ኣብ ሽወደን ከተማ ስቶኮልም መራሕቲ ሃይማኖት ኣርባዕተ ሃገራት ዝተሳተፍዎ ዝኽሪ እቶም ብሰማእትነት ዝሓለፉ ወገናት ተኻይዱ

11301348 669104769887455 705449096 n 

 

 

 

 

 

ኣብ ሽወደን  ከተማ  ስቶኮልም ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራን  ኢትዮጲያን ሶርያን ግብጽን  ብሓባር ዝተሳተፍዎ  ዝኽሪ እቶም ኣብ ሊብያን ሶርያን  ግዳያት ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ተኻይዱ ።

እቲ ንግዳያት ኣረሚናዊ ጉጅለ  ዳዕሽ ዝኾኑ ሰማእታት ንምዝካር ትማሊ ሓሙስ 2015 05 17 ኣብ  ከተማ ስቶክልም ዝተኻየደ ፍሉይ መደብ  ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተዳለወ ኮይኑ ብብጽእ ኣቡነ ሙር ዲዮስቆሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ  ናይ ሶርያ  ከምዝተኸፍተ ወኪልና ካብቲ ቦታ ገሊጹ።  እቲ መደብ ሰዓት 6 ናይ ኣጋ ምሸት  ብጸሎት ጀሚሩ ክሳብ  ሰዓት 8፣00 ካኣ መዝሙርን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ምርኢትን  ከምኡ ውን ምኽርን ማዕዳን በቶም  ዝነበሩ ኣቦታት  ጳጳሳትን  መነኮሳትን ካህናትን በብቋንቋኦም  ተዋሂቡ።

ብቋንቋ  ሽዊድሽ  ብጽእ ወቅዱስ ኣቡነ  ሙር ዲዮስቅሮስ ኣታስ በንያምን ጳጳስ ዘሶርያ

ብቋንቋ እንግልሽ  ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ  መነኮስ ኣባ  ባርናባስ

ብቋንቋ ኣምሓርኛ  ብቀሲስ ፍስሃ ኣገልጋሊ ቤተክርስትያን  ቅድስቲ ማርያም

ብቋንቋ ትግሪኛ  መምህር  የማነ ኣገልጋሊ ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክልም  ስፍሕ  ዝበለ ማእዳን ተግሳጽን ተዋሂቡ ። ድሕሪኡ ዝቀረበ መደብ ድማ ብመዘምራን ናይ ኢትዮጲያ ቅድስት ስላሴ ቤተክርስትያን  ብመዘምራን  መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያንን    ብ መዘምራን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተክርስትያን ኤርትራን ብትግርኛን ብ ኣምሓርኛን    የሉም ሞተዋል ሲሉን ኖረን የሉም ተፍተዋል ሲሉን በዝተን ኣለን በእግዚኣብሄር ሁሉን ኣልፈን፣  ኣለን በጌታ ሁሉን ኣልፈን እንዳበሉ  ክርስትያናዊ ምስክሮም ገሊጾም። ኣብቲ  ብኣሻሒት ዝኣኽሉ ምእመናን ዝተሳተፍዎ  መደብ ናይ ሰማእታት ዝኽሪ ንምርኣይ ሓጺር  ድራማ ምስሊ እቲ ኣብ ገምገብ ባሕሪ ለቢሶሞ ዝነበሩ ልብሲ ለቢሶም መዘምራን ምርኢት  ኣርእዮም። ነዚ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ዘሎ ጉዳይ ዳዕሽ ብጸሎት እምበር ብኻልእ ክኽልከል ከም ዘይክእል መርጌታ  ጌቱ ኣገልጋሊ መድሃኔ ዓለም ቤተክርስትያን ናይ ኢትዮጲያ ገሊጾም። ብድሕርዚ ንዝኽሪ ስማእታ ሽምዓ በሪሁ። እቲ መደብ  ልክዕ ሰዓት 8፣15  ብጸሎት  ተዛዚሙ።

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን  ።

{basicyoutube}6jeCBk3zqzs{/basicyoutube}

 

 

basicyoutube}video-id{/basicyoutube