ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ኣብ ከተማ ቦልነስ ብድምቀት ተኸቢሩ:

ኣብ ሃገረ ስዊዲን፡ ቦልነስ ኣብ እትበሃል ከተማ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ትማሊ ቀዳም 21 ለካቲት 2015፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መማህራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን  ከምኡ’ውን ልዕሊ 300 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ፥ እቲ ጽምብል ካብ 20 ለካቲት ሰዓት 16፣00 ድ,ቀ ብምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ካብ ሰዓት 20፣00 ድ,ቀ መደብ ብጸሎት ምስ ተጀመረ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርት፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ማዕሪጉ አምስዩ። ቀጺሉ መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ኪዳነምሕረት ቦልነስ: ብመዘምራን ቅድስት ሥላሴ:  ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ብዚመጹ መዘምራን ቀሪቡ።

ካብ ከባቢ ሰዓት 4:00 ድማ ማህሌት ተጀሚሩ ብሊቃውትን ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ከባቢ ሰዓት 7:30፣ ቅዳሴ ተጀሚሩ ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን  ተከየዱ፣  ኣብ መወዳእታ ቃል ምስጋናን ወፈያን ምስ ተገብረ ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ቦልነስን ከባቢኣን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም። ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ብኹሉ መዳያቱ ፍሉይን ብሉጽን እዩ ኔሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ገጽ ኩሎም ዕዱማት ይኹኑ ነበርቲ እቲ ከባቢ ፍሉይ ናይ ፍስሃ መንፈስ ይንበብ ኔሩ።

ነዚ ዝገበረ ህያው አምላክና ዚከበረን ዚተመስገን ይኩነልና።