ናይ ባንን ዓሳን ተኣምራት

 

ኣምላኽ ኣዚዩ ዘፍቅረናን ንሕና ከይበልናዮ ከለና ኩሉ እቲ ንደሊዮ ይህበና

 

መዘኻከሪ ጥቕሲ

 

“ ኣነ ብልዒ ሓቂ እየ” ዮሃ. 6:35

 

ዮሃንስ 6:1-14

 

 

ንዓና ብዝበለጸ መን ይፈትወና, ኣቦና : ኣዴና : ሓፍትና ወላስ ሓውና? ልዕሊ ኹሉ መን ይፈትወና? ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ዝፈትወና ሓደ ኣሎ። ንሱ ድማ ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ምኽንያቱ ንሱ ልዕሊ ኹሉ ኣብሊጹ ይፈትወናን የፍቅረናን። ዝኾነ ነገር ቅድሚ ምባልና ዝደለናዮ ፈሊጡ ይህበና።

 

ሓደ መዓልቲ ብዙሓት ህዝቢ ንኢየሱስ ቃሉ ክሰምዑ ሲዒቦሞ ነብሩ። ኣዚዮም ኣሽሓት ሰባት ድማ ነበሩ። ኩሎም እዚኣትቶም ድማ ካብ ገዝኦም ኣዚዮም ርሒቆም ነበሩ። ኩሎም ድማ ጠሚዮም ከምዝነበሩ ኢየሱስ ይፈልጥ ስለዝነበረ ነቶም የዕሩኽቱ መግቢ ተለዎም ክህብዎም ሓተቶም። ብጀካ ሓደ ወዲ 2 ዓሳን ሓሙሽተ ባንን ዝነብሮ ተዘይኮይኑ መግቢ ዝብሃል ወለሓደ ሰብ ኣይነበሮን። እዘን 5 ባንን 2 ዓሳን ነዚ ኹሉ ሕዝቢ ይኣኽሎም ኢልኩም ተሓስቡ ዶ? ብርግጽ ኣይከኣልን እዩ። ምስ ኢየሱስ ግን ይከኣል እዩ። ሽዑ ኢየሱስ ነተን ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ ባንን ወሲዱ ኣመስጊኑ/ጸሊዩ/ ቆረሰን እሞ ነቶም የዕርኹቱጸዊዑ ነቶም ኩሎም ሰባት ክዕድልዎም ነገሮም። ኩሎም ድማ በልዑ። ሽዑ እንታይ ኮይኑ ትፈልጡ? እቶም ኩሎም ሰባት በሊዖም 12 ክልተ መሶብ ሙሉ ኣትሪፎም።

 

ምስ ኢየሱስ ኩሉ ነገር ይከኣል እዩ። ንእሽተይ ነገር ዝነበረ ንኹሎም ኣኺሉን ተሪፉን ከማን። ንሕና ነኣምላኽና ንኢየሱስ ነፍቅሮ ኢና።

 

መደምደምታ:

 

ኢየሱስ ኩሉ ነገር ነዓና ይገብረልናን የሓልየልናን እዩ።

ኩሉ ግዜ ቅድሚ መግቢ ምብላዕኹም ኣምላኽ ነቲ ትበለልዕዎ ዘለኽም መግቢ ክባርኸልኩም ምጽላይ ኣይትረስዑ።

 

ክብሪ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ሓደ ኣምላኽ ይኹን! ኣሜን።