እንቛዕ ናብ ዘመነ ሉቃስ ኣብጸሓና!

ናይ ዘመን አቆጻጽራ ባሕረ ሓሳብ

ባሕረ ሐሳብ ካብ ክልተ ናይ ግእዝ ቃላት ዝተረከበ ኾይኑ ባሕር ዘመን  ሓሳብ  ካኣ ቁጽሪ ማለት አዩ:: ባሕረ ሓሳብ ዝደረሰ ቅዱስ ድሜጥሮስ ዝተባህለ  ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳስ ማለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ መበል 12 ፓትርያርክ  ኮይኑ ዝተሾመ ካብ 180 ክሳብ 222 ዓ ም ን42 ዓመት ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ኣቦ እዩ።

ቅዱስ ድሜጥሮስ በዓላትን ኣጽዋማትን ካብ ጥንተ መዓልቶም ከይወጹ ከይናወጹ ይምነ ነበረ።እዚ ድማ

  • ጾመ ነነዌ፣ጾመ አርብዓ፣ጾመ ሐዋርያት ካብ ሰኑይ
  • በዓለ ርክበ ካህናት ።ጾመ ድኅነት ካብ ረቡዕ
  • ባዓለ ዕርገት ካብ ሓሙስ
  • በዓለ ደብረ ዘይት፣ሆሳዕና።ትንሳኤ፣ጰራቅሊጦስ ካብ ሰንበት ከይወጹ  ኣብ ዕለቶም ክውዕሉ ዝብል ቅዱስ ሓሳብ ነበሮ።

መልአኽ እግዚአብሔር ካኣ ነገር ብትምኒት ኣይከውንን እዩ ‘ሞ ብከምዚ ዝስዕብ ሱባዔ ኣቲኻ ርኸቦ በሎ።

  • ካብ ለይቲ 23 ሱባዔ ኣቲኻ አበቅቴ።
  • ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣቲኻ መጥቅዕ ይኹንካ በሎ።
  • 23 ሱባዔ ማለት
    1 ሱባዔ=7 መዓልታት
    23.7
    161 መዓልታት
    ኣዋጅ፣ዝኾነ ቁጽሪ ብ 30 ብ 30ይመቀል
    161/ 30=5 ተረፍ 11
    11 ጥንተ አበቅቴ ይበሃል።
  • ሸውዓተ ሱባዔ ማለት፣
    1 ሱባዔ፡ 7 መዓልታት
    7.7=49
    ብ 30 ምስ እንመቕሎ 49/30=1 ተረፍ19
    19 ጥንተ መጥቅዕ ይበሃል።መጥቅዕን አበቅቴን ተደሚሮም ካብ 30 አይበዝሑን ካብ 30 አይውሕዱን እዮም።

እዞም አጽዋማትን በዓላትን ብኸመይ ተረኺቦም?

ብክልቲኦም ብርሃናት ፀሓይን ወርሕን አቆጻጽራ አዩ ማለት ብጸሓይ ዓመት 365 መዓልታትን 15 ኬክሮስን 6 ሰዓትን ብወርሒ ድማ ዓመት 354 መዓልታትን 22 ኬክሮስን እዩ። ኣብ መንጎኦም ናይ 11 መዓልታት ፍልልይ ኣሎ። እቲ ኣብ ዓዓመቱ ዘሎ ናይ 11 መዓልቲ ፍልልይ ንበዓላት መርከቢ ዝሕግዝ ብምኻኑ አበቅቴ ይበሃል።አበቅቴ ዝብል ቃል አፓክቴ ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተረከበ ኮይኑ ተርፍ ዓመት ማለት እዩ።አበቅቴ ኣብ 19 ዓመቱ ዝመላለስ ዐውዲ አለዎ።እዚ ድማ ዐውደ አበቅቴ ይበሃል።ምስ አበቅቴ ዝምድና ዘለዎ መጥቅዕ እዩ።ናይ ወርሒ ዓመት ኣብ ነሓሴ ወይ ኣብ ጳጉሜን ይጅምር እሞ ኣብ መስከርም ወይ ኣብ ጥቅምቲ መበል 30 መዓልታ እተኽብረላ መዓልቲ መጥቅዕ ይበሃል።መጥቅዕ ደውል ማለት ክኸውን እንከሎ ናይ አይሁድ ሓድሽ ዓመት የመልክት

እዋጅ

  • መጥቅዕ ካብ መስከረም 15 ክሳብ ጥቅምቲ 13 ኣብ ዘለዉ ኣብ መንጎ 29 መዓልታት ይውዕል።
  • መጥቅዕ ካብ መስከረም 15 ክሳብ መስከርም 30 ክውዕል አንከሎ ነነዌ ኣብ ጥሪ ይውዕል።
  • ካብ 2 ጥቅምቲ ክሳብ 13 ጥቅምቲ ክውዕል እንከሎ ድማ ነነዌ ኣብ የካቲት ይውዕል።

ናይ ባሕረ ሓሳብ መበገሲ ዓመተ ዓለም መቁጸሪኡ ዓውደ ኣበቅቴ ስለዝኾነ ። መጀመርታ ናይ 2007ዓም ን ዓመተ ዓለም ንረክብ።

  • ዓመተ ምሕረት +ዓመተ ኩነኔ= ዓመተ ዓለም
  • 5500+2007= 7507 ይኸውን። እዚ ዓመተ ዓለም እዩ ዝበሃል። ዓመተ ዓለም ንጥንተ ኣበቅቴ መቒልና ተርፍ ንሕዝ
  • 7505 /19=395 ተርፍ 2 ይኸውን

እዚ ማለት ዓለም ካብ ዝፍጠር ክሳብ 2007 ዓ.ም 395 ዐውደ አበቅቴ መሊኡስ ን396 ዓውድ መበል 2 ዓመት በጺሑ ማለት እዩ።2007 ተጀሚሩ እምበር ስለዘይተወድኣ ካብ መበል ክልተ ዓመት ሓደ ኣጉዲልና ሐደ ንረክብ። (2 -1=1) 1 ወንበር እዚ ድማ ወንበር ንብሎ። ኣብ ዝሐለፈ ሐደ ዓመት ክንደይ አበቅቴታት( ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሕን ዘሎ ናይ 11መዓልቲ ፍልልይ365-354=11 )ከም ዝሓለፉ የርእየና።

በዚ መሰረት ናይ 2007 አበቅቴ ንምርካብ 11.1= 11 ይኸውን። ስለዚ ናይ 2007 አበቅቴ 11 ረኺብና ማለት እዩ።

አበቅቴ ብሓጺር መንገዲ ምርካብ

አበቅቴ ብሓጺር መንገዲ ንምርካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት አበቅቴ ምስ እንፈልጦ ንዝቅጽል ዓመት አበቅቴ ንኽንፈልጦ ይቐለልና ማለትና እዩ ።

  • ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሒን ዘሎ ፍልልይ ዓሰርተ ሐደ አዩ ኢልና ኣለና።እዚ ዓሰርተ ሓደ ኣብ ዓዓመቱ ኣብቲ አበቅቴ ምስ እንድምሮ ናይ´ቲ ዘበን አበቅቴ ንረክብ ማለት እዩ።ብኻልእ ኣበሃህላ ኣብ መጀመርታ ዓመተ ዓለም አበቅቴ 11 ኔሩ ማለት እዩ ካልአይ ዓመት 22፣ኣብ ሳልሳይ ዓመት 33 /ን30 ምስ እንመቕሎ/ 3 ይተርፈብ ራብዓይ ዓመት /3+11=14 አብ ሓሙሻይ ዓመት/14+11=25 እዩ ስለዚ ናይ ዝሓለፈ ዓመት አበቅቴ እንተፈሊጥናዮ ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ሎሚ ዓመት እንተፈሊጥናዮ ናይ ዚመጽእ ዓመት 11 ብምውሳኽ ንረኽቦ ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ዓመተ 2006 አብቅቴ ኣልቦ ስለዝነበረ ናይ ሎሚ ዓመት ኣበቅቴ 11 ይኸውን ማለት እዩ።

ዘመነ ብሉይን ዘመነ ሓዲስን ብጠቅላላ ዓመተ ዓለም ይበሃል።ንሱ ድማ 5500 ዓመተ ፍዳ ተደመሮ 2007ዓመተ ምህረት 7507 ዓመተ ዓለም ይኸውን። ስለዚ አዕዋዳት ዝበሃሉ ነዚ ዓመተ ዓለም ንሰፍረሉ ወይ ንልካዐሉ ድማ እዮም።
ንሳቶም ድማ 7 እዮም፣

  1. ዓውደ ዕለት ፣ካብ ሰኑይ ክሳብ ሰንበት ዘለዉ መዓልታት ክኾኑ እንከለዉ ኣብ ሰሰሙን ተመላሊሶም ወይ አንዳዘሩ ዝመጹ እዮም። እዞም ሰሙናት እንዳተመላለሱ ወርሓት ይፈጥሩ።
  2. ዓውደ ወርሒ፣ሓደ ወርሒ ዝበሃል ብፀሓይ ሙሉእ 2 ሰላሳ መዓልታት ክኸውኝ እንከሎ ብወርሒ ድማ 29 መዓልታት ሓደ ግዜ ካኣ 30 መዓልታት ይኸውን። እዚ ብ30 መዓልታት እንዳተመላለሰ ወርሒ ይፈጥር።
  3. ዓውደ ዓመት ፣ብፀሓይ 365 መዓልታት 15 ኬክሮስ/ 12. 30=360 +5 ጳጉሜን ክኸውን እንከሎ ብወርሒ354 +22 ኬክሮስ 6 ወርሒ 29 መዓልታት +6 ወርሒ 30 መዓልታት ይኸውን/ 6.29=174,6.30=180ተደሚሩ354 መዓልታት ይኸውን።
  4. ዓውደ አበቅቴ /ንዑስ ቀመር/፣አብ 19 ዓመታት ዘይሩ ዚመጽእ ኣዩ።አብዚ ግዜ እዚ ፀሐይን ወርሕን ዝራኸባሉ ግዜ እዩ። ፀሓይን ወርሕን ክልቲአን ረቡዕ መዓልቲ ብሓደ ኆኅት (መስኮት) ውሽጢ ዝተፈጥሩ ስለዝኾኑ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሮም ዑደት ይገብሩ።አብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ ኣብ ዓዓመቱ ፀሓይ ሙሉእ 365 መዓልታት ክትዘውር እንከላ ወርሒ ግን 354 መዓልታት ጥራይ ትዘውር ኣብ ሞንግኣን ዘሎ ፍልልይ 11 መዓልቲ ክኸውን እንከሎ እዚ ጥንተ አበቅቴ ይበሃል።ክልቲኦም ን18 ዓመታት ተፈላልዮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 19 ዓመት ሓደ ግዜ ኣብ ዝተፈጥራሉ ኆኅት መስኮት ይራኸባ።እዚ ድማ ዓውደ አበቅቴ ይበሃል።
  5. ዓውደ ፀሓይ ፣ኣብ 28 ዓመት እንዳተመላለሰ ዚመጺእ እዩ። ምኽንያቱ ፀሐይ ዚተፈጠረትሉ ረቡዕ መዓልቲ እዩ። ኣብ 28 ዓመት መዓልቱን ወንጌላውን ይራኸቡ።መዓልቱ ፀሓይ ዝተፈጠረትሉ መዓልቲ ረቡዕ፣ወንጌላዊ ድማ ናይ መጀመርታ ቅዱስ ማቴዎስ ዝራኸብሉ እዩ።ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያና ረቡዕ ማቴዎስ ይብልዎ።
  6. ዓውደ ማኅተም ማእከላዊ ቀመር 76 ዓመት እዩ። ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ አበቅቴን ወንጌላውን ይራኸቡ።ማኅተም ማለት መፈጸምታ መደምደምታ ወይ መጨረሻ ማለት እዩ።ንምንታይ ማሕተም ተባህለ ንዚብል ናይ ኣበቅቴን ናይ ወንጌላውን በጨረሻ ዝረኸቡሉ ስለዝኾነ እዩ። ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ ናይ አበቅቴን መጨረሻ 18 ን ናይ ወንጌላዊ ዮውሓንስ መፈጸምታ ይራኸቡ። ጥንቱሰ ለቀመር ዕለት ሰሉስ ወወንጌላዊ ማቴዎስ ወፍጻሜሁ ዕለተ ሰሉስ ወወንጌላዊ ዮሓንስ ናይ ቀመር ወይ ቁጽሪ መጀመርታ ሰሉስ ናይ ወንጌላዊ መጀመርታ ማቴዎስ ክኸውን እንከሎ ናይ ቀመር መጨረሻ ሰኑይ ናይ ወንጌላዊ ፍጻሜ ዮሃንስ እዩ ከም ዚብል።አበቅቴ 18 ዝኸውን ኣኣብ 19 ዓመት ክኸውን እንከሎ 18 ምስ ኮነ ኣብ ዓመቱ ኣልቦ እዩ ዝኸውን። ወንጌላዊ ዮሃንስ ዝኾነሉ ዓመት ዝረኸበሉ ኣብ 76 ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እዩ።ስለዚ እዩ ዓውደ ማሕተም 76 ዝኾነ።
  7. ዓውደ ዐቢይ ቀመር ዐቢይ ቀመር፣532 ዓመት እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ሰለስተ ነገራት ብሓደ ይራኸቡ ንሳቶም ድማ፣መዓልቲን አበቅቴን ወንጌላዊን እዮም።መዓልቱ ሰኑይ አበቅቴን ወንጌላውን ካኣ ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ 18 ኣበቅቴን ወንጌላዊ ዮውሃንስ እዩ።

እዞም ሸውዓተ አዕዋዳት ዝተባህሉሉ ሓደ ግዜ ተፈጺሞም ወይ ተራእዮም ዝተርፉ ዘይኮኑስ ብኻልእ ግዜ ተመላሊሶም ዚመጽኡ ስለ ዝኾኑ እዮም።

ናይ ሓደ ዓውደ ኣበቅቴ ጉዕዞ

ዓ ም ዓመተ አበቅቴ  አበቅቴ  መጥቅዕ ልደተ አበቅቴ
2006 1ይ  ኣልቦ(0) መስከረም 30 መባቻ(0)
2007 2ይ 11 መስከረም 19 ነሓሰ 25
2008 3ይ 22 ጥቅምቲ 8 ነሕሰ 14
2009 4ይ 3(33) መስከረም 27 ጳጉሜን 3
2010 5ይ 14(44) መስከረም 16 ነሓሰ 22
2011 6ይ 25(55) ጥቅምቲ 5 ነሓሰ 11
2012 7ይ 6(66) መስከረም 2 ነሓሰ 30
2013 8ይ 17(77) ጥቅምቲ 13 ነሓሰ 19
2014 9ይ 28(88) ጥቅምቲ 2 ነሓሰ 8
1015 10ይ 9(99) መስከረም 21 ነሓሰ 27
2016 11ይ 20(110) ጥቅምቲ 10 ነሓሰ 16
2017 12ይ 1(121) መስከረም 29 ጳጉሜን 5
2018 13ይ 12(132) መስከርም 18 ነሓሰ 24
2019 14ይ 23(143) ጥቅምቲ 7 ነሓሰ 13
2020 15ይ 4(154) መስከርም 26 ጳጉሜን 2
2021 16ይ 15(165) መስከረም 15 ነሓሰ 21
2022 17ይ 26(176) ጥቅምቲ 4 ነሓሰ 10
2023 18ይ 7(187) መስከረም 23 ነሓሰ 29
2024 19ይ 18(198) ጥቅምቲ 12 ነሓሰ 18

አበቅቴ ተረፍ ዘመን እዩ ክንብል ከለና እንታይ ማለትና እዩ ?

ኣቀዲምና ከምዝገለጽናዮ አበቅቴ ኣብ መንጎ ፀሓይን ወርሕን ናይ ጉዕዞ ፍልልይ ዝተረኸበ እዩ።አበቅቴ ተረፈ ዘመን እዩ ክንብል ከለና ወርሒ ጉዕዞኣ ፈጺማ ካብ ደው ዝበለትሉ መዓልቲ ጀሚሩ ፀሐይ ጉዕዞኣ ክሳብ እትፍጽም/ ጳጉሜን ሐሙሽተ/ ዘሎ መዓልትታት ተረፈ ዘመን ወይ አበቅቴ ይበሃል።እዚኦም መዓልታት ንዝቕጽል ዓመት አበቅቴ ይኾኑ። ንኣብነት ወርሒ ናይ 2003 ዓም ጉዕዘኣ ዝፈጸመትሉ 28 2003 ዓ.ም እዩ ስለዚ ካብ ነሐሰ ዕስራን ትሽዓተን መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ጳጉሜን ዕለት ሓሙሽተ ዘለዉ መዓልታት ሸውዓተ እዮም። እዚ ሸውዓተ ተረፈ ዘመን ክኸውን እንከሎ ንዝቅጽል ዓመት ማለት 2004 ዓም አበቅቴ ይኸውን ማለት እዩ።

ካብዚ ቀጺልና  ዘመነ ሰላምን ራህዋን ኮይኑ ዝተባእሱ ዝዕረቕሉ ዝተኣስሩ ዝፍትሕሉ ዝጠመዩ ዝጸግብሉ ፍትሒን ሓቅን ዝነግሰሉ ዘመን ክኾነልና እናተመነና ናይ 2007 ዓም ግእዝ  ወይ 2014-2015 ፈረንጂ  ኣጽዋማትን በዓላትን ነስዕበልኩም:
በዓላትን አጽዋማትን

በዓላት ወይ አጽዋማት ብ ግእዝ ብጎርጎርዮስ ዝውድኣሉ ዕለት
ባሕቲ መስከርም መስከረም ፩  መስከረም 11
ጾመ ነብያት ሕዳር ፩፭  ሕዳር 24 ታሕሳስ ፳፱ (ጥሪ 07)
ጾመ ነነዌ ጥሪ ፳፭  ለካቲት 2 ጥሪ፪፯ ( የካቲት 04)
ዓቢይ ጾም ለካቲት ፱  ለካቲት 16 ሚያዝያ ፬ (ሚያዝያ12)
ደብረ ዘይት  መጋቢት ፮  መጋቢት 15
ሆሳዕና መጋቢት፳፯  ሚያዝያ 5
ስቕለት  ሚያዝያ ፪  ሚያዝያ 10
ትንሳኤ ሚያዝያ ፬  ሚያዝያ12
ርክበ ካህናት ሚያዝያ፪፰  ግንቦት 6
ዕርገት ግንቦት፩፫  ግንቦት 21
በዓለ መንፈስ ቅዱስ ግንቦት ፪፫  ግንቦት 31
ጾመ ሓዋርያት ግንቦት፪፬  ሰነ 1 ሓምለ፭ (ሓምለ12 )
ጾመ ድሕነት ግንቦት ፪፮  ሰነ 3
ጾመ ፍልሰታ ነሓሰ፩  ነሓሰ 7 ነሓሰ ፩፮ (ነሓሰ 22 )

ስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

{flike}