“ከቐንዝወካ ይኽእል ኢዩ”

ቅድሚ ሕጂ ነዘን ቃላት እዚኣተን ሰሚዕካየን ትፈልጥዶ፧ ምናልባት ሓኪም ወይ ኣላዪ ሕሙማት ንእተኣዘዘልካ ሕክምና ቀቅድሚ ምጅማሩ ከምኡ ኢሉካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ካብ ቃንዛ ንኽትሃድም ኢልካ ጥራይሕክምና ክግበረለይ ኣይደልንከም ዘይበልካ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ኣብ መጻኢ ምሉእ ጥዕና ምእንቲ ኽትረክብ ኢልካ ቃንዛኻ ተጸሚምካ ኢኻ። አረ ኣብ ከቢድ ኵነታትሲ ነቲ ዘቐንዙ ሕክምና ምቕባል ወይ ዘይምቕባል ናይ ሞትን ሕየትን ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

 

ኵሉ ሳዕ ሕክምና የድልየና ኢዩ ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ ዅላትና ዘይፍጹማት ብምዃንና ወትሩ ተግሳጽ ወይ መአረምታ የድልየና ኢዩ። አረ ሓድሓደ ግዜስ እዚ ተግሳጽእዚ ዘሕምም እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 10:23) መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣድላዪ ነገር እዚ ኣብ ቈልዑ ኸውዕሎ ኸሎ ከምዚ ብምባል የጕልሕ:- “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ: ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።ምሳሌ 22:15

 

እቲ ኣብዚ ሸቦጥ ተባሂሉ ዘሎ ንናይ ወለዲ ስልጣን ዘመልክት ኢዩ። መብዛሕትኦም ቈልዑ ተግሳጽ ከም ዘይፈትዉ ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ተግሳጽ ብመልክዕ መቕጻዕቲ ምስ ዝወሃቦም ከኣ ከማርሩ ይኽእሉ ኢዮም። ለባማትን ፈቃራትን ወለዲ ግን ኣብቲ ንውሉዶም ዝስምዖ ሕማቕ ስምዒት ዘይኰነስ ኣብቲ ዘምጽኦ ረብሓ ኢዮም ዝጥምቱ። ክርስትያን ወለዲ እቲቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪዝብል ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እብራውያን 12:11 ምሳሌ 13:24

 

ርግጽ ኢዩ: ተግሳጽ ዘድልዮም ቈልዑ ጥራይ ኣይኰኑን: ዓበይቲውን የድልዮም ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስህይወትካ እያ እሞ: ንተግሳጽ ሐዛ: ኣይትሕደጋ: ሐልዋውንብምባል እተዛረቦም ንዓበይቲ ኢዩ። (ምሳሌ 4:13) እወ: መስተውዓልቲ ሰባት ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ተግሳጽ ይቕበሉ ኢዮም:

 እሞ ሎሚ ክግስጾ መዲበ ዘለኩ ነቲ ይሪኢ ዝብል ዘይሪኢ ይሰምዕ እየ ዝብል ዘይሰምዕ ክርስትያን ዝብል ግን ግብሪ ክርስትያን ዘይብሉ ሓዉ እንዳሞተ ኣብ ፈቀዶ ዳንከራን ዕብዳንን ዝርከብ ህዝቢ ወስ ከብለሉ።

 ከምቲ ቅዱስ ቃል ዝብሎ፡ ራእይ ዘይብሉ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ ዝበሎ። ኣታ ህዝቢ ሎሚ ውን ንስኻ አትገብሮ ዘሎኻ ስነ ምግባር።

 እምነት ዘይብሉ ሰብ ዘይግብሮ እዩ። ሕጅስ ድያቆን መሪርዎ አዩ ትብል ትህሉ። እግዚኣብሄር አዩ መሪርዎ ተግባርካ፡ ኣነ ድማ ሞት የሕዋተይ ከም ሓሞት ሓርማዝ መሪሩኒ ኣሎ። ግን ኣምላኽ ይነብዕ ኣሎ ብሰንክኻ፡

 

ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት እቲ ከም ሓዊ ተመሲሉ ዝመጽእ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ከም፡ብቕቡቅ ከይበቆጸካ ናብ ልብካ ተመለስ። ይኣክል ጋይላ ኣክል ዳንከራ ኣክል ሳዕሳዒት ናብ ኣምላክካ ተመለስ። ኣብ ትሕቲ እግሩ ከም ሰብ ነነዌ ውደቅ እንተዘይ ኮይኑ፡ ንስካ ውን ክትጠፍእ ኢኻ።

 

ካብቲ ዝገርም ተግባርካ፡

 

ንቤተክርስትያን 5 ሳንቲም ሞባእ አንዳውደቅካ 500 ከፊልካ ከኣ ዲስኮ ትሓድር። 3 ለይቲ ዝኣክል ኣብ ዳንከራ ትሓድር ግን ክልተ ሰዓት ኣክል ተጊህካ ዘይተቀድስ ቅዳሰ ነዊሑ ትብል። ኣብ ርሑቅ ዳንከራ ኣሎ እንተበሉኻ ዘጥፋእካ ኣጥፊእካ ትክከይድ፡ ክብረ በዓል ኣሎ እንተበሉኻ ድማ ገንዘብ ናይ ትራንስፖር ትስእን፡ ኣንታ ከመይ ዝበሉኻ ኢኻ እረ ወረ ካበይ ኢኻ ተማሂርካዮ እዚ፡ ንሎሚ ይኣክል፡ ተነሳሕ፡ ተመለስ ምሕረት ካብ ፈጣሪ ለምን።

 

ዲያቆን ፋኑኤል።