ሓንቲ ንፍዕቲ ሰበይቲ ን ኤልሳዕ ገዛ ሰሪሓትሉ

 

 

ዕላማ᎓

ዘለካ ምስ ሰብ ተኻፊልካ ምጥቃምን ንኻሎኦት ምፍቃርን

 

መዘኻኸሪ ጥቕሲ᎓

“ነንሕድሕድና ንፋቐር” 1ይ ዮሃ 4᎓7

 

መወከሲ᎓

2ይ ነገስት 4᎓8-11

 

መእተዊ᎓

ካብ ኩሉ ዘዓበየ ነገር ክህልወና ዝግባእ ፍቕሪ እዩ። እንተ ደኣ ነንሕድሕድና ተፋቒርና እቲ ዝበለጸን ቅኑዕ ነገርን ንገብር ኣሎና። እንተደኣ ከምዚ ኾይኑ ድማ ደቂ ኣምላኽ ከብለና ዝኽእል ነገር ጌርና ማለት እዩ።

 

ትምህርቲ᎓

ሓደ ኤልሳዕ ዝበሃል ነብዪ ነበረ። ንሱ ድማ ንኣምላኽ ኣዚዩ የፍቅርን ንደቂ ሰባት ኩላቶም ድማ የፈቱ ነበረ። ንሱ ድማ ብዛዕባ ኩላቶም ደቂ ሰባት ናብ ኣምላኽ ይጽልን ይሓልን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ናብ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ክበጽሕ ከይዱ። ዘዕርፈሉ ናቱ ዝኾነ ገዛ ስለዘይነበሮ ኣብቲ ናይታ ሰበይቲ ገዛ ይቕመጥ ወይ ድማ ንብዙሕ ግዜ ይጸንሕ ነበረ ። ሽዑ እታ ሰበይቲ ንሰበኣያ ከይዳ ንነቢዩ ኤልሳእ ናቱ ዝኾነ ገዛ ስለዘይብሉ ሰበኣያ ገዛ ክሰርሓሉ ለመነቶ። ሰበኣያ ድማ ኣብቲ ልዕሊ ናሕሲ ናይ ገዝኦም ንእሽተይ ገዛ ሰርሓሉ። ንሳ ድማ ዓራት᎓ ጣውላ᎓ ሉቸን ከምኡ’ውን ዘድሊይዎ ናይ ገዛ ኣቁሑት ኣብቲ ዝተሰርሓሉ ገዛ ገበረትሉ። ኤልሳእ ድማ ገዛ ስለ ዝረኸበ ኣዚዩ ተሓጎሰ ነታ ሰበይቲ ድማ ብዙሕ ኣመስገና። ኤልሳእ ድማ ነታ ሰበይትን ንሰበኣያን ዝደልይዎ መታን ክረኽቡ ናብ ኣምላኽ ጸለየሎም። ቆለዓ ስለዘይነበሮም ድማ ኣምላኽ ቆለዓ ሃቦም። ንሳቶም ድማ ብዙሕ ተሓጎሱ ነኣምላኽ ድማ ኣመስገንዎ።

 

መደምደምታ᎓

እታ ሰበይቲ ኣዚያ ለዋህን መፍቀሪትን ስለዝነበረት ንኤልሳእ ገዛ ሰሪሓትሉ። ኤልሳእ ድማ ኣምላኽ ቆለዓ ክትወልድ መታን ናብ ኣምላኽ ጸለየላ። ንሕና ድማ ነንሕድሕድና ክንፋቐር ከምዘለና ክንርስዕ የብልናን። እቲ ዘለና ነገር ድማ ነቶም ዘይብሎም ከነማቕሎምን ስለኻልኦት ድማ ምጽላይ ከምዘለና ክንማሃር ይግበኣና።