ንኮረና ቫይረስ ኣመልኪቱ ዝወጸ እዋናዊ መግለጺ

ዝኸበርኹም ህዝበ እግዚኣብሔር፡

ኣብ ዘዘለኹሞ ብደሓነ ሰላም ክትህልዉን ካብዚ ናይ ጾምን ሱባኤን ወቕቲ ካኣ መንፈሳዊ ዕቤትን በረኸትን ትረኽቡ ክትህልዉንጸሎትናን ትምኒትናን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና በዚ ተኸሲቱ ዘሎ CORONAVIRUS (COVID-19) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ተላባዒ ሕማም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ትርከብ ኣላ። ዝምልከቶም ኣካላትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ውን ሰብ ንምድሓን ብዙሕ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ንሕና ውን ከም ክርስቲያን ኣብቲ ንምክልኻሉ ዝግበር ዘሎ ጻዕርታት እጃምና ከነበርክትን ምትሕብባርና ከነርእን ክርስቲያናዊ ግዴታ ኣሎና። በዚ መሰረት ቤት ጽሕፈት ሃገረስብከት ካብ ብጹእ ኣቡነ ኣባኪር ሓበሬታ ብምውሳድን ምስ ካህናት ጉባኤ ብምግባርን ካብ ሎሚ ጀሚሮም ተግባራውያን ዝኾኑ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ ኣሎ።