ዓመታዊ ክብሪ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶክሆልም ተከቢሩ

ኣብ ሽወደን ኣብ ዋና ከተማ ስቶክሆልም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ  ፩ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣርጋዊ ትማሊ ሰንበት 26 ጥቅምቲ 2014 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን  ብዝመጹ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ሊቃውንት መምህራንን ካህናትን ዲያቆናትን ከማኡውን ብዙሓት ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብዓቢ መንፈሳዊ ድምቐት ተኸቢሩ።

እቲ መደብ ካብ ቀዳም25  ጥቅምቲ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ብቀሞስ ኣባ ወልደስላሴ ብጸሎት ምስ ተኸፍተ ብኤግዚብሽን ጀሚሩ ፣መዝሙር ፣መንፈሳዊ ትረካ ፣መንፈሳዊ ድራማ  ቀሪቡ። ብድሕሪኡ  ኩሎም ካህናትን  ድያቆናትን ምስ ተኣኻኸቡ ታቦት ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ብኽብሪ ብሊቃውንትን  ካህናትን መዘምራንን  ከምኡ ካኣ ኩሎም ምእመናንን ምእመናትን እንዳተዓጀበ ብኽብሪ ኣትዩ  ምስኡ ተተሓሒዙ ዋዜማ ስዒቡ። ምሸት ድሕሪ ድራር ኣብ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ዝለዓሉን መብርሂ ዘድልዮምን ሕቶታት ብመልክዕ ቃለ-መሕትት  ብቐሺ አፈወርቅን  ብመም የማነን ሰፊሕን ብሩህን መልሲ ተዋሂቡ ። እዚ ሕቶን መልስን ብቐጥታ ብustream ይመሓላለፍ ስለ ዝነበረ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ተኸታቲልዎ።

ንጽባሒቱ ሰንበት ሰዓት 3 ናይ ለይቲ ማሕሌት ጀሚሩ ብመርጌታ ተስፋይ (ጎንደሬ) እናተመርሐ ብብዙሓት ሊቃውንት ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓዲሩ። ጸሎተ-ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ መርጌታ ተስፋይ ናይ ምስጋና ቃል ኣስሚዖም። ኣብ መወዳእታ ቀሺ ገብረ እግዚኣብሔር ነዚ ታቦት ንዝሃቡና ኣሕዋት ግብጻውያን ድሕሪ ምምስጋን ምእመናን ስቶክሆልም ብፍቕሪ ክግልገሉሉን ተኻፈልቲ በረኸት ክኾኑን  ሓደራ ኢሎም።

በረኸት ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ጻድቕ ምስ ኩልና ይኹን።