Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም

ከም  ፍቃድ  እቲ ልዑል  ኣምላኽ ኣብ  ሺወደን ከተማ ኦቪስታን ኣብ ከባቢኡ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳውያን  ምእመናን  ዘገልግል  ብስም ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ  ዝተሰምየ ታቦት ኣብ ዝሓልፈ ቀዳም ዕለት 2015/05 /16  ብክብ  ዝበለ ጽንብል ኣብ  ስፍርኡ ኣትዩ።

እቲ ንመጀምርታ ግዜ ኣብቲ ከባቢ  ዝኣተወ ቅዱስን  ክቡርን ታቦት ኣቡነ ሊባኖስ ንልቢ እቶም  ምእመናን   ነበርቲ ኦቨስታን ከባቢኣን ብሓጎስ መሊእዎ። እታ እግዚኣብሄር  ዝገበራ መዓልቲ  እዚኣ ኢያ ብኣኣ ደስ ይበለናን ንተሓጎስን ዝበሎ ቅዱስ ኣቦና ዳዊት እምበኣር ኣብ ገጽ እቲ ምእመን ርኢናዮ ክብሉ ኣገልጋሊ  ናይቲ ቤተክርስቲያን  ቀሺ  ጎይትኦም ገሊጾም።  እቲ ክቡር ታቦት ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት  ሽወደን ብዝመጹ ኣቦታት ካህናትን  ሊቃውንትን   ተዓጂቡ  ታቦት በውስቴታ ኦሪት በውስቴታ እናተባህላ  ከባቢ  ሰዓት 7፣00 ናይ  ምሸት ኣብ ቦትኡ ድሕሪ ምእታው፡ ጸሎት ሰርክ ቀጺሉ። ብድሕርዚ ድማ ንምእመናን  እቲ ከባቢ ማዕዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ። ከባቢ ሰዓት 9፣00 ድማ ሊቃውንተ ቤተክርስትያን  ናብ ናይ  መዕረፊ ስፍርኦም ኣምርሑ።

ካብዚ  ቀጺሉ ድማ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ካብ ሰዓት 3፣00  ጅሚሮም ማህሌት ዘሌሊት ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳር ልክዕ  ሰዓት 8፣20  ድማ ቅዳሴ  ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ 10፣00 ካኣ ቀጺሉ።  ድሕሪ ቅዳሴ ድማ ናይ ዕለት ሰብከተ ወንጌል ብሓውናን  መምህርናን ዲያቆን ፋኑኤል ተዋሂቡ። ብመዘምራን ኦቨስታን  ሄዶሞራን ድማ  መዝሙር  ምስጋና ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ  ብኣቦና ቀሺ ኣፈወርቂ ቃለ ማዕዳ ተዋሂቡ።እቲ ማዕዳ ድማ ኣብ ጸልማት ንዘጥፋእናዮ ንብረት ኣብ ብርሃን መጺእና ንድለዮ ዝብል  ነበረ። ልክዕ 12፣00 ድማ እቲ ዝነበረ ፕሮግራም ተጠናቂቁ ናይ እንግዶት ግብጃ ብህዝቢ ኦቨስታን ከባቢኣን ዝተዳለወ  ቀጺሉ። ኣሕዋት ብሓደ  ሓቢሮም ንኽነብሩ ኣዝዩ ሰናይን  ጥዑምን ኢዩ ከም ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት  ጥዑም  መዓልቲ  ውዒልና ክብሉ  ነበርቲ  እቲ ኸባቢ ከም ዝተዛረቡ ተገሊጹ። ነበርቲ ከተማ ቦልነስን ከባቢኣን እውን ቅድም ኢሎም ብስም ኪዳነ-ምሕረት ዝተሰምየ ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም እዮም። ኣብ ዜና ብዘይ ምግላጽና ይቕሬታ ንሓትት።

ኣብ ሃገረ ሽወደን ቁጽሪ  ናይተን ቀኖናን ስርዓትን ቤተክርስቲያን ሓልየን ዝኸዳ ዘለዋ ኣብያተክርስቲያን ኤርትራ እናበዝሓን እናዓበየን ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ምግላጽና ይዝከር።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ።

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png 0 0 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2015-05-30 20:33:212015-05-30 20:33:21ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ Link to: ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት... Link to: ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ። Link to: ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ ዕርገት ጎይታ። ገለ ካብቲ ብቅዱስ ኣውግስጢኖስ ዝተጻሕፈ ብዛዕባ...
Scroll to top Scroll to top Scroll to top