ቀሸሽቲ ዝኾኑ ኣቕሽሽቲ

“ቀሻሺ” ዝብል ቃል ንሓደ መታለልን መደናገርን ሰብ ዝወሃብ ቅጽል ምዃኑ ኣይትስሕትዎን ትኾኑ። ኣብ ዕለታዊ ናብራና ንሓደ ዘጠፋፍእ ሰብ ቐሻሺ ምባል ዳርጋ ልሙድ እኳ እንተኾነ ኣብዚ ኣርእስቲ  ንኣቕሽሽቲ ወይ ንካህናት ቀሸሽቲ  ኢሉ ምቕራቡ ግን ዝያዳ ከዘራርብን ፍሉይ ስምዒት ክፈጥርን ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ሃንደፍ ኢሉ ብጥረኡ ንዝተርጎሞ ሰብ ከሳሕዮ ዝኽእል ይመስለኒ። ላዛ ስለ ዝጎደሎን ንቡር  ኣበሃህላ ስለ ዘይኮነን እዩ እቲ ምኽንያት። እቲ ዘሎ ኩነታትን ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓደ ሓደ ካህናትን ዘርእይዎ ዘለዉ ጠባይን ኣካይዳን ግን ከምኡ ንኽትብል ዝደፋፍእ ስለ ዝኾነ  ኣነ ብወገነይ እቲ እርእስቲ ኣዝዩ ጽቡቕን ገላጽን እዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎኒ። ገለ ገርሀኛታት እንታይ ክረክብ እዩ እዚ ጸሓፊ ከምዚ ዝብል ኢሎም ከዕዘምዝሙ : እቶም  ሕመረት ናይዚ ጽሑፍ ዝበርህሎምን ብቐሸሽቲ ኣቕሽሽቲ ዝተቐሸሹን  ካኣ ኣብዚ እነሃልካ ዘረባ እናበሉ ከኽመስምሱ እዩ ዝረእየኒ ዘሎ። ዋላ ይቐሽሹ እምበር ነቦይ ቀሺ ዶ ቀሻሺ ይበሃል እዩ ዝብል ኣጉል መርገጺ ዘለዎም’ውን ሕልው ይብሉኒ ኣለዉ። በሉ ነቶም  ያላ እንዶ ኣይትደንጉየና እቶም ቀሸሽቲ ኣቕሽሽቲ በዓል መን ምኻኖምን እንታይ ከምዝገበሩን ነጊርካ ኣፋንወና  ዝብሉ ህዉኻት ከይነኾርዮም  እቲ ነገር ኣሕጽር ኣሕጽር ከነብሎ ።

እቶም ቀሸሽቲ ኣቕሽሽቲ እንብሎም ዘሎና ከምዞም ዝስዕቡ ጠባያት ዘለዎም እዮም:

  • ንርእሳ ዘይጸደቐት ፈላሲት’ሲ ንሰይጣን መሓሮ ኢላ ትጽሊ ከምዝበሃል: ንባዕሎም ሕግን ስርዓትን  ቤተክርስቲያን ብምርጋጾም ተወጊዞም ክንሶም ያኢ ንሕዝቢ ምስ ኣምላኽ ከተዓርቑ  ኣብ ፈቐዶ ኣዳራሻት ኣምላኽ ዘይቅበሎ ዕጣን ዘትክኹ።
  • ንመስርሕን መማዕበልን ቤተክርስቲያን ዝተዋጽአ ገንዘብ: ታቦት ኣማላኽ ዘዕርፈሉን ህዝቢ ዘጽልለሉን ቤት መስርሒ ኣብ ክንዲ ዝጥቀምሉ ምስ ተበልጽትን ጎሓሉን ኮይኖም ዝጻወትሉ።
  • ብደጋዊ ክዳን ኣጸዓድዮም ኣድጊ ዘይትስከሞ መጠምጠማ ጠምጢሞም ህዝቢ ብወገን: ብዓሌት: ብፖለቲካ ዝፈላልዩ።
  • ካህን ማለት ናይ ኩሉ ኣማኒ ዘገልግል ልኡኽ ኣምላኽ ምኻኑ ዘንጊዖም ኣብ ዜግነት ኣተኵሮም ዝንቀሳቐሱ።
  • ንሕና ኤርትራውያን ብእምነት ምስ ዝኾነ ርክብ የብልናን እናበሉ  ምስ ግብጺ ኮነ ምስ ካልኦት ብእምነት ዝመስሉና ኣሕዋት ርክብ ንኸይህሉ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ።
  • ታቦት ኣምላኽ ምኻኑ ዘንጊዖም ወይ ንዕቀት ብምርኣይ  ካብ ሃገርና ዘይመጸ ታቦት ኣይንቕበልን ዝብሉ።
  • ዝተኣከበ ህዝቢ ንምብታንን ቤተክርስቲያን ንምፍራስን ዘይድቅሱ።
  • ንጉሆ ዝተዛረብዎ ምሸት ዘይደግሙ: ሰብ ክልተ መልሓስ። ወ.ዘ.ተ….

ከምዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ጠባያት ዘለዎም ካህናት (ኣቕሽቲ) ዕላማኦም ህዝቢ መሪሕካ ገነት ምእታው ዘይኮነስ ኣብዚ ዓለም’ዚ ብኸመይ ትነብርን: ብኸመይ ትህብትም: ስምካ ብኸመይ ይዓቢ ጥራይ ስለ ዘገድሶም ሕዝቢ እናዳናገሩ ህንጻ ቤት ኣምላኽ እናሰበሩ እዮም ዝነብሩ። ሓለይቲ መሲሎም ብምርኣይ ቤት ኣምላኽ ዘባላሽዉ ተዃሉ ስለ ስዝኾኑ እየ ቀሸሽቲ ኣቕሽሽቲ ክብሎም መሪጸ። ሕሉፋት ቀሸሽቲ እምበር ንኣምላኽ ዝቕሽሹ ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።