Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

ንእስነትካ ንጎይታ ዶ ወላስ ንዓለም ?

ንእስነት ዕዳ እያ᎓! ክብሃል ዶ ሰሚዕኩም ትፈልጡ? እዚ  ልሙድ ዝኾነ ኣዘራርባ ሰባት እዩ። ከመይ ኢላ እያ ግን ንእስነት ዕዳ ኮይና᎒ ዕዳ ዝበሃል እኮ ገንዘብ ወይ ንብረት ካብ ሓደ ብጻይካ ተለቂሕካ ትወስዶ እሞ ክሳብ ዘይከፈልካዮ ዕዳ ይኾነካ። ስለዚ ዘይተኸፍለ ነገር ዕዳ ይበሃል። ንመጻኢ ትኸፍሎ ማለት እዩ። ስለዚ በዚ ኣዘራርባ እዚ እንተ ኼድናዮ ንእስነት ድያ ነዓኻ ዕዳ ኾይናትካ ዘላ᎒ ወላስ ንስኻ ኢኻ ንንእስነትካ ዕዳ ኾይንካያ ዘለኻ᎒ መንኩም እዩ ኣለቃሒ᎒ መንኩም እዩ’ኸ ዕዳ ኸፋሊ᎒ ንስኻ ዲኻ ወላስ ንእስነትካ᎒

ንእስነት ማለት እንታይ ማለት እዩ᎒ ቃል ብቓሉ ንእሽተይ ማለት እዩ። እንተዘርዚርናዮ ድማ ንብዙሕ ነገር ከመልክት ይኽእል። ንእሽተይ ማለት ንነገራት ተኾይኑ᎓ ቁሩብ ብዙሕ ዘይኮነ᎓ ንሰብ እንተኾይኑ ድማ᎓ ብዕድመ ንኡስ ወይ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ማለት እዩ። እምበኣር እቲ ካልእ ገዲፍና ነቲ ንሰብ ዝወሃቦ ትርጉም ክንርኢ። ንእስነት ማለት ቁልዕነት ማለት እዩ። እዚ ድማ ኣብ ክልተ ይክፈል፦ እቲ ሓደ ብዕድመ ምንኣስ (ቁልዕነት) ክኽውን እንከሎ እቲ ሓደ ግና ብዕድመ በጽሒ ኮይንካ በተሓሳስባኻ ግን ቆልዓ ምኳን ማለት እዩ። ሕጂ  መታን ነገራት ከይገፍሑና እቲ ዝርዝር ጉዳይ ገዲፍና በቲ ልሙድ ዝኾነ ኣዘራርባ ክንዛረብ። ብናይ ሃገርና ልሙድ ኣዘራርባ ንሓደ መንኣሰይ ማለት ብዕድመ ክሳብ ከባቢ ዕስራ ዘሎ ኣብቲ ውዕይ ዕድመ ንዘሎ ዝወሃብ ቅጽል እዩ። እዚ ሰብ እዚ ንዓለም ኣብ ምልላያ ስለ ዘሎ ኩሉ ነገር እዩ ባህ ዝብሎ። ብስምዒትን ብድፍኢትን እዩ ዝንቀሳቐስ ምኽንያቱ ውዑይ ደም እዩ። ካብ ዕስራ ክሳብ ሰላሳታት ዘሎ በጽሒ ይበሃል። ኣብዚ ከባቢ ብመጠኑ ስኽን ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣለዎ። ካብ ኣርበዓ ንላዕሊ ዘሎ ዕድመ ድማ ምሉእ ሰብ ይበሃል። ብዕድመ እናደፍአ ምስ ከደ ድማ ሽማግለ ይበሃል። ሕጂ እቲ ዘሎ ጸገም እቲ መንኣሰይ᎓ እቲ በጽሒ᎓እቲ ምሉእ ሰብ ከም’ውን እቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ሰብ ንእስነት ዕዳ እዩ ክብለካ ትሰምዕ። ኩሉ በዓል ዕዳ ምኻኑ እዩ ዝዛረብ። መዓስ ተለቂሕዎ᎓ ካብ መን እዩ ተለቂሕዎ ዕድኡ’ውን ንመን ከምዝኸፍሎ  ኣይፈልጥን እዩ። ግን በዓል ዕዳ እዩ።

ንእስነት በቲ ልሙድ ኣዘራርባ፤ በሓጺሩ ዓለም ምፍታው ማለት እዩ። ዓለም ድማ፦ ገንዘብ ምፍታው᎓ ስኽራን᎓ ዕብዳን᎓ ትዕቢት᎓ ትምክሕቲ᎓ ኣነ ይፈልጥ ምባል᎓ ጓይላ᎓ ይእኸለኒ ዘይምባል: ስስዐ᎓ ኣብ ሓደ ዘይምውሳን: ዝሙትን ጽላለን እያ። ሰባት ነዞም ሕጂ ዝዘርዘርናዮም ነገራት መዓልታዊ ክገብርዎ ይደሊዩ እሞ᎓ ናይ ንእስነት ዘይተኸፍለ ዕዳ ኣሎኒ ይብሉኻ። ግን እኮ ኣተሓሳስባና ኣስፍሕ ኣቢልና እንተሪኢናዮ፤ ንሳቶም እዮም ንንእስነቶም ኣብ ዕዳ ኣእቲዮማ ዘለዉ እንበር፤ ንእስነቶም ዕዳ ኣይኮነቶምን። ግዜ ኣይኮነን ነዓኻ ዝጥቀመልካ። እንታይ ደኣ ንስኻ ኢኻ ንግዜ ትጥቀመሉ። እቲ ንእስነት ዘብል ዘሎ እቲ ዕድመ እንዲዩ ዕድመ ድማ ብግዜ እዩ ዝልካዕ። ግዜኻ ኣብ ዓለም ምንዳይ እንተሕሊፍካዮ፤ ባዓል ዕዳ ንስኻ ኢኻ። ኣለቃሒኻ ድማ ዓለም እዩ። እቲ እትኸፍሎ ዋጋ ድማ ወርቃዊ ግዜኻ እዩ። እቲ ናይ’ዚ ኹሉ ሕነ ዝፈድየካ ድማ ፈጣሪኻ እግዚኣብሔር  እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንእስነት ከምዚ ይብለና፦ “ኣታ ወዲ ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ባህ ይበልካ፥ በዘን መዓልትታት ንእስነትካ ተሓጎስ፥ እትደሊዮ ግበር፥ ልብኻ ዝብህጎ ኸኣ ሰዓብ፥ ግናኸ ኣምላኽ ብዛዕባ’ዚ ኹሉ ከም ዝፈርደካ ዘክር። ንእስነትን ብጽሕነትን ቀልጢፉ የሓልፍ እሞ፥ ስለዚ ጓሂ ኻብ ልብኻ፥ ሕሰም ካብ ሰብነትካ ኣርሕቕ” (መክብ. 11:9-10)። ብዙሓት ሰባት ንፈጣሪኦም ዝዝክርዎ ኣብ ግዜ ዕቤቶም ማለት ኣብ እዋን ሽምግልንኦም ጥራይ ከምዝኾነ ይመስሎም። ግን ንፈጣሪና ኣብ እዋን እርጋና ጥራይ ዲና ክንደልዮ ዝግበኣና᎒ ምስ ኣረግና ናብ እነብሎ ምስ ሰኣና ኣብታ ናይ መጨረሽታ ሰዓት ጎይታይ ጎይታይ እንተበልናዮ ንሱ’ኸ ውሉደይ ዶ ይብለና᎒ እዚ ንርእስኻ ምጥባር እዩ። እስከ ከምዚ ጌርና ንረኣዮ፦ ሓንቲ መኪና ምስ ገዛእካያ ዝግባእ ክንክን እንተዘይጌርካላ፥ ተጠንቂቕካ እንተዘይ ሒዝካያ ማለት ካብ ግቡእ ንላዕሊ እንተ ኣንሂርካያን፤ ሰኺርካ ኮለኻ እንተዘዊርካያንሲ መኪና ዶ ትኾነካ እያ᎒ ያእ ኣይፋሉን። በኣግኡ ኮሎ ስለ ዘይተጠንቀቕካላ ተጋጭያ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ትኸውን። ንዓኻ’ውን ሂወትካ ወይ ተስእነካ ወይ ድማ ስንኩል ትገብረካ። ንነፍስካ ድማ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ምስ እግዚኣብሔር እንተዘይ ኣላሊኻያን ግቡእ ክንክን እንተዘይ ጌርካላን ክትስእና ኢኻ። ዓለምን ፍትወታን ኩሉ ይሓልፍ እዩ። እቲ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ጎይታ ግን ኩሉ ግዜ ይጽበየካ ኣሎ’ሞ ዘክሮ።

ኣብ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ካህናት፤ ንምእመናን ኩሉ ግዜ: ተነስሑ ስገዱን ጽሙን፥ ስጋን ደምን ተቐበሉ ይብሉና እዮም። ሰንበት ሰንበት እዚኣ ከይበሉ ኣይሓልፉን። እቲ ብልቡ መንእሰይ ዝኾነ ብዕድሚኡ ግን ዝሸምገለ ኮነ፥ እቲ ብዕድሚኡ መንእሰይ ዝኾነ ሓንቲ ቃል ክዛረቡ ኢኻ ትሰምዖም። ንሳ ድማ “እዞም ካህናት እዚኦም እንታይ ግበሩ ይብሉና ኣብ ሓዊ ድዮም ከቃጽሉና ደልዮም” ትብል ጽብቕትን ውቅብትን ብሂል። እቲ ፍርሓት ጽቡቕን ቅቡልን እዩ፤ ኣይምተጸልአን በኣኽብሮትን ብኣምልኾን እንተዝኸውን። ግን ከምኡ ብዘይ ምኳኑ ግን የተሓሳስብ። ካብ እግዚኣብሔር ንምህዳምን ንዓለም ብምፍቃርን ስለዝኾነ ካኣ የሕዝነካን የሻቕለካን።

መንገዲ እግዚኣብሔር ሓዙ ማለት እኮ: ብፍቕርን ብልክዕን ንበሩ ማለት እዩ። ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ይጠቕመና እዩ ማለት ኣይኮነን።ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ይምዕደና “ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ግናኸ ዅሉ ኣይጠቕመንን እዩ። ኵሉ ተፈቒዱለይ እዩ፥ ግና ናይ ሓደ ነገር እኳ ግዙእ ክኸውን ኣይደልን። ብልዒ ንኸብዲ፥ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ። ሰብነት ንጎይታ፥ ጐይታ’ውን ንሰብነት እዩ እንበር፥ ሰብነትሲ ንምንዝርና ኣይኮነን” (1ይ ቆሮ. 6:12-13)። ምንዝርና ክብሃል እንከሎ፤ ካብ መርዓ ወጻኢ ብምኻድ ኣብ ልዕሊ ስጋኻ ትፍጽሞ ዝሙት ጥራይ ማለት ዘይኮነስ፤ ንእግዚኣብሔር ገዲፍካ ንዓለም ምፍቃር’ውን ንገዛእ ርእሱ ምንዝርና እዩ። ስለዚ ንእስነትና ንዓለም ዶ ንሃባ ወላስ ንጎይታ᎒ “ክፋእ መዓልትታት ከይመጸ “ባህ ኣይብለንን” እትብለሉ ዓመታት ካኣ ከይቀረበ እንከሎ፥ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ” (ምክብ. 12:1) ንእስነትካ ንጎይታ ገጸ በረኸት እንተ ኣቕረብካሉ እዩ መስዋዕቲ ዝሕሰብ እንበር፤ ምስ ሸምገልካ ድኣ ደሊኻዮ ዘይኮነስ ከይደለኻዮ ተፈጥሮ ኣገዲዱካ ግዜኻ ምስ ኣኸለ ክትከይድ እንዲኻ። ንጉስ ሰሎሞን ዝበሎ ስማዕ “ሥጋ ድማ መሬት ስለ ዝኾነ ናብ መሬት ከይተመልሰ፥ መንፈስ እውን ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ከይተመልሰ፥ ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ። “ናይ ከንቱ ከንቱ፥ ኹሉ ኸንቱ እዩ” ይብል እቲ ሰባኺ” (መክብ. 12:8)። 

ዓለም ከንቱ ካብ ኮነት፤ ንሕና ድማ ንኸንቱ ኣብዚ ዓለም ካብዘይ መጻእና፤ ብዕድመ ምኽኒት ከይገበርና ንኣምላኽ ነስምሮ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ንኹልና ከከም ዓስብና ክፈድየና ጎይታ ክመጽእ እዩ። ሽዑ ዕዳ ንእስነት ኔሩኒ ዝብል መልሲ ቅቡል ኣይኮነን። “እነሆ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፥ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ ዓስቢ ምሳይ ኣሎ” (ራእ.22:12)።

እግዚኣብሔር ምስትውዓሉ ይሃበና ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!!

{flike}

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png 0 0 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2014-08-03 19:58:222014-08-03 19:58:22ንእስነትካ ንጎይታ ዶ ወላስ ንዓለም ?
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: እምነት ምእመናን ዘግሃደ ጽምብል ኣብ ከተማ ያቭለ ተጸምቢሉ Link to: እምነት ምእመናን ዘግሃደ ጽምብል ኣብ ከተማ ያቭለ ተጸምቢሉ እምነት ምእመናን ዘግሃደ ጽምብል ኣብ ከተማ ያቭለ... Link to: ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ Link to: ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ ኣርባዕተ ኣዕሩኽ ንሓደ ሕሙም ከም ዝሓገዝዎ
Scroll to top Scroll to top Scroll to top