እምነት ምእመናን ዘግሃደ ጽምብል ኣብ ከተማ ያቭለ ተጸምቢሉ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ብሓድነቱን ሰለስትነቱን እንዳተመስገን ዚነብር ህያው አምላክና ምስግና ይኩኖ፡ ናብ’ዚ ቅዱስ ዕለት እዚ ብሰላም ብጥዕና አብጺሑ ናይ ቅድስት ስላሴ በዓል ንምብዓልን  ንምስታፍን ስለ ዚፈቀደልና ልዑለ ባህርይ አምላክና  ክብሪ ይኹኖ።

ኣብ ሃገረ ስዊዲን፡ ያቭለ ኣብ እትበሃል ከተማ እትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን፡ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ  ትማሊ ቀዳም 19 ሐምለ 2014፡ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሽወደን ብዝመጹ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ሊቃውንት መማህራን፡ ካህናትን ዲያቆናትን  ከምኡ’ውን ልዕሊ 500 ዝኾኑ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብዓብዪ መንፈሳዊ ድምቀት ተጸምቢሉ፥ እቲ ጽምብል ካብ 18 ሐምለ ሰዓት 18፣00 ድ,ቀ ምቅባል አጋይሽ ጀሚሩ ካብ ሰዓት 20፣00 ድ,ቀ  መዝሙር ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ   ያቭለ ብመዘምራን ቤተክርስቲያን ቅድስት ማርያም ሳንድቪከን ፥ብመዘምራን ቅዱስ ሚካኤል ሱንድስቫል፣ ብመዘምራን  አቡነ አረጋዊ ስቶክሆልም ከምኡ ውን ካብ ዚተፈላለዩ ማሕበራት ዚመጹ መዘምራን ተሳቲፎሞ።

መደብ ብጸሎት ምስ ጀመረ ብዝተፈላለየ መደባት ማለት ትምህርት፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ማዕሪጉ አምስዩ። ካብ ከባቢ ሰዓት 2 ድማ ማህሌት ተጀሚሩ መርጌታን ተስፋይ( ጎንደሬን )መርጌታ አፈወርቅን ብብዙሓት ሊቃውት ካህናትን ዲያቆናትን ማዕሪጉ ሓደረ።ከባቢ ሰዓት 6፣ ቅዳሴ ተጀሚሩ ቅዳሴ ድሕሪ ምዝዛሙ ብሊቃውንቲ እናተሰነየ ዑደትን ጸሎተ ምህልላ ስለ ህዝብን ሃገርን  ተከየዱ፣  ኣብ መወዳእታ ብኣገልጋሊ ቤተክርስቲያን ቅድስት ስላሴ  ቀሺ ገብረእግዚአብሔር ቃል ምስጋና  ምስ ተዋህበ: ዕዱማት ናብቲ ብኣማንያን ዝተዳለወሎም ናይ ምሳሕ እንግዶት ኣምሪሖም። ነዚ ዝገበረ ህያው አምላክና ዚከበረን ዚተመስገን ይኩነልና።

ስብሃት ለእግዜአብሄር 
ወለወላዲቱ ድንግል

{flike}