Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ

11301348 669104769887455 705449096 n 

 

 

 

 

 

ኣብ ሽወደን  ከተማ  ስቶኮልም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን  ኢትዮጲያን ሶርያን ግብጽን  ብሓባር ዝተሳተፍዎ  ዝኽሪ እቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን  ግዳያት ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ተኻይዱ ።

እቲ ንግዳያት ኣረሚናዊ ጉጅለ  ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ 2015 05 17 ኣብ  ከተማ ስቶክልም ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ  ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተዳለወ ኮይኑ ብብጽእ ኣቡነ ሙር ዲዮስቆሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ  ናይ ሶርያ  ከምዝተኸፍተ ወኪልና ካብቲ ቦታ ገሊጹ።  እቲ መደብ ሰዓት 6 ናይ ኣጋ ምሸት  ብጸሎት ጀሚሩ ክሳብ  ሰዓት 8፣00 ካኣ መዝሙርን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ምርኢትን  ከምኡ ውን ምኽርን ማዕዳን በቶም  ዝነበሩ ኣቦታት  ጳጳሳትን  መነኮሳትን ካህናትን በብቋንቋኦም  ተዋሂቡ።

ብቋንቋ  ሽዊድሽ  ብጽእ ወቅዱስ ኣቡነ  ሙር ዲዮስቅሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ ዘሶርያ

ብቋንቋ እንግልሽ  ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ  መነኮስ ኣባ  ባርናባስ

ብቋንቋ ኣምሓርኛ  ብቀሲስ ፍስሃ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን  ቅድስቲ ማርያም

ብቋንቋ ትግሪኛ  መምህር  የማነ ኣገልጋሊ ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክልም  ስፍሕ  ዝበለ ማእዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ ። ድሕሪኡ ዝቀረበ መደብ ድማ ብመዘምራን ናይ ኢትዮጲያ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን  ብመዘምራን  መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያንን    ብ መዘምራን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስትያን ኤርትራን ብትግርኛን ብ ኣምሓርኛን    የሉም ሞተዋል ሲሉን ኖረን የሉም ተፍተዋል ሲሉን በዝተን ኣለን በእግዚኣብሄር ሁሉን ኣልፈን፣  ኣለን በጌታ ሁሉን ኣልፈን እንዳበሉ  ክርስትያናዊ ምስክሮም ገሊጾም። ኣብቲ  ብኣሻሒት ዝኣኽሉ ምእመናን ዝተሳተፍዎ  መደብ ናይ ሰማእታት ዝኽሪ ንምርኣይ ሓጺር  ድራማ ምስሊ እቲ ኣብ ገምገብ ባሕሪ ለቢሶሞ ዝነበሩ ልብሲ ለቢሶም መዘምራን ምርኢት  ኣርእዮም። ነዚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዘሎ ጉዳይ ዳዕሽ ብጸሎት እምበር ብኻልእ ክኽልከል ከም ዘይክእል መርጌታ  ጌቱ ኣገልጋሊ መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያን ናይ ኢትዮጲያ ገሊጾም። ብድሕርዚ ንዝኽሪ ስማእታ ሽምዓ በሪሁ። እቲ መደብ  ልክዕ ሰዓት 8፣15  ብጸሎት  ተዛዚሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን  ።

{basicyoutube}6jeCBk3zqzs{/basicyoutube}

 

 

basicyoutube}video-id{/basicyoutube
Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/content/11301348_669104769887455_705449096_n.jpg 540 960 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2015-05-19 21:30:432015-05-19 21:30:43ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ጸግ ኣበሎ!! Link to: ጸግ ኣበሎ!! ጸግ ኣበሎ!! Link to: ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም Link to: ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ ካህንን ረኺቦም ነበርቲ ከተማ ኦቨስታን ከባቢኣን ታቦትን ኣገልጋሊ...
Scroll to top Scroll to top Scroll to top