ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ምኵራብ (ቤት ጸሎት ኣይሁድ) ካብ ቤተ መቕደስ ዝተፈልየ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስ ካብ ኢየሩሳሌም ወጻኢ ኣይስራሕን እዩ። ምኵራብ ግና ኣብ ዝኾነ ቦታ ይስራሕ ነይሩ። ምኵራብ፣ ቃል እግዚኣብሄር ዝስበኸሉን ሕጊ ኦሪት እትመሃረሉን ቦታ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት’ዚ ዘማራይ ያሬድ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኵራብ ኣትዩ ከምዝመሃረ እዩ ዘሚሩ።

ቦኣ ኢየሱስ ምኵራበ ኣይሁድ። ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት። ወይቤሎሙ ምጽዋተ ኣበድር እመስዋዕት። ኣነ ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት ወኣቡሃ ልምሕረት። ኢትግበሩ ቤተ ኣቡየ ቤተ ምስያጥ፣ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ትሰመይ። ቦኣ ምኵራቦሙ ወገሰጾሙ ያርምሙ። ኣንከሩ ምሕረቶ፣ ሞገሱ ቃሉ ወጣዕመ ቃሉ ወሳዕስኣ ኣፉሁ።

ትርጉም፣ ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፣ ካብ መስዋእቲ ምጽዋት እናበለ እለ ቃል ወንጌል መሃሮም። ጎይታ ሰንበትን ናይ ምሕረት ኣቦን ኣነ እየ። መልሲ ክሳብ ዝስእኑ: “ስለምንታከ ቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ እትገብርዎ? ቤት ኣቦይ ቤት ጸሎት እምበር ቤት ንግዲ ኣይኮነን” እናበለ ገሰጾም። ብምሕረቱን በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋን ድማ ይግረሙ ነበሩ።

ወንጌላዊ ማቴዎስ “ኢየሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ እናመሃረ፣ ወንጌል መንግስተ ሰማያት እናሰበኸ፣ ነቲ ህዝቢ ካብ ሕማምን ደውየን እናፈወሰ፣ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እቲ መራሕቲ ኣይሁድ ንኽውደሱን ክርኣዩን ኢሎም ዝቕመጥሉ ስፍራ፣ ክርስቶስ ግና ትምህርቲ ወንጌል ከምዝመሃረሉ ወንጌላዊ ሉቃስ ክምስክር ኮሎ ከምዚ ይብል፣ “ኢየሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጎደብኡ ዘሎ ኹሉ ዓድታት ተሰምዔ። ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፣ ኩሎም’ውን ይንእንድዎ ነበሩ።

ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፣ በመዓልቲ ሰንበት ድማ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፣ ኬንብብ’ውን ተንስአ። መጽሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተቐልዖ ኸኣ፣ እዚ እተጻሕፈ ክፍሊ ረኸበ፣ ንድኻታት ከበስሮም ስለዝቐብኣኒ፣ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፣ ንዕዉራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክሰብኽ፣ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር’ውን ክሰብክ ለኣኸኒ።ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ኹሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ፣ እዚ ጽሑፍ’ዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፣ ኪብሎም ጀመረ። ኹሎም ከኣ መስከሩሉ፣ በቲ ካብ ኣፉ ዚወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ። ሉቃ 4.14-23

እቲ ኣብ እዋን ቅዳሴ ዝንበብ ወንጌል’ውን፣ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶን ንብረቶምን ካብቲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ከምዝስጎጎም እዩ ዝገልጽ።ኣስዒቡ ድማ፣ “ነዚ ቤት መቕደስ ኣፍርስዎ፣ ኣነ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ክሃንጾ እየ” ኢሉ ስለ ሞቱን ትንሳኤኡን ከምዝተዛረበ ይገልጽ። እቶም ብትምህርቱ ዝተመሰጡ ሰባት እኳ እንተኣመንዎ፣ ልቢ ሰባት ዝፈልጥ ጎይታ ስለዝኾነ ግና፣ ናይ ውሽጢ ልቦም ርእዩ ኣይተቐበሎምን። “ኢይፈቅድ ይንግርዎ፣ ግእዞ ለሰብእ፣ እስመ ላዕሌሁ የኣምሮ ለሰብእ።” ብዛዕባ መንነት ሰባት ክነግርዎ ኣይጽበን፣ ንሱ ባዕሉ ንሰባት ይፈልጦም እዩ እሞ” ክብል ዮሃንስ ጽሒፉ ኣሎ።

ስለምንታይ እዩ ክርስቶስ ነቶም ነጋዶን ንብረቶምን ካብቲ ኣፍደገ ቤት መቕደስ ዝሰጎጎም።

ዮውሃንስ ወንጌላዊ  መድሓኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ብክቱር ንዕቀት  ንቤት ጸሎት ኣምላኽ  ናብ መሻቐጢ ዝለወጥዎ ሰባት ብነድርን ብቑጥዓን ከምዝሰጎጎምን ንብረቶምን ገንዘቦምን ካኣ ከምዝበተኖን ገሊጹልና ኣሎ። ከምዚ ሎሚ ዘለናዮ ዘመን ሰብ  ኣዝዩ ከፊኡ ልቢ ሰባት ተሪሩ እምነት ካብ ገጽ ምድሪ ጠፊኡ ስለ ዝነበረ እቶም ናይ ሽዑ ሰባት ነቲ መጸለዪን መማህለልን ተባሂሉ ዝተሰርሓ ቤት ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ቀይሮሞ ወረድ ደይብ እናበሉ ዘረባ ዕዳጋ ክዛረቡ  ይውዕሉ ኔሮም። እወ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ክነብርስ መቕደስ ግበሩለ ዝበለ ኣምላኽ ርሕርሕ ኣቢሎም ገንዘብ ይሕሸና ክብረት ይበልጸና ብማለት ንቤቱ  መናገዲ ጌሮሞ። አየ ልቢ ሰብ ክተርር እንከሎ እንታይ ዘይገብር። ንፈርኦን እሞ ዘክርዎ እዚ ኩሉ ተኣምራት እናረኣየ ገና ልቡ ክምለስ እይከኣለን። ስለ ዝኾነ ካኣ ምስ ኣምላኽ ክርክር ሒዝዎ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጡ ክሳብ ዝተርፍ ኮነ። ልቢ ሰብ ክሳብ ክንድዚ ዝተርር ስለምንታይ እዩ ዝብል ሓሳብ ዶ ይመጸኩም፣ ብዘይቀልዓለም ፈትዩ ኣይኮነን። እንታይ ዳኣ መንፈስ ኣምላኽ ዝተፈለዮ ሰብ ምስ ሰይጣን ዝተመሓዘወ ሰብ ብቐሊሉ ናብ መገዲ ኣምላኽ ክምለስ ዝከእል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ እዞም ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝነበሩ ህዝቢ ነቲ መቕደስ ኣምላኽ ናብ ቤት ንግዲ ቀይሮሞ። ኣብ  መጽሓፍ ቅዱስ ዓገብ!!! ቤት ኣምላኽ ሰፈር ነጋዶ ክኸውን ኣይግባእን ኢሉ ደው ዝበለ ሰብ ኣይተጠቕሰን። ምናልባት ፈሪሕና እምበር እዚስ ቅኑዕ ኣይኮነ እናበሉ ርእሶም ሓኸፍ ሓኸፍ ዘብሉ ሰባት ኔሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር Bፍቕሪ ኣምላኽ ተሳሒቦም ደው ኢሎም ክሳብ ዘይተዛረቡ ክጥቀሱ ኣይከኣሉን። እቲ መገዲ ሓቅን ህይወትን ዝኾነ ጎይታ ግን ብነድሪ ተንሲኡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ንግዲ ምክያድ ነውሪ እዩ እናበለ ንኹሎም ሰጊጉ ነታ ቤቱ ኣጽረያ።

ጸሎት

ኦ ጎይታ ከምቲ ነቶም ነጋዶ ዝሰጎግካ ሎሚ ውን ነቶም ቤተክርስቲያን ተዋህዶ ንምፍራስ ድቃስ ስኢኖም ዝጋዝሙ ዘለዉ ክዳን ጳጳሳት ዝተኸድኑ ወተሃደራት ካብ ቤትካ ስጎግ፣

ኦ ኣምላኽና ነቶም ንካህናትካ በቲ ሓደ ኢድኩም መስቀል በቲ ሓደ ኢድኩም ብረት ሓዙ እናበሉ ንካህናትካ ብረት ዝዕድሉ ዘለዉ ጳጳሳት ኢና በሃልቲ ንኹሉ ግብሮም ካብ ላዕሊ ተመልከት እሞ ቀልጢፍካ መልሲ ሃብ።

ሓቀኛ ፈራዲ ዝኾንካ ፈጣሪ ነቶም ኣብ ግዜ ጾምን ስባኤን ኣብዚ ዓብን ክቡርን ዝኾነ 40 ጾም ኣብ ክንዲ ናብ ዳዊትን ጸሎትን ዝተግሁ ህዝቢ ንምፍልላይን ንፋስ ኤውሮጳ ንምስትምቓርን ቢራ ተሓንጊጦም ፈቖዶ ባራትን ሆቴላትን ኮለል ዝብሉ ዘለዉ ኣፍራስ ዲያብሎስ ዝኾኑ ደቂ ይሁዳ ተመሊሶም ህይወቶም ክፍትሹ ናብ ንስሓ ኣብሎም።

ኣምላኽ እቲ ኣብ ቤትካ ዘለኒ ፍቕሪ ዳኣ የዛርበኒ ኣሎ እምበር ንስኻ ዘይትፈልጦ ስዉር ነገር የልቦን ንኩሉ እናረኣኻ ዝስጎግ ሰጊግካ ዝጎሓፍ ጉሒፍካ ነታ ትሊኽ ትብል ዘላ ብደምካ ዝመስረትካያ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ቅኑዓት መራሕቲ ፍጠረላ።

ክቡራት ኣመንቲ፣ ሎሚ ህይወትና ከመይ ኣሎ? ህይወትና ቤት መቕደስ ኣምላክ እያ’ሞ ማዕከን ሓጢኣት ኮይና ከይትህሉ ገዛእርእስና ንመርምር። ኣብ ሱባኤ (ጾምን ጸሎትን) ኢና ዘሎና’ሞ፣ ንዝተጸዋዕናሉ ህይወትን ናብራን ክንበቕዕ: ርእስና እናመርመርና ብንስሓ ናብቲ ዙፋን ኣምላኽ ብትብዓት ቀሪብና ምሕረት ምእንቲ ክንረክብሲ እንሆ ልባዊ ውሳኔ የድልየና ኣሎ።

እግዚኣብሄር ይርድኣና፣ ኣሜን።