ናይ ሃና ጸሎት

hannahዕላማ᎓

እግዚኣብሔር ጸሎት ከምዝሰምዕ ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

ኦ ጎይታይ ጸሎተይ ስማዕ  (መዝ. 143᎓1)

መወከሲ᎓

1ይ ሳሙኤል 1᎓1-27

መእተዊ᎓

ሕጻን ቆለዓ ርኢኹም ትፈልጡ ዶ? ቆለዓ ውልድ ምስበለ ከመይ ኢሉ ይርእይ? ማማን ባባን ኣምላኽ ቆልዓ ምስ ሃቦም ናይ በሓቂ እዮም ዝሕጎሱ።

ትምህርቲ᎓

ናይ ሎሚ መዓልቲ ትምህርትና እንበኣር ብዛዕባ ሓንቲ ሃና ዝተባህለት ሰበይቲ ክኸውን እዩ። ሃና ውላድ ወይ ድማ ቆለዓ ኣይነበራን። ክህልዋ ግን ኣዚያ ትደሊ ነበረት። ስለዘይወለደት ግን ብጣዕሚ ትጉሂ ወይ ድማ ትሓዝን ነበረት። ሓደ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ንኣምላኽ ሓዘና ነገረቶ። እዞም ደቀይ ምስ ኣምላኽ ክንዘራረብ ምስ እንደሊ ብምንታይ ጌርና ኢና ንዘራረብ ኢለኩም ኔረ? ትዝክርዎ ዲኹም? እወ ምስ ኣምላኽ ብጽሎት ጌርና ኢና ንዘራረብ። እንበኣር ሃና ድማ ምስ ኣምላኽ ብጸሎት ትዘራረብ ኔራ። ኣብ ጸሎታ ድማ እንዳነብዐት ትበኪ ነበረት ከምዚ ድማ በለቶ፦  ኦ ኣምላኸይ ጸሎተይ ስማዕ ውላድ ሃበኒ። እቲ ትህበኒ ቆልዓ ድማ ንዓኻ ከገልግለካ መታን ንቤተ ክርስቲያን ከወፍዮ እየ በለቶ።

ክምኡ ኢላ ክትጽሊ ኮላ ድማ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ቀሺ ወይ ድማ ካህን ይርእያ ነበረ እሞ ናብ ገዛኺ ኪዲ ኣምላኽ ድማ ጸሎትኪ ይቀበለልኪ ኢሉ መረቓ። ኣምላኽ ድማ ናይ ሃና ጸሎት ሰምዐ። ከምቲ ዝለመነቶ ድማ ሓደ ቆልዓ ሃባ ሽሙ ድማ ሳሙኤል በለቶ። ከምቲ ንኣምላኽ ቃል ዘኣተወትሉ ድማ ቃላ ኣኽቢራ ናብ ገዛ ኣምላኽ ማለት ቤተ ክርስቲያን ወሰደቶ። ሃና በቲ ኣምላኽ ዝገበረላ ነገር ኣዚያ ተሓጎሰትን ንኣምላኽ ኣመስገነቶን።

መዛዘሚ᎓

ሃና ሓዘን ምስ ተሰምዓ ናብ ኣምላኽ ለመነት ። ኣምላኽ ድማ ጸሎታ ሰሚዑ ከምቲ ድሌታ ሃባ። ንሕና እውን ከምቲ ሃና ዝገበረቶ ዝኾነ ዘጨንቐና ነገር እንተ ደኣ ኣሎ ንኣምላኽ ብጸሎት ክንነግሮ ኣለና። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ጸሎትና ይሰምዓናን ይምልሰልናን ኢዩ። ኣምላኽ ነዓና ዘድልየና ይፈልጥ እዩ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዘበለ ኣብቲ ልክዕ እዋን ይህበና እዩ። ምስ ኣምላኽ ንግሆ ኮነ ምሸት ኩሉ ግዜ  ክንዘራረብ ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንዓና ኣዚዩ የፍቅረናን ምስኡ ብጸሎት ክንዘራረብ ኮለና ድማ ድምጽና ክሰምዓናን ይደሊ እዩ። ምስኡ ክንዘራረብ ብጣዕሚ ደስ ኢዩ ዝብሎ ምኽንያቱ ኣቦና ስለዝኾነ።  ስለዚ እዞም ደቀይ ምስ ኣምላኽ ምዝርራብ ኣዘውትሩ።

ኣምላኽ ብጸግኡ ይሓልኹም
ክብሪ ኩሉ ግዜ ንእግዚኣብሔር ይኹን ኣሜን።

{flike}