ዕዉት ክትከውን ትደሊ ዶ???

2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ዮሴፍ ናብ ዘይፈልጦ ዓዲ ጓና ብዘይጠቅም ገንዘብ እኳ እንተተሸጠ  እቲ ሓያል ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረ ግና ኣይተሰናበደን፣ ኣብቲ ዓዲ ስደቱ ከይተረፈ ኣምላኽ ባሪኽዎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ከይተረፈ ግና ፈተናን ብድሆን ኣሰር ኣሰሩ ካብ ምስዓብ ኣየቛረጸን፣ ከምቲ ንኹሉ መንእሰይ ዝገጥሞ ናይ ስጋ ፈተና ካብ ሰይቲ ጶጢፋር ገጥምዎ፣ በዚ ብድሆ እዚ ውን ኣይተሳዕረን፣

ፈተና ክገጥመና እንከሎ ክንስሕቶ ዘይብልና ሓደ ሓቂ ኣሎ ንሱ ካኣ መስዋእትነት ንምኽፋል ንሕተት ከም ዘሎና ምርዳእ እዩ፣ የሴፍ ነዚ ዝገጥሞ ዓቢ ብድሆ ምስ ሃደመሉ ውን እንተዀነ ናእዳ ብዙሓት ዘይኰነስ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ መከራ እዩ ገጢምዎ። እንሓንሳብ ብዓወት ዝሰገርካዮ ፈተና ኻብኡ ዝገደደ ፈተናን ብድሆን የዳልወካ ምኻኑ ምዝካር ሰናይ እዩ፣

ካብቲ ዘገርም ዮሴፍ ነቲ ኣዚዩ ምውቕ ዝመስል ፍቕሪ ናይ ሰይቲ ጶጢፋር ኣይተቐበሎን ብግዝያዊ ጣዕሚ ኣይተሓበለን ንሕና ኸ? ሎሚ ዘመን ንብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዘዛሕትሎ ዘሎ ግዝያዊ ጣዕሚ ዓለም እዩ። እዚ ንመብዛሕትና  ዘይስገር ዓቢ ዓቐብ ኰይኑና ኣሎ፣ ግና ንዘክር ዓለምን ፍትወታን ሓላፊት እያ  እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘልኣለም ክነብር እዩ። ንኣምላኽ ደስ ዘብሎ ነገር ንሕና  መንእሰያት ብዘመጸና ዓለማዊ ዕድመን ምድራዊ ፈተናን ከይተበዳህና ንኣምላኽ ክነኽብር እንከሎና ጥራይ እዩ፣ እዚ ድማ ብጸጋ ኣምላክ ይካኣል እዩ።

ዓለምን ሰይጣን  ኣጽዋሮም ኣንጻርና ክዝርጉሑ ናይ ግድን እዩ፣ ንዓና ከውድቑና ብኹሉ ሓይሎም ክትንስኡ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ንሕና በዚ ናታቶም ከይተዳሃልና ጉዕዞና ንቐጽል፣ ዮሴፍ ንሓጢያት ኣይተንበርከኸን፣ ብዝገበርካዮ ተኸሲስካ ገበነኛ ኢካ ክትበሃል ንቡር እዩ፣ ብዘይገበርካዮ ገበን ገበነኛ ክትበሃል ግና ኣዚዩ ከቢድ እዩ፣ ንዮሴፍ ድማ እዚ ብድሆ እዚ እዩ ገጢምዎ፣

ዮሴፍ ንዝነበሮ ንጽህና ዝርዳኣሉ ሰብ ብፍጹም ኣይነበረን፣ ንሱ እዉን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ክማጐተሉ ዝኽእል ዓቅሚ ስለ ዘይነበሮ ድማ ከምታ ንማሕረዲ ተጐቲታ ትኸይድ በጊዕ ብስቕታ እዩ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝተዳጐነ። ይኹን እምበር ዮሴፍ በዚ ርዒዱ ንዝሓዞ ዕላማን ንዝተቐበሎ ተስፋን ኣይደርበዮን። ኣብቲ ምዱብ ጊዜኡ ድማ እቲ ንብድሆታት ሰጊሩ ንኣምላኽ ዝተኣመነ ዮሴፍ ብዘደንቕ ክብሪ ከበረ።

ኩቡር መንእሰይ ንሕና መንእሰያት ድማ ንኣምላኽ ተኣሚና ብዝመጸና ብድሆ ከይሰንበድና። ኣብቲ ዘፍቅረና ኣምላኽ እንተ ጸኒዕና ክንዕወት ናይ ግድን እዩ። ዮሴፍ ብዝገጥሞ ውሽጣውን ደጋውን ብድሆታት ከይተሰነፈ ዝረኸቦ ክብሪ ሎሚ ናትና ክኸውን ምጥማትና ናብ ኣምላኽ ይኹን።

ምስ ኣምላኽ ምኳንን ንዕኡ ምግልጋልን ጥዑምን ጉሩምን እኳ እንተዀነ ዋጋ ዘኽፍል ምኳኑ ክንርዳ ግን ኣገዳሲ እዩ።ዮሴፍ ግና ነቲ ዝገጠሞ ናይ መከራ ብድሆ ጥራይ ኣይኰነን ብዓወት ሰጊርዎ እንታይ ድኣ በቲ ዝነበሮ ጣዕምን ምቾትን ከይተዓሸወ ምስክርነት ህይወቱ ከየባለሸወን ውን እዩ ብጽንዓት ተጋዲሉ።

ንዝመጹና ብድሆታት ንክንሰግሮም  ወትሩ ናይ ውሳኔ መንፈስ ክህልወና ይግብኦ። እዚ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ስለ ዝዀነ ድማ ምሱኡ ጽቡቕ ርክብ ክንገብር ከድልየና እዩ። ኩቡራት መንእሰያት ኣብ ኩሉ ናይ መከራን ፈተን እዋናትና ከኣልነትን ብርተዐን ኣምላኽ ክንዝክር ይግባእ። ንሱ ከቶ ኣይክሓድገናን ኣይክጥንጥነናን እዩ፣ ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ ከም ምኽሩ ድማ ዝተጸውዑ ኩሉ ነገር ንሰናዮም ከምዝድግፎም ንፈልጥ ኢና ተባሂሉ ኣሎ እሞ። ኣብ ውሽጢ ጸልማት ዝመስል ብርሃን ከምዘሎ ፈሊጥና ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ይግባእ። ጎይታ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ዝሃበና ተስፋ ከምዚ እዩ ዝብል….. ” ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ እቲ ዝፈጠረካ ኣታ እስራኤል እቲ ዝደኰነካ ከምዚ ይብል: ተበጀየካ እየ እሞ ኣይትፍራህ ብስምካ ጸዋዕኩካ ንስካ ናተይ ኢኻ፣ ብማያት ምስ ትሓልፍ ምሳኻ ክከውን እየ፣ ብውሒዝ ምስ ትሳገር ኣይኬጥሕለካን እየ፣ብሓዊ ምስ እትኸይድ ኣይክትነድድን ኢኻ፣ ሃልሃልታ ሓዊ እውን ኣይክህሙኸካን እዩ፣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ መድሓኒኻ እየ እሞ። ንግብጺ በጃኻ ንኢትዮጵያን ስባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ ኣብ ኣዒንተይ ቡሉጽን ክቡርን ስለ ዝኰንካ ስለ ዘፍቀርኩኻን ኣብ ክንዳካ ሰባት ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ፣ ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራህ” ኢሰ 43:1-5።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!