ነበርቲ ከተማ ሸለፍትዮን ከባቢአን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ስዊዲን እትርከብ ሸለፍትዮ ኣብ ዝተባህለት ከተማን ኣብ ከባቢኡን ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ዘገልግል፡ ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዝተሰምየ ታቦት፡ ትማሊ ዓርቢ ዕለት 10/10/2014 ብናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኣብ ሃገራት ስካንድኒቭያ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብኽብ ዝብለ መንፈሳዊ ድምቀትን ጽምብልን ኣብ ናይ ክብሪ ቦታኡ ኣትዩ።

ነበርቲ ሸለፍትዮን ከባቢኣን ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንመጀመርታ ግዚኡ ዝኣቱ ዘሎ ታቦት ብኽብሪ ንምዕጃብ፡ ካብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣትሒዞም ብደስታን ብሓጎስን “ታቦት በውስቴታ” እናዘመሩ ንታቦቶም ብዓቢ ድምቀትን ሓጐስን ተቐቢሎሞ።

ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብምኽንያት እቲ ምእታው ታቦትን ምጅማር ወግዓዊ ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ኣመልኪቶም ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ሽግር ፍታሕ ክሳብ ዝርከብ፡ ምእመናን ስለ ቤተክርስቲያኖም ዘድሊ መስዋእቲ እናኸፈሉ ኣብ እምነቶምን ስርዓት ኣቦታቶምን ክጸንዑን ቃል እቲ ዘገልግሎም ዘሎ ካህን ከኽብሩን ኣተሓሳሲቦም። ወከልቲ ምእመናን ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ድማ፡ ብፁእ ኣቡነ ኣባኪር ምስቲ ዘለዎም ናይ ግዜ ጽበት፡ ብኣካል ተረኺቦም ንዝገበሩሎም ቡራኬን ጸሎትን ብዓቢኡ ድማ ንዝተዋህቦም ታቦትን ምብራኽ ወግዓዊ ምጅማር ቤተክርስቲያናዊ ኣገልግሎትን ዝተሰምዖም ሓጎስ ልዑል ምዃኑ ብምምስጋን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ናይ ሓባር ጸሎትን መዝሙርን ምስ ተገብረ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ብወገኖም ንዝተገብረሎም ዕድመን ኣቀባብላን ድሕሪ ምምስጋን ቡራኬ ሂቦም ነቲ ህዝቢ ተፋንዮሞ።

ንጽባሒቱ ቀዳም፡ ናይቲ ቤተክርስትያን ኣገልጋሊ ቀሺ ተክለሃይማኖትን ካብ ሱንድስቫል ዝተዓደሙ ቀሺ ዑቕባ-ገብርኤልን ቀሺ ኣፈወርቅን ካብ ያቭለ ዝመጹ ቀሺ ገብረእግዚኣብሔርን ጸሎተ ቅዳሴ ኣካይዶም ። እቶም ዕዱማት ካህናት ድሕሪ ጸሎተ ቅዳሴ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ቃል ምዕዳን፡ ቤተክርስቲያና ከነፍቅርን ነንሓድሕድና ክንፋቐርን ከምዘለናን ብሰፊሕ ኣረዲኦም። ናይቲ ቤተክርስትያን ካህን፡ ቀሺ ተኽለሃይማኖት ብወገኖም፡ ክቡር ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤል፡ ከምቲ ኣብ መንጎ መላኽቲ ተፈጢሩ ንዝነበረ ዘይምርድዳእ ከም ዝሃድእ ዝገበረ፡ ኣብዚ ቦታና ኸኣ ፍቕርን ምርድዳእን ከምጽእልና ተስፋ እገብር” ክብሉ ዘለዎም ሰናይ ድሌት ገሊጾም።

ኣብቲ ሰፊሕ ዝርግሓን ብዙሕ ስደተኛ ህዝቢ ዘለዎን ከባቢ፡ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ታቦት ብዘይምንባሩ፡ ህዝቢ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ኣብ ግዚኡ ንምክፋል ከጸግሞ ከምዘጸንሐ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኣትዩ ዘሎ ታቦት ግና ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸገም ከቃልሎ ልዑል ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።

ነዚ ዘርኣየና እግዚኣብሄር፡ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ !!