ኣብ ቃል ኪዳን ንምጽናዕ ዝሕግዙ ምኽርታት

እቲ ህያብ ፈጣሪ ዝኮነ መውስቦ ትርጉሙ ከም ዝቐየረን ጠገለ ስኢኑ ከም ዘሎን ንኩልና ብሩህ እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ፍትሕ እናበዝሐ ይመጽእ ኣሎ። እኹል ናይ ወለዲ ፍቕሪ ዝተነፍጎም ህጻናት’ውን ቁጽሮም እና ዛየደ እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣባና ኣብቶም ክርስትያን ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን  ዘሎ እንተ ኢልና ዝተፈላለዩ ነጥብታት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ብጥቕሉሉ ግን ፍልጠት ካብ ምስኣን ካብ መንፈሳዊ መንገዲ ምርሓቕን  እዩ ክበሃል ይከኣል ። እምበኣር ሎሚ ንሓዳርና ከነደልድለሉ  እንኽእል  መንገዲ ከም ፍቃድ  እግዚኣብሄር ክንርኢ ኢና። ምስትውዓል  ዝመልኦ ንባብ  ንኽገብረልና ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ፍቃድ ይኹነልና።

ሓዳርካ ብኸመይ ተደልድል ፦

ሓንቲ ኣዝያ ዝዓነወት ቤት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ሰኣል። ቀለማ ተቐላሊጡ: ናሕሳ ተበላሽዩ: እቲ ኣብ ቀጽሪ ዘሎ ኣታኽልቲ እውን ዝከናኸኖ ስኢኑ ኣሎ ንበል።  እዛ ቤት እዚኣ ንሓያሎ ዓመታት ህቦብላ ንፋስን ማይን ተጻዊራ ከም ዝጸንሐትን ቍሊሕ ዝብላ ከም ዘይረኸበትን ዘጠራጥር ኣይኰነን። በቲ ዘላቶ እንተቐጺላ ምፍራሳ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ተበግሶ ወሲዱ ዝከናኸና እንተ ረኺባን መሰረታ ድልዱል: ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ጽኑዕ እንተ ዀይኑን ግና ክትጽገንን ናብቲ ናይ ቀዳማይ ምስላን ክትምለስ  ትኽእል እያ።

እዛ ቤት እዚኣ ንኩነታት ሓዳርካ እትርእየላ ኣብነት ጌርካ ውሰዳ። ከበድቲ ሽግራት ንሓያሎ ዓመታት ንሓዳርካ ረቢሽዎ ይኸውን። እንተ ሓዴኹም እንተ ኽልቴኹም ንሓዳርኩም ዕሽሽ ኢልክምዎ እውን ትዀኑ።  ከምቲ ንገለ ሰብ ሓዳር ዘጋጥሞም ማለት  “ንስሙ ሰብ ሓዳር ንበሃል እምበር ዋላ ሓንቲ ዘራኽበና ነገር የብልናን” ዝብል ይህሉ ይኸውን።

ሓዳርኩም ኣብ ከምዚ ዘኣመሰለ ደረጃ እኳ እንተ በጽሐ: ተሃዊኽኩም ኽፈርስ ኣለዎ  ኣብ ዝብል ውሳነ ኣይትብጽሑ።  ክዕረን ናብቲ ንቡር ኩነታቱን ክምለስ ይኽእል  እዩ። እዚ ኣብቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤትካን ዘሎ ንቓል ኪዳንኩም ዘለኩም ኣረኣእያ እዩ ዝምርኰስ።  እዞም ኣብ ታሕቲ  ቀሪቦም ዘለዉ ምኽርታት ኣብ ሓዳርና ንኽንጸንዕ ዝሕግዙ ስለ ዝኾኑ ብጽሞ ነንብቦም።

ነቲ ዝኣተኻዮ ቃል ኪዳን ናይ ምፍጻም ግዴታ ከምዘለካ ምፍላጥ።

ኣብ መንጎ ተጻመድቲ ዝኾነ ሽግር ምስ ዘጋጥም ነቲ ብዘይ ዝኾነ ድፍኢት ብፍቓድካ ኣብ  ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ደው ኢልካ ዝመሓልካዮ ማሕላ ክትፍጽሞ ግዴታ ከም ዘለካ ተረዳእ። ወዮ ተፋቲና ብሓደ ክነብር ምስ ወሰና ዝበልናዮ ቃል እንታይ ድዩ ዝብል? ሓሚሙ/ማ: ሰኒፉ/ፋ: ዓዊሩ/ራ: ኢለ ከይጠልሞ/ማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን  ካህንን  ህዝብን ቃልኪዳን ይእቱ ዶ ኣይኮነን ዝብል። እዚ ማለት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብሓደ ክነብር ንምሕል ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ ሓዳር ክበሃል ከሎ ንስኻን ብዓልቲ ኺዳንካን ዝመጸ እኳ እንተ መጸ ብሓንሳእ ንኽትነብሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ማሕላ  ኣቲኹም ኢኹም።

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠረ: ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም: ድማ፤ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ: ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። (ማቴዎስ 19:4-6)

ጸገማት ክፍጠር ከሎ: ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ነቲ ዝኣተኹምዎ ቓል ኪዳን ንኽትሕልዉ ቈራጽነት ክህልወኩም ኣለዎ። ስለዚ ቃል ኪዳን ግዴታ ምኻኑ ፈሊጥና ሓዳርናን ናብራናን ብኸመይ ከነማሕይሾ ከምዘለና መፍትሒ ከነናዲ አዩ ዘለና።

ተደጋጊፍካ ምንባር ንቓል ኪዳን ከምዘደልድሎ ምርዳእ

ኣብ ቃል ኪዳንካ ምጽናዕ ክበሃል ከሎ: እቶም ሰብ ሓዳር ዘይሰማምዑሉ ነጥብታት ኣይፍጠርን ማለት ኣይኰነን። ግርጭት ክፍጠር ከሎ: ምእንቲ እቲ ማሕላ ኢልካ ጥራይ ዘይኰነስ: ብቐንዱ እውን ዝተኣሳሰርኩም ብምዃንኩም ነቲ ጕዳይ ንምፍታሕ ሓያል ባህጊ ኽህሉ ኣለዎ። ጎይታ  ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር: ክልተ ኣይኰኑን” ኢዩ ዝበለ።

ምስ በዓልቲ ቤትካ “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ሰብኡት ነንስቶም ከም ነፍሶም ገይሮም ከፍቅርወን ከም ዝግባእ’ ጽሒፉ እዩ። (ኤፌሶን 5:28, 29) ስለዚ: “ሓደ ስጋ” ምዃን ክበሃል ከሎ: ንበዓልቲ ቤትካ (ንበዓል ቤትኪ) ከም ርእስኻ ጌርካ ምርኣይ  እዩ። ሰብ ሓዳር ነተሓሳስባኦም ካብ “ናተይ” ናብ “ናትና:” ካብ “ኣነ” ኸኣ ናብ “ንሕና” ክቕይርዎ ይግባእ።

ብዙሓት ብሓዳሮም ዘይሕጉሳት ክንሶም  ምእንቲ ደቆም ክብሉ ወይ ውን ናብራ ምእንቲ ኸይከብዶም ኢሎም ብሓባር ይነብሩ እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ንፍትሕ ዝቃወሙ ብምዃኖም ወይ ‘ሰብ እንታይ ክብለና’ ካብ ዝብል ፍርሂ ከይተፋትሑ ተጸሚሞም ይነብሩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ሓዳር ጸኒዖም ምቕጻሎም ዝነኣድ እኳ እንተዀነ: ቀንዲ ሸቶኹም ፍቕሪ ዝመልኦ ናብራ ኽህልወኩም ደኣ እምበር ከይፈረሰ ዝነብር ሓዳር ክህልወኩም ጥራይ  ስለ ዘይኰነ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ናብራ ሰለይ ክትብሉ ይግባእ።

ጥቕሚ ርእስኻ ዘይምድላይ ንቓል ኪዳን የደልድሎ እዩ

“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም” ክዀኑ ምዃኖም መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) ከምቲ ብትንቢት እተነግረ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ነዛ ንርእሶም እትጥዕሞም ጥራይ ዝደልዩ ሰባት ይበዝሑ ኣለዉ። ኣብ ሓያሎ ሓዳር ሓደ ነገር ከም እትረክብ ከየረጋገጽካ ዝዀነ ይኹን ነገር ምሃብ ከም ድኻም ጌርካ ይርአ ኣሎ። ኣብ ጥዑይ ሓዳር ግን ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ጥቕሚ ርእሶም ይስውኡ እዮም። ብኸመይ ኢኻ ኸምዚ ኽትገብር እትኽእል፧

“ካብዚ እንታይ እየ ዝጥቀም፧” ኢልካ ኣብ ክንዲ እትሓትት: “ሓዳረይ ንምድልዳል ብብሕተይ እንታይ የበርክት ኣለኹ፧”ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። መጽሓፍ ቅዱስ  “ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር: ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት” እዩ ዝብለና። (ፊልጲ 2:4) ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ምክሪ ከተስተንትን  ኸሎኻ: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገበርካዮ ነገራት እስከ ምልስ ኢልካ መርምሮ። ንበዓልቲ ቤትካ ምእንቲ ኽትጠቅም ኢልካ ክንደይ ሳዕ ኢኻ ሕያውነት ዘንጸባርቕ ተግባር ጌርካ፧ ክትዛረበካ ምስ ደለየት: ዋላ እውን ባህ እንተ ዘይበለካ ጽን ኢልካ ሰሚዕካያዶ፧ ኣብቲ ብዝያዳ ንበዓልቲ ቤትካ ዘገድሳ ንጥፈታት ክንደይ ሳዕ ተሳቲፍካ፧ ሰበይቲ’ውን እንተ ዀንኪ ነዚ ነገራት እዚ ንሰብኣይኪ ጌርክሉዶ፧

ኣብ መብዛሕትኡ ርክባት: ጽቡቕ ምስ እትገብር ካልኦት ጽቡቕ እዮም ዝገብሩልካ: ስለዚ ንብጻይካ ጽቡቕ ንኽገብረልካ ንምትብባዕ: ንስኻ ብዝያዳ ጽቡቕ ግበር ። ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ንሓዳርካ ኣኽቢርካ ኸም እትርእን ነባሪ ኽትገብሮ ከም እትኽእልን ስለ ዘርኢ ኣዝዩ ውጽኢታዊ እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ክትርእዮ ኣሎካ ።

ኣምላኽ ንተኣማንነት ኣኽቢሩ እዩ ዝርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኢዩ ዝብል “ምስቶም [ንዓኻ] እሙናት ዝኾኑ እሙን ኢኻ” እዩ ዝብል። (2 ሳሙኤል 22:26 ንኣምላኽ እሙን ምዃን ክበሃል ከሎ: ንሓዳርካ እውን እሙን ምዃን ዘጠቓለለ እዩ።—ዘፍጥረት 2:24

ንስኻን ብዓልቲ ቤትካን ንሓድሕድኩም እሙናት እንተ ዄንኩም: እቲ ሓዳርኩም ስምረት ይህልዎ። ብዛዕባ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኰነ ዓመታት ክትሓስቡ ኸለኹም: እትፈላለዩ ዀይኑ ኣይስምዓኩምን። ምፍልላይ ዝብልዎ ነገር ፈጺምኩም ኣይትሓስብዎን: እዚ ኣረኣእያ እዚ ኸኣ ንሓዳርኩም የደልድሎ። ሓንቲ ብዓልቲ ሓዳር “[ብበዓል ቤተይ] ኣጸቢቐ ክሓርቕ ከለኹ እውን ከይተረፈ: ንፈላለ ደዀን ንኸውን ኢለ ፈጺመ ኣይጭነቕን እየ: የግዳስ በቲ ዘጋጠመና ነገራት እየ ዝጕሂ። ናብ ቀደምና ብኸመይ ከም እንምለስ እየ ዝጭነቕ። ኣብቲ እዋን እቲ: እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ጥራይ እየ ዘይፈልጥ እምበር: ከም ቀደምና ኸም እንኸውን ዋላ ሓንቲ ምጥርጣር የብለይን” ኢላ ከተዕልል ሰሚዐ ኣሎኹ ከመይ ተዓዲላ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ምርኣዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ቓል ኪዳን እኳ እንተዀነ: እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ሓያሎ  ሰብ ሓዳር ምጥፋኡ እዩ። ሰብ ሓዳር ሓሪቖም ክዘራረቡ ኸለዉ: እቲ ሰብኣይ “ጠንጢነኪ ክኸይድ እየ!”  ኢሉ ይዛረብ ይኸውን። ወይ ከኣ እታ ሰበይቲ ነዚ ቓላት እዚ ተውስእ ትኸውን። ልክዕ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ  ብልቦም ኣይኰኑን ከምዚ ዝብሉ። ኰይኑ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ልሳን “ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት” ክትከውን ከም እትኽእል ይገልጽ እዩ። (ያእቆብ 3:8) ምጕብዕባዕን እዚ እንተ ዘይጌርካ ወይለኻ ምባልን ንሓዳርና ኸም ነባሪ ገይረ ኣይኰንኩን ዝርእዮ ኣብ ቃሕ ዝበለኒ ግዜ ጠንጢነዮ ክኸይድ እኽእል እየ ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ምውሳእ ንሓዳር ክብትኖ ይኽእል እዩ።

ንሓዳርካ ነባሪ ጌርካ ትርእዮ እንተደኣ ዄንካ: ምስ በዓልቲ ቤትካ ጸገማት ኰነ ዕንቅፋታት ንኽትሰግር ኢኻ ትጽቢት እትገብር። እዚ ተወሳኺ ረብሓ ኣለዎ። ንዓኻ ዀነ ንበዓልቲ ኺዳንካ ድኻምኩምን ጸገማትኩምን ንኽትቅበሉ ከምኡውን ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም ይቕረ ንኽትበሃሃሉ ዝቐለለ እዩ ዝዀነልኩም።

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት

ሓዳርካ ንምድልዳል ዘሎካ ቈራጽነት ክሳዕ ክንደይ እዩ፧ ምናልባት ምምሕያሽ ክትገብረሉ እትኽእል ነጥብታት ረኺብካ ትኸውን። ቃል ኪዳንካ ንምድልዳል: ነዚ ዝስዕብ እስከ ፈትኖ:- እዚ ድማ ናይ  ቅዱሳን ምኽሪ ስለ ዝኾነ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ ዝብል ተስፋ ኣሎኒ፤

ርእስኻ መርምር። ንርእስኻ ‘ብሓቂዶ ልበይ ኣብ ሓዳረይ እዩ: ወይስ ከም ንጽል እየ ዝሓስብን ዝመላለስን ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት። ብዓልቲ ቤትካ (ብዓል ቤትኪ) ብዛዕባዚ እንታይ ከም ዝስምዖ ፍለጥ።

ቅዱሳን መጽሓፍቲ  ምስ ብዓልቲ ቤትካ ብሓባር ኴንኩም ኣንብብዎ። ድሕሪኡ ቓል ኪዳንኩም ንምድልዳል ብህድኣት ተመያየጡሉ።

ኣብ ኩሉ መንገድኹም ብጸሎትን መንፈሳዊ ምኽርን ዝድግፈኩም ኣቦ ንስሓ( ይሃልኹም)።

ኣብ ቃል ኪዳና ክንጸንዕ ኣምላኽ ይደግፈና።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ።