ዓሰርተ ኽልተ ፍሉያት ኣዕሩኽ

ዕላማ :

ብዛዕባ ትርጉም ሃዋርያነት ምፍላጥ

መዘኻኸሪ ጥቕሲ:

ነንሕድሕድኩም እንተተፋቐርኩም በዚ ደቂ መዝሙረይ ምዃንኩም ኩሎም ክፈልጡ እዮም”  ዮው  13:35

መወከሲ:

ማቴ.10

መእተዊ:

ኣዕርኽቲ ዘለውዎ መን  ኣሎ፧ ክንደይ ኣዕርኽቲ ኣለውኻ/ኺ፧ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ኣስማት ኣዕርኽቶም/ተን ይንገሩ። ናይቶም ዓስርተ ኽልተ ሃዋርያት ስእሊ ቀሪብካ ንኽቖጽርዎም ኣቕርበሎም። ነፍሲ ወከፍ ስእሊ ነየናይ ሃዋርያ ከምዝውክል ሕተቶም።

ትምህርቲ:

ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣምላኽ ክምህር ክጅምር እንከሎ ነቲ ስራሕ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ፍሉያት ኣዕርኽቲ ደለየ ወይ ድማ ሓረየ። ከምቲ ንኩሉ ሰብ ዓርኪ ዘድልዮ ንኢየሱስ ካኣ ኣዕርኽቲ ኣድለይዎ። እቶም ኣዕርኽቱ ድማ ኣብ ኩሉ ዓለም ምስኡ እንዳወሰደ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዝነበረ ይምህሮም ነበረ። ንኢየሱስ ዓሰርተ ክልተ ኣዕሩኽ  ነበርዎ ንሳቶም ድማ ሃዋርያት ተባሂሎም ይጽውዑ።
ሓደ ማዓልቲ ኢየሱስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ደው ኢሉ ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ መርበቦም እንዳጽረዩ ከለዉ ረኣዮም። ንጴጥሮስን እንድሪያስን ጸዊዑ ድማ ንዑ ሰዓቡኒ በሎም። ሽዑ ጃልባኦም ምስ መርበቡ ኩሉ ገዲፎም ምስኡ ኸዱ። እንተላይ ያዕቆብ: ዮሃንስ( እቶም ቆሉዑ ነቲ ኣስማት ደድሕሬኻ ከምዝደግሙ ግበሮም )። ኢየሱስ ድማ ማቴዎስ ዝበሃል ሰብ ገንዘብ ክእክብ እንከሎ ረኣዮ። ኢየሱስ ድማ ምስኡ ድራር ክበልዕ ኣብ ገዝኡ ምስኡ ከደ። ማቴዎስ ድማ ኩሉ ዝነበሮ ገንዘቡ ገዲፉ ንኢየሱስ ሰዓቦ። ስለዚ ኢየሱስ ክንደይ የዕሩኽ ጌሩ ኣሎ? ክሳብ ሕጂ 5 ኮይኖም። ጴጥሮስ: እንድሪያስ: ዮሃንስ: ያዕቆብ: ማቴዎስ። ዓሰርተ ኽልተ  ክሳብ ዝኾኑሉ ድማ ካልኦት የዕሩኽ ድማ መረጸ። ኢየሱስ መታን ንዑኡ ክስዕብዎ: ካብኡ ክመሃሩ: ቃል ኣምላኽ ንኹሎም ሕዝቢ እንዳመሃሩ ክሕግዝዎ  እዩ መሪጽዎም።
 ኣዕርኽቲ ኢየሱስ እንታይ ይበሃሉ ?ወይ ድማ እንታይ ኢሉ ጸዊዕዎም?(ሃዋርያት), ካብኣቶም ንገሊኣቶም ኣስማቶም ንዝክሮም ዶ?

መዛዘሚ:

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኹልና ነቶም እነፍቅሮ ኣዕርኽተይ ሃዋርያት ኢሉ እዩ ዝጽውዓና። ንሱ ድማ ኢሉ፦ ” ነንሕድሕድኩም እንተደኣ ትፋቕሩ ኾይንኩም በዚ ኩሎም ናተይ ደቂ መዝሙር ወይ ድማ ሃዋሪያት ምኳንኩም ክፈልጡ ኢዮም”። ከምቶም 12 ክልተ ሃዋርያት ንሕና ድማ ኩሉ ግዜ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ይግበኣና። (ኩሉ ግዜ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግበርዎ ኢሉ ተጻሒፉ ከምዘሎ)። ንፉዓት ናይ ኢየሱስ ኣዕርኽቲ ክንከውን ( ኩሉ ግዜ ጸሎት ክንጽልን፤ ምስኡ ክንዘራረብን)ይግበኣና። ንዑኡ ክንእዘዞ: ካብኡ ክንመሃር: እቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ዘበለ ኩሉ ክንገብር፤ ልዕሊ ኹሉ ነቶም ምሳና ዘለዉ ከነፍቅሮም ነንሕድሕድና ክንፋቐርን እዚ እቲ ዝዓበየ ነገር ኢየሱስ ክንገብሮ ካባና ዝደልዮ ነገር እዩ። በዚ መንገዲ’ዚ ኢና  ኣዕርኽቲ ኢየሱስ ክንከውን እንኽእል።

ስእሊ ናይ ሃዋሪያት ኣርእዮም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳኣርኣኻ ኣስማቶም ምሳኻ ኮይኖም እንዳጸውዑ ይቑጸርዎም።