ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ከም  ፍቃድ  እቲ ልዑል  ኣምላኽ ኣብ  ሺወደን ከተማ ኦቪስታን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን  ምእመናን  ዘገልግል  ብስም ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ  ዝተሰምየ ታቦት ኣብ ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 2015/05 /16  ብክብ  ዝበለ ጽንብል ኣብ  ስፍርኡ ኣትዩ።

እቲ ንመጀምርታ ግዜ ኣብቲ ከባቢ  ዝኣተወ ቅዱስን  ክቡርን ታቦት ኣቡነ ሊባኖስ ንልቢ እቶም  ምእመናን   ነበርቲ ኦቨስታን ከባቢኣን ብሓጎስ መሊእዎ። እታ እግዚኣብሄር  ዝገበራ መዓልቲ  እዚኣ ኢያ ብኣኣ ደስ ይበለናን ንተሓጎስን ዝበሎ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት እምበኣር ኣብ ገጽ እቲ ምእመን ርኢናዮ ክብሉ ኣገልጋሊ  ናይቲ ቤተክርስቲያን  ቀሺ  ጎይትኦም ገሊጾም።  እቲ ክቡር ታቦት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት  ሽወደን ብዝመጹ ኣቦታት ካህናትን  ሊቃውንትን   ተዓጂቡ  ታቦት በውስቴታ ኦሪት በውስቴታ እናተባህላ  ከባቢ  ሰዓት 7፣00 ናይ  ምሸት ኣብ ቦትኡ ድሕሪ ምእታው፡ ጸሎት ሰርክ ቀጺሉ። ብድሕርዚ ድማ ንምእመናን  እቲ ከባቢ ማዕዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ። ከባቢ ሰዓት 9፣00 ድማ ሊቃውንተ ቤተክርስትያን  ናብ ናይ  መዕረፊ ስፍርኦም ኣምርሑ።

ካብዚ  ቀጺሉ ድማ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ካብ ሰዓት 3፣00  ጅሚሮም ማህሌት ዘሌሊት ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳር ልክዕ  ሰዓት 8፣20  ድማ ቅዳሴ  ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ 10፣00 ካኣ ቀጺሉ።  ድሕሪ ቅዳሴ ድማ ናይ ዕለት ሰብከተ ወንጌል ብሓውናን  መምህርናን ዲያቆን ፋኑኤል ተዋሂቡ። ብመዘምራን ኦቨስታን  ሄዶሞራን ድማ  መዝሙር  ምስጋና ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ  ብኣቦና ቀሺ ኣፈወርቂ ቃለ ማዕዳ ተዋሂቡ።እቲ ማዕዳ ድማ ኣብ ጸልማት ንዘጥፋእናዮ ንብረት ኣብ ብርሃን መጺእና ንድለዮ ዝብል  ነበረ። ልክዕ 12፣00 ድማ እቲ ዝነበረ ፕሮግራም ተጠናቂቁ ናይ እንግዶት ግብጃ ብህዝቢ ኦቨስታን ከባቢኣን ዝተዳለወ  ቀጺሉ። ኣሕዋት ብሓደ  ሓቢሮም ንኽነብሩ ኣዝዩ ሰናይን  ጥዑምን ኢዩ ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት  ጥዑም  መዓልቲ  ውዒልና ክብሉ  ነበርቲ  እቲ ኸባቢ ከም ዝተዛረቡ ተገሊጹ። ነበርቲ ከተማ ቦልነስን ከባቢኣን እውን ቅድም ኢሎም ብስም ኪዳነ-ምሕረት ዝተሰምየ ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም እዮም። ኣብ ዜና ብዘይ ምግላጽና ይቕሬታ ንሓትት።

ኣብ ሃገረ ሽወደን ቁጽሪ  ናይተን ቀኖናን ስርዓትን ቤተክርስቲያን ሓልየን ዝኸዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ኤርትራ እናበዝሓን እናዓበየን ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ምግላጽና ይዝከር።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ።