ይትረፈኒ ጽድቂ

ኣማዕቲበ ኩለንትናይ
በትእምርተ መስቀል
ኣንቃዕሪረ’ለኹ
ምሕርተካ ክቕበል።

ቅድሚ ኩሉ
እቲ መወዳእታ ዘይብሉ
ሰላምካ ክትህበኒ
ነውጸይ ዝስዕረሉ።

ምሕረትካ ኣዝኒብካ
ሓጥያተይ ኣንቂጽካ
ክንዲ ዘቖምካኒ
ብምሕረት ጠሚትካ

ንጽውያ ውዕለትካ ብርዐይ ተኺለ
ንምስጋናኻ ኣእዳወይ ኣልዒለ
ቅድሚተይ ንድሕሪት ገዲፈ
ንቅድሚት ሓሊፈ
ከይደ….
ከይደ በቃ ከያዳይ ኮይነ።

ንተሰሎንጨ ምስ ኩሉ ጽባቐአ
ፎእ! ኢለ መሊሰ ከይሪኣ
እንከለኹ ኣብ ናይ ጽድቂ ጉዕዞ

ብሃንደበት
ንዓኻ ንዘሳድድ ይንገሰልና ዝብሉ
ሞባእካ ሰሪቖም ንቄሳር ዘቐብሉ
ጎፍ ኢሎምኒ’ቤትካ

ካህናት ዝመስሉ

መኣስ ንሱ ጥራይ

ንወሃቢ ሂወት ቃልካ
ከም መፈራርሒ ቀለም
ንእዮረሳሌም ቤትካ
ከም እሳት ባቢሎን
ጌሮም እናመሃሩ

ህዝቢ ምስ  ዘባህርሩ

ምስ ከምዚኦም ዝበሉ’ሞ
ከመይ ‘ለ ክቐዉም?

ኣነ ዝናፈቕኩ
ካብ ጸጋም ናብ የማን ዝመርሑ
ሓጥያተይ ኣጉዲሎም ጽድቂ ዘራብሑ
ኣነ ዝበሃግኩ
ንጹሃን ኣቕሽቲ

ኣብኡ ዝጸንሑኒ

ህሉፋት ቀሸሽቲ

በል ፍረድ ሕጂ ኣንታ ጎይታ ፍርዲ
ከመይ’ዩ ዝኽዎኖ ምስ’ዞም መጻዕደውቲ!

ሰምበት መጸ፣
”እስከ ንኣምር ፈጣሪነ ንቁም በብህላዌነ”
ቅዱስ ግብርኤል በለ
ኢሎም’ናሰበኹ

”እስከ ንኣምር ጳጳስነ ንቁም በበህላዌነ

ኢሎም ምስ ዘይቆሙ ንሓቂ

ካብ ምስኦም ዝቐውም

ገዲፈዮ՚ለኹ ይትረፈኒ ጽድቂ

ብጸጋይ መሓሪ

02-2016