Eritrean Orthodox Tewahedo Church - Diocese of Scandinavia & Finland
  • ቀዳማይ ገጽ
  • ብዛዕባና
    • ሓበሬታ
      • ብዛዕባ ሃገረ ስብከት
      • ዝርዝር ኣብያተ ክርስቲያን
    • ምሕደራ
      • መመሓደሪ ዓንዲ ሕጊ
      • ምሕደራ ሃገረ ስብከት
      • ምሕደራ ክልል ሰበኻ ቤተክርስቲያን
      • መንፈሳዊ ቤት ፍርዲ
      • ኮሚቴ ሃገረስብከት
  • ትምህርተ ሃይማኖት
    • አእማደ ምስጢር
      • ምስጢረ ስላሴ
      • ምስጢረ ስጋዌ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ቍርባን
      • ምስጢረ ትንሳኤ ሙታን
    • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን
      • ምስጢራተ ቤተክርስቲያን፡ መእተዊ
      • ምስጢረ ጥምቀት
      • ምስጢረ ሜሮን
      • ምስጢረ ንስሓ
      • ምስጢረ ቁርባን
      • ምስጢረ ተክሊል
      • ምስጢረ ክህነት
      • ምስጢረ ቀንዴል
  • ስነጽሑፍ
  • ንህጻናት
  • ግብረ ሰናይ
  • ስእልታት
  • ተወከሱና
  • English Site
  • Menu Menu

“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

ቅድሚ ሕጂ ነዘን ቃላት እዚኣተን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንእተኣዘዘልካ ሕክምና ቀቅድሚ ምጅማሩ ከምኡ ኢሉካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ካብ ቃንዛ ንኽትሃድም ኢልካ ጥራይ ‘ሕክምና ክግበረለይ ኣይደልን’ ከም ዘይበልካ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መጻኢ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ቃንዛኻ ተጸሚምካ ኢኻ። አረ ኣብ ከቢድ ኵነታትሲ ነቲ ዘቐንዙ ሕክምና ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ናይ ሞትን ሕየትን ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ኵሉ ሳዕ ሕክምና የድልየና ኢዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ዅላትና ዘይፍጹማት ብምዃንና ወትሩ ተግሳጽ ወይ መአረምታ የድልየና ኢዩ። አረ ሓድሓደ ግዜስ እዚ ተግሳጽእዚ ዘሕምም እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣድላዪ ነገር እዚ ኣብ ቈልዑ ኸውዕሎ ኸሎ ከምዚ ብምባል የጕልሕ:- “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።” ምሳሌ 22:15

 

እቲ ኣብዚ ሸቦጥ ተባሂሉ ዘሎ ንናይ ወለዲ ስልጣን ዘመልክት ኢዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ተግሳጽ ከም ዘይፈትዉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ተግሳጽ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ምስ ዝወሃቦም ከኣ ከማርሩ ይኽእሉ ኢዮም። ለባማትን ፈቃራትን ወለዲ ግን ኣብቲ ንውሉዶም ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒት ዘይኰነስ ኣብቲ ዘምጽኦ ረብሓ ኢዮም ዝጥምቱ። ክርስትያን ወለዲ እቲ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ዝብል ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እብራውያን 12:11፣ ምሳሌ 13:24

 

ርግጽ ኢዩ: ተግሳጽ ዘድልዮም ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን: ዓበይቲውን የድልዮም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውን” ብምባል እተዛረቦም ንዓበይቲ ኢዩ። (ምሳሌ 4:13) እወ: መስተውዓልቲ ሰባት ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ተግሳጽ ይቕበሉ ኢዮም:

 እሞ ሎሚ ክግስጾ መዲበ ዘለኩ ነቲ ይሪኢ የ ዝብል ዘይሪኢ ይሰምዕ እየ ዝብል ዘይሰምዕ ክርስትያን የ ዝብል ግን ከ ግብሪ ክርስትያን ዘይብሉ ሓዉ እንዳሞተ ኣብ ፈቀዶ ዳንከራን ዕብዳንን ዝርከብ ህዝቢ የ ወስ ከብለሉ።

 ከምቲ ቅዱስ ቃል ዝብሎ፡ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ዝበሎ። ኣታ ህዝቢ ሎሚ ውን ንስኻ አትገብሮ ዘሎኻ ስነ ምግባር።

 እምነት ዘይብሉ ሰብ ዘይግብሮ እዩ። ሕጅስ ድያቆን መሪርዎ አዩ ትብል ትህሉ። እግዚኣብሄር አዩ መሪርዎ ተግባርካ፡ ኣነ ድማ ሞት የሕዋተይ ከም ሓሞት ሓርማዝ መሪሩኒ ኣሎ። ግን ኣምላኽ ይነብዕ ኣሎ ብሰንክኻ፡

 

ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት እቲ ከም ሓዊ ተመሲሉ ዝመጽእ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ከም፡ብቕቡቅ ከይበቆጸካ ናብ ልብካ ተመለስ። ይኣክል ጋይላ ይ ኣክል ዳንከራ ይ ኣክል ሳዕሳዒት ናብ ኣምላክካ ተመለስ። ኣብ ትሕቲ እግሩ ከም ሰብ ነነዌ ውደቅ እንተዘይ ኮይኑ፡ ንስካ ውን ክትጠፍእ ኢኻ።

 

ካብቲ ዝገርም ተግባርካ፡

 

ንቤተክርስትያን 5 ሳንቲም ሞባእ አንዳውደቅካ 500 ከፊልካ ከኣ ዲስኮ ትሓድር። ን 3 ለይቲ ዝኣክል ኣብ ዳንከራ ትሓድር ግን ን ክልተ ሰዓት ዝ ኣክል ተጊህካ ዘይተቀድስ ቅዳሰ ነዊሑ ትብል። ኣብ ርሑቅ ዳንከራ ኣሎ እንተበሉኻ ዘጥፋእካ ኣጥፊእካ ትክከይድ፡ ክብረ በዓል ኣሎ እንተበሉኻ ድማ ገንዘብ ናይ ትራንስፖር ትስእን፡ ኣንታ ከመይ ዝበሉኻ ኢኻ እረ ወረ ካበይ ኢኻ ተማሂርካዮ እዚ፡ ንሎሚ ይኣክል፡ ተነሳሕ፡ ተመለስ ምሕረት ካብ ፈጣሪ ለምን።

 

ብ ዲያቆን ፋኑኤል።

Share this entry
  • Share on Facebook
  • Share on X
  • Share on WhatsApp
  • Share on Pinterest
  • Share on LinkedIn
  • Share on Tumblr
  • Share on Vk
  • Share on Reddit
  • Share by Mail
https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png 0 0 tc https://eotcs.se/t/wp-content/uploads/eotc-se_2022_logo-1.png tc2016-02-29 17:29:342016-02-29 17:29:34“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”
ትግርኛ English
Search Search

Recent Posts

  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያን 6ይ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ተካይዱ።
  • ቅድስት ሥላሴ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኦቪክ
  • ቅዱስ ገብርኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ን ኤርትራ ኣብ ኡምዮ
  • ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ሞራ / ኡሻ
  • መድሓኒ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ ኖርዌይ
© Copyright - Eritrean Orthodox Tewahedo Church in Scandinavia and all Nordic Countries | Website by atbiya.com
  • Link to Facebook
Link to: ይትረፈኒ ጽድቂ Link to: ይትረፈኒ ጽድቂ ይትረፈኒ ጽድቂ Link to: ምስጢረ ስላሴ Link to: ምስጢረ ስላሴ ምስጢረ ስላሴ
Scroll to top Scroll to top Scroll to top