝ. 143᎓1)

መወከሲ᎓

1ይ ሳሙኤል 1᎓1-27

መእተዊ᎓

ሕጻን ቆለዓ ርኢኹም ትፈልጡ ዶ? ቆለዓ ውልድ ምስበለ ከመይ ኢሉ ይርእይ? ማማን ባባን ኣምላኽ ቆልዓ ምስ ሃቦም ናይ በሓቂ እዮም ዝሕጎሱ።

ትምህርቲ᎓

ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና እንበኣር ብዛዕባ ሓንቲ ሃና ዝተባህለት ሰበይቲ ክኸውን እዩ። ሃና ውላድ ወይ ድማ ቆለዓ ኣይነበራን። ክህልዋ ግን ኣዚያ ትደሊ ነበረት። ስለዘይወለደት ግን ብጣዕሚ ትጉሂ ወይ ድማ ትሓዝን ነበረት። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ንኣምላኽ ሓዘና ነገረቶ። እዞም ደቀይ ምስ ኣምላኽ ክንዘራረብ ምስ እንደሊ ብምንታይ ጌርና ኢና ንዘራረብ ኢለኩም ኔረ? ትዝክርዎ ዲኹም? እወ ምስ ኣምላኽ ብጽሎት ጌርና ኢና ንዘራረብ። እንበኣር ሃና ድማ ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ትዘራረብ ኔራ። ኣብ ጸሎታ ድማ እንዳነብዐት ትበኪ ነበረት ከምዚ ድማ በለቶ፦  ኦ ኣምላኸይ ጸሎተይ ስማዕ ውላድ ሃበኒ። እቲ ትህበኒ ቆልዓ ድማ ንዓኻ ከገልግለካ መታን ንቤተ ክርስቲያን ከወፍዮ እየ በለቶ።

ክምኡ ኢላ ክትጽሊ ኮላ ድማ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ቀሺ ወይ ድማ ካህን ይርእያ ነበረ እሞ ናብ ገዛኺ ኪዲ ኣምላኽ ድማ ጸሎትኪ ይቀበለልኪ ኢሉ መረቓ። ኣምላኽ ድማ ናይ ሃና ጸሎት ሰምዐ። ከምቲ ዝለመነቶ ድማ ሓደ ቆልዓ ሃባ ሽሙ ድማ ሳሙኤል በለቶ። ከምቲ ንኣምላኽ ቃል ዘኣተወትሉ ድማ ቃላ ኣኽቢራ ናብ ገዛ ኣምላኽ ማለት ቤተ ክርስቲያን ወሰደቶ። ሃና በቲ ኣምላኽ ዝገበረላ ነገር ኣዚያ ተሓጎሰትን ንኣምላኽ ኣመስገነቶን።

መዛዘሚ᎓

ሃና ሓዘን ምስ ተሰምዓ ናብ ኣምላኽ ለመነት ። ኣምላኽ ድማ ጸሎታ ሰሚዑ ከምቲ ድሌታ ሃባ። ንሕና እውን ከምቲ ሃና ዝገበረቶ ዝኾነ ዘጨንቐና ነገር እንተ ደኣ ኣሎ ንኣምላኽ ብጸሎት ክንነግሮ ኣለና። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ጸሎትና ይሰምዓናን ይምልሰልናን ኢዩ። ኣምላኽ ነዓና ዘድልየና ይፈልጥ እዩ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዘበለ ኣብቲ ልክዕ እዋን ይህበና እዩ። ምስ ኣምላኽ ንግሆ ኮነ ምሸት ኩሉ ግዜ  ክንዘራረብ ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዓና ኣዚዩ የፍቅረናን ምስኡ ብጸሎት ክንዘራረብ ኮለና ድማ ድምጽና ክሰምዓናን ይደሊ እዩ። ምስኡ ክንዘራረብ ብጣዕሚ ደስ ኢዩ ዝብሎ ምኽንያቱ ኣቦና ስለዝኾነ።  ስለዚ እዞም ደቀይ ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ኣዘውትሩ።

ኣምላኽ ብጸግኡ ይሓልኹም
ክብሪ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ይኹን ኣሜን።

{flike}

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/content/hannah.jpg 395 257 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2014-06-10 17:02:322014-06-10 17:02:32ናይ ሃና ጸሎት
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ብዛዕባ ሃገረ ስብከት Link to: ብዛዕባ ሃገረ ስብከት ብዛዕባ ሃገረ ስብከት Link to: ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ Link to: ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ ሳሙኤል ኣብ ድቃሱ ከሎ ኣምላኽ ጸውዖ
Scroll to top Scroll to top Scroll to top