Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ነበርቲ ከተማ ሸለፍትዮን ከባቢአን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስዊዲን እትርከብ ሸለፍትዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ኣብ ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዘገልግል፡ ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝተሰምየ ታቦት፡ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10/10/2014 ብናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኣብ ሃገራት ስካንድኒቭያ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብኽብ ዝብለ መንፈሳዊ ድምቀትን ጽምብልን ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ነበርቲ ሸለፍትዮን ከባቢኣን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ ግዚኡ ዝኣቱ ዘሎ ታቦት ብኽብሪ ንምዕጃብ፡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣትሒዞም ብደስታን ብሓጎስን “ታቦት በውስቴታ” እናዘመሩ ንታቦቶም ብዓቢ ድምቀትን ሓጐስን ተቐቢሎሞ።

ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብምኽንያት እቲ ምእታው ታቦትን ምጅማር ወግዓዊ ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ኣመልኪቶም ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ሽግር ፍታሕ ክሳብ ዝርከብ፡ ምእመናን ስለ ቤተክርስቲያኖም ዘድሊ መስዋእቲ እናኸፈሉ ኣብ እምነቶምን ስርዓት ኣቦታቶምን ክጸንዑን ቃል እቲ ዘገልግሎም ዘሎ ካህን ከኽብሩን ኣተሓሳሲቦም። ወከልቲ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ድማ፡ ብፁእ ኣቡነ ኣባኪር ምስቲ ዘለዎም ናይ ግዜ ጽበት፡ ብኣካል ተረኺቦም ንዝገበሩሎም ቡራኬን ጸሎትን ብዓቢኡ ድማ ንዝተዋህቦም ታቦትን ምብራኽ ወግዓዊ ምጅማር ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ዝተሰምዖም ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ብምምስጋን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ጸሎትን መዝሙርን ምስ ተገብረ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብወገኖም ንዝተገብረሎም ዕድመን ኣቀባብላን ድሕሪ ምምስጋን ቡራኬ ሂቦም ነቲ ህዝቢ ተፋንዮሞ።

ንጽባሒቱ ቀዳም፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ቀሺ ተክለሃይማኖትን ካብ ሱንድስቫል ዝተዓደሙ ቀሺ ዑቕባ-ገብርኤልን ቀሺ ኣፈወርቅን ካብ ያቭለ ዝመጹ ቀሺ ገብረእግዚኣብሔርን ጸሎተ ቅዳሴ ኣካይዶም ። እቶም ዕዱማት ካህናት ድሕሪ ጸሎተ ቅዳሴ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምዕዳን፡ ቤተክርስቲያና ከነፍቅርን ነንሓድሕድና ክንፋቐርን ከምዘለናን ብሰፊሕ ኣረዲኦም። ናይቲ ቤተክርስትያን ካህን፡ ቀሺ ተኽለሃይማኖት ብወገኖም፡ ክቡር ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል፡ ከምቲ ኣብ መንጎ መላኽቲ ተፈጢሩ ንዝነበረ ዘይምርድዳእ ከም ዝሃድእ ዝገበረ፡ ኣብዚ ቦታና ኸኣ ፍቕርን ምርድዳእን ከምጽእልና ተስፋ እገብር” ክብሉ ዘለዎም ሰናይ ድሌት ገሊጾም።

ኣብቲ ሰፊሕ ዝርግሓን ብዙሕ ስደተኛ ህዝቢ ዘለዎን ከባቢ፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ታቦት ብዘይምንባሩ፡ ህዝቢ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ኣብ ግዚኡ ንምክፋል ከጸግሞ ከምዘጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣትዩ ዘሎ ታቦት ግና ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸገም ከቃልሎ ልዑል ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።

ነዚ ዘርኣየና እግዚኣብሄር፡ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ !!

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png 0 0 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2014-10-13 14:44:542014-10-13 14:44:54ነበርቲ ከተማ ሸለፍትዮን ከባቢአን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ፓልቶክ ጀሚርና ኣሎና Link to: ፓልቶክ ጀሚርና ኣሎና ፓልቶክ ጀሚርና ኣሎና Link to: ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተከቢሩ Link to: ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተከቢሩ ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን...
Scroll to top Scroll to top Scroll to top