“ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣን ሓንቲ መዓልቲ ሓላዊ ቤትካ ምኳን ይሕሸኒ።”

ቤት ኣቦይ እምብዛ እዩ ጥዑም፣ ኣቦይ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ገጹ ጸዊጉ ጠሚትኒ ኣይፈልጥን፣ ክብድል እንከለኹ ፍቕራዊ ዝዀነ ኣባታዊ ምኽሪ እናለገሰ መንገዲ እናርኣየ ኣብ ግቡእ መስመረይ ኢዩ  ዘትሕዘኒ። ኣቦይ ንእሽቶይ ኢሉ ካብ ሓላፍነት ነጻ ኣይገበረንን። ኣሚኑ እቲ ክገብሮ ዝግባኣኒ ንኽግብር የተባብዕኒ ነበረ። ኣቦይ ከም ወላድየይ ጥራይ ዘይኰነ ከም ዓርኹ ጌሩ ይርእየኒ ስለ ዝንበረ ካባይ ዝሓብኦ ምስጢር ፈጺሙ ኣይነበረን። ብሓፈሻ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሃዋህው ዝዓብለሎ ገዛ እየ ዓብየ። እዚ ዝነበረኒ ሓለፋታት ግና በበቑሩብ ሕንቃቐ ከሕድረለይ ጀመረ። ንገዛእ ርእሰይ ድማ ክሳብ መዓስ እየ ጽግዕተኛ ዝኸውን፧  ሕጂ መንእሰይ ኣኺለ እየ ከምቲ መንእሰይ ዝገብሮ ድማ ክሕጐስን ክዕንድርን እዩ ዝግብኣኒ። ኣነ ዝሰኣንክዎ የብለይን ነፍሰይ ግና ከም ስእንቲ ተዕነኒ ኣላ። እዚ ዘለኽዎ ወርቃዊ ዕድመ ሕጂ ክሕጐሰሉን ክፍስሃሉን እንተ ዘይኪኢለ ዳሕራይ ምስ ኣረግኩ ክጥዐስ ይኽእል እየ ዝብል ሓሳባት ክመላለሰኒ ጀመረ። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓሳባት ንኣእምሮይ ኣናወጾ፣ ብልበይ ድማ ካብ ገዛይ ክወጽእ ወሰንኩ፣ ኣብዚ ከምዚ ናይ ወጥሪ እዋን ፍቕሪ ኣቦይን ሓልየቱን ይረኣየኒ ግና ሓንሳብ ስለ ዝወሰንኩ ንድሕሪት ክምለስ ኣይደለኹን። ኣብዚ ከምዚ እዋን ብዙሕ ዝን ምባል ስለ ዘብዝሓኩ ኣቦይ እምብዛ ክቐርበኒ ጸገመይ ንምርዳእ  ክሓተኒ ገጹ ከይለወጠ ድማ ክሓቕፈኒ ጀመረ። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ተቢዐ ነቦይ “ኣቦ ኣነ ሓደ ነገር ደልየ ኣለኹ” በልክዎ፣ ኣቦይ ድማ “እንታይ እዩ እዚ ወደይ ኢሉ መለሰለይ፣” እቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ኩሉ ዳሕዳሕክሉ፣ ኣብ ቤት ኣቦይ ናብራ ከም ዝደለኽዎ ከም ዘይኰነ፣ ስለዚ ካብ ዘለዎ ሃብቲ እቲ ንዓይ ከውርሰኒ ዘለዎ ክህበኒ እሞ ርእሰይ ክኽእል በይነይ ኰይነ ናብ ካልእ ዓዲ ክኸይድ ከም ዝደሊ ሓበርክዎ። ኣቦይ ገጹ ብሓንሳብ ተደወነ፣ ስለምንታይ ክብል ድማ ሓተተኒ። ኣነ ኸኣ ምርጫይ እዩ ኢለ መለስክሉ። ኣቦይ ኣብ ፍቓደየ ኣትዩ ክዕምጽጸኒ ኣይደለይን፣ ወደይ ትወስዶ ዘሎኻ ስጉምቲ ሰናይ ኣይኰነን፣ ዘይትሓስበሉ ግዳ በለንኒ። ኣነ ድማ ሓንሳብ ካብ ልበይ ወሲነ ኣየ፣ ዝገብሮ ዘለኹ እፈልጦ እየ ጥራይ ዝበልኩኻ ሃበኒ በልክዎ። ኣቦይ ድማ ካብ ፍቓደይ ኣይወጽአን፣ ዘድልየኒ ሂቡ ኣፋነወኒ። ኣነ ድማ ዝተሓዝ ትሕዝቶይ ሒዘ ናብ ርሑቕ ዓዲ ተበገስኩ። ኣብቲ ዝደለኽዎ ዓዲ ምስ በጻሕኩ ንገዛእ ርእሰይ ከም ሓንቲ ኣብ ዘመን ህይወታ ረኺባቶ ዘይትፈልጥ ኩቡር ዕጫ ዝረኸበት እሞ ዓቢ ክብሪ ከም ዝበጽሓ ጌረ ቖጸርክዋ፣ ነፈሰይ ብሓጐስ ተጨንድሐት። እዋይ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ባርነት ኰን እየ ኔረ፧ ብምባል ድማ ምስ ገዛእ ርእሰይ ክዛረብ ጀመርኩ።  እታ ኸተማ ካብ ጽባቐኣ ዝተላዕለ ብዙሕ ዝዓይነቱ ባህታ ዝህብ ነገራት እዩ ኔርዋ። ንኹሉ ክፍትኖን ክጥዕሞን ድማ ወሰንኩ። ማእለያ ዘይብሎም ኣዕሩኽ ኣጥረኹ። ሳላ እቲ ቡሩኽ ኣቦይ ገንዘብ ኣይተሳእነን ። ዕንደራን ዳንኬራን ናተይ ኢለ ተታሓሓዝክዎ። ኣብታ ኸተማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስመይ እምብዛ ገነነን ዓበየን። ሰባት ብኣይ ክዛረቡ ጀመሩ። እዚ ኣዚዩ ዓቢ ፍናን ወሰኸለይ። ንምድረ ሰማይ ኣይትጹሩኒ ክብላ ጀመርኩ። ብገንዘብ ኩሉ ዝዕደግ ስለ ዝመስለኒ ኣሎ ዝብሃል ንነፍሰይ ሓጐስ ይህባ እዩ ዝበልክዎ ኩሉ ፈተንኩ። ፍትወት ስጋ ንነፈይ ተቖጻጸራ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ኩሉ ከም ማሕዘል ቆልዓ ኣብ ዝባነይ ተሓንገጠ። ነፍሰይ ብሓጥያት እምብዛ ተፈስሐት። ሰባት ፈትዮምኒ ዘይኰኑስ ንገንዘበይ ክብሉ ክቐርቡኒ ጀመሩ። ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ሰብ እንታይ ከምዝገብር ስለ ዘይፈልጥ ድማ ነዚ ሜላ ኣየስተውዓልክዎን፣ ገንዘበይ ድማ ቀስ ብቐስ ኩሉ ተወደአ። ናብራይ ክልወጥ ጀመረ፣ ተደናገርኩ፣ ግና ፈተወተይ ስለ ዝነበሩ ናብኦም ተጸጋዕኩ። ንቑሩብ ግዜ ምስኦም ምስ ጸናሕኩ ግና ሰባት ርጉማት  ሓጸርቲር ኣእዛን  ስለ ዝኾኑ ዝባኖም ሂቦም ከዋርዱኒ ጀመሩ። ከምዛ ስመይ ዘይገነን ኣብ ሓጺር ዓመታት ስመይ ክብለል ጀመረ። ታሪኽ ዘይብለይ ሰብ ኰንኩ። ኩሉ ክንዕቐኒ ጀመረ። ሕሉፍ ሓሊፈ ነዛ ዝበለዓ ቁራስ እንጌራ እኳ ሰኣንኩ። ስራሕ ክደሊ ጀመርኩ፣ ግና መን ከእትወኒ፧ ኣብ መጨረሻ ኣብ ሓደ ቦታ ስራሕ ረኸብኩ ግና ስራሕ ዘይኰነስ ውርደት እዩ። ነፍሰይ እምብዛ ተመረረት፣ ብገዛእ ኣእዳወይ ንህይወተይ ከጥፍእ ተደናደንኩ። ምንባረይ ኣጽልኣኒ፣ ልበይ ብጣዕሳ መልአ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነበርኒ ሕንቃቐ  ኩሉ ተዘከርኒ። ፍቕሪ ኣቦይን ፣ሓልዮቱን ኣበይ ክረኽቦ ሕጂ   ንብዓት መዓልታዊ ቀለበይ ኰይኑ ዝገበሮን ፣ ዝሕዞን ጠፋኣኒ። ካብ ቤተ ኣቦይ ኮብሊለ ምውጽኣይ ድማ እምብዛ ኣጣዐሰኒ። ኣበሳ ከም ዝገበርኩ ድማ ተረደኣኒ። ናብ ቤት ኣቦይ ክምለስ ይደሊ እሞ ግና ኣቦይ ንዓይ ንዘራዊ ገንዘብ ከመይ ጌሩ ክቕበለኒ  እናበልኩ ነግ ፈርረ እብል። ሕልናይ እውን ንስኻ ገበነኛ እናበለ ኣሳቐየኒ። ካብ ኩቱር ጭንቀት ዝተላዕለ ገጸየ ብማዳ ተደወነ። ዝረኣየኒ ኩሉ ጋገየኒ። ከምታ ቤታ ሓዲጋ ዝኾብለለት ርግቢት ኰንኩ። ኣብ መወዳታ ብልበይ ክምለስ ኣሎኒ እንተ ተቐበለኒ ሰናይ እንተ ዘይኰነ ኣብ ብርኩ ተደፍኣየ ከምቶም ሰራሕተኛታት ገዛና ዀይነ ክቑጽር ክልምኖ እየ፣ ብምባል ናይ መጨረሻ ውሳኔ በጻሕኩ። ንውሳኔይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ብዙሕ ገድሊ ተጋደልኩ። እቲ እንኰ ናይ መጨረሻ ውሳኔ ቅድሚ ሞተይ ክገብሮ ዘሎኒ ናብ ቤት እቲ ፈቃር ኣቦይ ክምለስ ኣሎኒ ኢለ ንዝወሰንክዎ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣእጋረይ ናብ ቤተ ኣቦይ ኣቕናዕኩ። ካብ ቤት ኣቦይ መሊኣ እየ ወጺኤ ሕጂ ግና ጥራሕ ኢደይ እምለስ ኣለኹ። ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ግርማይ እየ ወጺኣ ሕጅ ግና ሞጐሰይ ተቐንጢጡ እምለስ ኣለኹ። ምስ ገዛእ ርእሰይ እናተማጐትኩ ከይተፈለጠኒ ኣብ ጥቓ ገዛና ቐረብኩ። ብማዕዶ ኣቦይ ዝን ኢሉ ከምዚ ገለ ነገር ዝጽበ ዘሎ ኣማዕድዩ ይጥመት ነበረ። ኣቦይ ካብ ልቡ ከም ዘየውጻኒ እዚ ምልክት ኰነኒ። ኣቦይ ብማዕዶ ምስ ረኣየኒ እናሳሓቐ እናዘለለ ናባይ ክመጽእ ረኣኽዎ። ንብዓተይ ኣውያተይ ምቁጽጻር ሰንኩ፣ መጺኡ ምስ ጽያፈይ ሓቝፉ ሰዓመኒ። ምእማን ሰኣንኩ ኣብ እግሩ ተደፍየ ምሕረት ሓትትኩ፣ ከም ወዱ ዘይኰነ ከም ሓደ ተራ ሰራሕተኛ ክርእየኒ ተማሕጸንክዎ። ኣቦይ ካብ ተደፊአሉ ዝነበርኩ ኣተንሲኡ ሓድሽ ክዳን ክገብሩለይ ክዳን ምስ ኣቦይ ከሕጐስ ቀለቤት ክገብሩለይ ኣዘዘ። ናብ ገዛና ብምምጽኣይ ዓቢ ሓጐስ ኰነ። ዋላ እኳ ሓወይን ብዙሓት ካልኦትን ነዚ ሰብ’ዚ ከምዚ ከመይ ኢሉ ይግበረሉ እንተበሉ ኣቦይ ግና ኣፍቂሩኒ፣ ታሪኸይ ኩሉ ለዊጥዎ። ኣነ ድማ ደጊም ካብ ቤት ኣቦይ ምውጻእ መዘዙ ዓቢ ምዃኑ ተረዲኤ ንዘኣለም ኣብ ቤት ኣቦይ ክነብር ወሰንኩ።  ኩቡራት ኣሕዋተይ እዚ ብሓውሲ ዛናታ ጌረ ዘቕረብኩልኩም ታሪኽ ካብ ሉቃስ 16 ብዛዕባ እቲ ጥፍኡ ወዲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ምስላ እዩ። ክርድእና ኢለ ድማ ብኸምዚ ከነንብቦ ዝጸናሕና ዛንታ ኣቕሪበዮ ኣለኹ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዝረኣናዮ ጥፍኡ ወዲ ዝምህረና ዓቢ ቁም ነገር ኣሎ። ዘማራይ ዳዊት ክዝምር ከሎ “ካብ ሽሕ ዓመት ኣብ ቤት ረሲኣን ሓንቲ መዓልቲ ሓላዊ ቤትካ ምኳን ይሕሸኒ።” ይብል። እዚ መንእሰይ ግና ኣብ ቤት ኣቡእ ንምንባር ኣይፈተወን፣ ሎሚ ካብ ቤት ኣምላኽ፣ ካብ ሕቑፊ ኣምላኽ ከውጸኣና ዝደሊ ነገር ኣሎ ዶ፧  ዓለም እንትርፎ መርገም ከም ቤት ኣምላኽና በረኽትን ብጽእናን የብላን። ብዙሕ ግዜ ካብ ቤት ኣምላኽ ብሓንሳብ ኣይኰነን ሰይጣን ከውጻና ዝደሊ እንታይ ደኣ በበቑሩብ እናገበረ እዩ ካብ ኣምላኽ ከዝብለና ዝጋደል። ካብቲ ኣብ መስቀል ስለ ሓጢኣትና ዝተሰቅለ  ክርስቶስ ርሒቕና ዱንኳውንትና ኣብዛ ምድሪ ክንተክል እንተ ጀሚርና ሰይጣን ኣብ መጻወድያኡ ከእትወና ብጣዕሚ  ቐሊል እዩ። ስለዚ ሓለፋ ቤት ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ፈጺሙ የሎን። ዘሎ እንተ መሲሉና ግና ተታሊልና ኣሎና። ከምቲ ኣሳፍ ካብ ቤት ኣምላኽ ወጺኡ ናብ ረሲኢነት ምስ ጠመተ እሞ ከም ዝዓሸወ ተረዲእዎ ምስ ተመልሰ ዝበሎ ንበል፣ “ንዓኻ ኣብ ሰማይ ካብ ረኽብኩ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን ከውሒ ርስተይን ዕጻይን ንዘልኣለም ንስኻ ኢኻ” ብዝተፈላላየ ድካምን ውድቀትን ካብቲ ፈቃር ኣምላኽ መድሓኒ  ኢየሱስ  ክርስቶስ ወጺእና ክንህሉ ንኽእል ኢና። ኣብዚ ከምዚ እዋን እዚ እቲ ማዕጾ ኣምላኽ ኩፉት እምበር ዕጽው ኣይኰነን። ከመይሲ “ዝወደቐስ ኣይትንስእንዶ ፧ ዝተጋገየኸ ኣይምለስንዶ፧ ” ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ።

ምሕረት ኣምላኽ ዘልኣለማዊ እዩ፣ ንኽንምለስ ምሉእ ዕድል ኣሎና። ሃዋርያ ጳሎውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ክጽሕፍ ከሎ “ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዚብል።” ብምባል ኢድ ኣምላኽ ንምሕረት ኩሉ እዋን ዝርግሕቲ ምኻና ይዛረብ። ሰብ ነቲ ዝበደሎ ሰብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ልቡ ክዓጽወሉ ይኽእል እዩ ኣምላኽ ግና ከም ሰብ ኣይኰነን ብምሕረት ምሉእ ብዓል ዓቢ ሳሕልን ምሕረትን  እዩ። ንሱ ከምዚ ጌርካ ወይ ከምዚ ወሲኽካ ኢሉ ኣይጸባጸብን እንታይ ድኣ ንምምላስካ ወትሩ ልቡ ምስ ከፈተልካ ኣእዳው ድማ ምስ ዘርገሐ እዩ።  እምበኣር ካብዚ ቤት ኣቡኡ ገዲፉ ናይ ሰይጣን ገዛ ዝሰርሓ እሞ ዝተጣዕሰ ፥ ተጣዒሱ’ውን ካብ ኣብኡ ምሕረት ዝለመነ ወዲ እንታይ ንመሃር?   እዚ ካብ ቤት ኣብኡ ዀብሊሉ ዝወጸ መንእሰይ ኣብ ውሽጢ ዓለማውነት ምስ ጠሓለ ብሓጥያት ድማ ምስ ተጨማለቐ ዝነበሮ ናይ ቤት ኣብኡ ህይወት ብምውድዳር ኣብ ከቢድ ጣዕሳ እዩ ኣትዩ። ጣዕሳ እቲ ፈለማ ጸራጊ መንገዲ እዩ። ካብ ቤት ኣምላኽ ወጺና ኣብ ሓጥያት ምጭምላቕና፣ ንፍቕሪ ኣምላኽ ዝባና ሂብና ምኻድና ኣብ ውሽጥና ክቱር ጣዕሳ ክፈጥር ኣለዎ። ብዙሕ እዋን ካብ ቤት ኣምላኽ ምውጻና ጣዕሳ ይስምዓና ይኸውን ግና እቲ ጹቡቕ ዘይኰነ ነገር ወትሩ ኣብ ጣዕሳ ክነብር ከሎና እዩ። ምጥዓሳና ሰናይን እቲ ፈላሚ መንገዲ ናይ ምምላስ እኳ እንተዀነ ኣብኡ ጥራይ ክነብር ግና ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን። ሰይጣን ንጣዕሳና ብሕልናዊ ወቐሳና ብዘይትቐባልነት ስለ ዝደፍኖ ወትሩ ኣብ  ጭንቀት ጥራይ እዩ ዘውድቐና። ክንዮ ጣዕሳ ክንከይድ ክንቃለስ  ኣሎና። ጣዕሳና ናብ ካልእ ውሳኔ ከሰጋግረና ኣለዎ። ንሱ ድማ ናብ ንስሓን ኣብ ትሕቲ ፈቃር ኣምላኽ ወዲቅካ ምሕረት ናብ  ምልማንን ኢዩ። ነዚ ንክንገብር ፥ ኣማላድነት ኣዴና ድንግል ማርያም ተራዳእነት ቅዱሳን ኣይፈለየና ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ.